S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ ኣቦታት ደብረ ቢዘን ብትሪ ንዅንን!

ኣብዚ ቅንያት እዚ መንፈሳውያን ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን፥ ንኣባ ሉቃስን ንኣባ ባስልዮስን ብዝገብርዎ ዘይሕጋውን ዘይመንፈሳውን ኣሰራርሓ ብትሪ ስለ ዘወገዝዎም ድሮ ክልተ መነኮሳት ብወተሃደራት መንግሥቲ ተታሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሓይሮም ኣለዉ።

ኣባ ሉቃስን ኣባ ባስልዮስን ብቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ 2006 ዝተወገዙ እኳ እንተኾኑ ብመንግሥቲ ኤርትራ ተደጊፎም ንቤት ኣምላኽን ንኣማኒ ዝቢ ተዋሕዶ ዘማስኑ ዘለዉ፥ ካብ ንትእዛዝ ኣምላኽ ንትእዛዝ መንግሥቲ ብምቅዳም  መገበርያ ዓለም ብምዃን ካድራት መንግሥቲ ተቐይሮም ምህላዎም ገዳማውያን ኣቦታትን ዝብን ተረዲእዎ ዘሎ ጉዳይ እዩ።

ካብ 2005 ዓም ጀሚሩ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ፥ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻርን ፖለቲካዊ ምሕደራ ኣትያ ከም ዘላ ካብ ማንም ሰብ ዝተሰወረ ኣይኮነን። ዘይሕጋዊ ምውራድ 3 ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራን ዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ ኣቦታት ካህናት ዝጀመረ ጭውያ ቤተ ክርስቲያን፥ ንኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ዋና ኣማሓዳሪ ክኸውን ዝኣዘዘ መንግሥቲ እዩ። 

ኣባ ሉቃስን ኣባ ባስልዮስን፡ ኩሎም ውሉደክህነት ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከይዶም ብረት ይዕጠቑ ኢሎም ስለ ዝፈረሙ፥  ቤተ ክርስቲያን ተዋ ንምዕናውውሉደክህነት ምጽናትብዝብል ዝተማህዘ ትልሚ እዩ።

ነዚ እኩይ ትልሚ ዘስትውዓልሉ ኣቦታትና ገዳማውያን፥ ኣብ ኣንፊ ሰይፊ ረጊጾም ሰማዕትነት ዝሓትት ውሳኔ ፈጺሞም ኣለዉ። ነዚ ኣብነታውን ታሪኻዊ ውሳኔን ኣቦታት ገዳም ደብረ ቢዘን ከኣ ኩሎም ካልኦት ገዳማውያን ኣቦታት ክስዕብዎን ከኽብርዎን መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት መልእክቲ የመሓላልፍ።

መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታትውን ነዚ ካህናት ናብ ግዱድ ውትህድርና ዝብል ትእዛዝ መንግሥቲ ዘይንቡርን ዘይግቡእን ብምዃኑ ብትሪ ንንነጽጎን ነወግዞን ኣሎና።

ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዘሎ ኣማኒ ሕዝቢ ድማ ነዚ ብመንግሥቲ ተኣዊጂ ዘሎ ግዱድ ዕስክርና ውሉደ-ክህነት፡ ጉድኣቱን መጻኢ ሳዕቤናቱን ኣስተውዒልና፡ እዚ ንምዕናው ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንን ንምብትታን ኣገልገልታን ዝግበር ዘሎ ረቂቕ ፖለቲካዊ ተንኮል ብምዃኑ፡ ዓገብ! ክብልን፡ ስለቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ኣቦታት ገዳማውያን ተቓውሞኡ ከሕይልን፥ ብስም ቤተ ክርስቲያን ጸዋዒትና ነቕርብ።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ማእከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን።

30 መስከረም  2017

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div