S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መዓርግን ስልጣንን ፓትርያርክ (ደቂቀ እንጦንዮስ ተማሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኮርፐስ ክርስቲ, ተክሳስ .. ኣሜሪካ 24 ሚያዝያ 2008 )

ስልጣን ፓትርያርክ 

መሰረት ስልጣን ፓትርያርክ ካብ ሰማይ እምበር ካብ ባይታ ኣይመጸን። ክርስቶስ ከመይ ዝበለ ስልጣን ንሃዋርያት ከም ዝሃቦም ዝሕብሩና ኣብነታት እዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ምስክር እዮም። “በቲ ሓቂ ቀድሶም፣ ቃልካ ሓቂ እዩ። ከምቲ ንዓይ ናብ ዓለም ዝለኣኽካኒ፣ ከምኡውን ኣነ ናብ ዓለም ለኣኽኩዎም”። (ዮሃ፡17፡17-18) “ሽዑ ኢየሱስ ከም ብሓድሽ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለኣኸኒ፣ ኣነውን ከምኡ እልእኸኩም ኣሎኹ በሎም። እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፣ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ”። (ዮሃ፡20፡21-22) “ስለዚ ኺዱ ንኹላቶም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም ዝኣዘዝኩኹም ኹሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ

ድማ፣ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኹሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ”። (ማቴ፡ 28፡20) “ኣነ ኸኣ እብለካ ኣሎኹ፡ ንስኻ ጰጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ከውሒ እዚኣ ኽሃንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን። መርሖታት መንግሥተ ሰማያት ክህበካ እየ፣ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ኹሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ኹሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ክኸውን እዩ።” (ማቴ፡ 16፡ 18-19) ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያትን ኣብ ልዕሊ ኹላ ቤተ ክርስቲያንን፡ ንጰጥሮስ ቀዳማይ ፓትርያርክ ክኸውን ክርስቶስ ምሉእ መዓርግ ስልጣን ሃቦ።  

ናይ መጀመርታ ፓትርያርክ ተባሂሉ ዝጽዋዕ እግዚኣብሔር ‘ኣብ’ ባዕሉ እዩ። ከመይሲ “ኣባ ኣቦ” ተባሂሉ ስለ ዝጽዋዕ። ‘ኣባ ኣቦ’ ድማ፣ መራሕ ኹሉ እምነት ዝኾነ ኣቦና ኣብርሃም፣ ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ገይረካ እየ እሞ፡ ደጊም ስምካ ኣብራም ኣይጸዋዕ (ዘፍ፡17፡5-7) ምስ ተባህለ እዩ። ድሕሪ ኣብርሃም ድማ ሙሴ ኣብ ልዕሊ እሥራኤል መራሒን ኣቦን ነበረ። ኣብ መውዳእታ ድማ፣ እቲ ኣካል ሥላሴ ዝዀነ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ‘ኣቦ’ ኹሉ ከም ዝኾነ ነገረና። ንሱ ድማ ነቶም መንፈስ ቅዱስ ዝሓደሮም ሓዋርያት ኣብ ቤቱ፣ ኣብ ክንድኡ ኣቦታት ኰይኖም ክመርሑ ምሉእ ሥልጣን ሃቦም። ሓዋርያት ድማ ነቶም ብድሕሪኦም መንፈስ ቅዱስ ዝመረጾም ኣቦታት፣ ከምቲ ንዓኣቶም ክርስቶስ ምሉእ ሥልጣን ዝሃቦም፣ ምሉእ ሥልጣን ኣቦነት ሃብዎም። እዞም ኣቦታት እዚኣቶም ድማ ክሳብ ሕጂ ንቤተ ክርስቲያን ብዘድልያ ዘበለ እናመርሑ፣ ክሳብ ምጽኣት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከጽንሕዋ ሓደራ ተዋህቦም። እዞም ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመርጹ ኣቦታት ሥልጣኖም መዓርግ ኣቦነቶም ከይተቐየረ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናትን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን ስሞም ይቀያየር እዩ። ንኣብነት ኣብ ሮማ ኣብ ምስሪ፡ ፖፕ፡ ፓትርያርክ፡ ካቶሊኮ፡ ዓቢይ ጳጳስ፣ ቀዳማይ ጳጳስ፣ ሊቀ ጳጳሳት፣ ርእሰ ጳጳሳት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እናተባህሉ ይጽውዑ። ፓትርያርክ ብመዓርጉ ወኪል ክርስቶስ ኣብ ምድሪን ኣቦ-መንበር ሲኖዶስን ጠቅላላ መራሒ ቤተ ክርስቲያንን እዩ።


ፓትርያርክ ዝብል መጸውዒ  

ፓትርያርክ ዝብል ቃል “Παπας” - "pater" (ኣቦ) and "archon" (መራሒ) ካብ ዝብሉ ቃላት ዝመጸ እዩ። መበቆሉ ቋንቋ ጽርኢ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ "መራሒ-ኣቦ" ማለት እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ ግዜ ፓትርያርክ ዝብል መጸውዒ ነቦታት ዝተዋህቦም ብ200 ዓ.ም. ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ፣ ኣለክሳንደር ዓቢ ነቶም ሰብዓ ሊቃውንቲ እስራኤል ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ እብራይስጢ ናብ ኮይን ዝተባለ ቋንቋ ጽርኢ ክትርጉምዎ ትእዛዝ ምስ ሃቦም እዩ። ንሳቶም፣ ነቲ “ኣቦ ኹሉ” ዝብል ቃል ናብ ፓትርያርክ ዝብል ምስ ለወጥዎ፣ ብኡ መሰረት ኣብቲ Septuagint ተባሂሉ ዝጽዋዕ መጽሓፍ ቅዱስ ቦታ ሓዘ። ከም መጸውዒ መዓርግ ንዝለዓሉ ኣቦታት-ቤተክርስቲያን ዝተጀመረሉ ግና ብ42 ዓ.ም ኣብ ኣለክሳንደርያ (ግብጺ) ተጀመረ። ካብዚ ንደሓር ቤተ ክርስቲያን መንበረ ማርቆስ፣ ነቲ ቀዳማይ ኣቦ መዓርግ ፓትርያርክነት ትህብ እኳ እንተ ነበረት፡ "ፓትርያርክ" ዝብል መጸውዒ ዝያዳ ክፍለጥ ዝጀመረ ግና፣ ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን (ጉባኤ ኒቅያ) ብ325 ዓ.ም. እዩ። ቀንዲ ቦታኡ ዝሓዘን ናይ ኩላተን ቤተ ክርስቲያናት መጸውዒ ዝዀነን ግና ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን (381 ዓ.ም) እዩ። ብሕጊ ጸዲቑ ወግዓዊ መጸዊዒ መዓርግ ምስ ኰነ፣ ኣብ 6ይ ክፍለ ዘመን ኩላቶም ኣቦታት "ፓትርያርክ" ተባሂሎም ክጽውዑ ንሊቀ ጳጳስት ሮማ፣ ንሊቀ ጳጳሳት ኣንጾክያ፣ ንሊቀ ጳጳሳት ቁስጥንጥንያ፡ ከምኡውን ንሊቀ ጳጳሳት ኢየሩሳሌም መልእኽቲ ተላእከ። ካብዚ ንደሓር፣ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ኣብ ምድሪ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመርጹ መራሕታ “ይደልዎ” እናበለት ክሳብ ሕጂ ነዚ መዓርግ እዚ ትጥቀመሉ ኣላ።

መዓርግ ፓትርያርክ ዕድመ ልክዕ እዩ፤

“ፓትርያርክ ኣብዛ ምድሪ ብመንፈሳውን ሕጋውን መገዲ ወኪል ክርስቶስ ኮይኑ (representative or ‘Kholaphaa) ፣ እምነት ክሕሉ፣ ምእመናን ኪጓሲ ዝተሾመ መራሒ እዩ።” (ፍትሒ መንፈሳዊ: ኣንቀጽ 4)። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሰረት ናይዚ ድማ "እቲ ንዓኹም ዝቕበል ንዓይ ከምዝተቐበለ . . ." ዝብል እዩ። መዓርግ ፓትርያርክነት ኣይሰዓርን እዩ፤ ከመይሲ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኰነ። በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ፍትሓ ነገሥት “ሊቀ ጳጳሳት (ፓትርያርክ) ከምቲ ኣቦ ኣብ ልዕሊ ደቁ ምሉእ ስልጣን ዘለዎ፡ ፓትርያርክ ኣብ ልዕሊ መእመናን ምሉእ ሥልጣን ኣለዎ ዝብል። ሊቀ ጳጳስ (ፓትርያርክ) ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ክእዝዝ ምሉእ ሥልጣን ኣለዎ፣ ከመይሲ ንሱ ኣብ ርእሲ ኩላቶም ህዝበ ክርስቲያን ከም ጰጥሮስ ሓለቓ እዩ። ኣብ ርእሴኡ ድማ፣ ኣብ ልዕሊ ኩላተን ቤተ ክርስቲያናት ምስሌነ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። (ፍትሓ ነገሥት ዓንቀጽ 4፤ 54)  

መዓርግን ሥልጣንን ፓትርያርክ እንተተንከፈ፣

ኒቅያ ፶ ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ (ሊቀ ጳጳስ) ዝዀነ ክሲ እንተ ተረኽበ፣ እቶም ኣብ ትሕቴኡ ዘለዉ ጳጳሳት ክፈርድዎ ሥልጣን የብሎምን። ፓትርያርክ በደል እንተገበረ ካብቶም ሰለስተ ፓትርያርክ ሓደ ተረኺቡ ነቲ ዝተባህለ ክሲ ከይመርመረ ክሱ ቅቡል ኣይኰነን። ካብቶም ሰለስተ ሓደ ምስ ተረኽበውን መጺኡ ካብ ስራሕ ከሰናብቶ ወይ ምስቲ ክሲ ክሰማማዕ ክሕበል ኣይግብኦን”። (እዞም ሰለስተ ዝብሎም ዘሎ ካብቶም ኣቐዲምና ዝረኣናዮም ፓትርያርክ ኣለክሳንድርያ፤ ሮማ፣ ኤፈሶን፣ ኣንጾክያ ማለቱ እዩ። ፍትሓ ነገስት ዓንቀጽ 4፣41 ተመልከት።)

ፓትርያርክ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘለዎ ሥልጣን ድማ ብመዓርጉ ካህን እዩ። መዓርግ-ክህነት ክሳዕ ሞት ስለ ዝዀነ፣ መዓርግ ፓትርያርክ ድማ ብህይወት ክሳብ ዘሎ ኣይሰዓርን'ዩ። መዓርግ ክህነት ይኹን መዓርግ ፓትርያርክነት ካብ ሰብ ዘይኰነ ካብ ላዕሊ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝርከብ መዓርግ ከም ዝኰነ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና።


ኣገባብን ርትዓውነትን ምርጫ ፓትርያርክ እንጦንዮስ

ከም ሕግን ስርዓትን ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ፣ ኣገባብ ምርጫ ፖትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ርትዓውን ጹፉፍን እዩ ኔሩ። ኣቡነ እንጠንዮስ ካብቶም ሓሙሽተ ቀዳሞት ጳጳሳት ብ1994 ዓ.ም.ፈ  ኣብ በዓል ሓምሳ ኣብ ካተድራል ቅዱስ ማርቆስ ካይሮ ግብጺ ዝተቀቡኡ ጳጳሳት ሓደ እዮም። ካብቲ ጊዜ'ቲ ጀሚሮም ክሳብ ፖትርያርክ ዝኾኑ ድማ ጳጳስ ንዓሰርተ ዓመታት ናይ ዞባ ማእከል (ብኣውራጃ ሓማሴን ዝፍለጥ) ኮይኖም ኣገልገሉ። ኣብ ሓዋርያዊ ዕዮኦምን ጉስነቶምን ብጣዕሚ ትጉህን ምስጉንን እዮም።

ድሕሪ ዕረፍቲ ካልኣይ ፖትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ፣ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2003 ዳርጋ ንሓደ ዓመትን መንፈቅን ክሳብ ምርጫ ጊዜ ዓቃቢ መንበር ተዋህዶ ኮይኖም ኣገልጊሎም። ፖትርያርክ ንምምራጽ ጊዚኡ ምስ በጽሐ፣ ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ጳጳሳት ሕጹያት ኮይኖም ቀሪቦም። በቲ ዘለዎም መንፈሳዊ ህይወትን ትግሃትን ድማ ብሕጋዊ መንገዲ ወግዓዊ ሳልሳይ ፖትርያርክ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ንክኾኑ ተመሪጾም። እዚ ምርጫ'ዚ ብመሰረት ስምምዕ ናይ ክለተ ኣሓት ቤተ ክርስትያን ኤርትራን ግብጽን ብመሰረት ዓንቀጽ 7 ተኻይዱ።

ዓንቀጽ 7 ከምዚ ይብል፡

ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስትያን ናይ ገዛእ ርእሳ ፓትርያርክ ክትመርጽ ነጻነት ኣለዋ። እንተኾነ ናይ ክልቲኣተን ቤተ ክርስትያናት ሕብረት ክሁድ ምእንቲ ክኸውን፣ እታ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ዓሰርተ ኣባላት ዝሓዘ ልኡካት ማለት ክልተ ናይ ሃገረ ስብከት ጳጳሳት፣ ክልተ ኣበ-ምኔታት ገዳማት፣ ሽዱሽተ ድማ ኣብ ካልእ ጽፍሕታት ዘገልግሉ ከክልተ ምእመናን ቤተ ክርስትያን፣ ነቲ ዝግበር ምርጫዊ መስርሕ ከም ኣጋይሽ ክዕዘቡን ኣብቲ ዝግበር ጽምብል ክካፈሉን ይልኣኹ።

ብመሰረት ስምምዕ ቤተ ክርስትያን ኤርትራን ግብጽን፤ ናይ ክልትኤን ልኡኻት ቅዱስ ሲኖዶስ ከምቲ ኣብ 6ይ ምዕራፍ ግብረ ሃዋርያት ዘሎ፣ ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዝኸውን ሰብ ንምሕራይ ብዕለት 4 መጋቢት 2004 ዓ.ም. መንፈሳዊ ኣኼባ ኣካየዱ። ናይ ክልትኤን ልኡኻት  ቅዱስ ሲኖዶስ እቲ ዝተኻየደ ምርጫ ቅኑዕ ምዃኑ መስከሩ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣብ በዓል ሓምሳ ብዕለት 25 ሚያዝያ 2004 ዓ.ም. ስርዓተ ቅብኣት ብመሪሕነት ፖፕ ሽኖዳ 3ይ ተኻይዱ፣ ኣቡነ እንጦንዮስ ድማ ወግዓዊ ሳልሳይ ፖትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኮይኖም ተመርጹ። ኣብዚ ስርዓተ ስሜት (ምቕባእ)'ዚ ብርክት ዝበሉ፣ ናይ ክብሪ ዕዱማት፣ መራሕቲ ሃይማኖት፤ ልኡኽ ሃገረ ስብከታት፤ ሰበ ስልጣንን ዲፕሎማትን ተኻፊሎም ነይሮም። ኣብቲ ስርዓተ ስሜት ዝተረኽቡ ኩሎም ድማ ነቲ ዝተገብረ መስርሕ ምቕባእ ምስክርነቶም ሃቡ።  እወ! ኣማን ብኣማን ብድምጺ ኩለን ገዳማትን፤ ምሉእ ተሳትፎ ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያንን ምስክርነት ሊቀ ጳጳሳት ቤተ ክርስትያን ግብጽን ዝተመርጹ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ዕላዊ መራሒ ድማ ኮኑ።


ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ብ2005 ዝወረደ ግፍዕን ሳዕቤኑን

ሕጊ እንተረጊጽካዮ፡ ተመሊሱ እዩ ዚረግጸካቃል ብጹእ ወቅዱስ እቡነ እንጦንዮስ 3 ፓትርያርክ .. / ኤርትራ።

ኣብ ዓለምና ሕጊ እንተዘይህሉ ናብራ ደቂ ሰባት ካብ ናይ እንስሳ ኣይምተፈልየን። ኣብ ሞንጎ ዝሃድንን ዚህደንን ንዝህሉ ጽልኢ፡ ቅትለትን ግፍዕን… ካልእ ስም ምረኸብናሉ እምበር ህይወት ኣይምተባህለን፡ ቀጻልነትን ምዕባለን ደቂ ሰባት ከኣ ኣይምሃለወን። ሕግን ንሕጊ ዘፈጽም ሓይሊ እንሃለወ እኳ ንጋዶ!

ኣብ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ፡ ብጸቕጢ ሓደ ጭዋ ሰብ (ኣቶ ዮፍታሀ)፡ ንኃዋርያዊ ሕጊ (ጉባኤ ኒቅያ 325 ዓ.ም) ጥሒስካ፡ ነቶም ብሕርየት መንፈስ ቅዱስን ብምርጫ መራሕትን ምእመናን፡ ሕጊ ቤተክርስትያን ብዝእዝዞ መሰረት፡ ዝተመርጹ መራሕ ቤተክርስትያን ኣሊኻ ብኻልእ ንምትካኦም ዝተገብረ ፈተነ ብዓመጽን ግፍዕን ሰለዝተተግበረ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዘይብሉ ግብረ-ኣረምውያን ምዃኑ ግዜ ቀሊዕዎ’ዩ። ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብቲ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ሳላ ምሁራት ደቂ ቤተክርስትያን ናብ ኩሉ ዓለም ብትግርኛን ብእንግሊዘኛን ዝተዘርግሐ መልእኽቲ፡ እቲ ጉዳይ ኃይማኖታዊ እንተኾይኑ መፍትሒ ንምርካብ ከቢድ ዘይምኻኑ እዩ ዝገልጽ። ኩልና ብጉዳይ ቤተክርስትይንና ዝሰንበድና ምእመናን፡ ነቦና ዝቐረበሎም ክስን ዝሃብዎ መልስን፡ ጸኒሑ ተወሲዱ ዝተባህለ ስጉምትን ንኹሉ ክንመምን ከርሰ-ነገር ናይቲ ጉዳይ እንታይ ምዃኑ ኪበርሃልናን ክኢሉ። እቲ ከም ክሲ ዝቐረበ ነገራት ነቶም ወጠንቱን ተግበርቱን ጥራይ ዘይኮነ ንኹላትና ኤርትራውያን ዘሕፍር ትሕዝቶ ዘሎዎ ኮይኑ እዩ ተረኺቡ። ኣቦና ነቲ ዘሕንኽ ክስታት ጉባኤ ቤተክርስትያን ይጸዋዕ’ሞ መልሲ ኪህበሉ ምባሎም ከኣ ቅንዕናኦምን ልቦናኦም የነጽር። ገበን ዘለዎ ሰብ ጉባኤ ኣይጽውዕን’ዩ። እቶም ኣብዚ ዘነውር ተግባር ዝውዓሉ ኣካላት ንኣስታት ክልተ ዓመት ተቐርቒሮም ጸኒሖም። ጉባኤ እንተጸውዑ ዝገደደ ኪሓፍሩን ኪዋረዱን ምዃኑ መዚኖም። ሕጊ ቤተክርስትያን እንተጠሓሱ ድማ ብህዝቦምን ኩለን ኦርየንታል ተዋህዶ ቤተክርስትያናትን ከምዝኹነኑ ኣይስሓትዎን።  

ናይ ቤተክርስትያን ርእሲ መድሃኔ ዓለም’ዩ። ንቤተክርስትያን ካብ ካልእ ፍልይ ዘብላ ከኣ ብሕጊ መንፈሳዊ ዓለም እትግዛእ ንብረትን ጥሪትን ፈጣሪ ምዃና’ዩ። እቲ መንፈሳዊ ሕጊ ንዓለማዊ ሕጊ ጸብለል ይብሎ እምበር ኣይንእሶን፡ ስለዝኾነ ኣብ ንቡር ኩነታት ነንሕድሕዱ ኣይጋጮን እዩ። መራሕቲ ቤተክርስትያን እምበኣር ንመድሓኔ ዓለም እንዳተኣዘዙ፡ ኣሰር ሃዋርያትን ቅዱሳንን እንዳሰዓቡ፡ ሰዓቡና ኪብሉ ከሎዉ ጥራሕ እዮም ሕፉራትን ክቡራትን ኪኾኑ ዚኽእሉ። ምኽንያቱ ሕጊ ኣፍሪስካ ክብረት የሎን፡ እንትርፎ ሕስራን። ንመራሕቲ፡ መራሕቲ ዘብሎም ከኣ ማዕርግን ፍሉይ ኣልባሳትን ዘይኮነ፡ ሕጊ ኣብ ምኽባር ጸብለል ብምባሎምን፡ ስጋኦም መሊኾም ብዘጥርይዎ መንፈሳዊ ብስለትን እዩ። ነቲ ጭዋ ሰብ፡ ኣቶ ዮፍታሀ፡ እዚ ኩሉ ኣይንታዩን እዩ። ካብ መጀመርያኡ ብዓል ጽቡቕ ታሪኽ ኣይኮነን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀትን ዝፈጸሞ በደልን ሎሚ ንመጀመርያኡ ኣይኮነን። እቶም ነፍሶም ፈትዮም፡ ፈሪሖምን ተገዲዶምን ነቲ ዝተገነዝሉ ሽመት ጵጵስና ዘቃለሉ ኣቦታት ግን ኣብ ዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮኑስ ኣብ ዓይኒ ዝበዝሐ ህዝብታት ዓለም ሚዛኖም ቀሊሉ እዩ። ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ካልኦት ንጹሃትን ውሉድ-ክህነት ጥራይ ኣይኮኑን በዲሎም። ኣብ ብምሉኡ ዓለም ንዝርከብ ተኸታሊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ እዮም በዲሎም። ን1700 ዓመታት ጸኒዑ ንዘጽንዓና ሕጊ ብምግሃሶም፡ መቓብር ቅዱሳት ኣቦታትናውን ነቕኒቖሞ እዮም። ስለዚ ሎሚ ካብ ኩለን ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያናት ተነጺሎም፡ ብዝገበርዎ ገበን፡ ዓቕሎም ጸቢብዎም እንተረኣናዮም ዘገርም ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ንሕጊ ቤተክርስትያኖም ክሳብ ሞት ደው ብምባሎም ብህዝብናን ዓለምን፡ ካብተን ሰላማውያን ዓመታት፡ ኣብዘን ናይ ፈተና ዓመታት ሲመቶም ዝረኸብዎ ዝናን ክብርን ይዓቢ። ስለዚ ሎሚ ሕጋዊ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ንሶም ጥራይ ምዃኖም ብምግንዛብ ኩለን ኦርየንታል ተዋሕዶ ቤተክርስትያናት ኣብ ቅዳሴአን ስሌኦምን ስለ ቤተክርስትያን ኤርትራን ኣዘውቲረን ኣብ ምጽላይ ይርከባ። ዝፈልጥዎምን ዘይፈልጥዎምን ደለይቲ ፍትሕን ሓቅን ዓለምና ብቐጻሊ ስሌኦም ኣብ ናይ ዜና ማዕከናትን መርበብ ሓበሬታን ድምጾም የቃልሑ ኣሎዉ።    

ሳዕቤን ሕጊ ምጥሓስ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እንዳበኣሰ እምበር እንዳሓሸ ኪኸይድ ኣይኮነን። ሎሚ እዞም ካብ ኃዋርያዊ መስመሮም ዝወጹ ጳጳሳትን ሰዓብቶምን “ንሃዋርያትካ ክትፈትሑን ኪትኣስሩን ስልጣን ሂበኩም ኣሎኹ ብዘበልካዮ መሰረት…ንሕና …ኸኣ …” ኢሎም ክጽልዩ ኣይክእሉን እዮም። ከም ውጽኢቱ ሎሚ ዲቁናን ክህነትን ካብ ዝቕበሉ ዝውገዙን ብብዙሕ ምኽንያታት ካብ ኣገልግሎቶም ዝሰናበቱ ውሉደ ክህነት ይበዝሑ። “ዘኣውገዘ በከንቱ ውጉዝ ውእቱ” ከም ዝብሎ ፍትሓ ነገስት ውግዘቶም ካብ ታራ ቃል ዝሓልፍ ሚዛን የብሉን። ምኽንያቱ ንባዕላቶም ፍትሓት ዝደልዩ ኣብ ትሕቲ ውግዘት ይነብሩ ስለዘለዉ። ህዝብና ከኣ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሎሚ ብዛዕባ ሕጊ ቤተክርስትያን፡ መንነት ቅኑዓትን ዘይቅኑዓት መራሕትን ኪፈልጥን ኪመራመርን ብምጅማሩ፡ ኣብ ዓዲ ዘሎ ይኹን ኣብ ደገ ዘሎ ህዝብና፡ ድሮ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ፡ ፍርዱ ሂቡ እዩ። ንኣብነት ኣብ ደገ ዘሎና ንዕዘቦ ከምዘሎና፡ እቶም ንሕና ኣብ ውግዘትኩም ኢድ የብልናን ኢሎም፡ ኩሉ ጸለመን ግዝያዊ ፈተናን ተጻዊሮም ኣብ ኃዋርያዊ መሠረቶም ዝጸንዑ፡ ሓላፍነቶም ዘይደርበዩ ኣቦታት፡ ህዝብና ከም ንህቢ ኪዓስሎምን ከኽብሮምን ይርኣይ ኣሎ። እቶም ሕጊ ዝጠሓሱን፡ ኪጠሓስ ከሎ ዓገብ ዘይበሉን ከኣ ህዝብና ይንዕቆምን ይርሕቆምን ኣሎ።     

ዝተፈላለየ ሜላታትን ጸለመን ተማሂዙ፡ ንሓቂ ቀቢሩ ከጽንዓ ኣይከኣለን። እታ እንኮ ፈውሲ ኣብ ኢድ እቶም ፈጸምቲ’ዚ ገበን እያ ዘላ። ጌጋኦም ተኣሚኖም፡ ውግዘቶም ክልዓለሎም ኪሓቱ፡ ኣብ ቤተክርስትያንና ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ህቦብላ ብሰላም ኪዓርፍ ጻዕሪ ኪገብሩ ይግባእ። ሓዊ ወሊዕካ ሰላም፡ ሰብ ገፊዕካ ሕውነት፡ ሕጊ ኣፍሪስካ ሓድነት ህዝብን ቤተክርስትያንን ኣይትጽበን ኢኻ። ስለዚ ዝበደለ ኪኽሕስ፡ ዝተበደለ ድማ ይቕረ ኪብል ንቡር እዩ። እቲ ጉዳይ ኪሓውየሉ ኣብ ዘይክእል ሕማም ይላባዕ ሰለዘሎ ስለ ሃገርን ህዝብን ይሓሊ’የ ዝብል ኣካል ህጹጽ ፈዋሲ ስጉምቲ ኪወስድ ይግባእ።

ካብ ታሪኽ ከም እንምሃሮ፡ ግጉያት እዮም ናብ ሓቂ ዚምለሱ እምበር፡ ሓቂ ናብ ገበነኛታት ተጓዒዛ ኣይትፈልጥን እያ። ወጠንትን ተግበርትን እዚ ገበን ካብ ጌጋኦም እንተዘይተመሊሶም፡ ንሕጂ ቀጻሊ ሕልናዊ ቕጽዓትን ተነጽሎን፤ እታ ኣምላኽ ዝመደባ፡ ኩሉ ከከም ተግባር ኢዱ ዝፍደየላ፡ መዓልቲ ብርሃን ምስ መጸት፡ ከኣ ኣዕይንትና ዝርእይኦ ኣእዛንና ዝሰምዖ ጉድ ኪህሉ እዩ።


ዕላማን መደብን ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ንዕቤት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

መእተዊ ፡- ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ንዕቤት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝነበሮም መደባትን ራእይን ብዙሕ እዩ። ከምቲ ’’ ክቡር ሰብ ክቡር ሓሳብ ይሓስብ ኣብ ክቡር ነገር ድማ ይጸንዕ ’’ (ኢሳ 32፡8) ተባሂሉ ዝተጻሕፈ ጻዕሮምን ተገዳስነቶምን ካብ ሸዊት ዕድሜኦም ዝጀመረ እዩ። ኣብ ሓጺር ታሪኽ ሕይወቶም ተሰኒዱ ከም ዘሎ ብዘመን ዲቁንኦም እዙዝ ተመሃራይን ትጉህ ረድእን ኮይኖም ንዕዮ ገዳሞም ደብረ ጽጌ ሰፍኣ ብንጥፈትን መንፈሳዊ ተገዳስነትን ከም ዝሰርሑ የዘንቱ።

ኣብ ዘመን ምንኩስንኦም ከኣ ዕጉስ መነኮስን መስተውዓሊ ኣቦን ስለ ዝነበሩ ብትእዛዝ ማሕበር ኣብ ሕርሻ፡ ምምህርና፡ምምሕዳር፣ ምዕቃብ ንብረት ገዳም፡ ብትሕትናን ልዝብን ኣገልገሉ። ካብ 1955 ዓ.ም.ፈ  ክሳብ 1994 ዓ.ም.ፈ ሓላፊ ገዳም (ኣበ-ምኔት)  ኮይኖም ብመንፈሳዊ ፍቕርን ሓዋርያዊ ሓልዮትን ምስ ኣገልገሉ ድማ ብትግሃቶምን ክቡር ሓሳባቶምን ብፍቓድ ኣምላኽ ተመሪጾም ብ19 ሰነ 1994 ዓ.ም.ፈ (12 ሰነ1986 ዓ.ም.ግ) ኣብ ካይሮ ብፖፕ ሺኖዳ ናይ እስክንድርያ ጳጳስ ዞባ ማእከል ኮይኖም ተሾሙ።

ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ንዓሰርተ ዓመት ጳጳስ ዞባ ማእከል ኮይኖም ብትግሃት ምስ ኣገልገሉ ብ25 ሚያዝያ 2004 ዓ.ም.ፈ መደብ ኣምላኽ ኮይኑ ብልዑል ድምጺ ይደልዎ ተባሂሎም ናይ ሲኖዶስ ኤርትራ ቅዱስ መራሒ ፓትርያርክ ኮይኖም ተሾሙ። ካብ ጽባሕ ሽመቶም ከኣ ኣገደስቲ መደባት ንቕልጡፍ ዕቤት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ቀዳምነት ብምሃብ ምስ ሲኖዶስን ሊቃውንቲ ኣቦታትን ተረዳዲኦም ንምትግባሩ ተጓየዩ።ገለ ኣብነት ንምጥቃስ ፡-

1. ጉዳይ ጥንቆላ፡- ብዕለት 22 ሰነ 2004 ኣ.ፈ (15/10/ 96 ዓ.ም.ግ) ላዕለዎት ኣርባዕተ ሊቃውንት ልኡኻት ቅዱስ ፓትርያርክ ዝመርሕዎ ዝምልከቶም  150 ውሉደ ክህነት ዝተሳተፍዎ ‘’ጉባኤ ኣንጻር ጥንቆላን ተሓባበርቶምን’’ ኣብ ጻዕዳ ክርስቲያን ተኻይዱ። ብውሳኔ እቲ ጉባኤ ከኣ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ንኣመንቲ ተዋህዶ ኢና ዝብሉ ጠንቆልትን ተሓባበርቶምን ኣብ ቅድሚ ጉባኤ ብምቕራብ ጌግኦም ኣሚኖም ክንስሑ መጻሕፍቶም ከኣ ከቃጽሉ ተነግሮም። ነቶም ቅኑዕ መኽሪ ዘይሰምዑ ንስሓ ዝኣበዩ ጠንቆልቲ ግና ብውግዘት ካብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክፍለዩ ተወሲኑ። ብቅዱስ ሲኖዶስ ጸዲቑ ከኣ ጽኑዕ ትእዛዝ ናብ ኩለን ሃገረ ስብከታት ተመሓላለፈ።

2. ጉዳይ ዕሽር፡- ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ መዳኸሚኣ ዝኾነ ልማኖን ዘይጠቅም ሓገዛትን ርእሳ ንኽትክእል ብኣመንታ ጥራይ ክትሕገዝ ይግብኣ። ዕሽር ከኣ ትእዛዝ ኣምላኽ ስለ ዘኾነ ብዘይ ወዓል ሕደር ንኽጅመር መጽናዕቲ ክግበር ኣለዎ ስለ ዝበሉ ብትእዛዝ ቅዱስነቶም ብዕለት 09 ሰነ 2005 ኣ.ፈ (02/06/97 ዓ.ም.ግ) ካብ ምሉእ ሃገረ ስብከታት ኤርትራ ዝተላእኩ ንዕሽርን ትግባረኡን ዘጽንዑ ኣቦታት ‘’ጉባኤ ንትግባረ ዕሽር’’ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተኻይዱ። ጉባኤኛታት ብሰፊሑ ዘትዮም ዕሽር ኣገዳስን ንቤተ ክርስቲያን ዘርብሕ እዋናዊ መደብ ምዃኑ ስለ ዝተሰማምዑ 3 ካህናት ኣካየድትን ክልተ ኮሚቴ ተቖጻጸርትን መዚዞም። ናይ ዕሽር ፍሉይ ሕሳብ ክቐውምን ዕሽር ምኽፋል ብውሉደ ክህነትን ሰራሕተኛታት መንበረ ፓትርያርክን ክጅመር ስለ ዝወሰኑ ቅዱስ ፓትርያርክ ናብ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣቕሪቦሞ። ሲኖዶስ ከኣ ስለ ዘጽደቖ ንምትግባሩ ናብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣስመራን ሃገረ ስብከታትን ትእዛዝ ተመሓላለፈ።

3. መራኸቢታት፡-

(ሀ) እታ ብ1952 ዓ.ም.ፈ (1944 ዓ.ም.ግ) ዝተመስረተት እንኮ ልሳን ቤተ ክርስቲያን ዝኾነት ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ከምኡውን ብ1996 ብመንፈሳዊ ቅንኢ ዝጀመረት መጽሔት ብሥራተ ግእዛን ንመንፈሳዊ ስብከትን ንምዕባለ ስነ ጽሑፍ ተዋህዶን ኣድለይቲ ብምዃነን መንግስቲ ካብ እገዳ ነጻ ክብለንን ዳግም ምሕታም ንክጅምራ ተመደበ። ነዚ ንምክያድ ድማ ብሞያ ርክበ ህዝብ ዝሰልጠኑ ካህናትን ዲያቆናት ተደልዮም ምዱባት ሰራሕተኛታት መንበረ ፓትርያርክ ኮይኖም በብክእለቶም ንኽሰርሑ ውጥን (ፕላን) ወጺኡ ነበረ።

(ለ) ናይ መንበረ ፓትርያርክ ዘመናዊ ቤት ማሕተም ክሳብ ዝትከል ከኣ ንብረት ህዝበ ክርስቲያን ዝኾነ ቤት ማሕተም ማሕበረ ሓዋርያት ዝተወሰኑ ውልቀ ሰባት ጥራይ ዝረብሕሉ ድኹም ትካል ምዃን ኣብቂዑ ናብ ክፍሊ ርክበ-ሕዝብ መንበረ ፓትርያርክ ክሰጋገር ኣለዎ። ብዘመናዊ መሳርሒ ማሕተምን ምሁር ዓቕሚ ሰብን ተተኪኡ ከኣ ንምሉእ ዕብየት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ    ከገልግል ይግብኦ ኢሎም ቅዱስ ፓትርያርክ መዲቦም። ይኹን እምበር ኣብ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ብተደጋጋሚ ተላዒሉ ብዮፍታሄን ገለ ሰዓብቱ ጳጳሳትን ዘይምርድዳእ ስለ ዘስዓበ ኣብ ውሳኔ ከይበጽሐ ተሪፉ።

(ሐ). ናይ መንበረ ፓትርያርክ ወግዓዊ ኣገልግሎት ኢንተርነት (ዌብ ሳይት) ድማ ንክጅመር ንሓያሎ እዋን ጻዕርን መጽናዕትን ክግበረሉ ስለ ዝጸንሐ ምሁራት ደቂ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መሪጌታ ይትባረክ በርሀን ዲያቆን ኢንጅነር ቢንያም ሳህልዝጊን ዝመርሕዎ ብምድግጋፍ ግዱሳት ኦርቶዶክሳውያን ካብ ውሽጥን ወጻእን ኩሉ መደባቱ ተጻፊፉ ንክጅመር ድልው ኮይኑ: ንትግባረኡ ድማ ምስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ምርድዳእ ተጀሚሩ ነበረ።  

4. ልዑል ትምህርቲ፡-

(ሀ). ብቀዳማይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ዝተጀመረ ማህደረ ትምህርቲ ሎም ውሉደ ክህነት ተዋህዶ ብመንፈሳውን ዘመናውን ትምህርቲ ብዝያዳ ንኽስልጥኑ ስለዝተደልየ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ምስ ፖፕ ሺኖዳ ፓትርያርክ እስክንድርያ ኣብ ሕዳር 2004 ኣ.ፈ ተራኺቦም ናይ መነኮሳት፡ ካህናትን፡ዲያቆናትን ልዑል ማህደረ ትምህርቲ ብግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ክወሃብ ስምምዓት ጌሮም። ምንባር እምነ መሰረት መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣብ ቅድስት ስላሴ ቤተ ክርስቲያን ኣስመራ ድማ መበገሲ ናይቲ ስምምዕ እዩ። 

(ለ). መንፈሳዊ ኮለጅ፡- ሕጽረት ትምህርቲ፣ ዘይብቅዓት መራሕትን ኣገልገልትን ጠንቂ ኩሉ ሽግር ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ እዩ። ነዚ ዝፈለጡ ናይ ፖለቲካን ሃይምኖትን ነጋዶ ድማ ምስልዩነት ወሲኾም ነታ ቤተ ክርስትያን ይምዝምዝዋ ኣለዉ። ይኹን እምበር፣ ደጋዊ ሽግር ካልኣዊ እዩ። ሽግር ቤተ ክርስትያን ዝፍታሕ ብትምህርቲ ምዃኑ ስለ ዝኣመኑ፣ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ምስ ቤተ ክርስትያን እስክንድርያ (ግብጺ) ብዝገበርዎ ስምምዕ መሰረት፣ ፖፕ ሽኖዳ 3ይ ካብ መስከረም 17- 24 2005 ናይ ሰሙን ጉዕዞ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካየዱ። ናይቲ ኣብ ዕዳጋሓሙስ ኣስመራ ክምስረት ዝተሓስበ መንፈሳዊ ኮለጅ እምኒ-መሰረት ኣንቢሮም። እዚ መንፈሳዊ ኮለጅ እዚ ብዓይነቱን ትሕዝቶኡን እንኮ ኮይኑ ኣብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ከምጽኦ ዝኽእል ኣበርክቶ ንምእመናን ተስፋ ዝህብ ነይሩ። ይኹን እምበር ዕቤት ቤተ ክርስትያን ዘይደልዩ ቆጽዮሞ፣ እንሆ ድማ ኩሉ ኣይተረኽበን። ቤተ ክርስትያን ግብጺ ልዕሊ ክልተ ሚልዮንን ፈረቓን (2.5 ሚልዮን) ዶላር መስሪሒ መንፈሳዊ ኮለጅ ኪኸውን ኢላ ዝወፈየቶ ገንዘብ፣ ኣቶ ዮፍታሀ ብዘይ ሕሳብ ኣበይ ከምዘውጽኦ ኣይፍለጥን። ቀንዲ ካብቲ ምስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ዘጋራጨዎም ነገራት ሓደ ድማ መዕለቢ ናይዚ ገንዘብ እዚ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ክፈልጥዎ ስለዘይክኣሉ'ዩ። ኣቶ ዮፍታሀ ንፓትርያርክ ዝምልከት ጉዳይ ኣይኮነን ብምባል ጸብጻብ ክህብ ኣይከኣለን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ተመሊሱ ንፓትርያርክ እንጦንዮስ ክዘልፎምን ከነኣእሶምን ጀመረ። እዚ ገንዘብ’ ዚ ኣበይ ከምዝጠፍአ ክሳብ ሕጂ ኣይፍለጠን። two images omitted

(ሐ). ጸሎትን ናይ ወንጌል ትምህርትን ንህዝበ ክርስቲያን መንፈሳዊ መግቡን ሓይሉን ስለ ዝኾነ ጸሎተ ነግህን ሰርክን ብስሩዕ ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስቲያናት ክትግበር ብቅዱስ ፓትርያርክ መልእኽቲ ናብ ኩለን ናይ  ኣስመራ ኣብያተ ክርስቲያናት ተመሓላሊፉስ ክትግበር ጀመረ። ኣብ ሃገረ ስብከታት ንኽተኣታቶ ድማ ዘተ ንምክያድ ተመዲቡ ነበረ።

(መ). ገዳማት ኤርትራ ብዋሕዲ ዓቕሚ ሰብን ኩነታት መነባብሮን ኣብ ኣሰካፊ ደረጃ ስለ ዝበጽሓ ማሕበር ስምረት ገዳማት ተወሃሂዱ መንፈሳውን ዘመናውን ትምህርቲ በብደረጃኡ ኣብ ገዳማት ክወሃብ ተካእቲ መንእሰያት ገዳም  ከይዶም ክመሃሩን ንማዕርግ ዲቁና፡ ክህነትን ምንኩስናን ክተባብዑን  ከምኡውን ገዳማት ኤርትራ መሰረት እምነት ክርስትናን ታሪኻዊ ቅርስን ስለ ዝኾና ብመንበረ ፓትርያርክ ፍሉይ ደገፍ ክግበረለን ብቅዱስ ፓትርያርክ  ኣቡነ እንጦንዮስ መደብ ተታሒዙ ነበረ።

5. መንፈሳዊ ትካላት፡-

(ሀ). ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ጥሪ 2005 ዓ.ፈ ናብ ሃገረ ግሪኽ ናይ ስራሕ መገሻ ብምግባር ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽ ተራኺቦም ስለ ዝተመያየጡ ንዕብየት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝሕግዝ ሕክምናዊ  ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ክቐውም እሞ መድሃኒትን ምሉእ ውሽጣዊ  መሳርሒታቱን ብግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ክሽፈን ስምምዕ  ተፈራረሙ።

(ለ). ፓትርያርክ እንጦንዮስ ምስ ቤተ ክርስትያን እስክንድርያ (ግብጺ) ብዝገበርዎ ስምምዕ፣ ካብ መስከረም 17- 24 2005 ፖፕ ሽኖዳ 3ይ ቅብኣ-ቅዱስ (ሜሮን) ንምስራሕ ዘድሊ ቀመማትን ጥንታዊ ሜሮንን ሒዞም ናይ ሰሙን ጉዕዞ ኣብ ኤርትራ ከምዘካየዱ ይፍለጥ። ድሕሪ ናይ መዓልትታት ሱባኤን ጸሎትን ድማ ቅብኣ ሜሮን ኣብ ኤርትራ ከምዝስራሕ ኮይኑ። እዚ ብጻዕርን ስራሕን ፓትርያርክ እንጦንዮስ ዝተረኽበ ፍረ’ዚ: ኣብ ታሪክ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ንመጀመርያ ግዜ ቅብኣ-ቅዱስ (ሜሮን) ኣብ ኤርትራ ተሰሪሑ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ተጠቃሚት ናይዚ ፍርያት'ዚ ኮይና ትርከብ። two images omitted

(ሐ). ኣብ ድባርዋ ከኣ ብመንበረ ፓትርያርክ ዝውነን ናይ ኣልባሳት፡ ምንጻፋት፡ ንዋየ ቅዱሳትን ካልእ ኢደ ስርሓትን ተተኺሉ ንኣብያተ ክርስቲያናት ዘድሊ ንብረት ከፍሪ ስለ ዝተመደበ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ድማ ክትተሓጋገዝ መብጽዓ ኣትያ ነበረት።

(መ). ናይ መንበረ ፓትርያርክ ክፍሊ ልምዓትን ረድኤትን ዝቆጻጸሮ ዝነበረ ሕርሻዊ ልምዓትን ኣብ ሃገረ ስብከታት ዝርከብ ናይ መፍረ ቦታን እሙናት ናይ ሕርሻ ተሞክሮ ዘለዎም ሰባት ተመዲቦም ብዝተመሓየሸ ኣሰራርሓ ኣታዊታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ክስስን ድማ ሰፊሕ መደብ ተታሒዙ ነበረ።

6. ነጻ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን፡-

(). ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ቤተ ክርስቲያንና ካብ ዝኾነ ይኹን ተጽዕኖ መንግስትን ውልቀ ሰባትን ነጻ ኮይና ብሓዋርያዊ ሕጋን መንፈሳዊ መሪሕነታን ክትመሓደር ኣለዋ ዝብል ጽኑዕ ዕላማ ኣለዎም። ዝመሓልክዎ ኣይጠልምን ቤተ ክርስቲያነይ ኣየርግጽን ስለ ዝበሉ ከኣ ኢዩ እዚ ኩሉ ፈተናን ማእሰርትን ወሪድዎም ዘሎ።

(). ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ መንበረ ማርቆስ እስክንድርያ ዝተቐበለቶ ጥንታዊ መመሓደሪ ሕጊ ኣለዋ። ነዚ ኩለን ኦሬንታል ኣብያተ ክርስቲያናት ን1700 ዓመታት ዝኣክል ክምርሓሉ ዝጸንሓ ቀዋሚ ሕጊ፡ ዘይምልከቶ ተራ ውለቀ ሰብ ዮፍታሄ ክቕይሮ ምስ ፈተነ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብ3 የካቲት 2005 ዓ.ም.ፈ ናብ ኩሉን ሃገረ ስብከታትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ዘዋሪ መልእኽቲ ብምልኣኽ ነቲ ዝተሰንዐ ‘’ ዮፍታሄ ዋና ኣማሓዳሪ ተዋህዶ’’ ዝብል ማሕተምን መምርሕን ኣውጊዞም ኣብ ሓቂ በይኖም ደው ዝበሉ ቅዱስ ኣቦ እዮም።በዚ መሰረት ድማ እዮም ንዮፍታሄን ካልኦት ሰዓብቱን ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ከይኣትዉ ብውግዘት ዝፈለይዎም።

(). ቅዱስ ፓትርያርክ ዕዙዝ ልቦናን ዓሚቕ መንፈሳዊ ርድኢትን ስለ ዘለዎም ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ኣንቀጽ 37 ብዝእዝዞ መሰረት ምስ ቀዋሚ ሲኖዶስ ማለት ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ዝቕየሩ ክልተ-ጳጳሳት እናተመኻኸሩ መዓልታዊ ንጥፈታት ቤተ ክርስቲያን ከመሓድሩ። ንፍሉይ ናይ ፓትርያርክ ውሳኔ ዘድልዮም ጉዳያት ግና ዘማኽሩ ሰለስተ ናይ ስነ መለኮት ምሁራትን ናይ ሕጊ ሊቃውንትን ማለት  

  • መሪጌታ ተወልደመድህን መንግስቱ
  • መሪጌታ ይትባረኽ በርሀ
  • መሪጌታ ሰመረኣብ ወልደገብርኤል

መሪጾም ኣማኸርቲ ፓትርያርክ ኮይኖም ክሰርሑ ናብ ውሳኔ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቕረብዎም። እዚ ጉዳይ ብጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ብዘይ ሓደ ተቓውሞ ምሉእ ተቐባልነት ረኸበ። ምዱብ ስርሖም ከይጀመሩ ግና ምፍራስ ሕጊ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቅዱስ ኣቦና ምስጓግን ኣጋጠመ።

(). ብስም ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝንቀሳቐስ ዝተፈላለየ ናይ ገንዘብ ኣታውን ወጻእን ሕሳባት ቅዱስ ሲኖዶስ ብዘውጽኦ ዓመታዊ ባጀትን ምቁጽጻርን ጥራይ ክመሓደርን፡ ብዘይ ኣፍልጦ ቅዱስ ፓትርያርክ ዝኾነ ገንዘብ ቤተ ክርስቲያን ብድሌት ዮፍታሄ ከይወጽእን ኣቡነ እንጦንዮስ ተሪር ትእዛዝ ኣመሓላለፉ። እዚ ድማ ከቢድ ጸገም ኣስዓበሎም።

(). ብተወሳኺ ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝምደቡ ኣገልገልቲ ካህናትን ዲያቆናትን ብቑዕ መምዘኒ ዝሓለፉ፡ ብቡራኼን መምርሕን ቅዱስ ፓትርያርክ ተቐቢሎም ክለኣኹ ኣለዎም እምበር ብጓል መገድን ብትእዛዝ ዮፍታሄ ክኸውን ኣይግባእን። ዝምልከቶ ጉዳይውን ኣይኮነን ኢሎም ኣቡነ እንጦንዮስ ወሲኖም። እዚውን ኣይተተግበረን። ንኣብነት ኣባ ሺኖዳ (ሕጂ ኣብ ኣሜርካ ሓኪሎም ዘለዉ) ብትእዛዝ ዮፍታሄ እምበር ብቡራኼ ኣቡነ እንጦንዮስ ናብ ሰሜን ኣመሪካ ከም ዘይተመደቡ ኩሉ ሰብ ዝፈለጦ ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ።

7. ምቕባእ ጳጳሳት፡- ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ቅድስት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዋሕዲ ጳጳሳት ስለ ዝነበረ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ጳጳሳት እንተ በዝሑ መንፈሳዊ ዕዮ ቤተ ክርስቲያን ክቀላጠፍን ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ክርከብን ይኽእል እዩ ካብ ዝብል ሰናይ ኣተሓሳስባኦም ምስ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ዘትዮም ነዞም ዝስዕቡ ጳጳሳት ክኾኑ ቀብእዎም።ንሳቶም ከኣ

  • ብጹዕ ኣቡነ ማቴዎስ
  • ብጹዕ ኣቡነ ሉቃስ
  • ብጹዕ ኣቡነ ጴጥሮስ
  • ብጹዕ ኣቡነ ሲኖዳ
  • ብጹዕ ኣቡነ ኣትናቴዎስ   
  • ብጹዕ ኣቡነ ባስልዮስ      

ይኹን እምበር ካብዞም ኩሎም ብኢድ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተቐብኡ ጳጳሳት ሓደ እኳ ኣሰሮም ስዒቡ ንዓመጻዊ ኣመራርሓ ዮፍታሄ ዝቃወምን ንሕጊ ተዋህዶ ዝከላኸልን ብፍጹም ኣይተረኽበን።ኩሎም ብፍርሒ ኣምላኾምን እምነቶምን ጠሊሞም ብጭዋ ሰብ ተመሪሖም ዝኸዱ ዘለዉ እዮም። 

8. ምክትታል ትምህርቲ ሰንበት፡-

(). ከምቲ ፖፕ ሺኖዳ ’’መንእሰያት ዘይብላ ተስፋ ዘይብላ ቤተ ክርስቲያን’’ ዝበልዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ትምህርቲ ሰንበት ንኽሕይልን ቅኑዕ ኦርቶዶክሳዊ ስርዓተ ሃይማኖት ክቕጽልን መንእሰያት ደቅና ብቃል  እግዚኣብሔርን ስነ ምግባርን ከነዕብዮም ደኣ እምበር ብስንፍናና  ክንሰጎም ኣይግባእን እዩ እናበሉ ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ክርስቲያናትን ትምህርቲ ሰንበትን እናኸዱ ንመንእሰያት የተባብዑን ንወለድን ካህናትን ከኣ  ኣስተምህሮን ማዕዳን ሂቦም እዮም።

(). ንኣብነት ኣብ መካነ ሕይወት መድሃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ኣስመራ ዝነበሩ ልዕሊ 3000 ዝኾኑ ተመሃሮ ፋሕ ከይብሉን ቤት ትምህርቲ ሰንበት ከይዕጾን ዝገበርዎ ጻዕርን ተሪር ተቓውሞን ኩሉ ሰብ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ካብቶም ዝእክቡ እቶም ዝተኣከበ ዝብትኑ ስለ ዝበዝሑ ግና እዚ ሕጂ ንኹሎም ምእመናን ተዋህዶ የሕዚኑ ዘሎ ምፍራስ ሕጊ ቤተ ክርስቲያንና ኣጋጠመ።

9. መጠቓለሊ፡- ሰፊሕ ዕላማን መደብን ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ በዚ ሓጺር ተዘርዚሩ ዘሎ ጽሑፍ ዝፍጸም ኣይኮነን። ይኹን እምበር ነዚ ብምኽንያት 4ይ ዓመት ምቕባእ ቅዱስነቶም ተዘኪሩ ዝብዕል ዘሎ መንፈሳዊ መዓልቲ መዘኻኸሪ ተባሂሉ ዝቐርብ ዘሎ ጥራይ እዩ። ኩሉ ዕላምኦም ብዘጋጠመ ናይ ሰይጣን ፈተና እኳ ክትግብሩዎ እንተ ዘይከኣሉ ንሕና ደቂ ሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ዝኾንና ሰዓብቶም ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ግና ብድርብ ሓላፍነትን ብጽንዓት እምነትን ክንትግብሮ ሕድሪ ተቐቢልና ኢና። ምእንቲ ሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ፈተናን ውርደትን ዝጾሩ ዘለዉ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ኩሎም መነኮሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናንን ኣምላኽ ዘለዓለማዊ ሕይወትን ኣኽሊል ክብርን ክህቦም ወትሩ ንጽሊ።


ህልው ኩነታት 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ኣቡነ እንጦንዮስ

ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብንጹር ኣበይ ከም ዘለዉ በጀካ እቶም ዝሕልውዎም ወተሃደራት ዝፍለጥ ኣይኮነን።

ካብ ዕለት 18 ሓምለ 2005 ዓ.ም.ፈ ጀሚሮም ካብ መንፈሳዊ ምምሕዳር ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ሓደ ገበን ተሰጒጎም፡ ቤት ጽሕፈቶም ተዓጽዩ፡ፋክሶም ተቖሪጹ፡ ቴለፎኖም ተበቲኹ፡ ከይገሹ ፓስፖርቶም ተሓዲጎም ኣብ ማሕዩር ከም ዝነበሩ ግና ይፍለጥ።

ብድሕሪ እዚ ዕለት 13 ጥሪ 2006 ዓ.ም.ፈ ካብ ፓትርያርክ ኣውሪድናካ ዝብል ብመለክዒ ሕጊ መሰረት ዘይርከቦ፡ ከሳስን ተኸሳስን፡ ዳኛን ፍትሕን ኣብ ዘይብሉ ብደብዳቤ ንዓለም ዘገረመ ፍጻመ ኣብ ልዕሌኦም ተወሲዱ።

ብዕለት 20 ጥሪ 2007 ዓ.ም.ፈ ብክልተ ልኡኻት ዮፍታሄ ዝኾኑ፡ ቀሺ ፍጹም ተስፋይን ቀሺ ገብረ ኤዎስጣቴዎስ ኪዳነን ዝበሃሉ ምስ ሰለስተ ወተሃደራት ጸጥታ ኮይኖም ናይ ቅዱስ ኣቦና ልብሰ ግርማኦም፡ ኣኽሊል ቖቢኦም፡ በትሪ ጉስነቶም፡ ወግዓዊ ማሕተሞምን (ናቶም ቲተር) ብሓይልን ጎነጽን ተሓዲጎም።

ስሞም ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ ከይዝከሩ፡ ቅዱስ ቁርባን ከይቕበሉ፡ ናብ ቤተ ክርስቲያኖምን፡ ገዳሞምን ከይከዱ ተኸልኪሎም፡ ምስ ቤተ ሰቦምን፡ ፈተውቶምን ከይራኸቡ ተጨውዮም፡ በጀካ እግዚኣብሔር ረዳእን ሰማዕን ኣብ ዘይብሉ ስዉር ናይ ስቅያት ቦታ ኣለዉ ይበሃል

ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ከም ክርስቶስ ብዘይ ገበርዎ ተዋሪዶም፡ ብዘይፍትሒ ብትእዛዝ ዮፍታሄ ተኣሲሮም፡ መንበር ቅድስንኦም ተሓዲጎም፡ ብሕማም ሽኮርን ጸቕጢ ደምን፡ ብቀይዲ ምንቅስቓስን ካልእ ጸገም ጥዕናን ዝሳቀዩ ዘለዉ ናይ ዘመንና ሓዋርያ ናይ ሃይማኖትና ሰማዕት እዮም።

ንፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ምእሳር ማለት ግና ምስ ልኡኽ እግዚኣብሔር ምብኣስ፡ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምፍራስ፡ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ምድቃስ ማለት ስለ ዝኾነ ሓቀኛ ዕላምኦም ዓለም ምሉእ ዝፈለጦን ብቀሊሉ ዘይዓርፍን ብምድርን ብሰማይን ከቢድ ኩነኔ ዘስዕብ ጉዳይ እዩ።

ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ጳጳሳታ ጠሊሞማ ሎሚ ጸልማት እንተኾነ ጽባሕ ግና ክበርህ እዩ። ሎሚ ፍርዲ ሓሶት እንተ ተኣወጀ ጽባሕ ግና ቅኑዕ ፍትሒ ክነግስ እዩ።ንጊዚኡ ግና ካህናታ ተሰጊጎም ዲያቆናታ ተገፊዖም ሊቃውንታ ተኣሲሮም መንእሰያት ተበቲኖም መጉሃዪ ዓለምን መላገጺ ዘይሓላፍነታውያን ሰባትን ኮይና ኣላ።

ይኹን እምበር ኣቦታት ይሓዝኑላ፡ ኣዴታት ይበኽያላ፡ ቅኑዓት እምነት ይጽልዩላ፡ ውፉያት ደቃ ይጽዕሩላን እኳ እንተ’ለዉ ደገፍን ምትሕብባርን ኩሉ ኣማኒ ድማ ንህላዌ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣድላዪ እዩ።


መደምደምታ:

ለበዋ ንኣመንትን ውሉደ ክህነትን

“ናይ ሓዋርያት ጉባኤ ብዝኾነት ብሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንኣምን”(ጸሎተ ሃይማኖት)። “ንስኻ ጴጥሮስ (ከውሒ) ኢኻ፡ ንቤተ ክርስቲያነይ ኣብዛ ከውሒ እዚኣ ክሃንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን” (ማቴ. 16፡18)። እዚ ሓዋርያዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሥልጣን ግን ንጴጥሮስ ጥራይ ዘይኮነስ ንኩሎም ሓዋርያት ዝተዋህበ እዩ (ዮሓ.20፡21-23)። እቲ ቤተ ክርስቲያን ዝተሠረተትሉ ከውሒ እምኒ (ዓረ) ዘይኮነስ እምነት (ወይድማ ሃይማኖት) እዩ። እዚ ሓዋርያዊ ሥልጣን እዚ ምስ ሥልጣን ሥላሴ ዝተተሓሓዘ እዩ። ከምቲ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍቓድ እግዚኣብሄር-ኣብ ናብ ዓለም ዝመጸ፡ ንሱ ድማ ከምኡ ንሓዋርያት "ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን" ኩሉ ዝኣዘዞም ክገብሩ ምሉእ ሥልጣንን ሓላፍነትን ሂቡ ለኣኾም።

እዚ መልእኽቲ እዚ ግን፡ ከምቲ ሓደ መራሒ ሃገር፡ ኣምባሳደር፡ ጀነራል ሚንስተር፡ ወዘተ ኢሉ ሥልጣን ሂቡ ዝልእኮም ኣይኮነን። ፍቓድ እግዚኣብሔር-ኣብ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ መለኮታዊ ሥልጣን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንሓዋርያት፡ ካብ ሓዋርያት ናብ ኣቦታት ፓትርያርካት፡ ዝቀጸለ መለኮታዊ ተልእኮ፡ ዶብ-ኣልባ መለኮታዊ ሥልጣን እዩ (ግብ ሓዋ. 1፡21-25)

ሓዋርያት ድማ ነቲ ሰንሰለታዊ ስልጣን ናብ ኣቦታት ቤተ ክርስትያን ኣረከብዎ። ንኣብነት፣ ቅዱስ ቀሌምንጦስ ተመሃራይን መተካእታን ናይ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኮይኑ። ከምዚ ድማ ይብል፣ “ብፍቃድ ኣምላኽ፡ ሓዋርያት ካብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ተቐቢሎም፡ ሓዋርያዊ መሥርዕ ሒዙ፡ ብሥራት ትንሣኤ ወንጌል ንኹሉ ዘርግሑ። ነቶም ዝኣመኑ ድማ ብሓዊ መንፈስ ቅዱስ ፈቲኖም፡ ጳጳሳትን ኣቦታትን ገይሮም ንመቀጸልታ ዕቤት መንግሥቲ ኣምላኽ ሸምዎም።” ምስ ግዜ ዘይቅየር ጽሑፍ ሓዲጉ። (Apostolic Fathers P. 41)። ብኻልእ ወገን፣ ኣብ 69 ዓ.ም. ተመሃራይ ናይ ሓዋርያ ዮሓንስ ዝነበረ ቅዱስ ኣግናጥዮስ ከምዚ ክብል ጽሒፉ፣ “ኩሉ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተሾመ ሊቀ ጳጳሳት ከም ኢየሱስ ክርስቶስ ገይርኩም ተቐበልዎ፣ ንጳጳሳትን ካህናትን ድማ ከም ሓዋርያት ተቀበልዎም” (Magnesians 6:1)። ካልኦትን እውን ከምኡ እናበሉ እዮም ቀጺሎም።

እምበኣር እዛ ሎሚ ኣዴና ኢልና እንስዕባ ዘለና ቤተ ክርስቲያን በዚ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ዝመጸት፡ ብመንፈስ ቅዱስ እትምራሕ ሓዋርያዊት ኣደ እያ። ንቤተ ክርስቲያን ከም ኣዲኡ ዘይፈለጣ፡ ንእግዚኣብሔር ከም ኣቡኡ ክፈልጦ ኣይክእልን እዩ። ይብል ቅዱስ ሲፕርም። እዛ ቤተ ክርስቲያን’ ዚኣ፡ ብእምንን ሕጻን ጥራይ ዝተሃንጸት ምድራዊት ዘይኮነት፡ ብደም ክርስቶስ ዝተዓደገት፡ ክሳብ ሰማይ ዝርጋሐ ዘለዋ ቤተ ክርስትያን እያ። ብዙሓት ኣብ መገዲ ጥፍኣት ዘለዉ ሰባት ንውልቃዊ ረብሓኦም እተገልግል ምድራዊት ትካል ገይሮም ዝሓስብዋ ግና ኣይተሳእኑን።

እምበኣር፣ ወዲ ቤተ ክርስትያን እየ ዝብል ሰብ፣ ሕግን ጽሑፍን ቤተ ክርስትያን ምፍላጥን ምጥቃስን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ህይወት፡ ቅድስና፡ ታሪኽን ቤተ ክርስትያን ክሳተፍ ይግባእ። ብፍላይ እዚ ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተፈጢሩ ዘሎ መዘና ኣልቦ ብርሰትን ምግሃስ ሕጊን ሸለል ክበሃል ኣይግባእን። ሎሚ ስቕ እንተመሪጽና ግና፣ ኣብቲ ጎይታ ዝግለጸሉ ግዜ ክንውቀስ ኢና። ብመሰረት ቃል እግዚኣብሄር ክልተ ዓይነት መገዲ እዩ ዘሎ፣ እታ ጸባብን ርሒብን። ኣብዚ ዘሎናሉ ጊዜ ግና ኣብ መገዲ ክርስቶስ ሣልሳይ ኣማራጺ መገዲ ዝወሰኹ ሰባት የጋጥሙ እዮም። ቃል እግዚኣብሄር ግና "ቃልኩም፣ እወ ወይድማ ኣይፋልን ድኣ ይኹን" ይብለና።

ሰለስተ ዓይነት ሰባት

  • ዝሃንጹን ዝተሃንጸ ዝዕቅቡን
  • ዝተኣከበ ዝብትኑ: ዝተሃንጸ ዘፍርሱ
  • ማእከላይ ናይ በለጽ መገዲ ሒዞም ዝኸዱ ምስሉያት

ሎሚ ንስኻ ኣበይናይ ደምበ ኢኻ ዘለኻ? ካብቶም ዝእክቡ ዲኻ ካብቶም ዝብትኑ? ወይስ ካብቶም ማእከላይ መገዲ ሒዞም ዝኸዱ ምስሉያት ኢኻ?

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክልተ መገዲ ደኣ እምበር ሳልሳይ መገዲ ኣይሃበናን። ወይ ከምቶም ብእምነት ደው ኢሎም ንሃይማኖቶም ዝከላኸሉ፡ ወይ ድማ ከምቶም እምነት ንምጥፋእ ዘንቀዱ እምበር ሳልሳይ መገዲ ስለ ዘየለ፡ እቶም ማእከላይ መርገጺን ተበላጽነትን ሒዞም ዝጎዓዙ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ “እቲ ምሳይ ኮይኑ ዘይእክብ ይብትን” ዝበሎ ቅዱስ ቃል ብቀጥታ ንኣኣቶም ዚምልከት ምዃኑ ክርድኦም ይግባእ።

ኣብ መወዳእታ፡ “ሽም ተራፊ ብልዒ ሓላፊ” ምዃኑ ኣይተርፍን፡ እዚ ሕጂ ኣብ እዛ ቅድስትን ሓዋርያዊትን ቤተ ክርስቲያን ወሪዱ ዘሎ፡ ዘይወግሕ ዝመስል ጸልማት፡ ትማሊውን ስለ ዝወግሐ፡ ምውጋሑ ናይ ግድን እዩ እሞ፡ “ኣይቴ ነበርክሙ ምንተ ገበርክሙ” እንበሃለሉ፡ ዘሽረፍናዮ መክሊትና እንሕተተሉ እዋን ርሑቕ ስለ ዘይኮነ፡

ንቅዱስ ኣቦና ኣቡነ እንጦንዮስ ዝወሰድዎ ሓቀኛ ናይ እምነት መሠረት ዘንበረ ቅዱስ ዓላማ ተኸቲልና ክንከይድ ንጽውዕ። በዚ ኣጋጣሚ ዝተጋገየ ንኽጠዓስ፡ ዝተሰጎገ ንኽምለስ፡ ዝጎሃየ ንኽሕጎስ፡ እግዚኣብሔር ሰላሙን ምሕረቱን ክህበና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።

 

ደቂቀ እንጦንዮስ ተማሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ
ኮርፐስ ክርስቲ, ተክሳስ
.. ኣሜሪካ

24 ሚያዝያ 2008

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div