| Home | Diocese |News & Events | Spiritual Food | The Church | Youths Corner | Contact Us
 

Diocese Resolutions
 

Do not move the ancient landmark that your fathers have set. (Resolution of the 10th Annual Conference, Diocese of The Eritrean Orthodox Church, North America.
July 10- 13, 2008, Seattle, WA.


ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ናብ ገዳማትን ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ደብዳበ ልኢኹ ሚያዝያ/April 16, 2008

The Eritrean Tewahdo Orthodox church, Diocese of North America sent a letter to Embassy of Eritrea
Washington, D. C.

April 19, 2008 We patriotic and loyal Eritreans and Eritrean-Americans of the Eritrean Orthodox Tewhado Church in North America write to express our dismay over the campaign of defamation and false accusations that is being waged against us through the Radio Station known as FM WUST1120. More. . .


ግለጺ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ብስም ኤምባሲ ኤርትራ ንዝተሰንዘረ ጸለመ
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን
ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ
Eritrean Orthodox Tewahdo Church
Diocese of North America
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን
ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ
Eritrean Tewahdo Orthodox Church
Diocese of North America

መግለጺ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ
ብስም ኤምባሲ ኤርትራ ንዝተሰንዘረ ጸለመ።

ብዕለት 30 መስከረም 2007፣ ዳግማይ ድማ ብዕለት 7 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም  ኣብ ኣትላንታ ብመራኸቢ ብዙሓን ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሰሜን ኣሜሪካ ንኡስ ሃገረ ስብከትን፣ ክቡራት ካህናትን ዝተሰንዘረ ዘለፋ፣ ሕጊ ሃገር ዝጠሓሰ ንኽብሪ ሃይማኖት ተዋህዶ ዘናኣኣሰ ዘሕዝን ፍጻመ እዩ። እዚ ብስም ኤምባሲ ኤርትራ ዋሽንግቶን ዲሲ ኣብ ርእሲ ካህናትናን ንኡስ ሃገረ ስብከትናን ዝተሰንዘረ ዘለፋን ጸርፍን፡ ብሕጋዊ መገዲ ንስዕቦ እኳ እንተለና፣ ኣብ ዝርዝሩ ኣቲኻ ሓደ ብሓደ ምግላጹ፡ ንርእሲኡ ኣብ ዘየድሊ ህውተታ ምእታው ብምዃኑ፡ ኣብ ዝርዝር ከይኣቶና እቲ መግለጺ ከም ዘለዎ ካብ ክውንነትን ሓቅን ዝረሓቐ ምዃኑ ንገልጽ። ንዕንወትን ምፍልላይ ምእመናን ተዋህዶ ዝዓለመ፡ ኮነ ኢልካ ንኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ፈሊኻ ንምጉዳእ፡ ሓድነት ምእመናን ንምብትታን ዝዓለመ ምዃኑ'ውን ነቲ ጉዳይ ክከታተሎ ዝጸንሐ ሰብ ዝስሕቶ ኣይኮነን።

ወኪል ኤምባሲ ኤርትራ ምስ ወከልቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ንምርኻብ ስለዝሓተተ፣ ኣብ ኣትላንታን ስያትልን ርክብ ተኻይዱ። ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ፡ ጸገምና ሃይማኖታዊ ምዃኑ፡ ሕግን መምርሕን ተዋህዶ ሃይማኖት ተጣሒሱ ምህላዉ፡ ቅድስና ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ተደፊሩ ከምዘሎ ብጸብጻብ ዝተሰነየ ጽሑፍ ኣቕሪብና። ንዘጋጠመ ኩነታት ምስ መሰነይታ ቪድዮ ገይርና'ውን ኣነጺርና ገሊጽና። ካብ ርእሰ ጉዳይ ናይቲ ሕመረት ቤተ ክርስቲያን ንምርሓቕ ዝግበር ኩሉ ንጎድኒ ገዲፍና፡ ሕጂውን ሕቶና ብሩህን ሃይማኖታዊን እዩ።ሕቶና ዳግማይ ንምንጻሩ፣

  1. እቲ ንኽልተ ሽሕ ዓመት ዘገልገለና ናይ መንፈስ ቅዱስ ሥርዓትን እምነትን ቤተ ክርስቲያንና ተጋሂሱ፡ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዘይሕጊ ካብ መንፈሳዊ መዓርጎም ተኣልዮም ስለዘለዉ ናብ ቦትኦም ክምለሱ።
  2. ሕጊ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ብኢደ ወነኑ ቀይሩ፡ ዋና ኣማሓዳሪ እየ እናበለ ኣብ ዝፋን ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ተራ ሰብ (ጭዋ) ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ካብ ስልጣን ክእለ፣ ቤተ ክርስቲያን ድማ ብፓትርያርክን ብጳጳሳትን ክትምራሕ።
  3. ሕግን እምነትን ቤተ ክርስቲያን ረጊጾም፡ ዶግማዊ እምነት ቅድስት ሥላሴ ክሒዶም፡ ብስም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ሃይማኖት ጉልባብ ጳጳስ እየ እናበሉ ዝንቀሳቐሱ ዘለው ኣባ ሲኖዳ፡ ውግዘቶም ተቐቢሎም ካብ ኣገልግሎት ደው ክብሉ።

ካብዚ ወጻኢ ግና ነቲ መንፈሳዊ ጉዳይ ጓል መገዲ ንምትሓዝ፣ ኣንፈት እቲ ዓላማ ንምቕያርን ምስ ፖለቲካ ንምትእስሳሩ ዝግበር ኩሉ ውዲታትን ተንኮላትን ኣርጊጹ ስለ ዝፈልጦ፣ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣብ ከምዚ ዓይነት ሸንኾለል ክኣቱ ኣይደልን።
 
ንመሰል ናጽነት እምነትናን ሃይማኖትናን፡ ብኩሉ ሕጋዊን መንፈሳውን መገድታት ጉዳይና ክንከታተል ምዃንናን ኣብ እምነትናን ሥርዓት ቤተ ክርስቲያናን ዋጋ ዕዳጋ ከም ዘይንገብር፡ ኣብ ጓል መንገዲ ከም ዘይንኾልልን ድማ ንምእመናንና ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር። ብጉርሒ ይኹን ብፍርሒ ነዚ መገዲ ሓቅን እምነትን ረጊጾም ብጌጋ ዝመላለሱ ዘለዉ ካህናት፣ ድያቆናትን ምእመናንን ድማ ንእምነትኩም ዳግም ክትድህስስዎ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ነተሓሳስብ። 
 
እግዚኣብሔር ቤተ ክርስቲያንናን ሃገርና ኤርትራን ይባርኽ።
ምምሕዳራዊ ቦርድ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ።
                                    
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን
ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ።   
7 ሕዳር 2007


ዘይሕጋዊ ሽመትን ቅብኣትን ፓትርያርክነት ኣባ ዲዮስቆሮስ።

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን
ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ
Eritrean Orthodox Tewahdo Church
Diocese of North America

ዘይሕጋዊ ሽመትን ቅብኣትን ፓትርያርክነት ኣባ ዲዮስቆሮስ።

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ትማሊ ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ወሪዱ ዘሎ ዘይሕጋውን ረሲዕነት ዝዓብለሎ ተግባራት እናሕዘኖ ነዚ ዝስዕብ ወሳኔ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

  1.  ኣባ ዲዮስቆሮስ ኣብ ልዕሊኦም ዘሎ ረዚን ውግዘት ከይተላዕለ ንገዛእ ርእሶም ክሽየሙ ኮነ ንኻልኦት ክሸሙ ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዝኽልክል ሥልጣን ፓትርያርክ ዘይብሎም፡ ብሥልጣን ሥላሴ ዝተወገዙ፡ ክኣስሩ ይኹን ክፈትሑ፡ ክሸሙ ይኹን ክቕንጥጡ መንፈሳዊ ሥልጣን የብሎምን።
  2. ኣባ ዲዮስቆሮስ ብሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን "ፓትርያርክ ብሕይወት እንከሎ ካልእ ፓትርያርክ ኣይሽየምን" ዚብል ሕጊ (ፍትሕ መንፈሳዊ ኣንቀጽ 4 ቁጽሪ 70-71) ጥሒሶም ስለ ዝተሾሙ መንፈሳዊ መዓርጎም ተቐባልነት የብሉን።
  3. ንልዕሊ ሽሕን ሾውዓተ ሚእትን (1700) ዓመታት ዝጸንሐ ሕጋዊ ቀኖናን መዓርግን  ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪሶም ዘይሕጋዊ ሓድሽ ሥርዓት ሃይማኖት ብምፍጣሮም ንነጽጎም።
  4. ኣብ ሥልጣን ቅዱስ መንበር ተቐሚጦም ዘለዉ ኣባ ዲዮስቆሮስ ሕጊ ሃይማኖት ዝሰዓሩ ብምዃኖም ስሞም ኣብ ቤተ ክርስትያን  ከይጥቀስ: ኩሉ ኣማኒ ኣብ ሃይማኖቱ ጸኒዑ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ቤተ ክርስቲያኑ ክሕሉ፡ ተሳታፊን ተኻፋሊ እዚ ውግዘት ከይከውን ንምሕጸን።
  5. ዘይሕጋዊ ሓድሽ ሥርዓት ሃይማኖት ተኸቲሎም ዝኸዱ ዘለዉ ሰባት ኩሎም ካብቲ ዘንቢሎሞ ዘለዉ መንገዲ ክምለሱን ምስ መፍረስቲ ሕጊ ሕብረት ከይገብሩን ንጽውዕ። ኩሉ ምእመን እዚ ሓቂ እዚ ክፈልጦን እቲ ኣብ ርእሲኦም ተነቢሩ ዘሎ ከቢድ ሓዋርያዊ ውግዘት ክሳብ ዚለዓል፡ ናይ ቅድስና መዓርግ ፓትርያርክ ከም ዘይብሎምን ደጊምና ንሕበር።

እግዚኣብሔር ዕድመን ጥዕናን ንቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ይሃቦም።
እግዚኣብሔር ሰላሙን ረድኤቱን ንሃገርና ይሃብ።   
                                    
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን
ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ።   
30 ግንቦት 2007 (22 ግንቦት 1999 ግእዝ )


ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን
ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ
Eritrean Orthodox Tewahdo Church
Diocese of North America

The Illegal Consecration of Abba Dioscoros as a Patriarch

The Diocese of North America of the Eritrean Orthodox Tewahdo Church convened a special session yesterday, May 29, 2007.  After careful deliberation, the Dioceses once more noted with sadness the state of schism and iniquity that has reigned supreme in the Church and passed the following resolutions.

  1. Abba Diosocors has been and continues to be under anathema by His Holiness Abune Antonios, the legal Patriarch of the Eritrean Orthodox Church, neither to ordain others nor elevate himself to any church authority. As such, he has no canonical grounds either to ordain others to the priesthood or elevate himself to the seat of the patriarchate.
  2. Since the canon and church rules  of the Orthodox Church in no uncertain terms prohibit the “consecration of another patriarch while the legal patriarch is still alive”, Abba Dioscoros’ consecration to the position of a patriarch is illegal, therefore, unacceptable.
  3. The Dioceses further rejects Abba Dioscoros for nullifying the canon of our holy Orthodox Tewahdo Church that has been operative for nearly 17 centuries and instituting a new and illegal path.
  4. Since Abba Dioscoros has usurped the seat of the patriarchate illegally, we implore all the Orthodox Tewahdo Churches not to mention his name in the liturgy. Also, we call upon the faithful everywhere to be steadfast in defending our ancient and apostolic church, and not be accomplices to the apostasy.
  5. We call upon all who have fallen victims of this historic schism in our church to turn from this destructive path. We entreat them to mend their ways and not throw their lot with the schismatic party that has taken over the Eritrean Tewahdo Orthodox Church.

We wish His Holiness Patriarch Antonios good health and long life
May God guard his Church and our country.
The Eritrean Orthodox Tewahdo Church,
The Diocese of North America.
May 30, 2007

 

Letter from His Holiness Abune Antonios, Patriarch of the Eritrean Orthodox Tewahdo Church. January 16, 2006

Resolutions on the Dangerous Developments in the Eritrean Orthodox Church July 30, 2005

The only properly constituted authority we accept is His Holiness Abune Antonios. And this principled stand is based on the Canon of our Church. From this day forward, let it be known that the Dioceses of North America will not acknowledge any directives coming to us without being accompanied by the proper seal and signature of our Patriarch, His Holiness Abune Antonios.

Furthermore, we will not acknowledge any letter signed by Mr. Yoftahe Dimetros. Mr. Yoftahe Dimetros, in our opinion, has taken upon himself the high position he holds in our Church illegally and in utter disregard to the Constitution of the Eritrean Orthodox Tewahdo Church. More . . .


Resolutions of the Diocese of North America Of The Eritrean Orthodox Tewahdo Church September 17, 2005

The Council of Priests and the Administrative Board of the North American Diocese of the Eritrean Orthodox Church convened its special session at the Debre Gi'ezan Medhane Alem Church in Atlanta , Georgia today, September 17, 2005 , to deliberate on the deteriorating situation in the Eritrean Orthodox Church. More . . .


Why we are standing with our Holy Father Antonios the 3rd Patriarch of Eritrea September 17, 2005

The central pillar of the Eritrean Orthodox Tewahedo religion is the Patriarch. The Patriarch is the president, CEO, and the highest spiritual leader in the church hierarchy. The Synod embraces the Holy Synod title only in the presence of His Holiness (The Patriarch). The highest religious authority of our church is the Holy Synod. The laws and centuries-old traditions of the Eritrean Orthodox Tewahedo Church validates that the Patriarch must preside and bless all Synod meetings. More . .


 

ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . . ንቦት 30,2007

ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . . ሚያዝያ 26,2007

ምሉእ ትሕዝቶ ይቕጽል . . . የካቲ 26,2007
ጉባኤ ካህናት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ናብ ጳጳሳት ኤርትራ ደብዳቤ ልኢኹ።

March 29, 2006

January 15 , 2006

January 3, 2006

January 3, 2006

January 3, 2006

July 30, 2005
 
         

 
 Quick Reference
 
 

Copyright © 2002-2008 Eritrean Orthodox Church Diocese of North America