S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣዋጅ ጾምን ጸሎትን ብምኽንያት “ጾመ-ነቢያት”

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ፡ ኣሜን። ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ

ክርስቲያን መንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብምኽንያት እዚ ካብ 25 ሕዳር 2011 ኣ.ፈ (፲፭ ሕዳር ፳፻፬ ዓ.ም ግእዝ) ዝጅምር ዘሎ “ጾመ-ነቢያት” ንኹሎም ምእመናን ህዝበ-ክርስቲያን ናይ ድኅነትን በረኸትን ጾም ይግበረልና እብል።

እምበኣር ከምቲ ኣብ ምስላ ሃገርና “ላም’ሲ ፍርቂ ጎድና ኣይትዓብር፥ ፍርቂ ጎድና ኣይትሃጥር” ዝበሃል፡ ገለ ክንሕጎስ ገሌና ድማ ክንጭነቕ ብሓቂ ግቡእ ኣይኮነን። ስለዚ ምእንቲ ንኹልና ክጥዕመና፥ ብሥጋን ነፍስን ክንረብሕ፥ ኣብ ውሽጢ ሃገርናን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ብኹሉ ክንባረኽ፥ ኣምላኽ ድማ ፍቕርን ሰላምን ከውርደልና፥ እቶም ኣብ ኤርትራን ኣብ ኩሉ ኵርናዕ-ዓለምን እንርከብ ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ብሓባር ሰሚርና “ስለ ህዝብና፥ ስለ ቤተ ክርስቲያንናን ስለ ሃገርናን” ጾምን ጸሎትን ክግበር መንፈሳዊ መልእኽትና ነመሓላልፍ። ብዝያዳ ድማ ስለ እቶም ኤርትራውያን ኣሕዋትናን መንእሰያት ደቅናን ኣብ ፈቐዶ ሃገራትን ስደትን (ምድረ-በዳ ሲናይን ማያት ጻዕዳ ቀላይን) ዘጋጥሞም ዘሎ መከራን ስቅያትን ብልቢ ሓዚናን ጾር ተሰሚዑናን ናብ እግዚኣብሔር ክንምህለል ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ነዘኻኽር።

ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ብግዜ ጸበባ ይኹን ብእዋን ራህዋ ምስ እግዚኣብሔር ትራኸበሉ መንፈሳዊ ጎደና-እምነት ብጾም፡ ጸሎትን ምህልላን ምዃኑ ብሰፊሑ ኣብ ሓዋርያዊ ሕጋን ቅዱሳት መጻሕፍታን ዝሰፈረ መሠረታዊ ተልእኾኣ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ብእዋን፡ ሓጎስ ምስቶም ዝሕጎሱ ንኣምላኽ ከተመስግን፥ ብእዋን ጸበባ ከኣ ምስቶም ዝሽገሩ ከም መኻፍልቲ ጸገሞም መጠን ብጾምን ጸሎትን ካብ እግዚኣብሔር ምሕረት ክትልምን ኦርቶዶክሳዊ ዕላማኣ እዩ። ስለዚ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራይ ሸውዓተ ዝተፈላለዩ ኣጽዋማት ሰሪዓ ንኣመንታ ብጸሎት ክነቕሑ ኣዋጅ ብምትሕልላፍ እናኣዘኻኸረት ትነብር ጸኒሓ። እንሆ ሎሚ ከኣ ብምኽንያት ምእታው ጾመ-ነቢያት ህዝቢ ክምህለልን ናብ እግዚኣብሔር ክምለስን ትዕድም።   

ስለዚ እምበኣር “ጾመ ነቢያት” ክንብል ከሎና እቶም “ሕጻን ተወሊዱልና፥ ወዲ ተዋሂቡና” እዩ፥ ንሱ ገዛኢና ክኸውን እዩ። ንሱ “ግሩም መኻሪ፥ ብርቱዕ ኣምላኽ፥ ዘለዓለማዊ ኣቦ፥ መስፍን ሰላም” ተባሂሉ ኪጽዋዕ እዩ” እናበሉ፡ ብሥራት ልደት ናይ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ዝነገሩ እዮም። ከምኡውን “እቲ ኣብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ፥ ነቶም ኣብ ጸልማትን ምድሪ ሞትን ዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም”  እናበሉ፡ ነቶም ኣብ “ባርነት ኃጢኣትን ናይ ግዝኣት ሰይጣንን” ዝጭነቑ ዝነበሩ ህዝቢ ዓለም ድኅነት-ሕይወትን ተስፋ መንግሥተ-ሰማያት ዘበሠሩ ቅዱሳን ናይ እግዚኣብሔር ኣገልገልቲ እናዘከርና ንገብሮ ዓመታዊ ናይ ጾምን ሱባኤ-ጸሎትን እዋን እዩ (ኢሳ 9፡2-6)።

ልዑል እግዚኣብሔር ባዕሉ “ናባይ ተመለሱ፥ ኣነ ድማ ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ከም ዝበለ፡ ንሕና ከኣ ዓበይትን ነኣሽቱን፥ ሰብኡትን ኣንስትን፥ ኩልና ኣመንቲ ክርስቲያን ብትሑት ልብን መንፈሳዊ ሕሊናን እንተ ተማህሊልና ንምሕረት ቀረባ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ወሓዚ ሰላም፥ ጸጋ-በረኸትን ምስ ፍቕርን ቅሳነትን ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ከም ዘፍስስ ኣብ ኣምላኽ ሙሉእ እምነት ኣሎና። ምኽንያቱ እቲ “ለምኑ ክወሃበኩም፥ ድለዩ ክትረኽቡ፥ ማዕጾ ኳሕኳሕ ኣብሉ ክኽፈተልኩም” ዝበለ መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ትማልን ሎምን ንዘለዓለም ሕያው እዩ እሞ፡ ወትሩ ተጊህና ብጾምን-ጸሎትን ንማህለል።ማቴ 7፡7፡

ንሰብ ነነዌ ዝተለመነ ልዑል እግዚኣብሔር ጸሎትና ተቐቢሉ ምሕረትን ቅሳነትን የውርደልና!

ኣብ ብሩኽ ብርሃነ-ልደት ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓጎስን ሰላምን ከብጽሓና ሠናይ ፍቓድ እግዚኣብሔር ይኹን።

መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

25 November 2011 (፲፭ ሕዳር ፳፻፬ ዓ.ም ግእዝ)   

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div