S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብኸመይ ንጽሊ

ብሕታዊ ጸሎት

ጸሎት ብሕታውን ማሕበራውን ኢልና እንተ ከፈልናዮ ብቐሊሉ ክርድኣና ይኽእል ይመስለኒ። ሓባራዊ ወይ ማሕበራዊ ጸሎት ዝብሃል፡

ኣብ ቤተ ክርስቲን ኣብ ዝዀነ መንፈሳዊ ጉባኤ ዝጽለ ጸሎት ስለ ዝሓመመ፡ ስለ ዝተሸገረ፡ ስለ ማሕበራዊ ሕይወት፡ ስለ ሃገር፡ ስለ ጳጳሳትን መሳፍንትን ብሰላም ምእንቲ ክንነብር፡ ብሓደ ምህልላ ሓጢኣት ህዝብን ሃገርን እናተኣመንካ እግዚኣብሔር ክምሕረካ ዝጽለ ጸሎት እዩ።

ጸሎት፡ ሰብ ምስ ፈታዊኡ ናይ ልቡ ከም ዝዛረብ፡ ንኣምላኽካ ወዲስካ ኣመስጊንካ ኣበሳኻ ብግሊጺ ሓንቲ ከይሓባእካ ነጊርካ፡ እቲ ዝለመንካዮ ከም እትረኽቦ ኣሚንካ ምጽባይ እዩ። ምንጋር ማለት ድማ ክልተ ነገራት እዩ ዘጠቓልል፡ ምዝራብን - ምስማዕን ማለት የጠቓልል። ጸሎት ብኣቓራርባኡ ካብቲ ምስ ፈታዊካ እትዛረቦ ፍልይ ይብል። ንፈታዊኻ ክትዛረብ ከሎካ፡ መውጽእን መእተውን የብሉን። ምስ እግዚኣብሔር ክትዛረብ ከሎዃ ግና መልክዕ ኣጻሕፋ ደብዳቤ ዝመስል ቅርጻ ኣለዎ።

ጸሎት ዝጽሊ ሰብ፡ ናብ ኣማኒኡ ደብዳቤ ዝጽሕፍ ሰብ እዩ ዝመስል። ንሕና ናብ ኣግዚኣብሔር ክበጽሓልና ኢልና ክንዛረብ ከሎና፡ ንሕና ጥራይ ኢና እንዛረብ። ናይ ደብዳቤና መልሲ መዓስ ከም ዝመጸና ግና ኣይንፍልጦ ኢና። በየናይ መገዲ ከም ዝመጽእውን ኣፍልጦ የብልና። ደብዳቤ ዝልእኽ ሰብ፡ እታ ደብዳቤ ዝልእከላ መዓልቲ ይፈልጣ እዩ። እቲ ደብዳቤ ዝተላእኸሉ ፈታዊ ግና መዓስ ከም ዝምልሰሉ ኣፍልጦ የብሉን ክሰምዕ ይብህግ። ንሕናውን ነታ ብእምነት ናብ እግዚኣብሔር ዝሰደድያ ጸሎትና፡ መዓስ ከም እትምለሰልና ኣፍልጦ የብልናን። ከም እትምለስ ግና ምሉእ እምነት ኣሎና። ብርግጽ ካብቲ በብዳቤና እንልእከሉ ፈታዊና ንላዕሊ፡ እግዚኣብሔር ከም ዝእመን ጠርጠራ የልቦን እሞ፡ እቲ እንልምኖ ልማዮ፡ መዓስ ከም ዝምለስ፡ ክንሰምዕ ጽን ክንብል ይግባእ። ከም ዝምለስ ከይተጠራጠርና ኣብ ንሱ ዝመደባ ሰዓት ከም ዝምለሰልና ኣሚና ንጸሊ። ጸልት ነዞም ዝስቡ የጠቓልል

  • ውዳሴ
  • ምስጋና
  • ልማኖ፡
  • ንስሓ፡
  • መዕጸዊ ምስጋና፡

1.ውዳሴ ማለት ስለቲ ቅዱስ ባህርያቱን ስለቲ መስተውዓሊ ተግባራቱን ምምስጋን ውዳሴ ይግብኦ። እግዚኣብሔር ብፍቅሩን ምሕረቱን ለውሃቱን ኣዝዩ ሃብታም እዩ። መወዳድርትን መዘናን የብሉን። ስለዚ ስለቲ ጽቡቕ ባህርያቱ፡ ንሕና ደቂ ሰባት ክንውድሶ ይግባኣና እዩ። ብኣሰራርሓኡን ተግባሩን ካብ ናይ ሰባት ኣሰራርሓ ፍሉይ ስለ ዝዀነ፡ ሰማይን ምድርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉ ዝረኤን ዘይረኤን ብቓሉ ስለ ዝፈጠረ፡ ክንውድሶ ይግብኣና። ዓቢ ኣምላኽ ገጽ ሰብ ርእዩ ዘየዳሉ፡ ፍርዲ ዘየቕንን፡ ኣድልዎ ዘይገብር፡ ሓቂ ዝዛረብ፡ ሓጢኣት ዘየብሉ ጻድቅ ኣምላኽ ስለ ዝኰነ፡ ክንውድሶ ይግብኣና። (መዝ፡3414,1351-6)

2.ምስጋና ብጸሎት ንእግዚኣብሔር ከነመስግኖ ንክእል ኢና። ምስጋና ግና፡ ነቲ ኣቐዲምካ ዝለመንካዮ ልማኖ ስለ ዝሰለጠካ፡ ወይ ስለ ዝተመለሰልካ፡ ስለ ዝተገበረልካ ማለት ናይ ግልኻ ናይ ስድራኻ ናይ ማሕበርካ ናይ ሃገርካ ወይ ናይ ካልእ የቐንየለይ ምባል ማለት እዩ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክልተ ኣብነት ክንወስድ ኢና።

ሃና መዃን ስለ ዝነበረት ተመሪራ ውሉድ ካብ እግዚኣብሔር ለመነት። እግዚኣብሔር ድማ ጸሎታ ሰሚዑ ውላድ ሃባ። ውላድ ምስ ሃባ ድማ፡ ንእግዚኣብሔር ኣመስገነቶ።1ሳሙ፡19-24 1ሳሙ 21-10

ከምኡ ድማ፡ እቶም ዓሰርተ ለምጻማት ድምጾም ዓው ኣቢሎም፡ ጐይታ ኣንጽሃና ኮታ ኢሎም ለመንዎ፡ ንሱ ድማ ኣንጽሆም፡ ምስ ነጽሁ ግና፡ ካባታቶም ሓደ ጥራይ ተመሊሱ ስለቲ ዝተገብረሉ፡ ኣብ ኣግሪ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተድፊኡ ምስጋና ከቕርብ ከሎ ንርኢ። እቶም ትሽዓተ ግና ከመስግኑ ኣይተመልሱ (ሉቃስ 1712-19)

እቲ ዘገርም ካብቶም ዓሰርተ ሓደ ጥራይ ብዝተገብረሉ ኣመስገነ፡ እቶም ካልኦት ግና ክግበረሎም ድኣ ለመኑ እምበር፡ ከመስግኑስ ኣይተመልሱን። ዘየማሱ ሰብ ኣሎ፡ ዘማሱ ሰብውን ኣሎ፡ እሞ መማሰዊ ምዃን ተላመድ፡ ስለ እቲ ዝተገብረልካ ኩሉ ግዜ ኣመስግን።

ብፍላይ ንሕና ንእግዚኣብሔር ቀረብኡ ክንከውን እንጽበ ዘበልና፡ ስለቲ እግዚኣብሔር ኣብ መነባብሮና ዝገብረልና ሰናይ ነገር፡ ኣዚና ከነመስግኖ ይግብኣና። ጥዕና ምርካብ፡ ብሰለም ውዒልካ፡ ብሰላም ምሕዳር፡ ትበልዖ መግብን ትሰትዎ ጽሩይ ማይን ተተንፍሶ ጽሩይ ኣየርን ምርካብ፡ ትኽደኖ ልብስን ተጽልለሉ ቤትን ምርካብ፡ ካብ ኩሉ ንሕይወትካ ኩጎድኣካ ዝኽእል ዘበለ ሓደጋታትን ስለ ዝኸውለና፡ ከነመስግኖ ይግብኣና። ኩሉ ዝተዋህበና ነጻነትን ሓርነትን ህያብ እግዚኣብሔር እዩ። ስለዝን ስለ እቲ ካልእ ነገራትን ኩሉ ሳዕ ኣመስገንቲ ክንከውን ይግብኣና እዩ።

3.ልማኖ፡ ዘድልየካ ወይ ዝጐደለካ ነገራት፡ ሃብኒ ኢልካ ናብ እግዚኣብሔር ምጽላይ ማለት እዩ። ወዲ ሰብ ብናቱ ዓቕምን ክእለትን ደው ኢሉ ክመላለስን ክነብርን ኣይክእልን እዩ። ምክንያቱ ረዲኤት፡ ሓገዝ፡ ደገፍ የድልዮ እዩ። ነዚ ኸኣ ካብቲ ሰማያውን ዅሉ ዝኽእልን ፈጣሪ ኻብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብጸሎት ለሚኑ እዩ ዝረክቦ። ብዘይካ ጸጋን በረከትን ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ውህበታትን ንሥጋን ነፍስን ዘድልየና ነገራውን እንተኰነ፡ ካብኡ ለሚና ክንረክብ ንኽእል ኢና። እግዚኣብሔር ከኣ ኣዚዩ ሃብታም ንዝሓትትካዮ መልሲ ዘለዎ ብምንም ክትስከፈሉ ዘይትእል ዓቢዪ ኣምላኽ እዩ። (እብ፡414-16 መዝ፡1211-2 ኤር፡177-8)

4.ንስሓ ናይ ልማኖ ክፍሊ ኰይኑ ስለ ሓጥያትካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብጣዕሳ ምጉሃይ፡ ካብቲ ጉጉይ መገድኻ ምምላስ ማለት እዩ። ሰብ ሥጋ ዝለበሰ ድኹም ፍጥረት ስለ ዝኰነ ሓጥያት ካብ ምግባር ዓዲ ኣይውዕልን እዩ። ብኣንጻሩ እግዚኣብሔር ድኻም ሰብ ዝርዳእ ብምሕረት ሃብታም፡ ለዋህ፡ ደንጋጺ፡ ይቅረ በሃሊ እዩ። ስለዚ ሓጢኣት ምግባር ባህርያዊ እኳ ኣንተዀነ፡ ኣብ ሓጢኣት ምጽናዕ ግን ሰይጣናዊ እዩ። ካብ ሓጢኣትካ ምምላስ (ምንሳሕ) ከኣ ኣምላኻዊ እዩ። እግዚኣብሔር ንትሑት ልብን ንስቡርን ቁጥቁጥ መንፈስን፡ ርቱዕ ሕይወትን ኣዝዩ ይብህጐ እዩ። ስለዚ ሰብ ፍጹም ስለ ዘይኰነ፡ ሓጢኣቱ ተኣሚኑ ይቕረታ ክሓትት፡ ወትሩ ብናይ ንስሓ መንፈስ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክቀርብ፡ ዝበለጸን ኣማራጺ ዘይብሉ ኣንኮ መገዲ እዩ። (ሉቃስ 1511-24 ሉቃስ 189-14 መዝ፡511-17 መዝ፡ 107 8-17 1ዮሃ፡ 18-9)

5.ከመይ ጌርና ክንጽሊ ይግብኣና

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ መጺኡ ሥጋና ክለብስ ዘገደዶ ነቲ ሰባት ክሓልፍዎ ዘይክእሉ ፍጹም መገዲ ኣምላኽ ብምሕላፍ ኣርኣያ ብምዃን ኣሰኣሰሩ ምእንቲ ክንክተል እሉ ኣጸላልያ ሰርዓልና። እተን ኣብ ምድሪ ኣብ ዝጸንሓለን ናይ ኣገልግሎት ጊዜኡ፡ ንጸሎት ንነቕሓለን መዓስ እንታይ ኢሉ ይጽሊ ነበረ። ንዝብል ሕቶ፡ መልሱ ጽቡቅ ኣብነት ክኰነና ይኽእል እዩ።

6.ደቀ መዛሙርቱ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከመይ ጌርና ክንጽሊ ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ ንሱ ድማ፡ ንስኻትክምሲ ከምዚ ኢልኩም ድኣ ጸልዩ በሎም።

ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ።

መንግሥትኻ ትምጻእ።

ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።

ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና።

ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሓደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና።

ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና።

መንግሥትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፡ ኣሜን።

(ማቴዎስ 69-13 ሉቃስ 111-4)

7.ኣርኣያና ጐይታና ባዕሉ እዩ።

ጸሎት እምበኣር ከምቲ ጐይታ ዘርኣየና እዩ። ንክርስቲያን ካብዚ ዝዓቢ ኣርኣያ የብሉን። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝምስክሮ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንግሆ ተንሲኡ ይጽሊ ነይሩ (ማር፡135) ንግሆ ኣእምሮካ ይኹን ልብኻ ካብ ዝኰነ ሓሳብ ነጻ እዩ። እቲ ንጸሎት ዝበለጸን ዝጠዓመን ጊዜ ንግሆ እዩ።  ቅድሚ ዝዀነ ሓሳብካን ስራሕካን ንእግዚኣብሔር እንተ ኣቀደምካዮ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሕካ ጽቡቕ ክትውዕል ትኽእል። ኣብ ሓደ መዓልቲ ከጋጥመካ ዝኽእል ብዙሕ ዘይትፈልጦን ዘይተጸበኻዮን ፍጻሜታት ኣሎ። እታ መዓልቲ ብምልእታ መጊሓ ክሳብ እትዓርብ፡ ንኣምላኽ እንተ ሓደግካሉ ግና፡ ኩሉ ነገር ክጽብቐልካ ይኽእል እዩ። ንጉሥ ዳዊትውን ኣንጊሁ ናብ ኣምላኽ ይጽሊ ነበረ (መዝ፡ 631-2) ስለዚ ኣንጊህና ቅድሚ ዅሉ ናብ ኣምላኽ ክንጽሊ ይግብኣና እዩ። (ዘፍ፡2816-27 1ሳሙ፡118 2ዜና፡2920)

ጌይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይካ እቲ ናይ ወጋሕታ፡ ምሸት ምሽት ድማ ይጽሊ ነበረ (ማርቆስ 646-47 ሉቃስ 612) ምሸት ቅድሚ ድቃስ ከመይ ከምዝወዓልካ ሕይወትካ ትምርምረሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትቐርብሉ፡ ነታ ለይቲ እቲኣ ነፍስኻ ተማሕጽነሉ ጽቡቕ ጊዜ እዩ። ምናልባሽ ሥጋ ስለ ዝለበስካ ስለ ዝዀንካ፡ ድኻም ትደክም፡ ትህከ፡ ድቃስ ከጥቅዓካ ይኽእል ይኸውን። ግናኸ ንጥቕሚ ገዛእ ርእስኻን ቤትካን ሃገርካን እዩ እሞ፡ ግዜ ጸሎት መስዋእቲ ከም ዘድልዮ ከተስተውዕ ይግብኣካ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳዕ ለይቲ ምሉእ ክጽሊ ይሓድር ነበረ፡ ንሕና ድማ ከምኡ ክንገብር ኣርኣያ ኰነና፡ እንተዀነ ከምኡ ክንገብር ኣኳ እንተዘይ ከኣልና፡ ኣብነቱ ብምኽታል ክሳብ ዓቅምና ዝፈቐዶ ክንነቅሕ ይግብኣና።

8.ጎይታ ውሳኔ ቅድሚ ምውሳኑ ይጽሊ ነይሩ (ሉቃስ 612-15)

ጐይታ ቅድሚ ደቀ መዛምርቱ ምምራጹ ብጸሎት ነቒሑ ሓደረ። ንሕና ድማ ኣብ ሕይወትና ዝዀነ ከቢድ ውሳኔ ክንውስን ከሎና፡ ከም ሓሳብ ሥጋና ከም ዝመስለና ክንውስን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ምኽንያቱ ሰብ ኢና ዓቕምና ውሑድ ኣዩ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዘሎ ጥራይ ኢና ንርኢ፡ ናይ ድሕሪኡ ዝመጽእ እንታይ ከም ዝኸውን ኣይንፈልጥን ኢና። እግዚኣብሔር ግን ዝሓለፈን ዘሎን ዝመጽእን ስለ ዝፈልጥ፡ ኹሉ ዝኽእል፡ ኹሉ ዝምርምር፡ ጠቓምን ቅኑዕን መገዲ ስለ ዘይጠፍኦ ንዕኡ እንድሕሪ ኣቐዲምናዮ ክንዕወትን ክሰልጠናን ይክእል እዩ። ስለዚ ውሳኔና ኹሉ ናብ እግዚኣብሔር ብጸሎት ክንነቅሕ በቲ ዝሕብረና መገዲ ክንጓዕዝ ይግብኣና።

9.ጐይታ ኣብ ግዜ ፈተና ይጽሊ ነይሩ። (ልቃስ 2241-42)

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብታ መወዳእታ ናይ መከራ ጽዋዕ ዝሰተየላ ጊዜ ምስ በጽሔ ብጻዕሪ ደም ክሳዕ ዝርህጽ፡ ካብ ኣምላኽ ረዲኤት ክረክብ ጸለየ። ወዲ ሰብ ኩሉ ጊዜ፡ ኣብ ዕለታቱ ዝተፈላለየ ፍተናታት የጋጥምዎ እዮም። ስለዚ ፈተና ኣብ ዘጋጥመና ጊዜ፡ ካብ ባዕላትና ክንፈትሖ ንጽዕር፡ እሞ በቲ ፈተና ንሽነፍ፡ ንዕኡ መስዓሪ ዝኸውን ካብ ኣምላኽ ሓይሊን ረዲኤትን እንተ ለመንና፡ ንሱ ብምሉእ ሓይሉ ከናግፈና እሙንን ጻድቕን እዩ።

10.ንጸለትና ከይምለስ ዝዓግቶ ኩነታት ሓጢኣት እዩ

ሓጢኣት ካብቶም መልሲ ጸሎትና ከይንረክብ ዝዓግተና ሓደ እዩ። እግዚኣብሔር ብባህሪኡ ሓጢኣት ዘይብሉ ጻድቅ ኣምላኽ እዩ። ኣብቲ እግዚኣብሔር ዘለዎ ሓጢኣት የልቦን። ኣብቲ ሓጢኣት ዘለዎ ኸኣ ኣግዚኣብሔር የለን። ስለዚ ንቓል እግዚኣብሔር ዘይምእዛዝ (1ሳሙ 1437-28 ዘዳ፡ 141-46) ኣብ ልብኻ እክይ ምህቃን (መዝ፡6618) ሓጢኣት ምግባር (ኢሳ፡ 115 592 ሚክ፡ 34) መልሲ ጸሎት ዘየውህብ መገድታት እዮም። ስለዚ ጸሎትና ክስማዕ ምንም እኳ ሓጢኣት ምግባር ባህርያዊ እንተዀነ፡ ጊዜ ከይወሰድና ተነሲሕና ናብ ቦታና ክንምለስ ይግብኣና።

11.ስለ ፍትወት ሥጋኻ ምልማን

ከም ፈቓድ ሥጋኻ ምልማን ንጸሎትካ ከምዘይስማዕ ይገብሮ (ያዕቆብ 43) እቲ ንደልዮ ጸሎት ናብ ጥቅሚ ከነውዕሎ ማለት ኣነነታዊ ትዕቢትን ጃህራን ወይውን ካልእ ንዕኡ ዝመስል፡ ኣምላኽ ዘይከብረሉ ነገራት እንተ ኰይኑ ጸሎትና ኣይስማዕን እዩ። ንኣብነት ኣደ ደቂ ዘብዴዎስ፡ ናብ ጐይታ ቀሪባ፡ ኣብ መንግሥትካ ንደቀይ፡ ሓደ ብየማንካ ሓደ ድማ ብጸጋምካ ክቕመጡ በል በለቶ። ጐይታ ግናእትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹምበላ። (ማቴ፡2020-24) ስለምታይ ሓሳባታ ከምቲ ጐይታ ዝደልዮ ዘዀነ፧ ንሳ ትሓስቦ ሓሳብ ምድራዊ ክብረት ጥራይ ስለ ዝነበረ ኣዩ። ጐይታ ዝፈልጦ ግና ክንዮው ሓሳባታን ሕልማን እዩ ዝነበረ። ስለዚ ድማ እዩ ጸሎታ ዘይተመለሰ። ንሕናውን ብዙሕ ግዜ ጸሎትና ዘይምለስ፡ እቲ ንልምኖ ስለ ዝይንፈልጦ ኣዩ እምበር፡ ከይምልሰልና ኢድ እግዚኣብሔር ሓጻር ኰይና ኣይኰነትን።

12.ኣብ መጠቓለሊ ሓሳባተይ፡ ክብሎ ዝደሊ፡ ቅድሚ ዝኰነ ይኩን ተግባርና፡ ካብ ፈተና ክንድሕን ስለ ገዝእ ርእስናን፡ ስለ ቤተ ከስቲያናን፡ ስለ ሃገርናን ክንጽሊ ይግብኣና። ስለ እቶም ካብ እግዚኣብሔር ረዲኤት ዝጽበዩ ክረድኦም ምጽላይ። ብዝያዳ ድማ ስለቶም ዝጸልኡናን ዝሰጉናን እግዚኣብሔር ክምሕሮም፡ ከየባተኽና ክንጽሊ ይግብኣና።

Posted 11/29//2009 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div