S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መግለጺ መንበረ ሊቀ ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ።

ንኹሎም ምእመናንን ምእመናትን፣

ናብ ብርሃነ ልደቱ ብደሓን ብሰላም ከብጽሓኩም እናተመነና፣ ዘመን ሓጎስን ዕርቅን ሰላምን ዝሰፈኖ ክኾነልና ድማ ናብ ኣምላኽ ሰላም መድኃኔ-ዓለም ንጽሊ።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ነጋሲ ሃብተ ካብ ዙሪክ ስዊዘርላንድ፣ ብዝብል ናይ ውልቀ ሰብ ስም፣ ኣብ መራኸቢ መርበብ ሓበሬታታትን ካልእ መራኸቢ ብዝኃንን፣ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኩሉ ኤርትራዊ ኣንጻር ህግደፍ ክቃለስ ኣለዎ ክብሉ መጸዋዕታ ኣመሓላሊፎም፣ ብምባል ዝውጽኦ፣ ዝምቡዕን ካብ ሓቅነት ዝረሓቐን እዩ።

ብርግጽ፣ ንጹህን ገበንን ዘይብሎም፣ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ማሕዩርን፣ ጸገምን ንከባቢ ሽዱሽተ ዓመታት ካብ ቅዱስ ቁርባንን ቤተ ክርስቲያንን፣ ተሓሪምዎም ኣብ ከቢድ ፈተና ምህላዎም፣ ሃገረ ስብከትና፣ ብትሪ ዝምክቶን ዝቃለሰሉን ዘሎ ጉዳይ እዩ።

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ’ውን ናይዚ ቃልሲ እዚ መራሕን ኣቦን ብምዃን፣ ንእምነቶም ደው ኢሎም ዝቃለሱ ዘለዉን፣ ቤተ ክርስቲያን ድኻ ተበደለ፣ ፍትሒ ጎደለ ኢላ ናብ ኣምላኽ እተእዊ ምድራዊት ኣካል ሰማያዊ ክርስቶስ ብምዃና ጥርዓናን ኣውያታን ይግባይ እትብለሉ እቲ ርእሳ ዝኾነ ክርስቶስ ጥራይ እያ።

ስለዚ ምሉእ ቃል ናይ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ ዚሓጸረ ጊዜ ከም ዘለዎ ኣብ መርበበ ሓበሬታ ሃገረ ስብከትና፣ ከነቃልሖ ምዃናን እናሓበርና፣

ዝኾነ ይኹን ብዛዕባ እተን ኣብ ትሕቲ ቅድስና ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስን፣ መርሕነት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ዝምርሓ ሃገረ ስብከታት ይኹን ኣብያተ ክርስቲያናት፣ ዝወጽእ መገለጺ ብመርበብ ሓበሬታ ተዋሕዶ (www.tewahdo.org) ዝወጽእ ጥራይ ምዃኑን ካብዚ ወጽኢ ንዝቃላሕ ኩሉ ንቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፣ ዘይውክል ምዃኑ ንኹሉ ኣማኒ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮ ንሕብር።

እግዚኣብሔር ሃገርናን ቤተ ክርስቲያንናን ይባርኽ።
ጸሎት ኣቦታትና ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ኣይፈለየና።
ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div