S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መሓርቲ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም (ማቴ5:7) - መግለጺ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ብምኽንያት መበል 20 ዓመታዊ ጉባኤ

ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን

መሓርቲ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም (ማቴ5:7)

መግለጺ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ብምኽንያት መበል 20 ዓመታዊ ጉባኤ

ምሕረት ይቕረታን ዕርቅን ናይቲ ብፍቕሩ ንሰብ ዝፈጠረ ልዑል እግዚኣብሔር ባህሪያት እዮም፡ እቶም ብመልክዕን ምስሊን እግዚኣብሔር ዝተፈጠርና ደቂ ኣዳም ድማ ኣብዛ ሓጻር ምድራዊት ዕድመ ሕይወትና ብፍቕሪ ብምሕረት ብይቕረታን ዕርቅን ምእንቲ ክነብር ኢሉ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "መሓርቲ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም" ዝብል መምርሒ ሓዲጉልና እዩ፡

ምሕረትን ዕርቅን ንህላዌ ስድራቤት ንሓድነት ቤተክርስቲያንን ንውሕስነት ሃገርን ሕዝብን መተካእታ ዘይብለን እምነ ኩርናዕ ናይ ሓደ ጥዑይ ሕብረተሰብ መግለጺ እየን፡፡

ሕዝቢ ኤርትራ ነታ ኣደ ፍትሕን ፍቕርን ራህዋን ዝኾነት ነጻነት ንመርካብ ሕይወት ኣሽሓት ብሉጻት ደቁ ከፊሉ እዩ። እታ በዚ ኽቡር ዋጋ ዝተረኽበት ነጸነት ግና ከምቲ ዝተጸበናያን ዝበሃግናያን ኮይና ክትቅጽለልና ኣይከኣለትን፡፡ ብምኽንያት ዶብ ምስ ጎረባብትና ኣብ ዳግማይ ኩናት ኣቲናስ ብተወሳኺ ንኽብሪ ሃገር ናይ ብሉጻት ሕይወት ክንከፍል ተጊዲድና ኢና። እቲ ድሕሪ ሕይወት ኣሽሓት ምኽፋል ብ 2000 ዓ.ም. ብፍርዲ ዝተወሰነ ጉዳይ ዶብ ድማ ክሳብ ሎሚ ከይተተግበረ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብዘን ዝሓለፋ 20 ናይ ስደትን ጥፍኣትን ዓመታት ድማ ተስፋ ዝቖረጹ ኣሽሓት መንእሰያት ናብ ስደት ብብዝሕ ክውሕዙ ኣብ ጉዕዘኦም ድማ ግዳይ ዝተፈላለዩ ዓይነት ግፍዕታትን ሓደጋ ሞት ብባሕርን መሸጣ ውሽጣዊ ኣካላትን ካልእ ዘስካሕክሕ ግፍዕን ኮይኖም ጸኒሖም። ግቡእ ሥነ ስርዓት ቀብርን ስድራቤቶም ድማ ንቡር ኣገባብ ናይ ሓዘኖም ምጽንናዕን ደበስን ዘይረኸቡሉ እዋን እዩ ጸኒሑ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሕዝብና ድማ ግዳይ ፍርዲ ኣልቦ ማእሰርትን ምድስካልን መወዳእታኡ ዘይፍለጥ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኑ ሕይወት መንእሰያት ኣብ በረኻ በልዩ ስድራቤታት ተበታቲነን ወለዲ ጠዋሪ ዘይብሎም ተሪፎም፡ ኣለዉ፡፡ ንልዕሊ 26 ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ ዚጋታት ኣሽሓት እዮም ንኣስታት 15 ዓመት ብዛይካ እምነቶም ካልእ ገበን ዘይብሎም መራሕትን ኣገልገልትን ቤተክርስቲያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክማስኑ ዝተገብረሉ ምኽንያት ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈለጥ ፍጻሜ ኮይኑ ኣሎ ሕዝብና ድማ ምላሽ ካብ ኣምላኽ ጥራይ ክረኽበሉ ደልዩ ብጸሎት ክጽበዮ ዝጸንሐ ጉዳይ እዩ፡፡

ንኹሉ ጊዜ ኣለዎ ከምዝበሎ ንጉሥ ሰሎሞን ኣብዚ ሎሚ ቅንያት እንሰምዖን እንዕዘቦን ዘለና ብመራሒ ሃገር ኢትዮጵያ ዝተወስደ ናይ ሰላምን ዕርቅን ስጉምቲ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ንኹሎም እሱራት ዋላ ንሞት ተፈሪዶም ዝነበሩ ምሕረት ብምግባር ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ከይተረፈ እሱራቶም ከምዝልቀቑ ምግባር ኣብ ዞባና ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓልዮት ዜጋታት ብሓደ መራሒ ተራእዩ። ብተመሳሳሊ ምስ ጎረባብቶም ሃገራት  ሰላም ንምግባር ዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምቲ ዝነኣድ እዩ። ኣብቲ  ሕይወት ኣሽሓት መንእሰያት ዝቐዘፈን ጉዳይ ስደትን ምፍልላይ ስድራቤታትን ኮይኑ ዝጸንሐ ጉዳይ ዶብ ምስ ኤርትራ ድማ ነቲ ብፍርዲ ዝተወሰነ ተቐቢሎም ሰላም ንግበር ብማለት እሞ ብመንግሥቲ ኤርትራ ድማ ተቐባልነት ረኺቡ ዝስጉም ዘሎ መስርሕ ሰላም  እግዚኣብሔር ፍጻሜኡ ከርእየናን ነባሪ ክገብረልናን  ካብ ማንም ጊዜ ንላዕሊ ብጸሎት ክነቅሕ ንኹሉ ንምሕጸን ሰላም ካብ ኣምላኽ ጥራይ እያ ትመጽእ ካብኡ ንድለያ፡ ነቶም ኣብ መስርሕ ሰላም ዝነጥፉ መራሕቲ ሃገር ድማ ኣምላኽ  ይሓግዞም።

እቲ ዕርቂ ምስ ጎረቤት ሃገርና ምሉእ ዝኸውን ግና ከምቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተወሲዱ ዘሎ ናይ ዜጋታትካ እሱራት ምሕረትን ዕርቅን ምስ ኩሉ ዝብል ኣብ ሃገርና ድማ ምስቶም ገበን ዘይብሎም ኣብ ፈቀዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ ዜጋታትና ይቕረታ ሓቲትና ክንለቆም ከለና እዩ። ኣቦታትናን ኣሕዋትናን ኣብ ጸላም ቤትማእሰርቲ ኮይኖም ናብ ኣምላኽ እህህ እናበሉ አንከለዉ ብሰላም ክንነብር ኢልካ ዘይሕሰብ እዩ። ሰላም ኣብ ውሽጢ ዘይብልካ ምስ ጎረቤት ጥራይ ዝግበር ሰላም ግና ረብሓ የብሉን ጥራይ ዘይኮነስ ግብዝነት እዉን እዩ።

ስለዚ እታ ብደም ብሉጻት ኣሽሓት ዝተረኽበት ሃገርና ኩሉ ወዲ ሃገር ዝኸብረላ ብሕጊ ስርዓትን እትምራሕ ክትከውን ሰላምና ሓቀኛን ነባርን መታን ክኸውን ሎሚ መንግሥቲ ኤርትራ ነዘን ዝስዕባ ብህጹጽ ኣብ ግብሪ ከውዕለን ደጊምና ንጽውዕ።

1. ኩሎም እሱራት ክፍትሑ ንጽዉዕ

2. ኣቦ ቤተክርስቲያንና 3ይ ፓትያረክ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጹን ኣብ ቦታኦም ክምለሱን። ውግዘት ክለዓልን ቤተክርስቲያና ድማ ብስርዓታን ብነጻነት ባዕላ ክትመሓደር ንጽውዕ።

3. ኩሎም ኣገልገልቲ ቤተክርስትያን ብህጹጽ ክፍትሑ

 

ኣምላኽ ንቅዱስ ፓትርያረክ ኣቡነ እንጠንዮስ ብጥዕና ይሓልወና

እግዚኣብሔር ነታ ብመስዋእቲ ብሉጻት ደቃ ባሪኹ ዝሃበና ሃገርና ንዘልዓለም ይሓልወልና

ሕዝብና ይባርኽ

መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ

ሓምለ 22, 2018 ዓ.ም. ፈ (ሓምለ 15, 2010 ዓ ም ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div