S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣህጉረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ንኤርትራ ወኪሎም ኣብ መበል 118 ሕርያ ፓትርያርክ ሃገረ ምስሪ ክሳተፋ ጉባኤ ሲኖዶስ እስክንድርያ ወሲኑ

ቅዱስ-ሲኖዶስ ቤተ-ክርስቲያን ናይ እስክንድርያመንበረ ማርቆስ ሓዋርያ፡ 30 ግንቦት 2012 ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ፡ እቲ ብብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኤርትራ ዚምራሕ

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ዝውክል ሕጋዊ-ኣካል ምዃኑ ብምርግጋጽ ንታሪኽ ዚመሓላለፍ- ውሳኔ ሂቡ ኣሎ።

በዚ መሠረት': እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንበረ ማርቆስ ኪፍጸም ምቅርራብ ዚግበረሉ ዘሎ ሥርዓተ-ሢመት ቅዱስ ፓትርያርክ ዘእስክንድርያ፡ እተን ሕጋዊ ኣፍልጦ ወይ ውክልና ረኺበን ኪሳተፋ ዘለወን ኣብያተ-ክርስቲያናት መን ይኹና ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝተበጽሐ ውሳኔ፡ ኵለን ናይ ኦሬንታል ኣብያተ-ክርስቲያናት ኦርቶዶክስን፣ ናይ ምብራቕ ኦርቶዶክስን ናይ ተሳትፎ መሰል ክህልወን ከሎ፡ እተን ብሓዋርያዊ ሰንሰለት ደቂ-መንበረ ማርቆስ ሓዋርያ ዚኾና ኤርትራን ኢትዮጵያን ግና፡ ከም ደቂ' ቅዱስ ስድራ መጠን ምሉእ ናይ ተሳታፍነት መሰል ከምዘለወን' እቲ ውሳኔ ዘረጋግጽ።

ኤርትራ ክበሃል ከሎ ግን ናብቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ብሓዋርያዊ ሥልጣን ብስም ቅድስት ሥላሴ ዝተወገዘ፣ ብኣቶ ዮፍታሄ ዝምራሕ ሲኖዶስ ዝጠመተ ኣይኮነን። እዚ ብውግዘት ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ተወጊዙ ዘሎ ናይ ዮፍታሄ ምምሕዳር፡ ብናይ ምብራቕ ኣብያተ-ክርስቲያናት ኦርቶዶክስ ጉባኤ'ውን ዝተነጽገ ስለዝኾነ፡ ብዝኾነ መዐቀኒ ንናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ወካሊ ኮይኑ ኪርከብ ሕጋዊ ባይታ ዘለዎ ኣይኮነን። ስለዚ ድማ' እቲ ኣብ መንበረ-ማርቆስ ዝተዋህበ ውሳኔ፡ ዝኾነ ተሳትፎ ከምዘይህልዎ ብምግባር ኣብ ዝኾነ ጉባኤኡ ከምዘይቀርብ ገይሩ ኣጊዱዎ ዘሎ።

ኣብ ክንዲ' ግን ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ እስክንድርያ መንበረ ማርቆስ፣ ሓደ ብታሪኽ እናተዘከረ ዝነብር ውሳኔ ከምዝወሰነ፡ ብወግዒ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ ነቲ ሒዙዎ ዝጸንሐ ተሪር ኣቕዋም መሠረት ብምግባር፡ ነተን ኣብ መሠረት ፓትርያርክነት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ ጸኒዐን ብመሪሕነት ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ተማእኪለን ዚርከባ ሃገረ-ስብከታት፡-

  1. ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ:  
  2. ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ
  3. ሃገረ ስብከት ማእከላይ-ምብራቕን ሕጋዊ ኣፍልጦ ብምሃብ ዓሠርተ መናብር ተዋሂቡወን ኣሎ። ተሳተፍቲ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ ወኪሎም ኣብ መበል 118 ምርጫ ፓትርያርክ ናይ እስክንድርያ ክሳተፋ ብውሳኔ ቅዱስ ሲኖዶስ ጸዲቑ ኣሎ።

እዚ ውሳኔ' ድማ ታሪኻዊ ስለዝኾነ ብሙሉኡ ሕዝቢ-ተዋሕዶ፡ ከም ሓደ ዓቢይ ሃይማኖታዊ ዓወት ገይሩ ኪርእዮን ነቲ ገባር ተኣምራት ዝኾነ ኣምላኽ ጸሎተ-ምስጋና ከቕርብን ግዴታ ኣለዎ። ብዝተረፈ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ በቲ ዚገብርዎ ዘሎዉ ጻዕርን ድኻምን ዚተረኽበ ዓወት ስለዝኾነ ከየመስገንናዮም ክንሓልፍ ሕልናና ኣይፈቕደልናን።

እዚ ጉባኤ’ዚ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ማዕረ ኩለን ዓለም-ለኸ ኣብያተ ክርስቲያናት ሉዑላዊት  ሓዋርያዊትን ቤተ ክርስቲያንን ምዃና ዘረጋግጽ፣ ውጽኢት ጸሎት ናይ ምእመናነ-እግዚኣብሄር ምዃኑ ክርሳዕ ኣይግባእን።

ረዲኤት እግዚኣብሔር ሰለዘይተፈልየና፣ ነዞም ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ ወኪሎም ኣብቲ ዓቢይ መድረኽ መንበረ-ማርቆስ ክሳተፉ ዝለኣኹ ዘሎዉ ወኪላት ዘድሊ መሳለጥያ ኣብ ምውዳድ ንርከብ ኣሎና።

ረዲኤት እግዚኣብሔር ኣብ ቤተክርስቲያን ይንገስ።

ጸሎት ኣቡነ እንጦንዮስ ቀዳማዊ 3 ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ኣኅጉረ ስብከታት ኣይፈለየና።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div