S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ምስጋና ዜዕዝዝ ልግሲ (መበል 45 ሰንበት: ቊ.፵፭/45, 2025 | 2017 ግዕዝ

 እዚ ናይ ልግሲ ኣገልግሎትኩም፡ ጐደሎ ናይቶም ቅዱሳን ምምላእ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ሰብ ንእግዚአብሔር ዝዓዘዘ ምስጋና ኸም ዜቕርብ ይገብርዩ።” 2ቈረ 912 .

እዚ ዕለት ሳልሳይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምቲዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ሰነ 26 ክሳዕ ሓምለ 15 (ቂርቆስ) ዘሎ ንኡስ ዘመን ናይ ዘመነ ክረምቲ፡ዘርእ፡ ደመና፡ ጠልይብሃል። ሓደ ኻብቶም፡  ነዚ ዕለት ዝተስርዑ ንባባት ሓድሽ ኪዳን እቲ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽቲ፡ ኣብ ናይ ልግሲ ጸጋ ዘተኰረ ኣገዳሲ ምዕራፍዩ። ኣብ ምዕራፍ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ናይ ሰብ ቈረንቶስ ናይ ልግሲ ጸጋ ኣብ ምዕዛዝ ዚሕግዝ ሓያል መልእኽቲ ጽሒፍሎም። እዚ ኻብ ምዕራፍ ሸሞንተ ዝጀመረ መልእኽቲ፡ ነቶም ኣብ እስራኤል፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣውራጃ ይሁዳን ከተማ ኢየሩሳሌምን ዝነበሩ፡ በቲ ዘመን ተኸሲቱ ብዝነበረ ደርቅን ጥምየትን ኣብ ቍጠባዊ ሽግር ወዲቖም ዝነበሩ ናይ ቐዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ምእመናንን ኣገልገልትን ንምርዳእ፡ ሰብ ቈረንቶስ ንረድኤት ዚኸውን ናይ ገንዘብ ልግሲ ኺገብሩ ዝተጻሕፈ መልእኽቲዩ።

ኣብ ግብ 1127-30 ተዘንትዩ ኸም ዘሎ፡ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ኣንጾክያ (ናይ ሶርያ) ነብያት ወሪዶም ነበሩ። ካብቶም ነብያት፡ ኣጋቦስ ዝስሙ ሓደ ነብዩ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ፡ ኣብ ኵላ ዓለም ጥምየት ከም ዚኸውን ተነበየ። እዚ ብርቱዕ ጥምየት በቲ መንፈስ ቅዱስ ዝገለጾ መሰረት፡ ኣብ ዘመን ቄሳር ቅላውዲዎስ ተፈጸመ። ኣብ ዘመን ርእሰ ሓያላን ካብ ዝነበራ ሃገራት ሓንቲ፡ መንግስቲ ሮማ ነበረት። ናይ መንግስቲ ሮማ መራሒ ድማቄሳርተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። ቅላውዴዎስ ድማ ሓደ ኻብቶም ንሮማ ዝመርሑ ቄሳራትዩ። ኣብ እዋን ኣብ ኣንጾክያ ዝሓሸ ዅነታት ስለ ዝነበረ፡ እቲ ትንቢት ተፈጺሙስ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ኣማኒ ህዝቢ ተሸጊሩ ኸም ዘሎ ምስ ስምዑ፡ መራሕቲ ናይ ቤተ ክርስትያን እቲ ጕባኤ ምእመናንን መኺሮም፡ ናብ ኢየሩሳሌም ረድኤት ኪሰድዱ መደቡ። ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሙ ገንዘብ ኣዋጺኡ ምስ ተኣከበ ድማ፡ ብኢድቶም ክልተ ሃዋርያት፡ በርናባስን ሳውልን (ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስን) ገይሮም ሰደድዎ።

በዚ ናይ ልግሲ ጸጋ ቤተ ክርስትያን ኣንጾክያን ህዝባን ኪህብትሙ ዝገበሩ፡ እዞም ክልተ ሃዋርያት ምዃኖም ዘየጠራጥርዩ። ከምኡ ዜብለና ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ (ሳውል) ነቲ ኣብ ኣንጾክያ ዝጀመሮ ናይ ልግሲ ጸጋ ናይ ምዕዛዝ ተልእኾ ኣብ ናይ ሮማን ቈረንቶስን ኣብ ካልኦት ስመን ዘይተረቝሓ ከተማታት ዚርከባ ኣብያት ክርስትያንን፡ ነዚ ኣገልግሎት ስለ ዝቐጸሎ (ሮሜ 1524-29 1ቈረ 161-4) ኣብ ኽፍልታት መልእኽቱ ኣብ መቄዶንያን ገላትያን ኣካይያን ዚበሃል ክፍልታት ኣውሮጳን ንኡስ እስያን (Ania minon) ኣብ ዘለዋ ዅላተን ኣብያተ ክርስትያን ነዚ ናይ ልግሲ ጸጋ ናይ ምዕዛዝ ኣገልግሎቱ ይተግሃሉ ኸም ዝነበረ ገሊጹ ኣሎ። ከተማ ቈረንቶስ ኣብ ኣካይያ ዚበሃል ዞባ (ኣውራጃ) እትርከብ ነበረት። ኣብ ንሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፎ ቐዳማይ መልእኽቱ ድማ ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ይርከብ።

ብዛዕባ ነቶም ኣመንቲ ኪኸውን ዚዋጻእ ገንዘብ ግና፡ ከም ንኣብያተ ክርስትያን ገላትያ ዝስራዕክዎ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩ። እቲ ምውጻእ ገንዘብ፡ ኣነ ምስ መጻእኩ ምእንቲ ኸይከውን፡ ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ክእለቱ ኣዋህሊሉ የቐምጥ። ኣነ ምስ መጻእኩ ድማ ነቲ ህያብኩም ናብ ኢየሩሳሌም ምእንቲ ኼብጽሑ፡ ነቶም ዝሓረኹምዎም ሰባት መልእኽቲ ኣትሒዘ ኽሰድዶምየ። ኣነ ክኸይድ ዜድልይ እንተ ዀይኑ ድማ ምሳይ ይኸዱ።” 1ቈረ 164 .

እታ ኣብ ኵላተን ኣብያተ ክርስትያን ዘተኣታተዋን ዝሰርዓን ኣሰራርሓ ድማ፡ ንረድኤት ዚኸውን ገንዘብ ክትልግስ ምስ ተሓተትካ ዘይኰነስ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ ቐዳመይቲ መዓልቲ ንረድኤት ዚኸውን ገንዘብ፡ ባዕልኻ ፈሊኻ ምቕማጥዩ። እቲ ምውጻእ ድማ ከከም ዓቕምኻዩ። እቲ ኣብ ቕድሜና ተነቢሩልና ዘሎ ሃዋርያዊ ኣርኣያ ነዚ ዚመስል። ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ወይ ኣብ ሓደ ክርስትያን ውልቀ ሰብናይ ልግሲ ጸጋ ኣሎኺበሃል እንተ ዀይኑ፡ እዚ ሃዋርያዊ ኣርኣያ ኣብ ውልቀ ሰብን ኣብ ቤተ ክርስትያንን ግብራዊ ኪኸውን ኣለዎ። ነዚ ዓብይ ተግባር ኺገብር ዚኽእል እቲ ነቶም ድኻታት ወገናቱ ኪበልዕን ኪሰትይን፡ ኪኣትውን ኪወጽእን፡ ኪድቅስን ኪትንስእን ከሎ ዚሓስቦም ሰብ ጥራሕዩ። እቲ ብወዝቢ ጎፍ ምስ በልዎ ወይውን ምስ ተሓተተ ጥራሕ ዚዝክሮምን ኢዱ ወስ ዘብልን ግንናይ ልግሲ ጸጋ ኣለኒኢሉ ኺሓስብን ኪዛረብን ኣይግብኦንዩ። እቲ ሰሙናዊ ይኹን መዓልታዊ ኸነዋጽኦ እንኽእል ገንዘብ፡ ዋላ ኻብ ሓሙሽተ ወይ ዓሰርተ ሳንቲም ከይበዝሕውን ይኽእልዩ። እግዚአብሔር ግና ነቲ ትሕዝቶና ዘይኰነ ነቲ ፍቓድ ልብና ኸም ዚርእን ከም ዚመዝንን ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ነቲ ጐይታና ኣብ ጥቓ ሳጹን ምጽዋት ኰይኑ ዝተዛረቦ ቓል ወርትግ ንዘክር፡

ቍሊሕ ኢሉ፡ ሃብታማት መባኦም ኣብ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ከም ዜውድቑ ረኣየ። ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ ኣብኡ ኽልተ ለብጦን (ሳንቲም) ከተውድቕ ከላ ረኣየሞ፡ካብ ኵላቶም (መጽወት) እዛ ድኻ መበለትዚኣ ኣብዚሓ ኸም ዘውደቐት፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። እዚኣቶም ኵላቶምሲ ካብ ተረፎምዮም መባእ ዘውደቑ፡ እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ ዅሉ ምግባ ዘውደቐትበለ።ሉቃ 211-4

ስለ ኣብ መጠን ናይ እነቐምጦ ወይ እነበርክቶ ልግሲ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ምዕዛዝ ናይ ናይ ልግሲ ጸጋ ኸነድህብ ይግብኣና። ክንልግሶ እንኽእል ሓንቲ ሳንቲም እንተ ሰኣንናኳ፡ እቲ ናይ ምልጋስ ጸጋ ኣብ ውሽጥና እንተዩ፡ እቲ ንሓቂ ኣብ ውሽጢ ልቢ ዚደልያ ኣምላኽ፡ ከም ለገስቲ ከም ዚቘጽረና ፈጺምና ኣይንጠራጠር።

ግደ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ምዕዛዝ ጸጋ-ልግሲ ማዕረ ኽንደይዩ፧ ኣቐዲምና ኸም ዝኣንፈትናዮ፡ ግደ ናይ መራሕትን ኣገልገልትን ቤተ ክርስትያን ኣብ ምዕዛዝ ልግሲ ኣዝዩ ልዑልዩ። እዚ ናይ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣሰራርሓ ድማ ርኡይን ዘይሃስስን ኣርኣያዩ። ናይ ሃዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ኣርኣያ፡ እዚ ድሮ ዝተጠቕሰ ኣብ ቦታኡ ሃልዩ፡ ናይ ሰብ ቈረንቶስ ልግሲ ንምዕዛዝ ተወሳኺ ጻዕርታትውን ይገብር ነበረ። ነዚ ጻዕሩ ድማ ኣብ መልእኽትታቱ ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

ስለ ንቲቶስ፡ ከም ኣቐዲሙ ጀሚርዎ ዝነበረ፡ ነዚ ናይ ልግስኹም ጸጋ ኣብ ፍጻሜ ኼብጽሖ ምዒድናዮ ኣለና። . . . ነቲ ኣነ ብዛዕባኹም ዘሎኒ ሓልዮት ኣብ ልቢ ቲቶስ ዘሕደረ ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። ከመይ ቲቶስ ዘረባይ ሰሚዑ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብገዛእ ፍቓዱ ብርቱዕ ድላይ ገይሩ ናባኻትኩም ዚመጽእ ዘሎ። ምስኡውን ነቲ ብኣገልግሎት ወንጌል ብዅላተን ኣብያተ ክርስትያን ዝተናእደ ሓው ሰዲድና ኣለና። . . .  ንሱ ንኽብሪ እግዚአብሔርን ነቲ ዘሎና ሓልዮትን ከነርእይ ኢልና ናይ ልግሲ ጸጋ ኸነመሓደር ኣብ እንገብሮ ጕዕዞ ኼሰንየና ኣብያተ ክርስትያን ዝሓረያኦ (ሰብ)’ዩ። . . . ሕጂውን እምብዛ ትጉህ ከም ዝዀነ፡ ብዙሕ ጊዜን ብብዙሕ ነገርን መርሚርና ዝፈለጥናዮ ሓደ ኻልእ ሓው ምስኣቶም ንሰድደልኩም ኣለና።” 2ቈረ 816-19,22 .

እቲ ብዛዕባኻትኩም ዝተሓበንናዮ (ሓበን) በዚ ተግባር ኸንቱ ምእንቲ ኸይከውን ግና ከም ዝበልክዎ። ተዳሊኹም ክትጸንሑ፡ ነቶም ኣሕዋት ልኢኸዮም ኣለኹ። . . . ስለ ነቲ ኽትልግስዎ ዘተስፈኹምዎ ህያብ፡ ኣቐዲሞም ምእንቲ ዄዳልው ነቶም ኣሕዋት ቀቅድመይ ናባኻትኩም ኪኸዱ ደፋፋእክዎም። እዚ ኸኣ ፈቲኹምምበር ተገዲድኩም ከም ዘይገበርኩምዎ ኼረድእዩ።” 2ቈረ 93,5 .

ካብ መልእኽቲ ኸም እንርድኦ፡ ንሱ ብኣካል ምሳታቶም ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ከይተረፈ፡ ደብዳቤ ብምጽሓፍን፡ ብሉጻት ሰባት መሪጹ ብምልኣኽን፡ ነቲ ልግሶም ኬዕዝዞ ይጋደል ነበረ። ነዚ ጸጋ ኼዕዝዙን ኬመሓድሩን ዚምረጹ ሰባት ድማ፡ ብወንጌል ዝተናእዱ፡ እምብዛ ትጉሃት ዝዀኑ፡ ናይ ስሰዐ ባህርይ ዘይብሎም፡ ጥንቁቓት ሰባት ኪዀኑ ኸም ዚግባእውን ብግብሪ ኣመልኪቱና ኣሎ። እምበኣር ሃዋርያዊት ምዃና እትእመን ዝዀነት ትኹን ቤተ ክርስትያንን መራሕታን፡ ካብ ኣርኣያ ብስድሪ ኽትጐድል ኣይግባእንዩ። ኣብ ተዘርጊሑን ንመሃሮን ዘለናፍኖተ ህይወትዝተባህለ ናይ መሰረት እምነት መጽሓፍና፡ ብዛዕባ ኣርእስትናግብረ-ውህበትከምኡውንግብረ ሰናይብዚብል ምዕራፋት ብዝርዝር ተገሊጹልና ኣሎ።

ዕዙዝ ናይ ልግሲ ጸጋ ኸም ዘሎ ዜረጋግጹልና ምልክታት እንታይ እንታይዮም፧

1. ብግዲ ዘይኰነስ ብፍታው ምሃብ፦ ብርግጽ ካብ እግዚአብሔር ፈትዩ ዝሃበካ ትሕዝቶ፡ ኣገዲዱ ኸም እትልግስ ኪገብረካ ዚኽእል ዝዀነ ኣካል የልቦን። ንዛረበሉ ዘለና ኣርእስቲ ኸኣ ብዛዕባ መንፈሳዊ (እምነታዊ) ልግሲ፡ ማለት ንቓል እግዚአብሔር ተኣዚዝና ብዛዕባ እንገብሮ ልግሲ ስለ ዝዀነ፡ ብኣስገዳድ ዚግበር ዘይምዃኑ ፍሉጥዩ።ዘይሃበ ኸይብሉኒወይውንኣውሒዱ ኸይብሉኒዚብል ስክፍታዊ ሓሳብ ግና ንኽንልግስ ኬገድደና ይኽእልዩ። ከም ዝበለ ሽግር፡ ኣብቶም ንሰብምበር ንኣምላኽ ዘይፈርሁ ሰባት ዝውቱርዩ። እቲ ብኸም ዝበለ ስጋዊ ኣተሓሳስባ ዚህብ ሰብ፡ ብምሃቡ ኺሕጐስ ኣይክእልንዩ። ነቲ ዝሃቦ ህያብ ኪርስዖ የጸግሞ፡ ከም ዝተኸትረ ኸም ዝተሰርቀምበር ከም ዝለገስ ዀይኑ ኣይስምዖንዩ። እዚ ኣተሓሳስባን ስምዒትን ሓጥእ ስለ ዝዀነ፡ ከይሃብካ ስቕ ምባል ዜሕሸሉዩ። ህያብካ ንእግዚአብሔር ዝተቐደሰ ዚኸውን፡ ፈቲኻ ኽትህብ ከለኻ ጥራሕዩ።

ብብዙሕ ጸበባ ተፈቲኖም ሓሊፎምዮም። እንተ ዀነ (ብዛዕባ ጸበባኦም) ሕጉሳት ስለ ዝዀኑ፡ ኣዝዮም ድኻታት (ክነሶም) ኣዝዮም ለጋሳትዮም። ባዕላቶም ፈትዮም፡ ከም ዓቕሞም፡ አረ ሓለፋ ዓቕሞም፡ ከም ዝለገሱ እምስክረሎም ኣለኹ። . . . ንምሃብ ድልየት (ፍታው) እንተ ደኣ ኣልዩ፡ እቲ ውህበት ቅቡልዩ። . . . " 2ቈረ 82,3,12 .

ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ ዚፈትውሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይ ብግዲ ዘይኰነ፡ ከም ብልቡ ዝሓለኖ (ብፍታው) ይሃብ።” 2ቈረ 97 .

ወርቂ ንዜድልይ ኻብ ወርቂ፡ ብሩር ንዜድልይ ድማ ካብ ብሩር፡ አረ ብኢድ ብልሓተኛ ንዚግበር ዘበለ ዅሉ ስራሕ ከኣ እህብ ኣለኹ። ሎሚ ኢዱ ብፍታው መሊኡ ንእግዚአብሔር ዚህብ መን ኣሎ፧ ሽዑቶም ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታትን ሓላቑ ነገዳት እስራኤልን ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ምስቶም ሓላቑ እቲ ስራሕ ንጉስን ብፍታው ሃቡ። . . . ንእግዚአብሔር ብፍጹም ልቢ ፈትዮም ስለ ዝሃብዎ፡ እቲ ህዝቢ በቲ ብምፍታው ምሃቦም ተሓጐሰ። ንጉስ ዳዊት ከኣ ዓብዪ ሓጐስ ተሓጐሰ።” 1ዜና 295,6,9

2. ውሑድ ዘይኰነስ ብዙሕ ምሃብ (ብቝጠባ ዘይኰነስ ብበረኸት ምሃብ) ካብ ዘይብልካ ዘይኰነስ ካብ ዘሎካ፡ ብብዝሒ ምሃብ፡ እግዚአብሔር ዚሰምሮ ቅቡል መስዋእቲዩ። ዓሰርተ ኺህብ እናኸኣለ፡ ሓሙሽተ ወይ ሓደ ጥራሕ ዚህብ ሰብ ናይ ልግሲ ጸጋ ኣለዎኺበሃል ኣይከኣልንዩ። እቲ ዓቕምኻ ዚፈቕዶ ዝለዓለ መጠን ናይ ህያብ ክትልግስ እንተ ኽኢልካ፡ ናይ ልግሲ ጸጋ ኣባኻ ዓሲሉ ኣሎ ማለትዩ። እግዚአብሔር ብብዝሒ ለጊሱልና ኼብቕዕ፡ ንሕና ብቝጠባ (ብብቅቂ) እንተ ሂብና፡ እቲ ኣብ ኢድና ዚተርፍ፡ ገንዘብ-ዓመጻ ዚኸውን። ኣብ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ ናይ ሉቃ 211-4 ዛንታ፡ እቶም ሃብታማት ካብ ተረፎምዮም ዝሃቡ። እታ ድኻ መበለት ግና፡ ኵሉ ምግባ ኸይተረፈ ዝሃበት። ስለ ኸኣ እንተ ናታ ኽልተ ሳንቲም ካብ ናይቶም ሃብታማት ዝበዝሐ ዀይኑ ተቘጽረላ።

3. ብጓሂ ዘይኰነስ ብሓጐስ ምሃብ፡- ስጋና፡ ምሃብ ኣይፈትውንዩ። ስለ ብምሃብ ኪሕጐስ ኣይክእልንዩ። ብምሃብ ኪሕጐስ ዚኽእል፡ እቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ዘለዎ ሰብ ጥራሕዩ። ብምሃብ ኽንሕጐስ ዚግብኣና ብሰለስተ ምኽንያትዩ።

ቀዳማይ፡- ንትእዛዛት ኣምላኽ ክንእዘዝ ብምኽኣልና ኪኸውን ከሎ፡

ካልኣይ፦ ከኣ ንዝተጸገሙ ሰባት ስለ ዘርሃናሎም፡ ተኻፈልቲ ጸበባኦም ክንከውን ብምኽኣልናዩ።

ሳልሳይ፦ ድማ ኪምቀል ዚኽእል ትሕዝቶ ኽንረክብ ብምኽኣልናን ባህርይን ብግብርን ናይ ኣምላኽ ከነንጸባርቕ ብምክኣልናዩ። ካብ ናይ እግዚአብሔር ናይ መጋቢነት ባህርይ ተኻፊልካ፡ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ ኴንካ ንሰባት ክትረድእ ኣዝዩ ዓብዪ መንፈሳዊ ኽብሪዩ። እግዚአብሔር ኪካፈል ዚኽእል ትሕዝቶ ዚህበና፡ ገንዘብ ክቡር ህያብ ኰይኑ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኽቡር መጋቢነቱ ኣካፊሉ ኬኽብረና ስለ ዚደልይዩ። እቲ ገንዘብ ረኺቡስ ልግሲ ዚጽየፍ ሰብ፡ እቲ ንሓላፊ ገንዘብ ካብ ኽቡርን ነባርን ናይ መጋቢነት ባህርይ ንላዕሊ ኣኽቢሩ ዚርእይ ሕሱር ሰብዩ። ስለ እቲ መርኣያ መጋቢነት ዝዀነ ልግሲ ኽንፍጽም ከለና ዕዙዝ መንፈሳዊ ሓጐስ ኪስምዓና ይግባእ።

ናይ ልግሲ ናይ መወዳእታን ዝዓበየን ዕላማ እንታይዩ፧ እዚ ሕቶ ናብ ናይ ዕለት ኣርእስቲ ትምህርትና ዚመርሓናዩ። ምድራዊ ዕላማ ናይ ልግሲ፡ ጐደሎ ናይቶም ብስጋ ዝተጸገሙ ሰባት ምምላእዩ። እዚ ዕላማ ኣድላዪ እንተ ዀነ፡ ካልኣዊ ዕላማዩ። እቲ ዝዓበየ ዕላማኡ ግና፡ ንእግዚአብሔር ዚኸውን ምስጋና ምዕዛዝዩ። ኣብ ምድሪ ናይ ዚፍጸም ዝዀነ ይኹን ሰናይ ግብሪ ዕላማ፡ ንእግዚአብሔር ዚኸውን ምስጋናን ክብርን ምዕዛዝዩ። ጐይታናን፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስን ብዛዕባ ኺገልጹ ኸለዉ ኸም ዚስዕብ ኢሎም ኣለዉ፦

ከምኡ ከኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።ማቴ 516

እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሓምዩኹም ዘለዉ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ።”  1ጴጥ 212

ስለ ልግሲ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኵሉ ሰናይ ግብሪ ንኣምላኽ ዚኸውን ምስጋና የዕዝዝዩ። እቲ ንስጋ ዚኸውን ምግብን ልብስን ካልእ ኵሉ ነገርን፡ ሓላፊዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ዚዓርግ ምስጋና ግን ነባሪዩ። እቲ ንልግስና ኽብሪ ዜጸግዎ ድማ እዚ ምስጋናዩ። ስለ ብምግቢ ኸብዲ ድኻ ከነዐንግል፡ ብኽዳን ዝዓረቐ ዝባን ከነልብስ ከለና፡ ነቲ ብዓይኒ ስጋ ዚረኣይ ንጥፈታትና ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ነቲ ብዓይኒ መንፈስ ዝረኣይ ዕዙዝ ምስጋናውን ኣጸቢቕና ኸነድህበሉ ይግባእ። ኣብ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ናይ 2ቈረ 819 (.) ጥቕሲ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ናይ ልግሲ ኻልኣይን ዝዓበየን ዕላማ ኣነጺሩ ጠቒስዎ ኣሎ።

ንሱ፡ ኣብ ንኽብሪ እግዚአብሔርን ነቲ ዘሎና ሓልዮትን ከነርእይ ኢልና ናይ ልግሲ ጸጋ ኸነመሓድር ኣብ እንገብሮ ጕዕዞ ኼሰንየና ኣብያተ ክርስትያን ዝሓረያኦዩ።

እዚ ናይ ልግሲ ጸጋምበኣር፡ ነቶም ሽጉራት ዘለና ሓልዮት ንኸነርእይ ኢልና ጥራሕ ክንገብሮ ኣይግባእንዩ። ቀዳማይ ዕላማኡ ኽብሪ እግዚአብሔር ምዕዛዝዩ። ክብሪ እግዚአብሔር ዚዓዝዝ ድማ እቲ ናይ መጋቢነት ባህርዩ ኣባና ኺግለጽ ከሎን፡ እቶም ብልግስና ዝተገልገሉ ሰባት ድማ ንኣምላኽ ኬመስግንዎ ኸለዉንዩ። ንሕና ድማ ንኽብሪ እግዚአብሔር ዝተፈጠርና ፍጡራት ስለ ዝዀንና፡ ብግብሪ ኰነ ብምስጋናና ንኣምላኽ ከነኽብር ብምስሉን ኣርኣያኡን ዝተፈጠርና ኢና።

ነቲ ብስመይ እተጸውዐ ዘበለ ዅሉን ንኽብረይ ዝፈጠርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክዎን (ህዝቢ) ኣምጽኣዮ  . . . እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስጋናይ ኬዘንትውዩ።ኢሳ 436,7,21

ነቲ ናይ እግዚአብሔር ግብርታት ዝዀነ ሰናይ ግብሪ ኽንገብር ከለና፡ኣቕሓ ኽብሪኢና እንኸውን፧

እምበእርሲ ሓደ ርእሱ ኻብዚኣቶም (ካብቶም ኣቕሓ ውርደት) እንተ ኣጽረየ፡ ንሱ ኣቕሓ ኽብሪ፡ እተቐደሰ፡ ንተግባር ብዓል ቤት (ንኣገልግሎት ጐይታኡ) ዚጠቕም ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለወ ይኸውንዩ።” 2ጢሞ 221

ነቲ ናይ እግዚአብሔር መለኮታዊ ግብሪ ኣብ ምድሪ ኽንፍጽም ከለና፡ ክብሩን ባህርዩን ኢና ንገልጽ። ስለ ኸኣ በቲ ሰብ ዝገበሮ ሰናይ ግብሪ፡ ኣምላኽ ዚምስገን።

ብምኽንያት ልግሲ ንኣምላኽ ዜመስግን መንዩ፧

1. እቲ በቲ ልግሲ ዝተረድአ ሽጉር ሰብ፡ እቲ ቐዳማይ ኣመስጋኒዩ። እግዚአብሔር ዚረድኦም ሰባት ስለ ዝለኣኸሉ፡ ንጊዚኡ ሽግሩ ስለ ዝተፈትሐ የመስግን።

2. እቲ ናይ ልግሲ ጸጋ ዝረኸበ ሰብውን ንኣምላኽ የመስግንዩ፡፡

. እግዚአብሔር ንሰባት ኪካፈል ዚኽእል ትሕዝቶ ስለ ዝሃቦ የመስግን።

. ካብ ናይ ድንጋጸን መጋቢነትን ባህርዩ ስለ ዘካፈሎን ኪልግስ ስለ ዝደረኾን ዘኽኣሎን የመስግን።

3. እቶም ነዚ ናይ ልግሲ ጸጋ ዜመሓድሩ መራሕቲ ቤተ ክርስትያን ኣገልግሎቶም ስለ ዝሰመረሎምን ኣብ ግብሪ ስለ ዝወዓለሎምን የመስግኑ። እቶም ሽጉራት ዜድልዮም ስለ ዝረኸቡ፡ እቶም ርኹባት ድማ ናይ ልግሲ ጸጋ ስለ ዝተዋህቦም የመስግኑ።

4. ካብ ወሃብን ተቐባልን ወጻኢ ዝዀኑ፡ ነቲ ግብሪ ሕያውነት ዝረኣዩ፡ ጽቡቕ ኣርኣያ ዝረኸቡ ሰባት ከኣ ንኣምላኽ የመስግኑ።

5. እቶም ብደም ክርስቶስ ዝተዓደጉ ሰባት ግብሪ ኣምላኽ ኬዘውትሩን፡ ክብርን ግብርን ናይ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኺግለጽ ከሎ ዝረኣዩን ቕዱሳን መላእኽቲውን የመስግኑ፡ ምኽንያቱ ንሳቶም ብንስሓን ሰናይ ግብርን ናይ ሰባት ኣዝዮም ከም ዚሕጐሱ ኣብ ቃሉ ተገሊጹልና ኣሎ (ሉቃ 157,10)

እምበኣር ነዚ ኽቡር ሓቂ ድሕሪ ምፍላጥና፡ ህይወትና ምምርማር ዚተርፈና። ናይ ልግሲ ጸጋ ዘሎናን ዘይብልናን፡ ነዚ ናይ እግዚአብሔር መጋቢነት ብግብሪ ንፍጽሞ ምህላውናን ዘይምህላውናን ነረጋግጽ። ሕቡእ ተግባር ስለ ዘይኰነ፡ ብመንጽር ኣርእስቲ ህይወትና እንታይ ከም ዚመስል ኪስወረና ኣይክእልንዩ። ነቲ ልግስና፡ ብፍታው፡ ብሓጐስ፡ ብበረኸት ንገብሮ ምህላውናውን ርግጸኛታት ንኹን። በቲ ናይ ልግሲ ተግባርና ንርእስና ዘይኰነስ ንእግዚአብሔር ጥራሕ ነኽብር ምህላውና፡ ኵሉ ኣሰራርሓ ናይ ልግሲ ተግባርና ንኣምላኽ ብዜኽብር ኣገባብ ንገብሮ ምህላውና ኣረጋጊጽና ንግበሮ። ነቲ ዚልገስ ትሕዝቶን ናይ ልግሲ ጸጋን ዝሃበና ኣምላኽ ድማ ወርትግ ነመስግኖ!!

 ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

20 ሓምለ 2025 | ሓምለ 13, 2016 ግዕዝ (መበል 45 ሰንበት: ቊ.፵፭/45)

ምስባክ

መዝ. ፻፴፭(፻፴፮)፡፳፭-፳፮ “ዘይሁብ ሲሳየ ለኵሉ ዘሥጋ። እስመ ለዓለም ምሕረቱ። ግነዩ ለአምላከ ሰማይ።”

ዓዲ፡ መዝ.፻፫(፻፬)፣፲፪-፲፫ “ዘያበቍል ሣዕረ ለእንስሳ። ወሐመልማለ ለቅኔ ዕጓለ እመሕያው። ከመ ያውፅእ እክለ እምድር።”

ንባባት

ኣንባቢ

2ቈረ 9፡5-ፍጻመ

ዲያቆን

ያእ 3፡13-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 27፡18-26

ንፍቅ ካህን

ማቴ 7፡21-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ መዝሙር፦ ይሰጠዎ ወሰምዖ ጸሎቶ

   

 

Hits: 85