S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እንቋዕ እግዚኣብሔር ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፥ ሰላምን ውህደትን ኣወጀላ

ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ኣብ ክልተ ደምበ ተኸፊላ ዝጸንሐት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፣ ትማሊ 26 ሓምለ 2018 (ምለ ፩፱, ፳፲ ግእዝ) ምሉእ ውህደት ምግባራ ብሓቂ ዘሕጉስ ዜና እዩ። ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ 4 ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ካብ ኣሜርካ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ምስ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ብሓደ ኮይኖም ንኢትዮጵያዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ክመርሕዋ፥ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ-ዕርቂ ብኣዋጅ ተሓቢሩ ኣሎ።

በዚ መሰረት፥ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ 4 ፓትርያርክ እናተባህሉ ብህይወት ክሳብ ዘለዉ ንኹሉ መንፈሳዊ ነገራት ክመርሕዎ፥ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ድማ 6 ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን እናተባህሉ ንኹሉ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ክመርሕዎ ምዃኖም እቲ ዝተዋህበ መግለጺ ይሕብር። ብሓቂ ድማ ዘሕጉስ ዜና እዩ። 

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ዶር ዓቢይ ኣሕመድውን ኣብቲ ናይ መዛዘሚ ዋዕላ-ዕርቂ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ማለት ሃገር እያ፥ ምምቕቓል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሃገራዊ ምምቕቓል ፈጢሩዩ፥ ሕጂ ግና እቲ ናይ ጽልኢ መንደቕ ፈሪሱ ኣሎ ብምባል ንኣገዳስነት ውህደት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ገሊጾምዎ። ንዕርቅን ፍቕርን ዝሰርሑ መራሒ ብምርካብኩም ንእግዚኣብሔር ነመስግኖ። ስለቲ ዝገበረልኩም ሰናይ ነገር ኩሉውን ንእግዚኣብሔር ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ

ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፥ ምእመናንን ውሉደ ክህነት ድማ እንቋዕ እግዚኣብሔር ሞገሰኩም፥ እንቋዕ እግዚኣብሔር ምሉእ ዕርቀ-ሰላም ኣዋጅ ሓድነት፥ ሰላምን ውህደትን ኣወጀልኩም  እግዚአብሔር ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ'ውን ዘመን ሓድነትን ሰላምን ከምጽኣላ ንልምን።

 

ይትባረከ እግዚአብሔር ኣምላከ አበዊነ፥ ስቡሕኒ ውእቱ፥ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን አሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቅን።

27 ሓምለ 2018 (ሐምለ ፳፲ ግእዝ)

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div