S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ን2018 ዓመተ ትምህርቲ ቀዳማይን ካላኣይን ሰመስተር ዝምልከት ሓበሬታ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፥ ኣሓዱ ኣምላክ፥ ኣሜን።

እዚ ሓበሬታ' ንነባራትን ሓደስቲ ተመሃሮን ይምልከት

ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለም እትነብሩ ነባራትን ሓደስትን ተመሃሮ፡ አቦታት ካህናት፡ ዲያቆናት፡ መማህራንን ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰንበት፡ ምእመናንን ምእመናትን ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኹምን ቤተ ሰብኩምን ይኹን።

ንኽሉ ውልቃዊ ጸገማትን፡ ህሉዊ ጽንኩር ኩነታት ሕዝብናን ተጻዊርኩም ንትምህርቲ ስነ-መለኮት ተዋሕዶ እተርእይዎ ዘሎኹም ግብረ መልሲ አዝዩ ከምዝተበብዓና ክንገልጸልኩም ንፈቱ። ጀመርቲ ብምዃንና ከምቲ ዝድለ ከነዕግበኩም ከምዘይክኣልናውን ንግንዘብ። ትምህርቲ እቲ እንኮ መፍትሒ ህሉውን ውህሉልን ጸገማት ቤተ ክርስቲያን ብምኻኑ ግን ንትምህርቲ ስነ-መለኮት ምቕጻልን ምዕባይን ምርጫ ዘይኮነስ ግደነት እዩ። እግዚኣብሔር ኪድገፈናን ከኽእለናን ወትሩ አብ ጸሎትኩም ኪትዝክሩና ድማ ንምሕጸን።

1. ንቀዳማይ ሰመስተር 2018 ዝምልከት ሓበሬታ

ፈተና ናይ ሰለስተ ክፍለ ትምህርትታት

  1. Pastoral Theology - ትምህርቲ ጉስነት ምእመናን፡
  2. Doctrinal Theology - ትምህርቲ ዶግማ፡
  3. Old Testament I - ብሉይ ኪዳን 1 ክፍል 

ካብ ሳልሳይ ሰሙን ናይ ነሓሰ ጀሚሩ ክሳብ ፍርቂ መስከረም (09/15/2018) ክፉት ኮይኑ ከምዘሎን፡ ኩልኹም ተመሃሮ አብ መርበብ ሓበሬታ (http://www.tewahdotheology.org/edu) አቲኹም ኪትፍተኑ ንምሕጸን።

2. ንኻልኣይ ሰመስተር 2018 ዝምልከት ሓበሬታ

አብ ካልኣይ ሰመስተር ኪውሃባ ተዳልየን ዘለዋ ክፍለ ትምህርታት እዘን ዝስዕባ እየን፦

  1. Ritual theology  - ትምህርቲ ስርዓተ ኣምልኾ/ቤተ ክርስቲያን
  2. New Testament I - ሓድሽ ኪዳን 1 ክፍል፤
  3. Comparative Theology - ትምህርቲ ዶግማ

ትምህርቲ ተነጻጻሪ ሃይማኖት ምኻኑ ንሕብር። ካብ ፍርቂ መስከረም (09/15/2018) ጀሚሩ ክሳብ ፍርቂ ጥሪ 2019 ከምዝቕጽልን፡ ነቶም ነባራት ተመሃሮ ብቐጥታ ኪቕጽሉ ኪፍቀደሎም ከሎ፡ ንሓደስቲ ተመሃሮ ግን በቲ አብ መርበብ ሓበሬታ (www.tewahdotheology.org) ሰፊሩ ዘሎ ቅጥዒ መሰረት ኪምዝገቡ ነተሓሳስብ። ክፍሊት ዝምልከት ኩሎም እቶም ዝኽእሉ አብቲ መርበብ ሓበሬታ ዘሎ መጠን ኪኸፍሉ ይሕተቱ። ኣብ ኤርትራ፥ ኢትዮጵያ፥ ከምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስደተኛታት ካምቦታትን ኮይንኩም ትምህርትኹም ትከታተሉ ዘሎኹም ተመሃሮ ኩነታትኩም ንቡር ብዘይምኻኑ ክፍሊት አይምልከተኩምን እዩ።

ጸሎትን አማልድነትን ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ቅዱሳን አቦታትናን አይፈለየና።

ልዑል አምላኽ ንቤተ ክርስቲያንናን ሕዝብናን ፍትሒ፡ ራህዋን ሰላምን የውርድ፡ ኣሜን።

ካብ ጉዳያት ተመሃሮ፡  ስነ መለኮት ኮለጅ ተዋሕዶ

ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፥ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ

ነሓሰ 25, 2018 (ነሓሰ ፲፱, ፳፲ ግእዝ)

Email: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. | website

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div