S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣሰሮ ለሰይጣን----> ኣግዓዞ ለኣዳም

 

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን።

 

ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን-----------> በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን

አሰሮ ለሰይጣን-----------------------> አግዓዞ ለአዳም

ሰላም---------------------------------> እምይእዜሰ

ኮነ------------------------------------> ፍስሐ ወሰላም።

 

ኣብ ስደትን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን እትነብሩ ዘለኹም ክቡራት ምእመናን፣

እንቋዕ ናብ በዓል ትንሣኤ-ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2020 (2012 ዓም ግእዝ) ኣብጽሓና እናበልና: በዓል ሓጎስን ፍስሓን ክኾነልና ጸሎትናን ሰናይ ትምኒትናን ንገልጽ።

በዓል ትንሣኤ-ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከነብዕል እንኮለና፥ ንስለ ባህሊ ጥራይ ዘይኮነስ ትርጉም ትንሣኤ-ክርስቶስ ኣብ ህይወትና፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና፥ ኣብ ሃገርና ክህልዎ ዚግባእ ቦታ እንታይ ምዃኑ ብምስትውዓል ከነብዕሎ ይግባእ። ስለምንታይሲ፥ ትንሣኤ-ክርስቶስ እናዘከርና፥ ካብ ምዉት ግብሪ ተንሲእና፥ ነቲ ካብ ሞት ኣናጊፉ ሓርነት ዝኣወጀልና ህያው ክርስቶስ ክንመስሎ እምበር፥ ንትንሣኤ-ክርስቶስ ዘሕስር ተግባር እናገበርና ትንሣኤ-ክርስቶስ እንተዘከርናዮ ረብሓ ኣይንረኽበሉን ኢና። ቤተ ክርስቲያን፥ “አሰሮ ለሰይጣን አግዓዞ ለኣዳም” ክትብል ኰላ፥ ክርስቶስ ብትንሣኤኡ ካብ ሞት ሓራ ኣውጺኡ ናብ ትንሣኤን ዘለኣለማዊ ድሕነትን ከምዘሰጋገረና ክንመሃረሉ፥ ነቲ ዝረኸብናዮ ሓርነት ዕሽሽ ከይንብሎን ዝዓለመ መልእኽቲ እዩ። እሞ ነቲ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሓርነት-ትንሣኤ ዝመጣጠን ናብራዶ ንነብር ኣለና? ዝብል ረዚን ሕቶ በብውልቅና ክንምልሶ ይግባእ።

 

1) ግብራዊ ትንሣኤ

ሎሚ ቤተ ክርስቲያንና ከመይ ኣላ? ቤተ ክርስቲያን: ኣብዚ ዘመን’ዚ ከም መርከብ-ኖህ ኮይና ንህዝቢ-ኣምላኽ ናብ መንግስተ ሰማያት ከተሳግር ዝተጸውዐት ክንሳ፥ ተልእኾኦም ብዝረስዑ ውሑዳት ሰብ ግዜ ተጨውያ ትርከብ። ንሳቶም ካብ ነቲ ንሞት ስዒሩ ዝተንስአ ሰማያዊ-ንጉስ፥ ንምድራዊ-ንጉስ ዝተምበርከኹ እዮም። ኣብ ክንዲ ብጸሎት፥ ብጾም፥ ብቀኖና፥ ዶግማን መሪሕነት መንፈስ ቅዱስን ከምቲ ኣካይዳ ቅዱሳን ኣቦታትና፥ “ብግበር-ኣይትግበር” ዝብል ትእዛዝ ፖለቲከኛታት እንዳተመርሑ ንቤተ ክርስቲያን ካብ መገዳ የውጽእዋ ኣሎዉ። ነዞም ሰብ ግዜ፥ ነቶም ዝቐቡእዎም ቅዱስ ኣቦ ቀፊዶም ትንሣኤ ከብዕሉ ሕልናኦም ክወቕሶም ይግባእ። እዛ ብደሙ ዝዓደጋ ሓዋርያዊት ቤተ ክርስትያን፡ ዋላ እኳ ሰይጣን ኣብ ልዕሊኣ ክዕወት ከም ዘይክእል ምሉእ እምነት ኣብ ኣምላኽ እንተ ሃለወና፡ ኣብዚ ጊዜ እዚ ግና፡ ኣብ ከቢድ ፈተና ወዲቓ፡ እቶም ኣብ ዓለም ብዕድመ ዝዓበዩ ኣቦ-ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ እንጦንዮስ በዞም ተልእኾኦም ዝጠንጠኑ ሰባት ኣብ ማሕዩር ካብ ዝኣትዉ ልዕሊ 14 ዓመታት ኮይኑ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኮይና ኢና ንበዓል ትንሳኤ እነብዕሎ ዘሎና።

 

ህዝብና ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከብ ኣሎ? ንሕናኸ ከም ውልቀሰባት ህይወትና ከመይ ኣሎ ብምባል ህይወትናን ውሽጣዊ ሕልናናን ክንምርምር ይግባኣና። ህያው ግብሪ ዘለዎ ሰብ ብመንፈስ ህያው እዩ፥ እቲ ብምውት ግብሪ ዝመላለስ ግና ብመንፈስ ምዉት እዩ። ንመራሒ ቤተ ክርስቲያን ሳርዴስ ኣነ ህያው እየ ኢሉ ዝኣምን ግና ብመንፈሳዊ ግብሩ ዝሞተ፥ “ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ አሎኹ፡ ህያው ተብሂልካ ትስመ አሎኻ፡ ግናኸ ምዉት ኢኻ።” (ራእይ ዮሐንስ 3:1) ክብል ጽሒፍሉ ኣሎ። ካብዚ ይሰውረና ኣምላኽ። ንሕናውን፥ ህያዋን ኢና እናበልና ግናኸ ምዉታት ኮይንና ከይንህሉ ርእስና ንመርምር። ኩሉ ነገር በቲ ዘፍርዮ ፍረ እዩ ዝምዘን። ካብ ግብሪ-ፍቕሪ ዝዓቢ ፍረ የሎን፥ ኩሉ ዓይነት ሰናይ ግብርታት ድማ ኣብ ፍቕሪ ክቱት እዩ። መድሓኒና ደቂ መዛሙርተይ ምዃንኩም ብፍቕርኹም ኢኹም ትልለዩ ኢሉና እዩ (ዮሓንስ 13:34)። ፍቕሪ ገዲፍካ ብዙሕ ነገር ኪግበር ይክኣል እዩ (1 ቆሮንቶስ 13:1-7)፥ መወዳእትኡ ግን ከንቱ እዩ።  ብፍቕሪ ንሓቂ እንዳሰዓብና ንዕበ (ኤፌሶን 4:15)። እቲ ዝዓበየ ክርስትያናዊ በዓል-ትንሣኤ ኣብ ነብዕለሉ እዋን፥ ካብ ኩሉ እቲ ንመንነት ክርስቲያን ዘይገልጽ ግብሪ ወጺእና ናብ መንፈሳዊ-ትንሣኤ ክንሰጋገር እዩ ክርስቶስ ዝጸውዓና። ከም ፍቓድ እቲ ሰማያዊ ኣቦና እምበር ከም ድልየትን ዊንታን ናይዛ ሓላፊት ዓለም ንነብር ዘይምህላውና ደጊምና ንምስክረሉ በዓል እዩ። እቲ ጽሑፍ’ውን “ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሣኤኡ ኽንሓብሮ ኢና።” (ሮሜ 6:5)። 

 

2) ይቕረ ምባል

ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ይቕረ ከምዝበለልና ኣብ ሃገር፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፥ ኣብ መንጎ ቤተሰብ፥ ኣብ መንጎ ኣሕዋት/ኣሓት ናይ ይቕሬታ መንፈስ  ክህሉ ይግባእ። ይቕረ ዝብል ሰብ ድማ ተኻፋሊ ትንሣኤ ክርስቶስ እዩ። ይቕረ ዝብል ብርቱዕ ሰብ እዩ፥ ድኹም ሰብ ኣይኮነን። ይቕረታ ዘይብሉ በዓለ-ትንሣኤ እንተኣኽበርና ግና፥ ካብ ማእሰር ሰይጣን ሓራዶ ወጺእና ኢና? ንሕና ከይተንሳእና፥ ትንሣኤ ክርስቶስ ምኽባር ኣኻሊ ኣይኮነን። 

 

መንግስቲ’ውን ነቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ክፈትሖም ንሓትት። መንግስቲ ኪኣስሮም ከሎ’ውን ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ኣቕሪቡ ገበነኛታት ምዃኖም ኣረጋጊጹ ከምዘይኣስር፥ እኳድኣ ኣብ ሃገርና ሰብ ከም ኣቕሓ “ኣብዚ ይጽናሕ” እንናተባህለ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝበሊ፥ ኣብኡ ተሳቕዩ ከምዝመውት ዓለም ዝፈለጦ ሓቂ ኣዩ። ሎሚ ካብ ብልምዓት፥ ብሰደድ፥ ብምህዞ፥ ብቑጠባዊ ዕብየት፥ ብፍልጠትን ምዕባለን፥ መሰል ወዲሰብ  ካብ ዝግህሱ ውሑዳት ሃገራት ኣብ ቀዳምነት ብምስራዓ እትፍለጥ ሃገር እያ ዘላትና። ኣብ ልዕሊ ህዝብና ተፈጺሙ ዘሎ ገበን ካብቲ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ዝተፈጸመ ዝንእስ ኣይኮነን። ንኹሉ ኸኣ ገግዜኡ እዩ ዘሎዎ፥ እቲ ናይ ሎሚ ገፋዒ ጽባሕ ዕጫኡ፥ ዕጫ ናይቲ ተገፋዒ ምዃኑ ታሪኽ ደጋጊሙ ኣርእዩና እዩ። መራሕቲ ሃገር ሎሚ ንህዝቢ ዘዕግብ ዝተረፈኩም ምኽንያት የብልኩምን፥ እታ እንኮ ፍታሕ፥ ዕርቒ እያ። ክርስቶስ ኣብ ሲኦል ተኣሲሮም ዝነበሩ ሓራ ኣውጺእዎም እዩ። ነዚ ብዓለ ትንሣኤ፥ መዓልቲ ዕርቒ ግበርዎ፥ ልቢ እቲ ዘቑሰልክምዎ ህዝቢ ደብሱ፥ ህዝቢ ድማ ይቕረ ክብለልኩም እዩ።

 

3) ንድኻ ምሕጋዝ፥

ብተወሳኺ፥ ኣብዚ ክቡር በዓልዚ፥ “ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ፡ ዝበሎ ቃል እናዘከርና” (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ነቲ ናይ ምድግጋፍ ክቡር ባህልና ዳግም ከነሕድሶ፥ ንዝተሸገሩ ወገናትና ንርዳእ፥ ንዘኽታማትን ኣላዪ ዘይብሎም ጽጉማት ንሓግዝ። ህዝብና ሎሚዶ ጽባሕ ይወግሓልና? መኣስ ኮን እዩ ዘመን ሰላም፥ ስኒት፥ ፍቕሪ፥ ምትእኽኻብ፥ ሃይማኖትን ምስጋናን ዝመጻልና እናበለ ክጽበ ዓመታት ኣሕሊፉ፥ እንተኾነ “ንበዓል ነጎዳስ ብሓዊ ተኩሶ” ከምዝበሃል ይጸብብ እምበር ይርሁ የሎን። ሕጂውን፥ ዋላ ምስ ህዝቢ ኩሉ ዓለም ብሓባር ዘመጸ ለበዳ ይኹን እምበር፥ ነቲ ውጹዕ ህዝብስ ተወሳኺ ኣደራዕ እዩ። ሎሚ ካብቶም መቕርብናን መሓዙትናን ጀሚርና ንኹሉ ኣካል ሕብረተሰብና በብዓቕምና ሓገዝ ንገብረሉ እዋን እዩ። ነቲ ኣብ ምሕላል ዝርከብ ህዝቢ ተስፋ ንሃቦ፥ ኣሎናልካ ንበሎ። እዚ ንሰብን እዝግን ዘሐጉስ ተግባር እዩ፤ ኣምላኽውን መሊኡ ከርህወልና እዩ። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ፥ “እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሪ ኺፈድዮ እዩ” (ምሳሌ 19:17)። ንድኻ ምሕጋዝ፥ ገንዘብካ ኣብ ባንክ ናይ እግዚኣብሄር ምውህላል ማለት እዩ። ክንህብ ኰለና ግና ኣምላኽ ዝኸብረሉ፥ ንሕና በረኸት እንረኽበሉ ክኸውን እምበር፥ ተመሊሱ ንድኻ ናብ ግፍዕን ድኽነትን ዝሸምም ከይከውን ክንጥንቀቕ ይግባእ። ገንዘብና ኣብ ምንታይ ይውዕል ኣሎ፥ ንመን ንህቦ ኣለና ክንፈልጥ፥ ብገንዘብና በረኸት እምበር፥ ዘይበረኸት ከይንዓጽድ ብምስትውዓል ክንህብ ኣምላኽ ይደግፈና።

 

እግዚኣብሔር ብስጋን ብነፍስን እንፍወሰሉ ትንሣኤ ይግበረልና። እዚ ንዓለምና ኣሸጊርዋ ዘሎ ሕማም ለበዳ ቀንጢጡ ፈውሲ ይሃበና። ኣሜን።

 

እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያንና ጽድቅን ሰላምን ይሃባ 

ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ዕድመን ጥዕናን ይሃብ

ንብጹእ ኣቡነ መቃርዮስውን ኣብ ኩሉ ኣገልግሎቶም ኣሳልጦ ይሃብ

ንሃገርናን ህዝብናን ይባርኽ። ኣሜን።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት

 

18 ሚያዝያ 2020 (10 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div