S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መግለጺ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ብዛዕባ'ቲ ኣብ እስራኤል ዝተፈጸመ ዓመጽ

መግለጺ ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሃገረ እስራኤል ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ዝተፈጸመ ዘይመንፈሳዊ ተግባር፥ ባእስን ምትህርራምን ንብዙሓት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ኤርትራውያን ዘሕዘነ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታትውን ዝተሰምዖ ልባዊ ጓሂ ይገልጽ። ብኻልእ መንገዲ ሕይወቶም ዝሓልፍ ዘሎ ቁጽሪ ኤርትራውያን ከምዝወሓደ፥ ሕጂ ድማ ኣብ መንጎ ደቂ-ቤተክርስቲያን እሞ ድማ ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ፥ ተዛማዲ ሰላም ኣብ ዝርከቦ ሃገር፥ ከምዚ ዓይነት ገደብ-ዝሰገረ በደልን ክፉእ ግብርን ብምክያዱ ንኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ዘጉሂ፥ ንሰማዒኡ ዘሰምብድ ኩነተ ፍጻሜ ብምዃኑ ብሓቂ የጉህየናን የተሓሳስበናን።

ስለምታይ ግና ክፉእ ግብሪ ሰይጣን፥ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን?

ኣብታ መዕቆቢ ዘኽታማት፥ ኣፍደገ-ሰማያት፥ ቤት ጸሎትን ስግደትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፥ ከምዚ ዝበለ ዓመጽን ጭካነን ክፍጸም ምርኣይ ነቲ ፍጻመ ዝገልጽ መጸውዒ ቃላት ክንረኽበሉ ኣይከኣልናን። ካብ ምሕዛንን ምጽላይን ሓሊፍናውን ቁልጡፍ ፈውስን መፍትሕን ናይዚ ከቢድ ተኣፋፊ ጉዳይ ገና ክንረክብ ኣይከኣልናን። ይኹን እምበር፥ ፈጸምቲ ገበን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንኽቐርቡ ዕቱብ መርመራ ክግበር ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን።

ዝኸበርኩም ኩልኹም ኤርትራውያን፥ እዚ ኩሉ ጸጋማት’ዚ ውጽኢት ናይቲ ፖለቲከኛታት ተሃንዲሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዘርአ ናይ ዕንወት ገበን፥ካብ ንኣምላኽ ንሰብ ምእዛዝስለ ዘቐደምና ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። እዚ ዘጋጠመ ቕትለት ጭካነ ዝመልኦ ግብሪ ሰይጣን እዩ። ሰይጣን ከኣ ክሰርቕን ክሓርድን ከጥፍእን እዩ ዝመጽእ። (ዮሓ 1010) ስለዚ እምበኣር ሕጂውን፥ ዘየድሊ ምፍልላይን ፍርሕን ኣወጊድና፥ ካብ ሕነ-ምፍዳይን ቂምን ርሒቕና፥ ብምጽውዋርን ምክብባርን ኣሰር ክርስቶስን ኣሰርቶም ሓድነት ዝዕላምኦም ቀዳሞት ወለድና ክንስዕብ መንፈሳዊ መልእኽትና ነመሓላልፍ።

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፥ ነዚ ጉዳይ ብቐጥታ ክከታሎ ምዃኑ እናሓበርና ነቲ ዝሞተ ውላድ ቤተክርስቲያን እግዚኣብሔር ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ይሃቦ። ነቶም ብዘይሓሰብዎ ዝተጎድኡ ወገናትና ከኣ ኣምላኽ ፈውሰ-ምሕረት ይሃቦም፥ ንኹሎም ስድራ-ቤት ግዳያት ጽንዓት፥ ነቶም ነዚ ዘሕዝን በደል ዝፈጸሙ ድማ ብንስሓ ናብ ልቦም ክምለሱን ይቕሬታ ክሓቱን ኣምላኽ ንልቦም ይተንክፍ።

መንበረ ጵጵስና ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን

9 ታሕሳስ 2019 ..ፈ (፳፱ ታሕሳስ ፳፻፲፪ ..ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div