S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ስልጣኖም ምምላስ እምበር ስሞም ምጽዋዕ መፍትሒ ኣይኮነን

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።

 ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ።

ኣብዚ እዋን' ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ብሓይሊ-ጎነጽ መንግሥትን ምትሕብባር ውሑዳት ጳጳሳትን ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ንልዕሊ 13 ዓመታት ካብ መንበሮም ተኣልዮም ይርከቡ። እዚ ዘስዓቦ  ኣብ ቤተ ክርስቲያን ወሪዱ ዘሎ ዕንወት፥ ካብ ጳጳሳት ክሳብ ተራ ኣመንቲ ተኸሲቱ ዘሎ ምብታንን ፍንውነት ምሕደራን ብዓቅሚ ጽሑፍ' ዝግለጽ ኣይኮነን።

ፍጹም ዕርቂ ተገይሩ ተባሂሉ ካብ ዝእወጅ ካብ ሓምለ 2016 ንደሓር ብዙኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ውሽጢ ሃገርውን ከይተረፈ ስም ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ጊዜ ጸሎት ክዝክራኦም ጀሚረን እየን። እቶም ትማሊ ኣፎም መሊኦም ኣቡነ እንጦንጦስ መናፍቕ እዮም ዝበሉ ጳጳስ ኣባ ሉቃስ ከይተረፉ ኣብ እስራኤልን ኤውሮጳን ንኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ኩሉ ጸሎታት ብፓትርያርክ ደረጃ ክጽውዎም ኣውጆም ኣለዉ።

እቲ ሓቂ ግን ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦዮስ ኣብ መንበሮም ኣይተመሱን፥ ንቤተክርስቲያን ይመርሕዋ የለውን። መንበሪ ቦታ ደኣ ቀይሮም እምበር ቁርባን ኣይቆርቡ ቡራኬ ኣይህቡን። እዚ ኩሉ ዓመታት ብሓይሊ ተኸልኪሎም ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ይርከቡ።

እዚ ሕጂ ኣብ ሃገር ሰላም ኮይኑ ምስ ጉረባብትና ሰላም ኮይኑ እናተባህለ ዝዝረብ ዘሎ፥ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስቲያንና ዘየለ ሰላም፥ ኣብ ሃገር ሰላም ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ እዩ። ከመይሲ ሓቀኛ ሰላም ኣብ ቤት እዩ ዝጅመር።

ኣብዚ ወርሓት ብጳጳሳት ዝእወጅ ዘሎ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ኣብ ጸሎት ቤተ ክርስቲያን ይጸውዑ ዝብል ሕዝቢ ንምሽፋጥን ሓቂ ንምኽዋልን ዝግበር ዘሎ፥ ናይቲ ዝሓለፈ ውዲትን ተንኮልን መቐጸልታ እዩ።

ስለዚ፥ ኣቦታት ካህናት፥ ኣኃው ዲያቆናት፥ ምእመናን ቤተ ክርስቲያንን ፈተውትን፥ ቤተ ክርስቲያን ብሕጊ ክትመሓደር፥ ዝተነብረ ውግዘት ለዓል፥ ሰላምን ዕርቅን ክእወጅ፥ ሰብን እግዚኣብሔርን ክሕጎስ፥ ሃገር ክባረኽ፥ ኩላትና ብሓደ ቃልን ብሓደ ድምጺን ኮይንና ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ይመለሱ ክንብል ጸዋዒትና ነቕርብ።

እግዚኣብሔር ብደሙ ዘጥረያ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ይሓሉ።

 

መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ማእከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን

ጥቅም ፲፪, ፳፻፲፩ (October 22, 2018)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div