ግዱሳት ኣሜርካውያን ኤርትራውያን፣ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ንክፍትሑ ዝጀመርዎ ጠለብ ቁጽሩ
እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎን ኣብ ካልኦት ኣህጉር ዝነብሩ ኤርትራውያን ይድግፍዎ ምህላዎምን እቲ ናይ ጥርዓን ደብዳበታት ይሕብር።
ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ጠለብ፣ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ንጉዳይ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣቓልቦ ሂቡ፣ ብዘይ ወዓል-ሕደር ካብ ማእሰርቲ ክፍትሑ ዝከኣሎ ክገብር ዝሓትት እዩ።
ኤርትራ፣ ግህሰት ኣምልኾ ዝገነነላ፣ መሰል-ሰባት ዘይክበረላ ቦታ ምስ ተቐየረት፣ ፓትርያርክ እንጦንዮስ መሰል ኣምልኾን ናጽነትን ከኽብር ንመንግስቲ-ኤርትራ ስለዝሓተትዎ፣ ካብ መዓርጎም ብሓይሊ ከምዘውረዶምን ግዳይ መንግስታዊ-ዓመጽ ከምዝኾኑን እቲ ናይ ጥርዓን ጽሑፍ ይትንትን። ልዕሊ ሰማንያ ዝዕድሚኦም ፓትርያርክ እንጦንዮስ ብሕማም ስኾርያ ከምዝጥቕዑን ጥዕንኦም ኣብ ዘሻቕል ኩነት ከምዘሎን ድሕሪ ምሕባር፣ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ቅጽበታዊ ዝኾነ ፍታሕ ክገብር ምሕጽንትኦም የቕርቡ።
ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ካብ 2007 ዓ.ም ክሳብ ሕጂ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ድሕሪ ምሕባር፣ ሕጂ ብዘይ ወዓል-ሕደር ክፍትሑ ስምናን ክታምናን ኣተሓሒዝና ንልእኽ ኣሎና ብምባል እቲ ናብ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ዝቐርብ ዘሎ ጥርዓን ሓሳቡ ይድምድም።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ