S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

9ይ ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ

9ይ ዓመታዊ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ን/ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ። ንዕለት 2-5 ነሓሰ (August) 2007 ዓ.ም ኣብ ደብረ ግእዛን ቤተ ክርስትያን መድኃኔ ዓለም ኣትላንታ፡ ጆርጅያ ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።

ምእመናን: ኣቐዲሞም ምድልዋት ክገብሩ: እንተተኻኢሉ ድማ ዓመታዊ ዕረፍቶም ኣብዚ መንፈሳዊ ጉብኤ እዚ ከሕልፍዎን ንላቦ። ንዓበይት ዝኸውን ዝትፈላለ ስብከት: ትምህርተ ወንጌል: ትምህርትን ሰሚናራትን ክወሃብ እዩ:: ከምኡውን ኣብ ጥዕና: ማሕበራዊ ቁጠባውን ምእመናን ዝሕግዝ ምስ ባህልናን እምነትናን ዝሰማማዕ ሰሚናራት ክወሃብ እዩ። ብተወሳኺ መዓልታዊ ንንኣሽቱ ዝኸውን ብቋንቋ ኢንግሊዝኛ ትምህርትታት ተዳልዩ ኣሎ።

መሪሕ ጥቕሲ

“ንሱ ንጽድቕኻ ከም ብርሃን፡ ንፍርድኻውን ከም ቀትሪ ኼውጽኦ እዩ። ንእግዚኣብሔር ሃዲእካ ተጸበዮ..በቲ ሕሱም ሃቐና ዝፍጽም ሰብ ኣይትኾሪ። እኩያት ኪጸንቱ እዮም፡ ንእግዚኣብሔር ዝጽበይዎ ግና ንምድሪ ኪወርስዋ እዮም።” መዝ 37፡ 6-8።

ኣርእስታት ስብከት

  1. ረሲኣንን ተግባራቶምን (መዝ. 37)
  2. ናይ መወዳእታ ዕጫ እኩያት ሰባት (መዝ. 37)
  3. ፈተና ክርስትያን (1 ጴጥ 4፡12-19)
  4. ኣብ ግዜ ፈተና ብኸመይ ኪንመላለስን ከነገልግልን ይግባእ? (መዝ 37)
  5. ድሕሪ ፈተና ዝርከብ ዓወት (መዝ 37)
  6. መጠቓለሊ ናይ መልእኽትታት

ዝርዝር መደብ ጉባኤ

ሓሙስ (2 ነሓሰ 2007 )

6፡00-8፡00 ጸሎተ ነግህ

8፡00-9፡00 ቁርሲ

9፡30-10፡30 ቅዱስ ቁርባን ንመንን መዓስን?

10፡30-10፡45 መዝሙር ብካህናት

10፡45-11፡30 ስብከት፡ (መሪሕ ጥቅሲ፡ 1ይ ክፍሊ)

12፡00-2፡00 ምሳሕን ዕረፍትን

2፡30-4፡00 ቤተ ክርስትያን ኣብ ግዜ ሃዋርያት

4፡00 - 4፡30 መልእኽቲ ን/ሃገረ ስብከት

5፡00- 7፡00 ድራርን ዕረፍትን

7፡00- 7፡30 መዝሙር ብወለድን መንእሰያትን

7፡30—8፡15 ስብከት (መሪሕ ጥቅሲ፡ 2ይ ክፍሊ)

8፡15-8፡30 ምህለላ ስለ ቤተክርስትያንናን ሃገርናን

ዓርቢ (3 ነሓሰ 2007 )

6፡00-8፡00 ጸሎተ ነግህ

8፡00-9፡00

9፡30-10፡30 ትርጉም ጾምን ጸሎትን  ኣብ ቤተ ክርስትያንና)

10፡30-10፡45 መዝሙር ብካህናት

10፡45-11፡30 ስብከት (መሪሕ ጥቅሲ፡ 2ይ ክፍሊ)

12፡00-2፡00 ምሳሕን  ዕረፍትን

2፡30-4፡00 ቤተ ክርስትያን ኣብ ዘመነ ኣበው፡ 3 ጉባኤታት መንፈስ ቅዱስ

4፡00 - 4፡30 መልእኽቲ ን/ሃገረ ስብከት

5፡00- 7፡00 ድራርን ዕረፍትን

7፡00- 7፡30 መዝሙር ብወለድን መንእሰያትን

7፡30—8፡15 ስብከት (መሪሕ ጥቅሲ፡ 4ይ ክፍሊ)

8፡15-8፡30 ምህለላ ስለ ቤተክርስትያንናን ሃገርናን

ቀዳም (4 ነሓሰ 2007 )

6፡00-8፡00 ጸሎተ ነግህ

8፡00-9፡00 ቁርሲ

9፡30-10፡30 ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ መዓርጋት ቤተ ክርስትያን 

10፡30-10፡45 መዝሙር ናይ ህዝቢ

10፡45-11፡30 ስብከት (መሪሕ ጥቅሲ፡ 5ይ ክፍሊ)

12፡00-2፡00 ምሳሕን ዕረፍትን

2፡30-4፡00 ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘመንና፡ (ህሉው ኩነታት ቤተክርስትያን ተዋህዶ)

4፡00 - 4፡30 መልእኽቲ ን/ሃገረ ስብከት

5፡00- 7፡00 ድራርን ዕረፍትን

7፡00- 7፡30 መዝሙር ብወለድን መንእሰያትን

7፡30—8፡15 ስብከት (መሪሕ ጥቅሲ፡ 6ይ መጠቓለሊ)

8፡15-8፡30 ምህለላ ስለ ቤተክርስትያንናን ሃገርናን

ከምቲ ልሙድ ሰንበት (08-05-2007) ብቅዳሴ ይዛዘም። ተወሳኺ ሓበሬታን ናይ መደባት ለውጥን ኣብ እዋኑ ስለዝመሓላለፍ፡ ምእመናን ኣብ   መርበብ ሓበሬታ' ክትከታተሉና ብኽብሪ ንዕድም። 

መንፈሳውን ኣካዳምያዊ ብቅዓት ዘለዎም ተተካእቲ ቤተክርስትያን ንምፍራይ ካብ 60-70% ናይቲ ጉባኤ ናባታቶም ዘድሃበ ኮይኑ ኣብ ሓደ እዋን ምስ ናይ ዓበይቲ ዝኸይድ ምሉእ ኣገልግሎት ተሰሪዑ ኣሎ። ዝርዝር መደብ ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div