S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ማእሰርቲ 5 መነኮሳት ደብረ ቢዘን፥ መቐጸልታ ዕንወት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ እዩ

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት 5 መነኮሳት ገዳም ደብረ ቢዘን ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ተኣሲሮም ከምዝተወስዱ ካብ ኣቦታት መነኮሳት ገዳም ደብረ ቢዘን ኣረጋጊጽና ኣሎና። እዚ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ገዳማውያን ኣቦታት ርኡይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን መቐጸልታ ዕንወት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ብምዃኑ መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብኣጽንዖት ይኹንኖ።

ከም ዝፍለጥ፥ መንግሥቲ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ጊዜ ኣትሒዙ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ ንምዕናው፥መንፈሳዊ መጓሰአ ንምብታን፥ ክቡር ታሪኻ ንምህሳስን መንፈሳውያን መራሕታ ንምጥፋእን ዝተፈላለዩ ውዲታት ብምምሃዝ በብእዋኑ ከቢድ ጸቕጥን ፍሉይ ምቁጽጻርን ክገብረላ ከም ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ ብዕቱብ ዝከታተሎ ዘሎ ዘሻቕል ኩነታት እዩ።

እቶም ብዘይ ፍትሕን ሕግን ንልዕሊ 13 ዓመታት ዝኣሰሮም ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ሎሚዶ ጽባሕ ይፍትሑ ኢልና ብተስፋን ጸሎትን እናተጸበና፥ እንሆ ሕጂ ኸኣ ሓዲሽ መርድእ ማእሰርቲ ናይቶም ዓለም ዝመነኑ መነኮሳት ኣብ ኤርትራ ይስማዕ ኣሎ። ብሓቂ ዘሕዝንን ዘስደምምን ኢፍትሓዊ ነገር እዩ።

እቲ ኣብ ኣምላኽ ዝኣምን ህዝቢ ኤርትራ፥ ነዚ ኣረሜናዊ ተግባራት መንግስቲ ዓገብ ኢሉ ክቃወሞን ክኹንኖን ከምኡውን ነዚ ሕጊ ኣልቦ ኣካይዳ ወጊድ፥ ይኣክል ንግፍዒ ኢሉ ብግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ንሕድሕዱ ዝዳነየሉ እዋን ርሑቕ ከምዘይኮነ ኣብቲ ዘይታኸስ ኣምላኽና ምሉእ ተስፋ ኣሎና። እቶም ስለ እምነቶም ዝተኣስሩ ገዳማውያን መነኮሳት ብንግሁኡ ኣሰር ክርስቶስ ምስዓብ ስለዝሓረዩ ስለዚ ነገርዚ ንኣምላኽ ወትሩ ነመስግኖ። እንተ እቶም ነዚ ኢፍትሓዊ ገበን ዝፍጽሙ ዘለዉ ኣረሜናውያን ግና እግዚኣብሔር ሓደ ግዜ ክፈርዶም እዩ።

እግዚኣብሔርሲ ንዅሎም ጥቑዓት ጽድቅን ፍትሕን ይገብር እዩ።ዳዊት 103:6

እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያናን ሃገርናን ፍትሕን ሰላም የውርድ።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት

2 ሓምለ 2019

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div