S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዝኽሪ 2ይ ዓመት ዕረፍቲ: ሰማዕት እንበለ-ደም ቅዱስ እንጦንዮስ

እስመ ኣልቦሙ ለኣግብርቲከ ሞት ኣላ ፍልሰት!” ኦ ጎይታ! ንኣገልገልትኻ ምግዓዝ እምበር ሞት የብሎምን፥ ዝብል ናይ ተስፋ ቃል፥ ኣብ ጸሎተ-ፍትሓት (እግዚኣ ሕያዋን) ብመንፈሳውያን ኣቦታትና ተጻሒፉ እንረኽቦ ጸሎት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ እዩ። በዚ መሠረት: 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕት እንበለ-ደም፥ ብዙሕ ግፍዕን ማእሰርትን ተዓጊሶም፥ እምነቶም ኣጽኒዖም፥ መንፈሳዊ ገድሎም ወዲኦም፥ ካብ ምድራዊ ሰማያዊ፥ ካብ ጊዚያዊ ዘለዓለማዊ፥ ካብ ሥጋዊ መንፈሳዊ ክብርን ኣኽሊልን መሪጾም ኣብ መበል 96 ዓመት ዕድመኦም፥ ብ9 የካቲት 2022 ዓ/ፈ እዮም ዓሪፎም።

በዚ ምኽንያት: ምምሕዳር መንበረ-ጵጵስና፡ መበል 2ይ ዓመት ዝክሪ ዕረፍቶም፥ ብጸሎተ ቅዳሴን መዝሙርን ብዓቢይ ክብርን ዝኽርን ንኽበዓል፡ ንሰንበት 11 የካቲት 2024 ዓ/ፈ ( 3 የካቲት ፳፻፲፮ ዓ/ም ግእዝ) ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያን ብቅድስና ሰማዕት እንበለ-ደም ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምርሓን ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ብፁዕ ኣቡነ ሲኖዳን ዝመሓደራ ኣሕጉረ-ስብከታት፡-

1) ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ (ኣሜሪካን ካናዳን)፥

2) ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፥

3) ሃገረ ስብከት ማእከላይ ምብራቕ (እስራኤልን ኣፍሪቃን)፥

4) ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣውስትራሊያን ኒውዝላንድን፥

ሓባራዊ ጸሎተ-ፍትሓት ክግበር ንኹሎም ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን ውሉደ-ክህነትን ደቂቀ-እንጦንዮስ ንሕብር። ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ፥ "ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፥ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም ኣሰኣሰር እምነቶም ሰዓቡ።" (ዕብ 13፡7) ዝበሎ፥ ጽንዓት እምነቶም ክሓድረናን መንፈሳዊ ሕድሪ ለበዋኦም ከፈጽመናን ኣብቲ ተመዲቡ ዘሎ ዕለት፥ ጊዜ ኣወፊኹም ክትሳተፉ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ነዘኻኽር።

ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሞት ቅዱሳኑ ክቡር እዩ! (መዝ 116፡15)

ናይ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሰማዕት፥ ጽንዓት እምነቶም የሕድረልና።

5 የካቲት 2024 ( ፳፯ ጥሪ ፳፻፲፮ ዓ.ም ግእዝ)

ጸሎተ ፍትሓት (2ይ ቀብሪ) ቅዱስ እንጦንዮስ

ዝኽሪ ቦኽሪ-ዓመት ዕረፍቲ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div