S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሰላም ዝሰፈኖ በዓል ልደት ክርስቶስ ይግበረልና ኣምላኽ

ኣብዚ ዕለተልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እነኽብረሉ በዓል'ዚ፥ ሰማያውያን መላእክትን ምድራውያን ሰባትንክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማያት ሰላም ድማ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባትይኹን (ሉቃ. 214) እናበሉ ሓቢሮም ዝዘመርሉ ዕለት እዩ። እዚ መዝሙር ልደት ክርስቶስ: ንኽልተ ነገድ (ሰማያውያንን ምድራውያንን) ሓደ ዝገበረ: ሎሚ ንዓለምና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዘድልያ እዋናዊ መዝሙር-ሰላም እዩ: ስለምንታይሲ: ሰብ ብዝፈጠሮ ዓመጽን በደልን ዓለምና ትርበጽ ስለዘላ። እዚ ድማ: ሰብ: እቲ ኣብ ህይወቱ ዘድልዮ ዝዓበየ ነገር ሰላም ስለዝሓረሞ እዩ። ሠለስተ ዓይነት ሰላም ድማ የድልዮ።

. ሰላም ምስ ኣምላኽ፡- ካብ ኩሉ ክፍኣትን ኃጢኣትን ርሒቕካ፡ ምስ ኣምላኽ ብዕርቅን ሰላምን ምንባር እዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዝበልጽ ሰላም ካብ ኣምላኽ እዩ ዝርከብ። ኃጢኣት ካብ ኣምላኽ ዝፈሊ፡ ሰብ ምስ ኣምላኩ ሰላም ዝኸልኦ ስለ ዝኾነ፡ ብዕርቂ ምስ ኣምላኽ ክንነብር ይምህር።

. ሰላም ምስ ኩሉ ሰብ፡- ካብ ትእዛዝ ኣምላኽ እቲ ዝዓበየ፡ እምነትካ ሓሊኻ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላምን ፍቕርን ክትነብር እዩ። ሰላም ምስ ሰብ ምስ ዚጠፍኣካ፡ ውሽጣዊ ሕይወትካ ይጉዳእ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ክንነብር እዩ ኣዚዙ።

. ሰላም ምስ ገዛእ ርእስኻ፡- ውሽጣዊ ሰላም ዝሰኣነ ሰብ፡ ንርእሱ፡ ንስድራ ቤቱ፡ ንወገኑን ንሃገሩን ከቢድ ናይ ሕልና ጸገም እዩ።እቲ ካብ ኩሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ገይሩ ኪሕልዎ እዩ’ (ፊልጲ 47) ከም ዝተባህለ እቲ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ውሽጣዊ ሰላም እቲ ዝዓበየ እዩ።

ሎሚ ዓለምና እዚ ሰላም እዚ ማለት ሰላም ምስ ኣምላኽ፡ ሰላም ምስ ሰብ፡ ሰላም ምስ ገዛእ-ርእሶም ዝጎደሎም ሰባት ስለዝበዝሕዋ፡ ብውግእን ወረ ውግእን ተሓሚሳ ትርከብ። ዝያዳ ኩሉ ድማ ከባቢ ሃገርናን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን፥ ውልቀሰባት ዝዕንድርሉ መናሃርያ ኲናት ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ኩሉ ምእመን፡ በቲ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ሰላም ተሓልዩ ክነብር፡ ብጸሎትን እምነትን ፍቕርን ክጸንዕ፡ እናተማሕጸንና ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንና ወሪዱ ዘሎ ፈተና፡ ብጸሎትን ምህልላን፡ ክንዝክሮ፡ ርእሲ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፡ እግዚኣብሔር ብጥዕናን ሰላምን ክሕልወልና ብጸሎት ክንተግህ መንፈሳዊ መልእኽትና ነመሓላልፍ።

ደጊምና በረኸትን ሰላምን ዝሰፈኖ ቅዱስ በዓል ልደት ይግበረልና።

እግዚኣብሔር ንሃገርና ኤርትራን ጎረባብትናን ሰላሙ ይሃበ

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

6 ጥሪ 2022

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div