S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸሎት ፍትሓት - 10ይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ላምፐዱሳ

ብምኽንያት መበል 10 ዓመት ዝኽሪ ናይቶም ኣብ 2013 ዓመት ኣብ ገማግም ደሴት ላምፐዱሳ ህልቂት ዘጋጠሞም ዜጋታትና፡ ንሰንበት 8 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ኩለን ቤተ ክርስቲያንናትና ብሓባር ጸሎት ፍትሓት ዝካየደሉ ዕለት እዩ። በዚ መሰረት፡ ስለቶም፡

  1. ኣብ 2013 ዓመት ኣብዚ እዋን' ኣብ ገማግም ደሴት ላምፐዱሳ ህልቂት ዘጋጠሞም ኤርትራውያን ዜጋታትና።
  2. ኣብ ሊብያ ብሴፍ ኣይሲስ ዝዓረፉ “30  ክርስቲያን ሰማእታት ሓበሻ
  3. ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ምድረበዳ ሲና ብገበነኛታት ዝዓረፉ ኤርትራውያን።
  4. ኣብ ዝተፈላለየ ቦታን እዋንን ህይወቶም ዝሰኣኑ እሞ ቀባሪ ዘይረኸቡ ኤርትራውያን ጸሎተ ፍትሓት ክካየድ እዩ።

ምእመናን፡ ኣብ ከባቢኹም ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ፡ ኣብቲ ዝግበር ጸሎተ ፍትሓት ክትሳተፉ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት የዘኻኽር።

ንኹሎም ግዳያት ዜጋታትና፡ ሰማያዊ ዕረፍቲ ክህቦም፣ ንስድራ ቤቶም ድማ ምጽንናዕ ክልእከሎም ፍቓድ ኣምላኽ ይኹነልና። ኣሜን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

3 ጥቅምቲ (October) 2023

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div