S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ - መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት

ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ እናበልና ንልምነኩም ኣሎና: 2 ቆሮ 520

መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት

ዝንሳሕ ሰብ ምስ ገዛእ ርእሱ ዘይተዓርቀ እንተኾይኑ ምስ ኣምላኽ ይኹን ምስ ካልእ ሰብ ክዕረቕ ኣይክእልንዩ። ምስ ገዛእ ርእሱ፥ ምስ ኣምላኽ ይኹን ምስ ካልእ ሰብ ዘይተዓርቀ ድማ ኣብ ሃገር ይኹን ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ዘውርዶ ዕንወትን ጉድኣትን አዝዩ ከቢድ እዩ። ኣቡን ሉቃስ፥ ካብ 2005 .. ጀሚሮም ምስ ኣምላኽን ምስቶም ጵጵስና ዝቐብእዎም መንፈሳዊ ኣቦኦም ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስን ብዘይምትዕራቖም፥ ኣብ ቤተክርስቲያን ዘውረድዎ ሽግርን መከራን ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ኣቡን ሉቃስ፥ ንመጽሓፍ ቅዱስ ርኹስ እዩ ዝብሉ፥ ንፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ብኽሕደት እምነት ዝኸሱ፥ ንብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ተሓድሶ እናበሉ ዝውንጅሉ፥ ብሓይሊን ዓመጽን ድሌቶም ከተግብሩ ዝህንደዱ፥ ኣብ ሓደ እዋን ክልተ ሕብሪ ዘዘውትሩ ብተገላባጢ ባህርያት ዝፍለጡ ኣቡን እዮም። ስለዚ፥ አባ ሉቃስ፥ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶን ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስን ዘካይድዎ ዘለዉ ጸለመ ደው ከብልዎ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ብትሪ ይጽውዕ። እዞም ብፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ዝተወገዙ ኣቡን ሉቃስ ዝገብርዎ ዘለዉ ሃይማኖታዊ ግህሰት ኣንጻር ሕጊ ኣምላኽን ቀኖና ቤተ ክርስቲያንን ስለ ዝኾነ ድማ ኣመንትን ውሉደ ክህነትን ብሓባር ዓገብ ክብልዎም ነዘኻኽር።

አብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ሰለስተ ዓመታት፥ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ ኣሓት ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያን ተነጺላ፥ ሲኖዶሳ ተበታቲኑ፥ ውሉደ ክህነት ተሰዲዶም፥ ምእመናን ተስፋ ቆሪጾም፥ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ብፖለቲካዊ ሓይሊ ተጨውዩ፥ ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ኣዝዩ ዘሰክፍ ኩነታት ወዲቓ ትርከብ። እንተኾነ ግና፥ ሎሚ ሓቂ ከም ብርሃን ተኾሊዑ ኣብ ዘለወሉ እዋንሲ ይትረፍ፥ ኣብቲ ሓሶትን ሓቅን ክትፈልየሉ ዘሸግር፥ ኣቦና ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ብጎነጽ ካብ ስልጣን ወሪዶም ዝተሓየርሉ 2006 .. እኳ ንህዝቢ ኤርትራ ምትላሉ ኣይተኻእለን። መርኣያ ናይዚ ሓቂዚ ድማ እዚ ሎሚ ቅነ ኣብ ኤውሮጳ ነቶም ውጉዛት ክልተ ኣቡናት (ኣቡን ቄርሎስን ኣቡን ሉቃስን) ዘጋጠሞም ብድሆ ሓደ ምስክር እዩ። ሎሚ፥ ህዝቢ፥ መንእሰያትን ውሉደ ክህነትን ነቲ ሓቂ ስለዝፈለጥዎ፥ ኣብ ዝኸድዎ ቦታ ኣቦና ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ? ክብሉ መልሲ ክሳብ ዝስእኑ ነዞም ኣቡናት የዋጥርዎም ኣለዉ። እቲ ናይ ምትላል ጊዜ ኣብቒዑ እዩ እናበሉ ድማ ክስገር ዘይከኣል ሕቶታት ሓቲቶሞም። መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ነዞም ተባዓት ኣብነታውያን ደቂ-ቤተ ክርስቲያን ብኽብሪ የመጕሶም። ኩሎም ኣመንቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣሰርዞም ንሓቂ ደው ዝበሉ መንፈሳውያን መራሕቱን ደቁን ክኽተል መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ብኣኽብሮት ይጽውዕ።

ብምቕጻል፥ ኣብዚ ሓድሽ መድረኽ ዝተቐልቀለሉ እዋን’ዚ፥ ብህሉው ኩነታት ቤተ ክርስቲያንና እንጉሂ ኩላትና፥ () ዝተጋህሰ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ክኽበር፥ () ኣቦና ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ናብ መንበሮም ተመሊሶም ስርየት ክህቡ ዕርቂ ክግበር፥ () ኩሉ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ካብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ከልግስ፥ () ብዘይ ፍትሒ ዝተሞቕሑ እሱራት ክፍትሑ ብሓባር ንጽውዕ።

እግዚኣብሔር መንፈሳዊ ዕርቅን ሰላምን ይሃበና።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት

6 ሕዳር 2018 (ጥቅምት ፳፯, ፳፻፲፩ ግእዝ )

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div