S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

 ናይ ስጋን መንፈስን ሕሰምና ዘብቅዕ፥ ጠንቂ ሕማምና ምስ ዝፍወስ ጥራይ እዩ።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።

ቀኖናዊ ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ካናዳን ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ህሉው ኩነታት ኣድሂቡ ዘውጸኦ መግለጺ እንሆ።

ድሕሪ ነጻነት ሃገርና እታ ከም ሰባ ኣብ መግዛእትን ጸበባን ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ነዊሕ ዝጠመተ ሕልሚ ትንሣኤ፥ ዕብየት፥ ራህዋን ሩፍታን ሒዛ እያ ርእሳ ክኢላ ኪትጉዓዝ ዝጀመረት። ሃገርና፥ ዓዲ ሕግን ፍትሕን ኮይና፥ ሕዝብና ርህይዎ ኪነብር ባህጊ ቤተ ክርስቲያንን ሕዝብን እኳ እንተነበረ፥ ተስፋና ግን ሕልሚ ኮይኑ እዩ ተሪፉ። ህዝብና ኣብ ኣርዑት ዘቤታዊ መግዛእቲ፥ ቤተ ክርስቲያንና ድማ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር መሓውር ጸጥታ መንግስቲ ተቖሪና፥ ኣብ ኢድ ብግበር ኣይትግበር ትእዛዝ መራሕቲ መንግስቲ ዝንቀሳቐሱ መራሕቲ ጳጳሳትን ካህናትን ወዲቓ። ብምኽንያቱ ድማ፥ ብትእዛዝ ፖለቲከኛታት፥ ካብ ቀኖና ወጻኢ ፓትርያርክ ተውርድ፥ ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ትሸይም፥ ገዳማት ኪድፈር ከሎን ውሉደ ክህነት ጠበንጃ ኪዕጠቑ ኪግደዱ ከሎዉን ተጽቅጥ፥ ነቲ መድሓኒና ክርስቶስ ዝሃባ ተልእኾ ሸለል ኢላ ኣገልገልታን ሕዝባን ክትብትን ትርከብ።

ሕዝብና ኣብ ታሪኹ ከም ሎሚ ጸልሚትዎ ኣይፈልጥን። እቶም ኣብ ዓድና ብመራሕቲ መንግስቲ ጅሆ ዝተታሕዙ ጳጳሳት ግን፥ፍትሒ ጎደለ፥ ሕዝቢ ተበደለምባል ተሪፍዎም፥ ሣልሳይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ንኣስታት 16 ዓመታት ኪእሰሩ ዝተሓባበሩን፥ ተስፋ ዘይንበረሎም ንነፍሶምውን ሓራ ዘይወጹ፥ እሱራት ምዃኖም ሕዝቢ ፈሊጥዎም፥ ኪዕብዎም ከኣ።

ኣብዚ ሕጂ እዋንውን ኣብ ግብጺ ብዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ዝተዋደደ ምብጻሕ ጳጳሳት ሃገርና ንዕዘብ ኣሎና። ፖፕ ታዋድሮስ ካልኣይ ንምንታይ እዚ ፈቒዶም፥ ትሕዝቶ ርክባቶም እንታይ ኪወልድ እዩ ንግዜ ዝግደፍ ኮይኑ፥ መርገጺ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ዝሓለፈ 16 ዓመታት ግን ዓለም ብዓለሙ ዝፈለጦ ግልጺ እዩ። ካብ ቀኖና ወጻኢ ብሓይሊ መንግስቲ 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ መንበሮም ዋላ እንተወረዱ፥ እቶም ሕጋዊ ፓትርያርክ ንሶም ጥራይ ምዃኖም፥ እቶም ብዘይ ሕጊ ዝተሾሙ ብፁዕ ኣቡነ ድዮስቆሮስ ይኹን ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ኣፍልጦ ዘሎዎም ዘይምዃኖም ብመራኸቢ ብዙሓን ብተደጋጋሚ ዝተፈነወ ሓቅታት እዩ። ድሕሪ ዕረፍቲ 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ እንተኾነውን፥ ስለቲ ንኃይማኖት ተዋሕዶ ካብ ፖለቲካውን ዓለማውን ኢድ ምትእትታው ንምድሓን ዘሕለፍዎ ስቓይን ገድልን፥ ናይ ዘመንና ሰማዕት እንበለ ደም (HH Patriarch Antonius the Confessor) ዝብል ደረጃ ከምዝሃብዎም ይፍለጥ።

ስለዚ ጳጳሳት ሃገርና፥ ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝብሎ  ከም ኣሮን፡ ብኣምላኽ እተጸውዔ ደኣ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ እዚ ሓደ እኳ ባዕሉ ኣይወስዶን እዩ።ዕብራውያን ፭፥፬ (5:4) ሽመት ቤተ ክርስቲያን ሰማያዊ ምዃኑ ኪግንዘቡ፤ ብፖለቲከኛታት ዝጸንዕ ይኹን ዝቕንጠጥ መዓርግ ከምዘየሎውን ኪርድኡ ምተገብአ። እቶም ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ፈሊጥኩም ሕጊ ኪትምህሩ ዝግብኣኩም፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘቕጽዕ፥ ብሕዝቢ ዘንዕቕ፥ ንወለዶታት ዝተርፍ ሕማቕ ታሪኽ ትገድፉ ኣሎኹም። ሕዝብና ሳላ ስደትን ምዕቡል መራኸቢ ብዙሓንን ሓቅን ሓሶትን ኪፈልጠሉ ዝኽእል ዕድል ረኺቡ እዩ፥ ውሑድ እንተዘይኮይኑ በዚ ዝግበር ዘሎ ተዋስኦ ዝታለል የሎን።

ሕማም ይኹን ሕውየት ሃገርናን ቤተ ክርስቲያንናን ዝተኣሳሰረ ስለዝኾነ፡ ሓቀኛ ዕርቕን ሰላምን ኪመጽእ እንተኾይኑ መሰረታዊ ፍታሕ ከምዘድልየና ንኣምን። እቲ ግህሰት ቀኖና፥ ኣብ ሃገርና እምበር ኣብ ግብጺ ኣይበቖለን፥ ፈውሱ ድማ ኣብ ሃገርና እዩ ዘሎ። እቲ መሠረታዊ ሽግር ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝብሎሕጊ ደኸመ፥ ፍትሒውን ከቶ ኣይተረኽበን” (ትንቢት እንባቆም1:4) እዩ። ናይ ስጋን መንፈስን ሕማምና ዝፍወስ፡ ኣብ ሃገርና ንኹሉ ዜጋ ብማዕረ ዝዳኒ ግዝኣተ ሕጊ ምስ ዝነግስ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያንውን እቲ ዝተጋህሰ ቀኖና ተነጺሩ፡ ምሉእ ሕዝቢ ዝቕበሎ ጉባኤ ብምግባር በዳልን ተበዳልን ተፈሊጡ፡ ብዕርቂ ምስ ዝድቅስ ጥራሕ እዩ።

ስለዚ መራሕቲ መንግሥቲ ኤርትራ ነቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ንኣምላኽ ምሃብዝብል ቅኑዕ ኣድማሳዊ ሕጊ ተቐቢሎም፥ ነቲ ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት፥ መንግሥቲውን ኣብ ሃይማኖት ኢድ ምትእትታው ኣይፍቐድን ዝብል ባዕሎም ዝኣወጅዎ (ኣዋጅ 73/1995)  ኣኽቢሮም ካብ ቤተ ክርስቲያንና ኢዶምን እግሮምን ከውጽኡ ኣትሪርና እንዳጸዋዕና በዞም ዝስዕቡ ኣቋማና ንገልጽ።

1. ዝበደለ ኪኽሕስ ዝተበደለ ድማ ምሕረት ኪገብር ንዓና ሓድሽ ኣይኮነን፡ ንኣሽሓት ዓመታት ዝተናበርናሉ ክቡር ባህልና እዩ። ንቤተ ክርስቲያን ከኣ ንኣሽሓት ዓመታት ዘስተናበረ ኃዋርያዊ ቀኖና፡ መንፈስ ፍቕርን ሓቅን ንስሓን ሕድገትን እዩ መምርሒኣ። ስለዚ ዕርቂ ምስ ነፍስና፡ ዕርቂ ኣብ ነንሕድሕድና፡ ዕርቂ ምስ ፈጣሪና እዩ እቲ ኣማራጺ ዘይብሉ ፍኖተ-ትንሣኤ ምዃኑ ስለ ነኣምን፡  ንኹሉ ውሉድ እዛ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ዘሳተፈ፥ ልዑላውነትን ቤተ ክርስቲያን ዘረጋግጽ ሓቀኛን ሕጋውን (ቀኖናውን)  ዕርቒ ክግበር   ንጽውዕ። ካብዚ ወጻኢ ዝግበር ጐናዊ ዕርቂ ከምዘይንቅበል ኣህጉረ ስብከታት ብትሪ የፍልጥ።

2.  ኣብ መትከልን ዕላማን ቅዱስ እንጦንዮስ ተደጊፍና ካብቲ 17 ዓመታት ዝተቓለስናሉ ሃዋርያዊ ዕላማ ብናይ ሓሶት ዕርቂ ንየማን ወይ ንጸጋም ከምዘይንብል ነፍልጥ።

3.  ጳጳሳት ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ናይ ስሕተት ጐደና ተማሂሮም ቅድስናሰማዕት እንበለ ደም ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስብምቕባል  ምስ ህዝቦምን ቤተክርስቲያኖምን ክዕረቁ፥ ንጽውዕ።

4. ብምኽንያት ስርዓተ ቀብር ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝስዕብ ዘሎ ስደትን ማእሰርትን ደቂ ቤተክርስቲያን ደው ክብልን እቶም ንዓመታት ኣብ ማሕዩር ዝሳቐዩ ዘለዉ ነጻ ክወጹን ንጽውዕ።

5. ኩሎም ኣገልገልትን ምእመናንን ደቂ ቤተክርስቲያን ነዚ ሕግን ቀኖናዊ ስርዓትን ዝጠሓሰ ናይ ሓሶት ዕርቂ ክቃወሙን ከይቅበሉን ነተሓሳስብ።

6. ገዳማውያን ኣቦታት ምእንቲ ሕጊ ቤተክርስቲይን ትኸፍሉዎ ዘለኹም ጸዋትወ-መከራ እንዳ ሞገስና ተጋድለኹም ክትቅጽሉ ነዘኻኽር።

እግዚኦ! ኣዕርፍ ነፍሰ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ወኣንብር ለነ ህየንቴሁ ኖላዌ ሔረ ወመራሔ

እግዚኣብሔር ንቅዱስ ኣቦና ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ይሃቦም፥ ጸሎቶምን በረኸቶምን ይርድኣና። ኣብ ክንድኦም ከኣ ሓቀኛን ሕያዋይን ጓሳን ይልኣኸልና።

ቀኖናዊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ካናዳን  ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡

ቀዳም 16 ሓምለ 2022

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div