S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸዋዒት ንሓቀኛ ዕርቂ

መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ።

ኣብቲ 8 ነሓሰ 2016 ካብ ኣሥመራ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ዚብልጊዜ ገቢር ለእግዚኣብሔር እዩ እሞ፥ እንሆ ብቅዱስ ሲኖዶስ፥ ብሥምረት ገዳማት፥ ብጉባኤ ሊቃውንትን፥ ከምኡውን ብዝምልከቶም ኣካላት ክጽዓረሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ዕርቂ ብዘሐጉስ መገዲ ኣብ መደምደምታ ምዕራፍ ሰላም በጺሑ ምህላዉ ነበሥርተባሂሉ፥ "ምስ ኣቡነ እንጦንዮስውን ፍጹም ዕርቂ ተገይሩዚብል፥ ኣቡነ  እንጦንዮስውን ኣብ መንበር ፓትርያርክ ኮፍ ኢሎም ኣብ ስእሊ ተራእዮም እዮም። እቲ መግለጺ ብምቕጻል ኣብዚ ብመሪሕነት ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተገብረ ጻዕሪ ንዝተሳተፉ ኩሎምን ንመንግሥትን ኣመስጊኑን ኣሞጊሱን፥ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከቡ፥ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን እንቋዕ ኣሓጎሰናዝብል ውዱእን ፍጹምን ዕርቂ ምዃኑ እዩ ኣውጁ፥ ንተወሳኺ ሓበሬታ ናይዚ ብሥራት ዝበልዎ መግለጺውን ድሕሪ ሱባኤ ክቐርብ ምዃኑ ይሕብር።

እዚ ቃል እዚ ናይቲ ንርእሱ ሲኖዶስ ኢሉ ሰይሙ ዘሎ ርእሲ ዘይብሉ ኣካል፥ ከሳሲ፥ ፈራዲን ኣእሳሪን ክኸውን ከሎ፥ ብወገን ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ግን ንዕርቂ ዝምልከት ዝኾነ ናይ ጽሑፍ ይኹን ናይ ድምጺ መረጋገጺ ኣይወጸን። እዚ ባዕሉ ከሳሲ ባዕሉ ፈራዲ ዝኾነ ኣካልዚ፥ ረቡዕ 31 ነሓሰ 2016 ምስ ወኪላት መንግሥትን ኣተዓረቕትን ኮይኑ ንሳልሳይ ጊዜ ምስ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ተራኺቡ ኔሩ። ኣብቲ ርክብ፥ እቶም ልኡኻትን ዓረቕትን ዝበሃሉ፥ ንፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ እዚ ዝስዕብ ናይ ቅድመ፡ኩነት ጠለብ ሒዞም እዮም ቀሪቦም።

1) እቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ብስም ሥላሴ ኣብ ልዕሊ ጳጳሳት ዘንበርክሞ ውግዘት ሕጂ ከተልዕልዎ ንሓተኩም፥

2) ናይ ዕርቂ ሰነድ (ብጌጋኹም ከምዝኣመንኩም ናይ ይቕሬታ ጽሑፍ) ኣዳሊና ስለዘለና ክታምኩም ከተንብርሉ

3) ካብ ኦሬንታል ሓደ ፓትርያርክ ከም ተዓዛቢ ዝበሃል ኣየድልየናን እዩ ዝብሉ እዮም።

ቀኖናዊ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ፖለቲካዊ ሕጊ ኣይኮነን፥ ብዶብ ዘይቅየድ ኣድማሳዊ ሕጊ እዩ። ቀኖናዊ ሕጊ ጉባኤ ኒቅያ 51 “ኣብ ትሕቲ ፓትርያርክ ዘለዉ ጳጳሳት፡ ኣብ ርእሲ ፓትርያርክ ክሲ መስሪቶም ዝኾነ ውሳኔ ክህቡ ኣይክእሉን። ዝኾነ ገበን እንተ ሃለዎውን ካልእ ኃዉ ፓትርያክ ኣብ ጉባኤ ተረኺቡ ገበን እቲ ዝተኸሰ ፓትርያርክ ከየረጋገጸ፡ ክውስኑ ኣይክእሉንይብል። እንተኾነ ኣካይዳ ጳጳሳት ዘይሃማኖታዊ ቀይዲ-በተኽ ኮንካ ንምኻድ ዝዓለመ ፖለቲካዊ ኣካይዳ እዩ።

በዚ ሕጊ እዚ ድማ እዮም ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ንሕጊ ቤተክርስቲያን ክብሉ ብሓቂ ደው ኢሎም፥ ብሕጊ ሃይማኖት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይኣቱን፣ ፓትርያርክ ብዝወለዶምን ዝቐብኦምን ደቁ ጳጳሳት ክዳነን ክፍረድን ብሕጊ ቤተ ክርስቲያን ክልኩል ስለ ዝኾነ፥ ኣብ ዘመነይ ምእንቲ ሕግን ሃይማኖተይን እመውት እምበር ሕጊ ኣይስዕርን እየ። እቲ ዕርቂ ሃይማኖታዊ ሥርዓትን ሕግን ሒዙ ንኽከይድ ድማ፥ ቀኖናን ሕግን ዝፈልጡ ሊቃውንቲ ሃገርን፥ ገዳማትን ኣድባራትን፥ ኣብ ዘለውዎ፥ ብሕጊ ሃይማኖትና መሠረት ካብ ናይ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ሓደ ፓትርያርክ ኣብ ዝመርሖ ጉባኤ ክሳተፍ ቅሩብ እየ። ንዕርቅን ሓድነትን ቤተ ክርስቲያን ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ይምነዮን ይደልዮን ስለ ዝበልዎም፥  እቲ ጉዳይ ብዕበጦ ዕበጦ ክኸውን ስለ ዝተደልየን፥ ኣኼባ ብዘይ ዝኾነ ፍረ ተበቲኑ።

ድሕሪ ሱባኤ መግለጺ ክንህብ ዝተባህለ ነቲ ኣቐዲሙ ፍጹም ዕርቂ ተገይሩ ኣብ መደምደምታ ምዕራፍ በጺሑ ዝተባህለ ዝጻረር፥ ብሓደ ታራ ኤጲስ ቆጶስ ምሉእ ጳጳስ ንምዃንውን በቶም ዝቐብእዎም ፓትርያርክ ዘይተፈቕደሎም፥ ዝተመርሐ፥ 3 መስከረም 2016 ኣብ ትሕቲ መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ዚብል ኣርእስቲ፥ ንጠቅስ፥እቲ ጉዳይ ኣብ ጽኑዕ ፍጹም ምዕራፍ ንምብጻሕ፥ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ኩሎም ዝጽዕሩ ወገናት ሠሚሩ፥ ካብ ቀዳምነቱ ቀዳምነታት ሂቡ፥ ብምሉእ ዓቅሙ ይቕጽሎን ኣብ ጽዑቕ ዘተን ዕዮን ከም ዘሎ ይገልጽ

ብመሠረቱ፥ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢሎም ባዕላቶም ክሰምዩ ኣብ ርእሲ ቤተ ክርስቲያንን ሕጋን ከቢድ ገበንን ክሕደትን እዩ። ከመይሲ ሕጊ ቤተ ክርስቲያንወኤጲስ ቆጶሳት ዘኩሎ ኣድያም፥ ይደልዎሙ ከመ ያእምሩ፥ መኑ ውእቱ ሊቆሙ፥ ወይረስይዎ ሎሙ ከመ ርእስ፥ ወይግበሩ ምንተኒ ግብረ ዓቢየ ወንኡሰ ዘእንበለ በምክሩ፡ ፍትሕ መንፈሳዊ ዓንቀጽ 4 ቁጽሪ 64 ጳጳሳት ኩለን ሃገረ ስብከታት ሓለቓኦም መን ምዃኑ ክፈልጡ ኣለዎም፥ ርእሲ ኩሎም ድማ ይግበርዎ፥ ብዘይፍቓዱ ይዕበ ይንኣስ ዝኾነ ስራሕ ክሰርሑ የብሎምን። ይብል። እዚ ሓዋርያዊ ቀኖናዊ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ዝሰዓሩ ስለ ዝኾኑ ሲኖዶስ ተባሂሎም ክጽውዑ ፍጹም ገበንን ድፍረትን ስዕረት ቤተክርስቲያንን  እዩ።

እቲ ውዲት ናበይ ገጹ የምርሕ ከም ዘሎ እቲ ጽሑፍ ይእምት እዩ።ብላዕለዋይ ደረጃ እምነትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ዝሕሉ፥ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዘስፍሕ፥ እምነትን ስነ ምግባርን ዘጽንዕ፥ ይግባይ ንዘይብሉ ውሳኔኡውን ዳግማይ ክርኢ ምሉእ ሥልጣን ዘለዎ፥ ላዕለዋይ መንፈሳዊ፥ ወሳንን ሓጋግን ኣካል ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ፥ ቅዱስ ሲኖዶስ  ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።ይብል

እዚ ሓሳብ፥ ሕጋዊ ሲኖዶስ ክገብሮ ዘለዎ ምዃኑ ሕቶ ኣየድልዮን። ኩሉ ብኣንክሮ ከስተውዕለሉ ዝግባእ ግን ነቲ ቀዳማይ ኣቡነ እንጦንዮስ ይቕሬታ ሓቲቶም ምሉእ ዕርቂ ተገይሩ ዝብል ውሳኔኦም ንምፍራስን፥ ቅድመ ኩነት ንምንባርን እዩ። ከምቲ ቅድም ኣብ ምሻም ዘይሕጋውን ዘይቀኖናዊን ፓትርያርክ ነጻ ቤተ ክርስቲያን ኢና ኢሎም ካብ ምሉእ ዓለም ዘነጸለ ግጉይ ውሳኔ ዝወሰድዎ ሕጂውን ንምድጋምን ኣብ ከቢድ ገበን ንምውዳቕን ዝግበር ምትላል ከይከውን ብእዋኑ ምስትብሃልን ጸሎት ዘድልዮ ጉዳይን እዩ።

ኩሉ ሕዝቢ ፍጹም ዕርቂ ኮይኑሉ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ኮይኖም፥ ኣብ መጀመርታ መእተዊ ናይ እዚ ሓድሽ ዓመት ሠናይ ኣዋጅ ዝእውጁሉ፥ ዝሓለፈ ሓሊፉ ብሕጂ ዘመን ምሕረትን ፍቕርን ይቕሬታን ክእውጁን ክሰምዕ ኣእዛኑ ይጸሉ። ኣብ በዓል መስቀል ብናይ ፍቕሪ ቡራኬ ዳሜራ ክባርኹ ክርኢ ድማ ይጽበ።

እዚ ኮይኑ ምስ ዘይርከብን ካልእ ሊቀ ጳጳስ ወይ ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝገብርዎ ተራ ኤጲስ ቆጶስ ቡራኬን ኣዋጅ ፍቕርን ክህብ ምስ ዝቕልቀል ግን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዝፍጠር ዝኸፍአ ምክፍፋልን ዕንወትን ኣብ ሕይወት ኣቦና ንዝፍጠር ጸገማት ኩሉ ተሓታቲ እዚ ብኣባ ሉቃስ ዝምራሕ ዘሎ ኣኼባ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ።

ስለዚ መንበረ-ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ደጊሙ፥

1.      ሕጊ ሃይማኖትና ብዘፍቅዶ ጉዳይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ብተሳተፍነት ገዳማትን፥ ሊቃውንትን ሓደ ቅዱስ ፓትርያርክ ብዝመርሖ መንፈሳዊ ጉባኤ ብናጽነት ክፍጸም። ፓትርያርክ እንጦንዮስ ብዘይ ዝኾነ ተጽዕኖ ቃሎም  ክህቡ፡ ብፍቓዶም ብምሕረት ውግዘት ክልዕልዎን ይጽውዕ።

2.      ምሉእ ዕርቀ-ሰላም ንኽግበር ንሸምገልትን ገዳማትን ኣድባራት፥ ምእመናንን የዘኻኽር።

3.      ሕጋዊ ዕርቂ ከይተገብረ ከሎ ብሃታ-ሃታ ውግዘት ኣልዕሉ፥ ደብዳበ ፈርሙ እናተባህለ ተባህለ ኣብ ልዕሊ እዞም ብዕድመ ዝሸምገሉ ኣቦ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ዝግበር ዘሎ  ጸቕጢን ተነጽሎን ሃየንታ ስለ ዘለዎ ከቋርጽ ይጽውዕ።

4.      ድሕነት ሕይወት ፓትርያርክ እንጦንዮስን ኩነታት ጥዕንኦምን 3 ነጻ ኣካል ክብጽሑን ክረጋግጽን፥ ኩሉ ምእመንውን ብቐርባ ኩነታት ኣቦኦም ክፈልጡ ይጽውዕ፣

5.      ኩለን ኣሓት ኦሬንታል ቤተ ክርስቲያንናት እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ዘተ-ዕርቂ ብዕትቡነት ይከታተላኦ እኳ እንተለዋ፥ ብጸሎትን ብመንፈሳዊ ምኽሪ እጃመን ከበርክታን፥ ብኣኽብሮት ይሓትት።

በዚ ኣጋጣሚ ኣብዚ ሓዲሽ ዓመተ ምሕረት ሓድሽ ኣዋጅ ሰላምን ዕርቅን ቃል ኣቦና ከስምዓና ነቲ ንዓመታት ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ ዝጸንሐ ከቢድ ፈተናን ሽግርን ኣብቒዑ፡ ምሉእ ዕርቀ-ሰላም ኣምላኽ ከውርደልና፡ ስለ ቤተ ክርስቲያንናን ቅዱስ ኣቦናን ብጸሎት ክነቅሕ የዘኻኽር።

መንበረ-ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፣

5 መስከረም 2016 ( ነሓሰ ፳፻፰ . ግእዝ)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div