S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቅነ-ጉባኤ: ጉዕዞ ዕስራ ዓመት ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት፡ መንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ!

ቀኖናዊ መንበረ ጵጵስና ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ዝምሥረት፡ እንሆ ሎሚ ዘመን መበል ዕስራ ዓመቱ ብወግዒ ንምጽንባል ኣብ ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ስያትል ሰፊሕ ምድላዋት ይግበር ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ ንኹልኹም ኦርቶዶክሳውያን ኣመንቲ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝኾንኩም ኣብ ስያትልን ከባቢኡን ዘሎኹም ብኣካል፥ ነቶም ኣብ ርሑቕ ሃገራትን ኣህጉራትን ዘሎኹም ድማ ብሕልናዊ-ጸሎት ተሳተፍቲ መበል 20 ዓመታዊ ጉባኤና ንኽትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመት (ካብ 1999 . ክሳብ 2018 .) ምሉእ ዕድመ ሃገረ ስብከትና፡ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘይተፈልዮ፥ ብጸሎት መንፈሳውያን ኣቦታት ውሉደ-ክህነት፥ ዕዙዝ ተሳትፎ ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን ብውሕሉል ምምሕዳር ሃገረ ስብከትን እናተወሃሃደ፡ ብዙሓት ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ ኣገልግሎታት ተዓሚሞም እዮም። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ፡- ምቛም ኣብያተ ክርስቲያን በብቦትኡ፥ ምምጻእ ካህናት ካብ ኤርትራ፥ ምሕያል ንኡስ ሃገረ ስብከት ናብ መንበረ ጵጵስና፥ ምስፋሕ ትምህርቲ ሥነ-መለኮት፥ ምሕታም ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃን፥ ምምጻእ ናይ ክብሪ ዕዱማት መንፈሳውያን ኣቦታት ፓትርያርክ፥ ጳጳሳት፥ መነኮሳት፥ ካህናት ሰራሕተኛታት መንበረ ፓትርያርክ፥ ምጅማር ዓመታዊ ጉባኤ መንእሰያት፥ ምስታፍ ሞያውያን ምሁራት ደቂ ቤተ ክርስቲያን፥ ምጅማር ፈነወ ተዋሕዶ ራድዮን ተሌቪዥንን . . . ወዘተ ምጥቃስ ኣኻሊ እዩ።

መንፈሳዊ ጉዕዞ ሃገረ ስብከትና ኣገልግሎቱ ሓደ ኢሉ ክጅምር ከሎ፡- ብሠናይ ድሌት ምሁራት መንእሰያት ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ብተወፋይነት ውሑዳት ካህናትን ዲያቆናትን እዩ ተበጊሱ። ይኹን እምበር ብመንፈሳዊ ቅንኢ ተደሪኾም ብፍቕርን ስኒትን፥ ብመዝሙርን  ጸሎትን፥ ብቅዳሴን ውዳሴን ንሓፈሻዊ ዕብየትን ንዳግማይ ትንሣኤ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምሕላን  ነቲ ኣብ ምሉእ ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ብዘይ መንፈሳዊ ጓሳ (ኣበ-ነብሲ) ፋሕ ኢሉ ተበቲኑ ዝነበረ መጓሰ ኦርቶዶክሳዊ  ኣማኒ ህዝብና ብምጥርናፍ ዕዮ ቅዱስ ወንጌል ምስፋሕ ዝብል ሰፊሕ ራእይን ንጹር ዕላማን ሒዙ ብቕንዕና ስለ ዝተበገሰ፥ ብቡራኬ ቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ፩ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራን ብሠናይ ፍቓድ ቅዱስ ሲኖዶስን እዩ ዕዮኡ ኢሉ ዝጀመረ።

ግናኸ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ጥበበ ኢያሱ ወዲ ሲራክ 21 ‘‘ኣታ ወደይ ንእግዚኣብሔር ከተገልግል እንተ ደኣ ኴንካ፥ ገዛእ ርእስኻ ንፈተና ኣዳሉ’’! ክብል ዝገለጾ፥ ኣብ ዝኾነ ይኹን መንፈሳዊ ጉዕዞ ሕይወት ይንኣስ ይዕበ፥ ይውሓድ ይብዛሕ፥ ፈተናን ዕንቅፋትን ከጋጥም ግድን ስለ ዝኾነ፥ ሃገረ ስብከትናውን ብዙሕ ዝተሓላለኹ ፈተናታት ናይ ውሽጥን ናይ ደገን በብእዋኑ ኣጋጢሞሞ እዮም። ይኹን እምበር ሓቅን ሕግን ሒዙ ከምቲ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ በቲ ኃይሊ ዝህበኒ ክርስቶስ ንኹሉ እኽእሎ እየ።( ፊሊ413) ክብል ዝገለጾ፡ ነቶም በብጊዜኡ ዝጋጥሙ ጸገማት (ማሕለኻታት ሰይጣን) ብረድኤት እግዚኣብሔርን ብጸሎት መንፈሳውያን ኣቦታትን ንኹሉ ተጻዊሩ ብምስጋር እንሆ ሎሚ መበል ዕስራ ዓመት ሓቢርና ብኽብሪ ከነብዕልን ነቲ ጠበቓ ድኹማት ዝኾነ ሕያው እግዚኣብሔር ብጸሎተ-ቅዳሴ  ብሓባር ከነመስግንን ኣብ ዋዜማ ዓመታዊ ጉባኤና በጺሕና ኣሎና።

ስለዚ እምበኣር ኦርቶዶክሳዊ-ክርስቲያን ማለት ንሓጢኣት እምበር ንሞት ከይፈርሐ፥ ኣብ ጸጽባሕ መስቀሉ ተሰኪሙ ኣሰኣሰር ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝስዕብ፥ ከምኡውን ሓሶት ኣብ ዘለዎ ሓቂ፥ ክፍኣት ኣብ ዘለዎ ጽድቂ፥ ጽልኢ ኣብ ዘለዎ ፍቕሪ እናመሃረን እናገበረን፥ ንሓላፊ ሰብ ዘይኮነስ ንኣምላኽ ከሓጉስ ኩሉ ግዜ ዝጽዕር እሙን ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ምዃኑ ከነስተውዕል ይግባእ። እምበኣርከስ ከምቲ መንበረ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ሓምለ 2005 . ንግህሰት ሓዋርያዊ ሕግን ዘይግቡእ ማሕዩር 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ሕጊ እንተ ረጊጽካዮ ተመሊሱ እዩ ዝረግጸካ ብምባል ኣብ ጎድኒ ቅዱስ ፓትርያርክ ደው ዝበልና፥  ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ኦርቶዶክስውን ኣብ ዘዘለዎ ኮይኑ ምእንቲ ልዕልና ሕግን መንፈሳዊ ሓቅን ክንብል አእጃሙ ክንገብር በዚ ኣጋጣሚ እናሓበርና፥ ስለ ሰላም ህዝብናን ኤርትራ ሃገርናን  ብጾምን ጸሎትን ናብ ኣምላኽ ክንምህለል ወትሩ መንፈሳዊ ሓላፍነት ኩልና ምዃኑ ከነዘኻኽር ነፈቱ

ብሩኽ መበል 20 ዓመታዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ

ክብርን ምስጋናን ንልዑለ-ባሕርይ መድኃኔ ዓለም ኣምላኽና ይኹን!!!

ደቂቀ እንጦንዮስ ዘክርስቶስ።

ሓምለ 9, 2018 (ሓምለ , ፳፻፲ . ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div