S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መልእኽቲ መሪሕ ጥቕሲ መበል 11 ዓመታዊ ጉባኤ ተዋሕዶ ቤክ ኤርትራ

“ኣብ ቀራና ጎደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ፡ እቲ ጥንታዊ መገድታትን እቲ ጽቡቕ ጎደናን ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብኣኡ ተመላለሱ፡ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም’’ (ኤር 6፡16)

መእተዊ

እዚ ረዚን ቃልዚ፡ ነብዪ ኤርምያስ ንሰብ እስራኤል፡ ብፍላይ ከኣ ንሰብ ይሁዳ፡ ካብ ኣምላኽ ተቐቢሉ ዘመሓላለፈሎም መልእኽቲ እዩ። ድሕሪ ኣስታት 2600 ዓመታት እንተኾነውን ንዓና ዘመሓላልፎ ጠቓሚ መልእኽቲ ስለዘሎዎ፡ ቃል ናይ እግዚኣብሔር ስለዝኾነ፡ ወትሩ ግዜ ህያው እዩ። ታሪኻዊ ትሕዝቶ’ዚ መልእኽቲ ኣዚ ዝስዕብ እዩ። 600 ዓመታት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ፡ ቅድሚቲ ናይ ምርኮ ዘመን ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ነብዪ ኤርምያስ ብብኽያትን ብቑዝማን ንህዝቢ እስራኤል ደጋጊሙ ኣብ ዝመኽረሉ ዝነበረ እዋን ዝተዋህበ ቃል እዩ። እግዚኣብሔር ህዝቢ እስራኤል መገዲ ስሒቶም ከምዘሎዉ ፈሊጦም፡ ናብቲ ናይ ቀደሞም ጽቡቕ ጎደና ኪምለሱ፡ ሳዕቤን ናይ ዘይምምላስ ግን ኣሰቓቒ መግዛእቲ ይጽበዮም ከምዘሎ የጠንቕቖም ነበረ። “…ዝተጋገየስ ኣይጥዓስንዶ? መገዲ ዝተጋገየኸ ኣይምለስንዶ?…” እናበለ እግዚኣብሔር ብነብያቱ ጌሩ ብተደጋጋሚ ንህዝቡ ኣብ ዘጠንቕቐሉ እዋን ዝተዋህበ ቃል እዩ።

እቲ ግዜ ዘይቕይሮ መልእኽቱ ንኣና ከኣ፡ ኣብዚ ዓለም ብቴክኖሎጂን መራኸቢ ብዙሓንን ዳርጋ ናብ ሓደ ቁሸት እትልወጠሉ ዘላ እዋን፡ ሓቅነቱ ዘይተጻረየ ፍልጠትን ሓበሬታን ዓጋቲ ስኢኑ ናብ ኩሉ ዓለም ዝዝርግሓሉ፡ ፍትወት ዓለም ዝገነነሉ፡ ዓለም ብጽቡቕ ኣስማት ሓጢኣት ንደቂ ሰባት እትሸጠሉ ዘላ መዋእል፡ ሰይጣን ከኣ መሳርሒኡ ኪኾኑ ርእሶም ብዝወፈዩ ሰባት ጌሩ ብዝልዓለ ደረጃ ዝንቀሳቐሰሉ ዘመን እዩ። ሓቂ እዩ ወዲ ሰብ ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ናብርኡ ከምሓይሽ ወትሩ ምስ ጸዓረ እዩ፤ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ዝተራእየ ምዕባለ ናብራ ደቂ ሰባት እቕሊልዎን ለዊጥዎን እዩ። ኩላትናውን ተጠቀምቲ ናይዚ ምዕባለዚ ብምዃንና ነቶም ንመዋእሎም ጽዒሮም ኣብዚ ዘብጽሑና ነመስግኖም።

ነገር ግን ሓጢኣትውን ብእኡ መጠን ሰፊሑን በዚሑን ይርከብ። ምዕባለ ምንጪ ሓጢኣት እዩ ክንብል ኣይንኽእልን፡ ሓጢኣት ዝበዝሓሉ ምኽንያት ሰባት ካብቲ ዘልኣለማዊ ህይወት፡ በቲ ከም ዕንባባ መሮር ኣሎ እናበልካዮ ዝቅህም ግዝያዊ ዓለማዊ ህይወት ስለእንታለል እዩ። ናብራ ዓለም ኣብ ዝጥዕመሉ እዋን፡ ነገራዊ ሃብቲ ዓለም ብዝያዳ ክስሕበናን ካብ ፈጣሪና ከርሕቀናን ከምዝኽእል ግን ርዱእ እዩ። ስለዚ ምዕባለ እምበኣር ፈታኒ እዩ። እብ ውሽጢ ምዕቡል ዓለምን መነባብሮን ኴንካ ምስ ኣምላኽካ ጥቡቕ ህይወት ኪህልወካ ኸኣ ድርብ ጻዕርን ተወፋይነትን የድሊ። ስለዚ እምበኣር ዘመን ብዘመን ኪትካእ ከሎ እቲ ነገራዊ ሃብቲ ዓለም እንዳበዝሐ ኣብዝኸደሉ እዋን መንፈሳውነትን እምነትን ይደክም ምህላዉ ብዓይንና እንርእዮ፡ ኣብ ነፍሲወከፍናውን እንምኮሮ ዘሎና ዕለታዊ ተግባር እዩ። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስውን እዚ ፈሊጡ ይመስል “…ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና፡ እንድዒ እምነት ደኾን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ?” (ሉቃ 18፡8) ኪብል ዘጠንቀቐና።

እዚ መሪሕ ጥቕሲ’ዚ ንህልዉ ኩነታት ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ብዝምልከትውን ዝገልጾ ሓቂ ኣሎ። ካብ መፋርቕ 2005 ዓመት ጀሚሩ ቤተክርስትያንና ካብቲ ጥንታዊ መገዳ ኣላጊሳ እያ ትርከብ። ቤተክርስትያንና ምስ ነጻነት ሃገርና ምምሕዳራዊ ነጻነት ረኺባ ኣብ ዓዲ ይኹን ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና፡ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ርእይዎ ዘይፈልጥ መንፈሳዊ ኣገልግሎት፡ ፍቕርን ሓድነትን ኪረክብ ብምጅማሩ ሓጎሱ ልዑል እዩ ነይሩ። እዚ ትንሣኤ ቤተክርስትያን ዘተስፉ ኣገልግሎት ግን ጸላእቲ ኣጥርዩ፡ ሰብ ብገርሁ ከኣ ምኽሪ ጸልማት ተወድዩ ቀስ ብቐስ ኣብ ግብሪ ስለዝውዓለ፡ ሎሚ ቤተክርስትያንና ካብ መገዳ ወጺኣ ሓርንታን ኣንፈታን ኣጥፊኣ ትርከብ። እቲ ብ2002 የካቲት ብመንግስቲ ኤርትራ ንኽሕግዘኩም ምሁር ሰብ ሂብናኩም ኣሎና ተባሂሉ ዝመጸ ውልቀ ሰብ (ኣቶ ይፍታሀ ቀሺ ዲሞጥሮስ) ብዓል ግዜ፡ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ ይርከብ።   

እቲ ንዘመናት ዝመርሓና ሕጊ ቤተክርስትያን ብኢደወነኑ ቀይሩ፡ ጭዋ ሰብ “ኣነ ዋና ኣማሓዳሪ ቤተክርስትያንኩም እየ” ብምባል ብሕሉፍ ድርቅና ባዕሉ ኪምርሕ ስለዝጀመረ፡ ብተደጋጋሚ ዓለም ለኻዊ ቀኖና ቤተክርስትያን ተጋሂሱ። መጀመርያ ብገርህነት ዝተፈጸመ ጌጋ እዩ ዝመስል ዝነበረ፡ ግዜ ከምዝገለጾ ግን ነቲ ጥንታዊ ኃይማኖት ንምድኻም ኮነ ኢልካ መደብ ወጺእዎ ዝተተግበረን ዝትግበር ዘሎን ምዃኑ ተጋሂዱ። ከምሳዕቤኑ ቤተክርስትያን ኤርትራ ብፖለቲከኛታት ተጨውያ ኣብ ማሕዩር ትርከብ፡ ካብ ጥንታዊ መገዳን ሕጋን ስለዝወጸት ከኣ ካብ ኩለን ኣሓት ኦርየንታል ተዋህዶ ቤተክርስትያናት በይና ተፈልያ ትርከብ ኣላ። እቲ ዝፈረሰ ሕጊ ጥንታዊ እዩ፤ ኦርቶዶክስን ካቶሊክን ቅድሚ ምፍልላዮም፡ ብሓደ እንከሎዉ ኣብ ጉባኤ ንቅያ (325 ዓም) ዘቖምዎ ሕጊ ስለዝኾነ ከኣ ኣብዚ ሕጂ እዋን መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ምስ ኣብ ብምልእታ ዓለም ዘሎዋ ኣብያተ ክርስትያናት (ንኣብነት ዓለም ለኻዊ ማሕበር ቤተክርስትያናትን) ርክብ የብሎምን። ሳዕቤኑ ልክዕ ከምቲ እቲ ቅድሚ 2600 ዓመታት ዝተዋህበ ህያው ቓል እግዚኣብሔር ኮይኑ፡ ኣብ ሞንጎ ህዝብና ሕንፍሽፍሽን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ባእስን ክርክርን ኣስዒቡ። እቲ ነገር ግብረ-ኣረማውያን ምዃኑ እንዳተቐልዐ ምስ ከደ ከኣ ነቶም መሃዝቱን ተግበርቱን ድቃስ ለይቲ ከሊእዎም፡ መመሊሱ ከምዝባራዕ ሓዊ ኮይንዎም ኣሎ። ሕጊ ኣፍሪስካ ሰላምን ሓድነትን ህዝቢ ኪርከብ ኣይከኣልን እዩ።

3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ንውሉደ ክህነት፡ ብምሉኡ ምእመናን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራን ኩላተን ኣሓት ኣብያተ ክርስትያናትን ኣብ ዝለኣኽዎ ቅሉዕ ደብዳበ፡ ምስ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓብዪ ኣርእስቲ፡ ዝኸይድ፡ ሓደ ረዚን ቃል ተዛሪቦም “ሕጊ እንተረጊጽካዮ ተመሊሱ እዩ ዚረግጸካ”። ሓቅነትዚ ቃልዚ ዕለት መጸት ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንርእዮ ኣሎና። እቶም ሕጊ ትጥሕሱ ኣሎኹም፡ እዚ ትፍጽምዎ ዘሎኹም ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ፡ ናብ ልብኹም ተመለሱ እናበሉ ዝመኸሩ (ናይ ግብጺ ቤተክርስትያን፡ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣብ ዓዲ ዝርከቡ ዳርጋ ዝርካቦም ሊቃውንቲ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላላየ ክፍለ ዓለማት ዘሎዉ ውሉደ ክህነትን) ሰማዒ ግን ኣይሰኣኑን። ምንጭን ኣንፈትን እቲ ሓደገኛ ጉዳይ ዘስተውዓሉ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ከኣ ድሕሪ ተደጋጋሚ መጠንቐቕታ ውግዘት ኣንቢሮም። ብዙሓት ከኣ ንሕና ብፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣብ ዝተነብረልኩም ውግዘት ኣይንኣቱን ብምባል ኣብቲ ጥንታዊ መገዶምን ሕጎምን ዝጸንዑ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከቡ ሊቃውንቲ ነታ ንመዋእሎም ዘገልገልዋ ቤተክርስትያን ዳግማይ ኣጸዳ ከይረግጹ ብበዓል ግዜ ኣቶ ዮፍታሀ ተኣጊዶም። ኣብ ስደት ዝርከቡ ኣቦታት ከኣ ሕግና ይከበረልና ስለዝበሉ ከቢድ ፈተና ገጢሞዎም፤ ኣምላኽ ምስቶም ሰብ ሓቂ ስለዝኾነ ግን ንኹሉ ጸለመን ተጻብኦ ፖለቲከኛታትን ሰጊሮም ሎሚ ንህዝብና ሞዕቆብን ተስፋን ኮይኖምዎ ይርከቡ።

እቲ ዘገርም ክኣ ኣብ ስደት ንዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናትውን ከዐኑ ብኣቶ ዮፍታሀ ዝተወጠነ ሕቡእ ኣጀንዳ ቅድሚ 4 ዓመት (ሓምለ 2005)፡ ኣብዚ መበል 11 ዓመት ጉባኤና ንፍጽመሉ ዘሎና ናይ ሰላም ደብሪ ቅዱስ ታቦት’ዩ፡ ሓይሊ መድኃኔ ዓለም ኸሺሕዎ። ንኡስ ሃገረ ስብከት ዕላማ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ብዙሓት ምሁራትን ምኩራትን ውሉደ ክህነት ዝርከብዎ፡ ኣብ ስደት ንዝርከብ ህዝቢ ካብ ምጥርናፍ ሓሊፉ፡ ንዓድናን ገዳማትናን ብተግባር ርኡይ ዝኾነ ሓገዝ ከበርክት ብምጅማሩ ብዙሓት ትንሣኤ ቤተክርስትያን ዝምነዩ ተስፋ ዘንበርሉ ጉባኤ ስለዝኾነ እዩ። ብተወሳኺ ነቲ እቶም መፍርስቲ ሕግን ለኣኽቶምን ክትግብርዎ መዲቦምዎ ዝነበሩ ዕንወት ኢዱ ኣጣሚሩ ከምዘይርእዪ ብኣግኡ ፈሊጦምዎ ስለዝነብሩ እዮም። 

እምበኣር እዚ ናይ ሎሚ ዓመት መንፈሳዊ ንግደት፡ ሓቅነትዚ መሪሕ ጥቕሲ ብግብሪ ዝገልጽ ስለዝኾነ ታሪኻዊ እዩ። ንኡስ ሃገረ ስብከት ብ2000 ዓ.ም ብብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ፊሊጶስ ተባሪኹ ብወግዒ ኣገልግሎቱ ካብ ዝጅምርን ቅድሜኡን ተበጊሱ፡ ንመበል 11 ዓመት ዝፍጸም ዘሎ፡ ዓመታዊ ጉባኤ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ሎሚውን ብክብ ዝበለ ምድላዋት ኣብ ደብረ ሰላም መድኃኔ ዓለም ዋሽንግተን ዲሲ፡ ካብ ሓምለ 29 - ነሓሰ 02/2009 ኪካየድ እዩ (ዝርዝር መደባት ዝገልጽ ሓፈሻዊ መርኃ 2009 ተመልከት)።

ንሎሚ ዓመታዊ መምሪሕትና ኪትከውን ዝተመርጸት ጥቕሲ ከኣ “ኣብ ቀራና ጎደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ፡ እቲ ጥንታዊ መገድታትን እቲ ጽቡቕ ጎደናን ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብኣኡ ተመላለሱ፡ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም’’። እትብል ካብ ትንቢት ኤርምያስ 6፡16 እያ። ንምክትታሉ ምእንቲ ክጥዕም ኣብዞም ዝስዕቡ ክፍልታት ተዳልያ ትቐርብ ኣላ።


1.“ኣብ ቀራና ጎደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱ” ዝኾነ ሰብ መገዲ ምስ ዝደናገሮ፡ ኣብ ጉዕዞኡ መንታ መገድታት ምስዘጋጥሞ፡ እታ ቕንዕቲ መገዲ ኣየነይተን ምዃና ምስዘየረጋግጽ፡ ለባም እንተኾይኑ ኣብ ክንዲ ምቕጻል ደው ኢሉ ይሓስብ። እዚ ነገር’ዚ ነቲ ኣብ ዕለታዊ መፈሳዊ ይኹን ስጋዊ ናብራና ዘጋጥመና ዝተፈላለየ ነገራትውን የጠቓልል እዩ። ኣቦታትናውን “ኣድቒቕካ ዝመተርካዮን፡ ሓሲብካ ዝገበርካዮን፡ እትበልዖን ኣይሓንቕ እትገብሮን ኣይሓምቕ” ይብሉ። ኣብ ግዜ ድንግርግር ንውሳኔ ዘይምህዋኽ ልቦና እዩ። እቲ ዝዓበየ ቁም ነገር ግን ኪንዮ ምህዳእ ብእትገብሮ ነገር እዩ ዝግምገም፤ ማለት ሃዲእካ’ኸ ከመይ ዝኣመሰለ ውሳኔ ኢኻ ትውስን? ዝብል እዩ። ገለ ሰባት ኣብ ግዜ ድንግርግር ዝሃድኡ ቅኑዕ ካብ ዘይቅኑዕ ምእንቲ ኪፈልዩ እዩ፤ እቶም ብዙሓት ሰባት ግን ዝበዝሐ ሰብ ናበይ ይኸይድ ኣሎ፡ ንፋስ ናበይ እዩ ዝነፍስ ዘሎ ንኽርእዩ እዮም። ስለዚ ኩሉ ግዜ ዓዲጉ ንንገራት ብርግኣት ዝመዝን ሰብ ጽቡቕ ይውስን ማለት ኣይኮነን። እምበኣር ኣብ ምህዳእ ልቦናን ጉርሕን እዩ ዘሎ። እንተኾነ ብውሳኔኡ እንዳተሓጎሰ ዝነብር፡ ጉዳዪ ምስ ግዜ እንዳተዓወተ ዝኸይድ ሰብ፡ እቲ ምስ ብዝሒ ሰባት ዝወገነ ዘይኮነስ እቲ ምስ ሓቂ ዝወገነ ጥራሕ እዩ። ንሓቂ ክልውጥ ዝኽእል ማንም ሰብ የሎቦን፤ ሓቂ ብብዝሒ ሰባት፡ ብተንኮልን ሃብትን ደቂ ሰባት፡ ብሓይሊ መንግስቲ ኣይትቕየርን እያ።


2.እቲ ጥንታዊ መገድታትን እቲ ጽቡቕ ጎደናን ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብኣኡ ተመላለሱ። እቲ ብኻልኣይ ደረጃ እንርእዮ እምበኣር ድሕሪ ምህዳእና ኪንገብሮ ዝግብኣና ነገር እንታይ እዩ? ዝብል እዩ። ንኣብነት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ሓዋርያ ጳውሎስን ሲላስን ኣብ ስብከት ተዋፊሮም ዓዲ ዓዲ እንዳዞሩ ኪምህሩ ከሎዉ፡ ኣብ ተሰሎንቄ ምስ በጽሑ፡ እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ናዕቢ ፈጢሮም ምስ ኣዕገርገርዎም ብዙሓት ካብቶም ዝኣመኑ ሰባት ከይተረፉ መንፈሶም ተረበሸ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝንኣድ ሎቦና ዘርኣዩ ሰብ ደርቤ ዝተባህሉ እዮም። ሰብ ደርቤ ካብ ሰብ ተሰሎንቄ ንላዕሊ ደግታት ሰባት ነበሩ ይብል ቅዱስ ጽሑፍ። ደግታት ዘበሎም ነገር እንታይ እዩ? “ንሳቶም ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዚነበሩ ዝበለጸ ደግታት ነበሩ። ንሳቶም፡ እዚ ነገርዚ ኸምኡ እንተኾይኑ፡ ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጹሑፋት እናመርመሩ፡ ነቲ ቃል ብኹሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ።” ግብ 17፡11። ኣብ ክንዲ በቲ ዕግርግር ዝሓስቡ፡ ብዓል መን ኣበየናይ ሸነኽ ናይቲ ክርክር ከምዘሎዉ ኣብ ክንዲ ዘጽንዑ፡ ሰብ ደርቤ ዝወሰንዎ ቅኑዕ ውሳኔ፤ ንስብከት ብዓል ጳውሎስን ሲላስን ምስ ሕጊ ናይ ነብያትን ቅዱሳት ጽሑፋትን እንዳነጻጸሩ ሓቅነቱ ምርግጋጽ ነበረ። ሓቂ ኮይኑ ምስረኸብዎ ከኣ መን እንታይ ኢሉ ብዘየገድስ ንስብከት ብዓል ሃዋርያ ጳውሎስ ሓቂ ስለዝኾነ ጥራይ ብምሉእ ልቦም ተቐቢሎምዎ። ለባማት ዘበሎም ከኣ እዚ እዩ። ንጉስ ዳዊት ከኣ ከምዚ ኢሉ ዘሚሩ ኣሎ “ትእዛዛትካ ንሓዋሩ ምሳይ እዩ እሞ፡ ሓለፋ ጸላእተይ ኣለበመኒ። ምስካራትካ ምስትንታነይ እዩ እሞ ሓለፋ ኩሎም መምህራነይ ለባም ኮንኩ። ትእዛዛትካ ሓልየ እየ እሞ ሓለፋ እቶም ሽማግሌታት ኣእምሮ ኣሎኒ።” መዝ 119፡98-100።

እምበኣር ደቂ ኣምላኽ ኣብ ናይ ፈተን እዋን፡ ኣብ ግዜ ድንግርግር እንሃድኣሉ ቀንዲ ምኽንያት ድምጺ ኣምላኽ ምእንቲ ክንሰምዕ፡ ቃል እግዚኣብሔር ከነንብብ፡ ሕጊ ቤተክርስትያን ንኽንርዳእ ድኣ ኪኸውን ኣለዎ እምበር በዓል መን እንታይ ኢሎም፡ ኣነኸ ምስ ብዓል መን እንተወገንኩ ይሕሸኒ ምባል ሕማቕ ጉርሒ እዩ። ልዕሊ ኣብ ሓቂ ምጽናዕ ልቦና የልቦን። እዚ እዋናዊ ፈተና ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝገለጾ ነገር እንተልዩ ከኣ እዚ ሓቅዚ እዩ። ብዙሓት ውሉደ ክህነት እቲ ሕጊ እንዳፈለጥዎ፡ ብፍርህን ምትላልን፡ ልቦም ኣብ ዘይኣመነሉ ነገር ኮይኖም ንኣምላኽን ህዝብን ከገልግሉ ስለዝፍትኑ ኣይቀንዖምን እዩ። “ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብኹሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኮነን እሞ፡ እቲኸምዚ ዚኣመሰለ ሰብ ካብ ጎይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ” ያዕ 1፡7-8። ምኽንያቱ ህዝቢ ካብ ውሉደ ክህነት ዝጽበዮ ኣብ ርእሲ እቲ ዕለታዊ ኣገልግሎት፡ ሓቅነት ኪህልዎም እዩ። ኣነ ኣብቲ ሓቂ ዝኾነ ክርስቶስ ኣሎኹሞ ሰዓቡኒ ኪብሉ ከሎዉ እዩ ክብረትን ዕብየትን ዝርከብ። እቶም ቃል እግዚኣብሔርን ሕጊ ቤተክርስትያንን ዝፈልጡ ካብ ምእመናን እንተገዲዶም ግን ኪመርሑ ኣይክእሉን እዮም። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣምላኽሲ ኣብ ሰባትን ግዝያዊ ረብሓን ይጥምቱ ስለዘሎዉ ኣንጻር ተልእኾኦም እዩ። እግዚኣብሔር ንውሉደ ክህነት ይኹን ንምእመናን ዝመዓደና ቃል ግን “ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ…” መዝ 46፡10። ዝብል እዩ።

ብተወሳኺ መጽሓፍ ቅዱስ ጥንታውን ዳሕረዋይ ዘመን ብምንጽጻር ዝምህረና ዓብዪ ቁም ነገር ኣሎ። “ኣብተን ዳሕሮ መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪኾኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዑቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቓርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ። እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ….እቲ ዕሽነቶም ንኹሉ ኺግለጽ እዩ እሞ ካብኡ ሓሊፎም ኣየስልጡን እዮም።” 2 ጢሞ 3፡1-9። እዚ ቃላት እዚ ጥልቕ ኢሉ ንዘስተውዓለሉ፡ ኣብ ዘመንና ዝፍጸም ዘሎ መልክዕ ናይ ክርስትና ዘሎዎ ግን ትሕዝቶኡን ሓቀኛ መንነቱን ዘይከምሽሙ ንርእይን ንዕዘብን ኢና። ገለ ወገናት በዚ መገዲዚ ብምኻድ ንስም እግዚኣብሔር ዘጽርፉ ኣሎዉ። መበገሲ ናይዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ውድቀት ከኣ ከምዚ እዚ ቃል ዝገልጾ ዘሎ ፍትወት ርእስኻን ፍትወት ዓለምን እዩ። ኣብዚ ዘመንዚ ብዙሕ ካብቲ መገዲ ቅዱሳት ኣቦታትና ፍልይ ዝበለ እንዕዘቦ ነገራት ኣሎ። ኣቦታትና ብትሕትና ኪልለዩ ከሎዉ ኣብዚ ዘመንዚ ኸኣ ኣንነት ነጊሱ ንረኽቦ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ሰብ ኣብ ክንዲ ብሓጥያቱ ዝጉህን፡ ከምቲ ናይ ኣቦታትና ብንብዓት ሓሙኽሽቲ ተኸዲኑ ብኣምላኽ ተማሒሩ፡ ውሽጣዊ ዕረፍትን ቅሳነትን ኣብ ክንዲ ዝረክብ፤ ነብሱ ብምቕሻሽ ምስ ሓጢኣቱ ከሎ፡ ከይተጣዕሰን መገዱ ከይቐየረን፡ ዕረፍቲ ዝረኽበሉ መገዲ ከናዲ ላዕልን ታሕትን ዝብለሉ ዘመንውን እዩ። እቲ ዘሰንብድ ከኣ ኣብ ውሽጢ ገለ ኣብያተክርስትያናት (ንኣብነት ኣንግሊካን ቤተክርስትያን)፡ እዚ ነገርዚ ቀስ ብቐስ ሱር እንዳሰደደን ናብ ዝብኣሰ ነገር እንዳዓበየን ክሳብ ግብረ-ሰዶማውያን ከም መራሕቲ ተቐባልነት ረኺቦም፡ ብስጋዊ ስምዒቶም ተገሪሖም ንዝፈጸምዎ ሓጢኣት ከኣ ከይሓፈሩ፡ ሰባት ንምትላል ቅዱሳት ጽሑፋት ጠምዚዞም፡ ንሰባት ከእምኑሉ ዝጽዕርሉ ዘሎዉ ዘመንውን ኢና ዘሎና። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጢኣት ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኣምላኽ ኣይነበረን ንምባል ዘይኮነስ፤ ከምዚ ሎሚ ግን ግኑን ዘይምንባሩ ንምግላጽ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነትት እምበኣር እቲ ፈውሲ ነቲ ጥንታዊ ናይ ሓዋርያት መገዲ ኣጽኒዕካ ናብኡ ምምላስ እዩ።


3.በቲ ጥንታውን ጽቡቕ ጎደናን ተመላለሱ፡ ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም’። ኣብዚ ናይ መጨረሻ ክፍሊ እንርእዮ ዓስቢ ናይ ጽቡቕ ውሳኔ እንታይ ምኻኑ እዩ። ኩሉ ጥንታዊ ዘበለ ጽቡቕ ዝብል ናይ ዕዉራት መጎተ ንምልዓልውን ኣይኮነን፡ ከምቲ ንነብዪ ኤርምያስ ዝተዋህቦ ቃል እግዚኣብሔር ብግልጺ ኣቐሚጥዎ ዘሎ “እቲ ጥንታውን እቲ ጽቡቕን ጎደና” ክንመርጽ እዩ ዝምዕደና ዘሎ። “እታ ናብ ህይወት ዚመርሕ ተግሳጽ እትሰምዕ እዝኒ ኣብ ማእከል ጠቢባን ትነብር።” ምሳ 15፡31። ሓዋርያዊ ሰንሰለት ዝሓለወ፡ ጽኑዕን ረዚንን ዶግማ ኪህልወካ፡ ኣዝዩ ዓሚቕ ስርዓተ ኣምልኾ፡ ናይ ጾም ስርዓት፡ ጸሎትን ቅዳሴን ኪህልወና፡ ንዘስተውዓለሉ ምራቐ እዩ። እቲ ጽኑዕ እምነት ቤተክርስትያን ናይ ብዙሓት ሰማእታት መስዋእቲ ዝሓተተ ፈታንን ጽንኩርን እዋናት ኣየጋጠሞን ማለት ኣይኮነን። ከምቲ ቃሉ ዝብሎ ግን ንቤተክርስትያን “ደጌታት ሲዖል እኳ እንተተቓለስዋ” ኣየሰነፍዋን። ቤተክርስትያን ከም መርዓት ክርስቶስ ኣብ ቃሉን ኣብቲ ጥንታዊ መገዳን እንተጸኒዓ፡ ምስ ዓለም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከይኣተወት ጸግኣን ክብራን እንተሓልያ፡ ማሕደር እቲ ኩሉ ዝኽእል መንፈስ ቅዱስ ስለእትኸውን ንኹሉ ማዕበላት ፈንጢሳ መሊሳ ትብርትዕን ትኹላዕን እምበር ከምቲ ብዙሓት ጸላእቲ ቤተክርስትያን ዝምነይዎ ኣይትፈርስን እያ። ናይ ቤተክርስትያን ሓደገኛ ፈተና፡ ቤት ጸሎት፡ ቤት ክርስቶሳውያን ምዃና ተሪፋ ቤት ዓለማውያንን ቤት ፖለቲከኛታትን ኪትከውን ከላ፤ ነቲ ሰማያዊ ንጉስ ሸለል ኢላ ንምድራዊ ንጉስ ክትምብርከኽ ከላ፡ ነቲ ሰማያውን ጥንታውን ሕጊ ገዲፋ ብሓድሽ ዓለማዊ ሕጊ ኪትመሓደር ከላ፡ ግን መገዲ ዕንወትን ብርሰትን እዩ። ኣብ ከምዚ እዋን ሕጊ እንዳፈረሰ እንከሎ ትም ምባል ዕረፍቲ ዝህብ ውሳኔ ኣይኮነን።

ንኹሉ ተጻዊርካ ኣብ ጥንታዊ መገድኻን ሕግኻን ምጽናዕ ግን ካብ ኣምላኽ ዓስቢ የውህብ። ክሳብ እታ ኣምላኽ ዝወድኣ መዓልቲ እትመጽእ ከኣ፡ በቲ ዝወሰድካዮ ውሳኔ መንፈስካ ዕሩፍን ሓያልን፡ እንዳሓደርካ እትሕጎስ ርጉእ ሰብ ኢኻ። ብዙሓት ከኣ ነታ ሓቂ ደልዮም ይስዕቡኻ፡ መጽለልን ተስፋን ህዝቢ ኸኣ ትኸውን። ኣብቲ ጥንታውን ጽቡቕን ጎደና ጸኒዕና ንገዛእ ርእስና ንብዙሓትን ንበረኸት ክንክወን ኣምላኽ ይደግፈና።

ንቤተክርስትያንናን ሃገርናን ሰላሙ ይሃብ!
ን/ክ/ ስነ-ጽሑፍ ኣብ ክፍሊትምህርትን ስብከትን።
ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div