S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መግለጺ ቀኖናዊ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ፥ ብምኽንያት መበል 22 ዓመታዊ ጉባኤ።

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

"ብተስፋ ተሓጎሱ፥ ብጸበባ ተዓገሱ፥ ጸሎት ኣዘውትሩ" (ሮሜ 12:12) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጠቕሲ፥ ቀኖናዊ ሃገረ ስብከትና መበል 22 ዓመታዊ ጉባኤኡ ካብ ሓሙስ  30 ሓምለ ክሳብ ቀዳም 1 ነሓሰ 2020 . ((ካብ ክሳብ ፳፭ ሓምለ ፳፻፲፪ .) መራኸቢ ብዙኃን ሑቕ ብቐጥታ (virtual) ብረድኤት እግዚኣብሔር ጉባኤኡ ብሰላም ዛዚሙ ኣሎ

ቀኖናዊ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ካብ ዝምሥረት ጀሚሩ ነዘን ዝሓለፋ 22 ዓመታት ከቢድ ፈተነታት ዓለማዊ ማሕለኻታትን ሰይጣናዊ ተጻብኦታትን፥ ብትዕግሥቲ እናተሳገረ ሓዋርያዊ እምነቱን ቀኖናዊ ሥርዓቱን ብግቡእ ሓልዩ፥ ኣብዚ እዋን እዚ በጺሑ ኣሎ።

ሃገረ ስብከትና ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ንውዲታዊ ተጽዕኖ መንግሥትን ምትእትታው ፖለቲከኛታትን፥ ከምኡውን ድሕሪ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ፥ ብኢትዮጵያ ኣቢሉ ንሃገርና ተወ፥ ሃይማኖት ለበስ፥ ቅዳሕ ማኅበረ ቅዱሳን ዝኾነ ምትእኽኻብ ህላዌ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንን ሊቃውንታን ኣዝዩ ጎዳ ዕላማ ዘለዎ ምዃኑ ብኣግኡ ስለ ዝነቕሓሉ፥ ጊሓቱ ክቃወሞን ክኹንኖን ጸኒሑ እዩ።

መንግሥቲ ንተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ከም ትካላት መንግሥቲ ብምግባር ተመጽዋቲት ዓመታዊ ባጀትን ምእዝዝቲ መንግሥትን ንምግባርን፥ ርእሳ ከይትኽእል ብሊቃውንታ ምእንቲ ከይትመሓደርን፥ እኩይ ውዲት ጭዋ ልኡኽ መንግሥቲ ዝኾነ ዮፍታሄ ድሜጥሮ ዝበሃል ከም መንዳዓት ኣብ ዝለዓለ ክፍሊ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ተመዚዙ ብኣስገዳድ ክንስከሞ ስለ ዝተገብረ ንመንፈሳዊ ምምሕዳር ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና 10 ዓመታት ዝኣክል ኣልሚስዎ እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ብዙኃት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ማእሰርቲ፥ ስደት ተነጽሎ ከም ዝበታተኑ ኮይኖም እዮም። ነዚውን ሃገረ ስብከትና ብመንግሥቲ ዝመጽእ መራሒ ፈጺሙ ኣየድልየና እዩ! ብምባል ብትሪ ዊሙ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ዮፍታሄ ብኢደ-ዋኒኑ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ሰሪዙን ደሊዙን ዝደል ምስ ኣማሓየሾውን ኣይንቕበሎን! ብምባል ኣብ ጊዜኡ ኒንዎ እዩ። ብተወሳኺ መንግሥቲ ንመነኮሳት ኣቦታትና ብምእሳር ገዳማትና ደፊሩ ክሳብ መሕብኢ ሸፋቱ ዝብል ኣስማት ክጽውዖም ከሎ፥ ነቶም ሕጊ-ኣልቦ ዝኾነ ሰብ እዋን ኣካላት መንግሥትን ተሓባበርቶምን ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብወግዓዊ-መግለጺ ብጽሑፍን ቃልን ኣትሪሩ ክቃወሞ ጸኒሑ እዩ።

ብምቕጻል ኣብ 2005 . ነቶም ብእምነቶምን ሓቅነቶምን ናይ ዘመንና ቅዱስ-ሰማዕት ዝኾኑ 3 ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ንምእላይ መሠረት ዘይብሉ ክስን ሓሶትን ብምምሃዝ ቅድም ጽረፎ፥ ደሓር ደሃሎ፥ ኣስዒብካ ኣጸልሞ፥ ዝብ ሰይጣናዊ ናይ ፖለቲካ ውዲት ተጠቒሞም፥ ሰብ ፖለቲካን ሃይማኖ-ለበስ ተጻረርትን፥ ተሓባቢሮም ኣብ ልዕሊ ሓዋርያዊ ኣቦ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ቅዱስ ቡነ እንጦንዮስ ናይ ዓመጽ ኢዶም ዘርግሑ።

ነዚ ክፉእ ገበን ንምፍጻም ድማ ብዛዕባ ኣቡነ እንጦንዮስን ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንን ዓው ኢሉ ዝካታዕ፥ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣቐዲሙ ክፈርስ ተወሰነ ነቲ ደሃሎ፥ ኣስዒብካ ኣጸልሞ፥ ዝብል መደቦም ቒሞም፥ ኣባ ሉቃስ ዝመርሕዎ ምስ ተሓባበርቶም ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ፀሓየ ፋሲል (ፕሮትስታንት) መንግሥታዊ ኃይሊ ኣኸቲሎም ቀሺ ሚካኤ ተኽላይ ዝመርሖ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ዝመሓደርን ስማዊ ሃገረ ስብከት ብምዃን፥ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ መንፈሳውያን መራሕቱን ማእለያ ዘይብሉ ስም ምጥፋእን ጸለመን ብምክያድ ካብ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ሕዝቢ ንምንጻልን ዙሕ ውዲታትን ሰፊሕ ጎስጓስን ኣካይዶም እዮም።

ዝነበረ ሕማቕ ኩነታት ሃገርና ደማዊ-ኲናትን ውግእን መጎልበቢ ተጠቒሞም፥ ኣብቲ ብዛዕባ ሃይማኖቱ ድሩት ኣፍልጦ ዝነበሮ ሕዝብና ከቢድ ዕንወትን ምፍልላይን ፈጢሮም እዮም። ነቶም ስምዒታውያን ሰባት ብምልዕዓል ብጉልባብ ሃገራውነትን መናፍቕነትን፥ ኣብ ልዕሊ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ናይ ጥፍኣት ነጋሪት ተኣወጀ። ዝበዝሐ ስምዒት ደማዊ ኲናት፥ ዝረሰነ ሕዝብና ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ዝነበረ ዕንወት ክርኢ ዘይምኽኣሉ፥ ዓገብ ንዝበለ ቅኑዕ ኣማኒ ናይ ጸለመ ስም ከጠምቖ ጀመረ ሰማዒ የለ ረዳኢ የለ፥ ብዛዕባ ጉዳይ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝዛረብ ኮነ ዝከራኸር ኣይርከብን እዩ ተባሂሉ ኣብ ዝተኣምነሉ ከኣ ንሕጋዊ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ካብ ሥልጣኖም ብኃይሊ ኣውሪዶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዳጎኑ ብወተሃደራት ከም ዝሕለዉን ተገብረ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ከቢድ ናይ ፈተና ኩነታት ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ግና፥ ነቲ ንሓቂ ሓዝዋ፥ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ! ዝብል ክርስቶሳዊ ቃል መምርሒኡ ጌሩ ካብ መንፈሳዊ ዕላማኡ ሓንቲ ሰከንድውን ትኹን ዕርፊ ሒዙ ድሕሪት ኣይጠመተን። ዮሓ 832

ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ጉዳይ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ተኣፋፊ ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ብደቂቕ ክከታተል ስለ ዝጸንሐ ቀልጢፉ ተቓውሞኡ ናብ ምሉእ ዓለም ከባጽሕ ጀመረ። ብጀካ ቅዱስ እንጦንዮስ ዝኾነ ካልእ ፓትርያርክ ከም ዘይቅበልን፥ ነቲ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዘንበርዎ ውግዘትውን ከም ዘይስዕር ኣዋ ኣፍለጠ። ናይ ኩለን ኣኀት ኦሬንታል፥ ናይ ቢዛንታይን ኦርቶዶክሳውያን ናይ ሮማ ካቶሊክ ፖፕ  ምሉእ ሓበሬታ ለኣኸ። ዝኾነ ጳጳስ፥ ወይ ልኡኽ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ እየ ዝብል፥ ብዘይ ፍቓድ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝንቀሳቐስ፥ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ድማ ከም ዘይቅበላኦ ብወግዒ ኣፍለ

ብተወሳኺ ድማ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ናፃን ሉዓላዊትን ብምዃና፥ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንኸይቋረጽ ቀጻልነቱ ክረጋገጽ ጻዕርታት ኣካየደ ነዚ ሓዋርያዊ መሥርሕ ንምዕዋት፥ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጥራይ እንኮ ኣብቲ ውግዘት ዘይተሳተፉ፥ ነቲ ዝተገብረ ዘይቀኖናዊ ሥርዓት ዝተቓወሙ ኣቦ ብምዃኖም፥ ኤርትራዊ ዜጋ ብምዃኖም፥ ኣባል ሲኖዶስ ኤርትራ ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ መንበረ ማርቆስ ብምዃኖም፥ ልዕሊ ማንምውን ንዕዮ ቤተ ክርስቲያንን ሃገርን ዝጸዓሩን ዝጎየዩን ኣቦ ብምዃኖም፥ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ክሳብ ዝምለሱ ንኽጥርንፉና ብሠናይ ፍቓድ ኣምላኽ መሪሕነቶም ተረኽበ። ናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ኣባልነት ድማ ብእኦም ኣቢሉ ክቕጸል ተወሰነ ሓዋርያዊ ሰንሰለትን ናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ኅብረትን ውሑስ ኮይኑ ክቕጽል ዝገበረ ከኣ ብጸሎት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ እዩ።

ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብመሠረቱ ነቲ ናይ ቄሣር ንቄሣር፥ ናይ እግዚኣብሔር ንእግዚኣብሔር ዝብል ፍትሓዊ ዕላማ ብምርዳእ፥ ምምሕዳር መንግሥትን ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያንን ብፍጹም ክፈላለ ኣለዎ፥ ዝብል ጽኑዕ መርገጺ እዩ ዝኽተል። ስለ ዝኾነ ድማ ከም መራሕቲ ሃይማኖት መጠን መራሒና እቲ ሓቅን መገድን ሕይወትን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝኾነ፥ እምነትና ኣጽኒዕና መገድና ኣብ ምቕጻል ንርከብ። ሃገረ ስብከትና ብዝገበሮ ጻዕሪ ድማ እዩ፥ ጥዑም ድምጺ ኣቡነ እንጦንዮስ ብድሕሪ 13 ዓመታት ናብ ኣደባባይ ተዘርግሐ። በዚ ድምጺ ደወል ሓቂ ድማ እቲ 13 ዓመታት ክስበ ዝጸንሐ ናይ ሓሶት ጸለመ፥ ብናይ 13 ደቒቕ ድምጺ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ክፈርስ ዝኽኣለ ገለ እናፈለጠ ኮነ ኢሉ ዘጽቀጠ ገለን ብዘይኣፍልጦ ተባህለ ዝበለ ገለን ድማ እንታይ ገደሰኒ ኢሉ ደቂሱ ዝጸንሐ፥ እዚ -ዓዋዲ ድምጺ ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ምስ ተሰምዐ፥ ብዙሕ ሰብ የበራብር ከም ዘሎ ንርእዮን ንዕዘቦን ኣሎና። በዚ መሠረት:

1) ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ምትእትታው መንግሥቲ ኣብ ጉዳይ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብዓውታን ብተሪርን ክቃወም ጸኒሑን ኣሎን። ሕጂውን ከም ትማሊ ቤተ ክርስቲያንና ብሓዋያዊ ሕጋን ቀኖናዊ ሥርዓታን ብመንፈሳውያን መራሕታን ብነጻነት ክትመሓደር ንጽውዕ።

2) መንግሥቲ ኤርትራ ካብ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ጀሚሩ፡ መነኮሳት፥ ካህናት ዲያቆናት ብሓፈሻ ብዙኃት ኤርትራውያን ደቂ ሃገር ሲቪላውያን ይኹኑ ወተሃደራት ብዘይ ፍርድን ፍትሕን ኣሲሩ የሳቒ ምህላዉ ንቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክና ክፈትሕ፥ ንኹሎም ኣብ ቤት ሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ከኣ ብዘይ ወዓል-ሕደር ብህጹጽ ክፈትሕ ጸዋዒትና ከነቕርብ።

3) ዓለም ለኻዊ ለበዳ ሕማም ኮሮና ኣብ ኩለን ሃገራት ከቢድ ጸገምን ሻቕሎትን ፈጢሩሉ ዘሎ ሕማም እዩ። ይኹን እምበር መንግሥቲ ኤርትራ፥ ብምኽንያት ኮረና፥ምርጋጥ ምኅያል ነቲ ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ መግቢ ዕለቱ ማእሪሩ ዝነብር ሕዝብና ካብ ለበዳ ሕማም ኮሮና ንላዕሊ ብዓጸቦ ጥሜት ከይረግፍ፥ ዘስግእ ኩነታት ይርኣ ስለ ዘሎ መንግሥቲ ጉዳይ ሕዝቢ ብዝላዓለ ሰሪዑ ክንቀሳቐስን፥ ፍታሕ ከናድን ንጽውዕ።

4) ገዛእቲ መንግሥታት ኢትዮጵያ፥ ኤርትራ መሬታ እምበር ሕዝባ ኣየድልየናን እዩ። ብል ዘይሰብኣዊ ተግባር ፈጺሞም እዮም ኣብዚ እዋን እዚውን መራሒ ኢትዮጵያ ዶክቶር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ምስ መራሒ መንግሥቲ ኤርትራ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወር ዝገብሮ ሥዉር ውዕላትን ግላዊ ምሕዝነትን ንብዙሕ ህዝቢ የሻቕል ስለዘሎ ብዋጋ  ህዝብን ሃገርን ከይከውን፥ ዝሓለፈ ጸሊም ታሪኽ ከይድገም፥ ብስም ኩሎም ዝተሰውኡን ዝሰንከሉን ደቂ ሃገርን ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ግልጽን ትካላውን ክኸውን ለበዋና ነመሓላልፍ።

5) ኹሎም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን ውሉደ-ክህነትን፥ ንህልው ሽግር ቤተ ክርስቲያንና ተረዲእና፥ መሠረታዊ መፍትሕን ሰላምን ንምምጻእ፥ ኩልና እጃምናን መንፈሳዊ ኣበክቶናን ከነዕዝዝ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብኣኽብሮት ንኹሉ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ንጽውዕ።

መድኃኔ ዓለም ኣምላኽና እዚ ወሪዱ ዘሎ ለበዳ ይቐንጥተልና፥ ሰላሙን ምሕረቱን ይልኣኸልና።

ቀኖናዊ መንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ

ነሓሰ 01/ 2020 (፳፭ ሓምለ ፳፻፲፪ .)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div