S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መወዳእታ’ምበር ቀሪቡ (መበል 37 ሰንበት: ቊ.፴፯/37, 2025 | 2017 ግዕዝ

ግናኸ ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታ ቐሪቡዩ፡ ስለ ጸሊኹም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ርእሶም ዚገትኡን ጥንቁቓትን ኩኑ። . . . ጊዜ ፍርዲ ቐሪቡዩ፡ ዚጅምሮ ኸኣ በቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ዘለዉዩ። ብኣና ዚጅምር ካብ ኰነኸ፡ እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውንዩ፧ እቲ ጻድቕ (ብብዙሕ ጭንቂ) ዚድሕን ካብ ኰነኸ፡ እቲ ዓማጽን ሓጥእን ደኣ እንታይ ኪኸውንዩ።” 1ጴጥ 47,17,18 .

እንሆ ዕለት ሻድሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤዩ። ዚመጽእ ዘሎ ሓሙስ ድማ ዕርገት ጐይታናን እንዝክረሉ፡ ካብ በዓለ ትንሳኤ መበል 40 መዓልቲዩ። ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ካብ ዕለተ ዕርገት ክሳዕ ሰነ 17 ዘሎ ቕንያት፡ዘመነ ዕርገትተባሂሉ ይጽዋዕ። ዘመነ ዕርገት፡ ናይ ዘመነ ትንሳኤ ንኡስ ዘመንዩ። ዕርገት ጐይታና፡ ልክዕ ከም ሞቱን ትንሳኤኡን፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ግብሪ ምድሓንዩ። ኣብ ዘመን ብሉይ ኪዳን፡ በቲ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ ምሉእ ስርየት ኣበሳን ምሕረትን ዚርከብ ዝነበረ፡ እቲ ሊቀ ካህናት ባዕሉ፡ ናይ ዝተሰውአ እንስሳ ደም ሒዙ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣትዩ፡ ነቲ ደም ኣብ ልዕሊ መኽደን መተዓረቒ (መንበረ ታቦት) ምስ ዚነጽጎ (ዘሌ 1614,15) እቲ ባዕሉ ፍጹም ሊቀ ካህናትን ቅዱስ መስዋእትን ሰማያዊ መቕደስን ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ፡ ነቲ ኣብ መስቀል ዝፈስስ ህያው ደሙ ሒዙ ብዕርገት ናብ ሰማያዊት ቅድስተ ቅዱሳን ብምእታ ፍጹም ድሕነት ዘጐናጸፈና (እብ 911-14,23-26 726,27 A) ስለ ድማ ድሕሪ ትንሳኤኡን፡ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን እድይብ ኣለኹብምባል እቲ ናይ ድሕነት ተልእኾኡ ኣብ ትንሳኤ ጥራሕ ከም ዘይድረት፡ ብመገዲ ማርያም መግደላዊት ኣበሰሮም (ዮሃ 2017,18) ቅድሚ ሞቱ፡ ኣብ ምስጢር ቍርባን ዝሰርዓላ ምሸትውን፡ ናብ ኣቦኡ ናብ ሰማያት ከም ዚኸይድን ናይ ምኻድ ረብሓ ንኣና እንታይ ምዃኑን ብንጹር ነጊርዎም (ዮሃ 141-4 165-8,16) ከም ዝበላ ድማ ካብ ትንሳኤኡ ልክዕ ኣብ 40 መዓልቱ ብዘይ ህቦብላ ብዘይ ደመና ብዘይ ሰረገላ - ሓዊ ኣብ ቕድሚ ዓይኒ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ሰማያት ዓረገ (ግብ 11,2,9 ማር 1619 ሉቃ 2451) ስለ` ኸኣ` ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ንዕርገት ካብ ዕለተ ትንሳኤ ልክዕ ኣብ 40 መዓልቲ ሓሙስ ሓሙስ እተብዕሎ። ንሕናውን ካብ ሰሙን ጀሚርና ንዘመነ ዕርገት ብዛዕባ ጐይታና ብዕርገቱ ዘውሓሰልና ድሕነት ከነስተንትንን ክንመሃርን ብዛዕባኡ ድማ ንኣምላኽ ከነመስግንን ይግብኣና።

ነዚ ሻድሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ ብቕዱስ ያሬድ ተሰሪዑልና ዘሎ መዝሙር-ሰንበትፋሲካዘርእስቱዩ። ሓፈሻዊ ትርጕም ናይ መዝሙር ድማ ኸም ዚስዕብዩ፦

ፋሲካ፡ እታ ዕለትቲኣ ቅድስቲያ፡ በታ ዕለትቲኣ ንተሓጐስ፡ ንተሓጐስ፡ ብኣኣ ባህ ይበለና፡ እታ ዕለትቲኣ መስተርሆትን ዕረፍትንያ፡ ሰማይን ምድርን ብኣኣ ይተሓጐሱ። ፋሲካ ፋሲካ፡ ናይ መድሓኒና ዝኽሪ ትንሣኤኡያ።

  ጐይታ ድምጽኻ ሰሚዐ ፈራህኩ፡ ግብርኻ ርእየውን ተገረምኩ። ጐይታ መን ኸማኻ፡ ንምዉታት ብቓልካ ኣተንሣእካ፡ ሕይወት ሂብካ፡ ንኣና ሰላም ጸጎኻ፡ ኵላትና ምስ ጻድቃንካ ኃቢርና በዓለ ፋሲካ ንግበር።

እቲ ብመሰረት መዝሙር ዝተሰርዐ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታና ነቶም ናብ ምግፋፍ ዓሳ ዝተመልሱ ሾብዓተ ሃዋርያት (ጴጥሮስ፡ ቶማስ፡ ዮሃንስን ያእቆብን፡ ብስም ዘይተጠቕሱ ክልተ ኻልኦትን) ባዶ መርበብን ጃልባን ሒዞም ከለው ከም ዝተራእዮም፡ ተኣምር ገይሩ ባዕሉ ብዝቐረቦ ምግቢ ከም ዝመገቦምን ዚትርኽዩ። እቲ ናይ ግብሪ ሃዋርያት ንባብ ድማ፡ ነቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቤት ሓለቓ ሚእቲ ቀርነሌዎስ፡ ድሕሪ ትንሳኤኡ ከም ዝተራእዮምን ኪምስክሩሉ ኸም ዝኣዘዞምን ድሕሪ ምግላጹ፡ ንህያዋንን ምዉታትን ዚፈርድ ንሱ ምዃኑ ዝሰበኸ ስብከት ዚትርኽዩ። እቲ ናይ 2ቈረ 51-10 1ጴጥ 44-11 ንባባት ድማ ብዛዕባ ኣብ ምጽኣት ዚፍጸም ተስፋን ፍርድን ዚገልጹዮም (2ቈረ 59,10 1ጴጥ 417,18) ናይ ሎሚ መሪሕ ጥቕስናን ኣርእስትናንውን ብዛዕባ ብምጽኣት ክርስቶስ ዚገሃድ መወዳእታ ዓለምን፡ መወዳእታ ምድራዊ ህይወትናን ዚምልከት

ኣብ ዘመነ ትንሳኤን ኣብ ድርኵዅት ዘመነ ዕርገትን ኴንና፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታናን ብዛዕባ መወዳእታናን መወዳእታ ዓለምን ክንመሃር ዜድልየሉ ምኽንያት እንታይዩ፧ እቲ ምኽንያት ጐይታና ባዕሉን ብቕዱሳን መላእኽቱን ገይሩ ንዕርገቱን ንምጽኣቱን ኣዛሚዱ ስለ ዝገለጸልናዩ። ንዅሉ ዚዛረቦን ዚገብሮን ድማ ንኣና ንኣርኣያን ንምህሮን ኪዀነልና ኢሉ ስለ ዚገብሮ፡ ንሕናውን ብኸምኡ ኽንሓስብን ክንምራሕን ዚግባእ። ጐይታና ኣብ ድሮ ስቕለቱ ዝነበረት ምሸት፡ ንዅሎም ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ዕርገቱን ምጽኣቱን ከም ዚስዕብ ኢልዎም ነበረ።

ልብኹም ኣይሸበር፡ ብኣምላኽ እመኑ፡ ብኣይውን እመኑ፡ ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር ኣሎ። እንተ ዘይህልው ግን ምነገርኩኹም ነይረ። ሕጂ ግና ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ። ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብ ኣነ ዘለኽዎ ንስኻትኩምውን (ምሳይ) ኣብኡ ምእንቲ ኽትህልው፡ ተመሊሰ ኽመጽእ ምሳይ ክወስደኩምየ።ዮሃ 141-3 .

ካብ ቓሉ ኸምንርድኦ፡ ናይ ዕርገቱ ዕላማ እንታይ ምዃኑ ንጹርዩ። ብዕርገቱ ስፍራ ኼዳልወልና ዚኸይድ፡ ብምጽኣቱ ድማ ናብ ዘዳለወልና ስፍራ ኼግዕዘና ዚግለጽ። ጐይታና ነዛ ሓቂዚኣ ብንጹር ኪፈልጥዋን ኣብ ልቦም ኣዕሚቛ ኽትሰርጽን ስለ ዝደለየ፡ ኣብ ዕለተ ዕርገቱ ዚንገሮም መዘኻኸሪ ኣዳለወ። ጐይታና ኣብ ደብረ ዘይቲ ካብ ማእከሎም ብድድ ኢሉ ኺዓርግ ምስ ጀመረ፡ ደበና ሰማይ ክሳዕ ዚኽውሎ ኣተኵሮም እናጠመትዎ ኸለው፡ ብኣርኣያ ሰብ ዝተገልጹ ኽልተ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸድኑ መላእኽቲ፦ ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ኢኹም ናብ ሰማይ ኣማዕዲኹም እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘለኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ፡ ከም ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ዝረኣኹምዎ፡ ከምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእዩ።” ብምባል ዘይርሳዕ መዘክር ገደፉሎም (ግብ 19-11 .) ዕርገትን ምጽኣትን ክልተ ተመላላእቲ ግብርታት ምድሓንዮም። ስለ ኸኣዮም ክልቲኦም ብሓንሳእ ዚለዓሉ። እቲ ብልደት (ብቐዳማይ ምጽኣቱ) ዚጀመረ ናይ ጐይታና ግብሪ ምድሓን ኣብ ካልኣይ ምጽኣቱ` ዚዛዘም። ምሉእ ድሕነት ዚበሃል፡ ናብ ሰማያት ዓሪግኻ ኣብ የማን ኣምላኽ ምስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ምንባርዩ። ናብ ደረጃዚኣ ኽሳዕ ንበጽሕ ኣብ ዘሎ ጊዜ እንረኽቦ ድሕነት፡ ከፊላዊ ድሕነትዩ። ምኽንያቱ ድሕነት ዝተናውሐ መስርሕ (Process)’ምበር፡ ናይ ሓደ ጊዜ ፍጻመ ኣይኰነን። እዚ ዚሓጥእን ዚሓምምን ዚመውትን ስጋ ለቢስካ፡ ኣብ ሓላፊትን ርኽስትን ዓለም እናነበርካምሉእ ድሕነት ኣሎኪበሃል ኣይግባእንዩ። በቲ ኣብ ምጽኣቱ ዚፍጸም ትንሳኤ ሙታን ተንሲእና፡ እቲ ብምስሊ ቐዳማይ ኣዳም ዝተፈጥረ ስጋና ናብ ምስሊ ኻልኣይ ኣዳም፡ ስጋ ክርስቶስ ናብ ምምሳል ምስ ተለወጠ ሽዑ ምሉእ ድሕነት ዚዀነልና። ምጽኣት ድማ በዚ ምኽንያት ኣገዳሲ ዚኸውን።

ሽዑ ንወዲ ሰብ ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎዮም። እዚ ኪኸውን ምስ ጀመረ፡ ምድሓንኩም ቀሪቡ ማለትሞ፡ ደው በሉ፡ ርእስኹምውን ኣቕንዑ።ሉቃ 2127,28 .

ከምኡ ኸኣ እቲ ናይ ብዙሓት ሓጢኣት ምእንቲ ኼርሕቕ ሓንሳእ ዝተሰውአ ክርስቶስ፡ ሓጢኣት ኪጸውር ዘይኰነስ፡ ንምድሓንቶም ዚጽበይዎ ኻልኣይ ጊዜ ኺግለጽዩ።እብ 928 .

መወዳእታዚበሃል ዘሎ ናይ ምንታይ መወዳእታዩ፧ ኣብ መወዳእታ ዚጠቓለሉ ፍጻመታት እንታይ እንታይዮም፧ መሪሕ ጥቕስና ኣነጺርዎ ኸም ዘሎ፡ እዚንዛረበሉ ዘለና መወዳእታ፡ ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታዩ። ናይንነብረላ ዘለና ዓለምን፡ ናይ ኵሉ ሰማያውን ምድራውን ፍጥረት መወዳእታ፡ ናይ ሰይጣንን ኵሎም ኣጋንንቱን መወዳእታ፡ ናይ ኵሉ ሓጢኣትን ኵሎም ሓጥኣንን መወዳእታ፡ ናይ ኵሉ ምድራዊ ሕማምን ስቓይን ሞትን ጻዕርን ሓዘንን መወዳእታዩ። ሰማይን ምድርን ብምሉኡ ኺድምስስን ካብ ህላወ ኺጠፍእንዩ። ነዚ ሓቂ ኸኣ ቅዱስ ወንጌል ደጋጊሙን ኣነጺሩን ነጊሩናዩ።

እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ንሓዊ ተዓቝሩ፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባት ተፈሪዶም ክሳዕ ዚጠፍኡ ይሕለው ኣሎ። . . . መዓልቲ ጐይታ (እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ) ግና ከም ሰራቒ ኰይና ኽትመጽእያ። ሽዑ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሓልፍዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብሓዊ ነዲዱ ኺመክኽዩ። ምድርን ኵሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን ኪነድድዩ። እታ መዓልቲቲኣ ሰማያት ብሓዊ ኸም ዚጠፍእ፡ ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ኸም ዚመክኽ ክትገብርያ።” 2ጴጥ 37,10-12 .

ድሕሪናይተን መዓልትታት `ቲኣተን መከራ ከኣ ብኡንብኡ ጸሓይ ክትጽልምት` ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን` ከዋክብቲ ካብ ሰማይ ክወድቁ`ዮም ሓይልታት ሰማይ ድማ ክናወጹ`ዮም።ማቴ 2429 . (ራእ 612)

ብድሕር` ዓብይ ጻዕዳ ዝፋንን ነቲ ኣብኡ ዝተቐመጠ (ኢየሱስ) ረኣኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሃደሙ፡ ኣሰር ዘይብሎምውን ጠፍአ።ራእ 2011 .

እዚ ኸኣ ገና ኻብ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ብቕዱሳን ነብያት ኪንገር ዝነበረን ዝጸንሐን (ኢሳ 1310 34ህዝ 327 ዮኤ 210 ጸፎ 115) ነዚ ምስ ኣንበብና፡ሕራይ እቲ ኣበሰኛ ሰብሲ ይጥፋእ፡ እዚ ዅሉ ግኡዝ ፍጥረትከ ንምንታይ ዚጠፍእ፧ዚብል ሕቶ ኼለዓዕለልና ይኽእልዩ። እዚ ሓቂ ኵሉ ሕጂ ዘሎ ፍጥረት ንሰብ ተባሂሉ ኸም ዝተፈጥረ፡ ብሰሪ ሓጢኣት ሰብን ብሰሪቶም ኣብ ኣየር ዚገዝኡ ስልጣናት ኣጋንንትን ከም ዝረኸሰ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄርውን ጽዩፍ ከም ዝዀነ ዜረጋግጸልና (ኤፌ 21,2 310 ሮሜ 820-22)

እዚ ናይ ሕጂ ዘሎ ሰማይን ምድርን መወዳእታ፡ ናይ ካልእ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን መጀመርታ ምዃኑ ግን ኣይንዘንግዕ። እዚ ተስፋ ኸኣ ካብ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ብተደጋጋሚ ተነጊሩና (2ጴጥ 313 ራእ 211 ኢሳ 6517) ምስ ኣረጊት ሰማይን ምድርን ዲና ኽንጠፍእ ወይስ ብትንሳኤ ተሓዲስና ኣብ ሓድሽ ሰማይን ምድርን ኢና ኽንነብር፡ እቲ ኣብ ሓላፊት ዓለምን ሓላፊ ህይወትን እንነብሮ ናብራ ዚውስኖ። ፈጺምና ኽንዝንግዖ ዘይግብኣና መሰረታዊ ሓቂ ግን ኣሎ። ኣብ ልዕል ኢልና ዘንበብናዮ ናይ ራእ 2011 ጥቕሲ፡ እቲ ኣረጊት ሰማይን ምድርን በቲ መለኮታዊ ረስኒ ከም ዘይነበረን ኣሰር ከም ዘይብሉን ኰይኑ ኺጠፍእ። እቶም ንዅሉ ሰብ ዘስሓትዎ ኣጋንንትን እቶም ብሰሪ ሓጢኣቶም ንፍጥረት ሰማይን ምድርን ዚልክሙ ሓጥኣንን ግን፡ ኣሰር ከም ዘይነበሮም ኰይኖም ኪጠፍኡ ዘይኰነስ፡ ኣብ ንሰማይን ምድርን ዝሃመዀ ሓውን ረስንን ንዘለኣለም ኪነድዱን ኪሳቐዩን ኪነብሩዮም (2ተሰ 18 ማቴ 529,30 1340-42 2541,45,46 ማር 943-48 ሉቃ 1623,24 ሮሜ 28,9 119,21 እብ 67,8) ካብ ከም ዝበለ ሕሱም መፈጸምታ ምእንቲ ኽንድሕን ድማዩ፡ መወዳእታ ኸም ዝቐረበ ብተደጋጋሚ ዚንገረና ዘሎ።

ናይ ሰብ መወዳእታ ግን ምስ መወዳእታ ዓለም ዜራኽብ እንታይ ኣለዎ፧ ገና ዓለም ከይተወድአት፡ ከላ ንሕና በብመዓልትና ብሞት ንውድእን ንውዳእንዶ ኣየለናን ኢና፧ ብርግጽ ብመንጽር ጊዜ እንተ ርኢናዮ መወዳእታና ምስ መወዳእታ ዓለም ዘይኪጋጠም ይኽእልዩ። ጐይታና ተመሊሱ ኸም ዚመጽእ ካብ ዝተነግረሉ ጊዜ ጀሚሩ ብኣማእት ቢልዮናት ዚቝጸር ሰብ ብሞት ሓሊፉሎ። ኣብ ሕጂ ዘለናዮ ናይ ምጽኣቱ ናይ ቅልውላው ዘመን ዘለና ብዙሓትውን ቅድሚ ምጽኣት ጐይታ ብሞት ክንፋነው ኢና። በቲ ኣብ ቀረባ ጊዜ ኪኽሰት ጀሚሩ ዘሎን ገና ዚቕጽልን ከበድትን ኣህላቖትን መዓታት፡ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ርብዒ ኽሳዕ ሲሶ ህዝቢ ዓለም ዚጸንተሉ ኣሰቃቒ ቕንያትውን ይጽበየና ኣሎ (ራእ 63-8 85,7-13 92-10,15,18 1113,18 1618-20) መወዳእታ ዓለም ኪኸውን ከሎ፡ ኣብ ዓለምዚኣ ብህይወት ዚጸንሑ ናይ ግድን ኪህልውዮም። ካብቶም ብህይወት ዝጸንሑ፡ እቶም ሓጥኣን ሞት ስጋ ኸይጠዓሙ ትኽ ኢሎም ናብ ዝኸፍአ ኻልኣይ ሞት ኪሰግሩዮም። እቶም ጻድቃን ድማ ካብትጠፍእ ዘላ ዓለም ብደበና ሰማይ ተላዒሎም ንጐይታ ኣብ ኣየር ኪቕበልዎን ኪራከብዎንዮም (1ተሰ 416,17)

ሓንቲ ኸነስተውዕላ ዚግብኣና ሓቂ ግን፡ እቲ እንሞቶ ናይ ስጋ ሞት ንሱ መወዳእታና ዘይምዃኑዩ። ናይ ስጋ ሞት መወዳእታኡ ዚኸውን በሃም እንስሳ ጥራሕዩ። ንሰብ ሞት-ስጋ መወዳእታኡ እንተ ዚኸውን፡ ኣብ መንጎ ጻድቕን ሓጥእን፡ ኣብ መንጎ ዚኣምንን ዘይኣምንን ዋላ ሓንቲ ፍልልይ የለን ማለትዩ። ከምኡ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ብጽድቂ ንምንባር ርእስና እንገትኣሉ ዋላ ሓንቲ ብቑዕ ምኽንያት ስለ ዘየለ፡ ከም ዝደለናዮ እናሓጣእናን እናዓበድናን ነዛ ሓጻር ምድራዊት ህይወትና ባህ ከም ዘበለና ጌርና ኽንዕንድረላ ዚሓይሽ (1ቈረ 1529-33 .) እንተ ዀነ እቲ ንዓለምን ንኣና ዝፈጠረ ጐይታ እዛንነብረላ ዘለና ዓለምን እዛንነብራ ዘለና ምድራዊት ህይወትን መጀመርታናምበር፡ መፈጸምታና ኸም ዘይኰነት ኣረጋጊጹልና (ማቴ 22:31;  ሉቃ 14:14; ; ዮሃ 5:25; 6:40; 11:25; ግብ 24:15; ; ሮሜ 4:17; 1ቈረ 6:14; 15:22; 2ቈረ 4:14; ፊል 3:11; 4:16; እብ 6:2ራእ 20:13) ብመለኮታዊ ግርማኡን ሓይሉን ተመሊሱ፡ ንህያዋንን ምውታትን፡ ንሓጥኣንን ጻድቃንን ኪፈርድ፡ ነናብ መወዳእታ ድማ ኪምድበና ምዃኑ ብንጹር ገሊጹልና (ሚል 4:1; ማቴ 25:46; ማር 3:29; ሉቃ 3:17; 2ተሰ 1:9; 2ጴጥ 2:9; 3:7; ራእ 14:11; 20:15) ነዚ ኺገብር ምስ መጸ፡ ቅድም ነቶም ምውታት ኼተንስኦምን ኪእክቦምንዩ። ሽዑ እቶም ብሞት ደቂሶም ዝጸንሑን እቶም ብህይወት ዝጸንሑ ሓቢሮም ብደበና ተላዒሎም ኪዓርጉን ንጐይታና ኣብ ኣየር ኪቕበልዎንዮም። ንሱ ድማ ናብቲ ናይ ክብርን ህይወትን ዘለኣለማዊ መወዳእታኦም ብኽብሪ ሒዝዎም ኪድይብ (1ተሰ 513-18 ራእ 2011-15) ስለ ቕድሚ ምጽኣት ጐይታ ዚፍጸም ዝዀነ ዓይነት መወዳእታ የለን። እታ ኣብ ምድሪ ብኣካለ-ስጋ እንጸንሓላ ዕድመ ጥራሕትውዳእምበር፡ ካብ ህላወ ኣይንጠፍእን ኢና። ስጋና ኣብ መቓብር ደቂሱ ይጸንሕ፡ ከከም ዓይነት ህይወትና ድማ ነፍስና ኣብ ገነት ወይ ኣብ ሲኦል ትጸንሕ። እታ ናይ ብሓቂ መወዳእታ ምስ መጸት ግና ስጋና ካብ ድቃሱ ተበራቢሩ ምስ ነፍሱ ተዋሂዱ ይትንስእ፡ ናብ ዝተመደበልናን ዝተፈርደልናን ዘለኣለማዊ መወዳእታና ድማ ንግዝ። እዚ ሓቂ ብንጹር ተገሊጹልናዩ።

ኣብ ናይ ሉቃ 1619-31 ናይ ጐይታና ትምህርቲ ንመልከት። እዚ ምህሮ ምስላ ኣይኰነን። ኣብ ዝዀነ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስምስላምዃኑ ዚገልጽ ኣይንረክብን ኢና። ጐይታና ኣብ ዚህቦ ምስላታት ከኣ ስም ጠቒሱ ተዛሪቡ ኣይፈልጥንዩ። ኣብ ኣብነታዊ ምህሮዚ፡ እቲ ብስም ዘይተጠቕሰ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን ብስጋ ድሕሪ ሙማቶም ብነፍሲ ገና ብህይወት ከም ዝነበሩ ገሊጹልና ኣሎ። እዚ ታሪኽ ናይ ድሕሪ ምጽኣት ታሪኽ ዘይኰነስ ናይ ቅድሚ ምጽኣት ታሪኽዩ። ምኽንያቱ ናይ ሃብታም ሰብኣይ ሓሙሽተ ኣሕዋት ገና ብህይወት ኣብ ምድሪዚኣ ኣብ ቤት ኣቦኦም ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ተነጊሩና ኣሎ (1627,28) ኣቦና ኣብርሃምውን ኣብ መልሱ፡ ሙሴን ነብያትን የገልግልዎም ከም ዘለው ገሊጹሉ ኣሎ (1629) ስለ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ናይ ዓለምዚኣ ናይ ምሾትን ጣዕምን ናብራኡ ደኣ ወዲኡምበር፡ ናብራስ ኣየቋረጸን። ግናኸናብራና ኣይግበሮዜብል ሕሱም ናብራዩ። ኣልኣዛር ግን ናይ ስቓይ ናብራ ኣቋሪጹ፡ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ዕረፍትን ክብርን ሓጐስን ናብራ ይነብር ነበረ። ናይ ዓለም መወዳእታ ምስ ኰነ ግን እቶም ኣብ ሲኦል ዝጸንሑ ነፍሳት መወዳእታ ስጋኦም ለቢሶም ናብ ገሃነም፡ እቶም ኣብ ገነት ዝጸንሑ ኸኣ ነቲ ብምስሊ ክርስቶስ ዝተሓደሰ ስጋኦም ለቢሶም፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ብኽብሪ ኺኣትውዮም። መደምደምታ ናይ ሓሳብናምበኣር፡ እቲ ዘለኣለማዊ እቲ ኣብ ናይ ዓለም ነቲ ንስቓይ ዘሓደሰ ዘይመውት እንኣትዎ ዘይልወጥን መፈጸምታ ዘይብሉን፡ ናይ መንግስተ ሰማያት ወይ ከኣ ናይ ገሃነም ናብራዩ። ናይ ስጋ-ሞት መወዳእታና ኣይኰነን። እቲ ኣብ መንጎ ሞትናን መወዳእታ ዓለም ዘሎ መጻንሒ ናይ መሰጋገሪ እዋንውን መወዳእታና ኣይኰነን።

እሞ ነዚ ምስ መወዳእታ ዓለም ዚኽሰት ናይ ሓቂ መወዳእታና ደኣ ብኸመይ ኢና ኸነጸብቖን ኽንልውጦን ንኽእል፧ ኣንጉዕ ናይ መልእኽትና ኣብ መልሲ ናይ ሕቶ ዚርከብ። መወዳእታና ንምጽባቕ ዘይንጥቀመሉ እንተ ዄንና፡ በቲ ብዛዕባ ናይ ዓለም መወዳእታ ዘሎና ፍልጠት ዋላ ናብ ማዕርግ ሊቅነት እንተ በጻሕና ዋላ ሓንቲ ዋጋ የብሉን። ንሕናን ፍልጠትናን ኣብ ቐላይ ሓዊ ኽንጥጠቕ ምንባርና ዘይተርፍዩ። ስለመወዳእታ ቐረበ ቐረበኺበሃል ከሎ፡ ኣድህቦናን ተገዳስነትናን ኣብ ዚኽሰት ናይ መወዳእታ ምልክታት ዘይኰነስ፡ ኣብ ናትናን ናይ ሰብናን መወዳእታ ኺኸውን ዚግብኦ። ኣእምሮና በቲ ሽዑ ዚኽሰት ፍጻመታት ተዋሒጡን ተዓብሊኹን፡ ነቲ ናትና መወዳእታ እንተ ረሲዕናዮ፡ ተጣዒስካ ዘይተዐርዮ መዘና ኣልቦ ዕሽነት ኪኸውን። ገሌናውን ነዚ ናይ መወዳእታ ምልክታት ንዅሉ ኸየርከብናሉ ብሞት ምግዓዝና ዘይተርፍዩ። ነቲ ናይ መወዳእታ ዘመንን ፍርድን ግን ኣምሊጥና ማለት ኣይኰነን። ይትረፍ ንሕና ኣብ ኣፍ ደገ ምጽኣቱ ዝተፈጠርና ሰባት፡ እቶም ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ነቢሮም ዝሞቱ ጥንታውያን ሰባት ብመንጽር ናይ መወዳእታ ዘመንዮም ዚምዘኑን ዚፍረዱን። ምኽንያቱ ብዛዕባ ናይ ዓለም መወዳእታ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ብሞት ዚውዳእ ምድራዊ ህይወትና ኢናንሕተትንንፍረድን። ናይ ዘለኻዮ ዘመን ኣናብባኻን ኣፍልጦኻን፡ መወዳእታኻ ኣብ ምጽባቕ ግደ እንተለዎ፡ ወሳኒ ግን ነዚ ምድራዊ ህይወትካ ብኸመይ ትነብሮን ትዛዝሞንዩ። ሓደ ክርስትያን፡ብዛዕባ መወዳእታ ዓለም ጽቡቕ ተገዳስነትን ፍልጠት ኣለዎዚበሃል፡ ብዚፈልጦ ጥቕስታትን፡ በቲ ንጥቕስታት ምስ ዚፍጸም ዘሎ ምልክታት ናይ ምግንዛብ ዓቕሙን ዘይኰነስ፡ በቲ ንናቱ መወዳእታ ንምጽባቕ ዚነብሮ ዓይነት ህይወትዩ። ጐይታና ኰነ ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ምልክታት መወዳእታ ዓለም ደጋጊሞም ዝነገሩና፡ ሕጂውን ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ደጋጊማ ብኣገልገልታ ትነግረና ዘላ፡ ብእምነትን ብፍቕርን ተደሪኽና ንኽንእዘዝምበር፡ ንኽንሻቐልን ብራዕዲ ንኽንወሓጥን ኣይኰነን። መልእኽቱከይትዝንግዑ ተጠንቀቑ፡ ህይወትኩም መርምሩ፡ ኣካይዳኹም ኣጸብቑዚብልዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ብዛዕባ መወዳእታኹም ኣዕሚቝኩም ሕሰቡ፡ ኣዚኹም ትግሁማለትዩ። ህዝቢ እስራኤል ብዛዕባ መወዳእትኡ ኸይሓሰበ፡ ብዛዕባ ነናይ መዓልቲ ናብራኡ ደስ ከም ዝበሎ ከም ድላዪ ይነብር ስለ ዝነበረ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ዚጉህየሉ ህዝቢ ነበረ። ስለ ኸኣ ድኻሙ እንታይ ምዃኑ ብኸም ዚስዕብ ይገልጾ ነበረ።

ምኽሪ ዚጠፍኦም ህዝቢዮም፡ ምስትውዓል ከኣ የብሎምን። ነዚ ኼስተውዕልዎ ነቲ ዳሕራዮም (መወዳእታኦም) ከኣ ኪሓስቡስ፡ ለባማት እንተ ዚዀኑ (መን ምሃበ) . . . ነዚ ኣብ ልብኺ ኸየንበርኪ፡ (ብዛዕባ) መወዳእታውን ከይሓሰብኪ (‘ኣነስ ኰታ ንዅሉ ጊዜ ንግስቲ ዀይነ ኽነብር’) በልኪ። . . . ርኽሰታ ኣብ ዘፈር ክዳና ኣሎ (ብግህዶ ይረኣይ ኣሎ) ንመወዳእታኣ ኣይሓሰበቶን (ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ዕድላ ኣይተገደሰትን) . . . “ ዘዳ 3228,29 ኢሳ 477 ደጒ 19 ካብ ንህዝቢ እስራኤል ኣዝዩ ዝሃሰየ ናይ ዕሽነት ኣካይዳዚ፡ ብዙሕ ክንመሃርን ክንልብምን ይግብኣናዩ። ብዛዕባ መወዳእታና ኸይሓሰብናን ንእኡ እነጸብቐሉ ዓይነት ናብራ ኸይነበርናን እንነብሮ ህይወት ካብናብራኽትብሎዝተናወሓ ርእሰ ቕትለትክትብሎ ዚምጥኖ። ጐይታና ኣቐዲሙ ደጋጊሙን ብዛዕባ ምልክታትን ፍጻሜታትን ናይ መወዳእታ ዓለም ዝነገረና ድማ፡ ካብ ዕሽነት ምእንቲ ኺባልሃናዩ። ነቲ ዘለኣለማዊ መወዳእታና ንኸነጸብቐሉ ዝተዋህበና ናይ ጊዜ ዕድል እዚ ሓጺር ምድራዊ ዕድመናዩ። እዚ ዕድመና ኽንደይ ምዃኑ ዚፈልጥ ከኣ ዋላ ሓደ ሰብ የብልናን። እዚ ዕድመ ድማ ኣሎ እናበልካዮ ዚሃፍፍ፡ ምስ ምንባር ዘይቍጸር ብመርገም ዝተሓጽረ ናይ ጻዕርን መከራን ዕድመዩ። ንኣቓልቦኻ ሰሪቑ ብዛዕባ መወዳእታኻ ፈጺምካ ኸም ዘይትዝክርን ከም ዘይትሓስብን ብዚገብር ከንቱ ዝዀነ ሓልዮት-ስጋ ዝተመልአዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ እቲ ኣብ ዓለም ዚኽሰት ናይ ምጽኣት ጐይታን ናይ መወዳእታ ዓለምን ምልክታት-ቅልውላው ካልእ ሓድሽ ሓልዮታት ስለ ዜለዓዕል፡ ብዛዕባ መወዳእታኻ ኸይትሓስብ ዚዕብልኸካዩ። ካብ መቝሕ ናይ ሓልዮት ስጋ እነምልጠሉ ኣዝዩ ዓሚቝ መንፈሳዊ ልቦና እንተ ዘየጥሪና፡ መወዳእታና መዋጽኦ ዘይብሉ ኣሰቃቕን ዜሰካሕክሕን ኰይኑ ዚተርፍ።

ነዚ ምልክታት ናይ መወዳእታ ዘመን ብኸመይ ኢና ናብ ዘለኣለማዊ ረብሓናንልውጦ፧ እቲ መልሲ ንጹርዩ። ነቲ እንዕዘቦን እንሰምዖን ዘለና ምልክታት-መወዳእታ፡ ከም ናይ ዓለም ምልክታት ዘይኰነስ፡ ከም ናይ ገዛእ ህይወትና ናይ መወዳእታ ምልክታት ጌርና ብምርኣይ ጥራሕዩ። ከምኡ እንተ ርኢናዮ፡ ነቲ ንመወዳእታና ዜበላሽው ሓጢኣት ብግብራዊ ንስሓ ኣርሒቕና፡ ብጽድቂ ኽንነብር ኪድርኸናዩ። ኣብ መሪሕ ጥቕስና፡ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ እቲ ጻድቕ ብሓይለ ገደል (ብብዙሕ ጭንቂ) ዚድሕን እንተ ዀይኑ፡ እቲ ንኣምላኽ ዘይእዘዝ ዕሉል ዓመጸናን ሓጥእን ሰብ፡ መወዳእታኡ ፍሉጥን መሰክሕን ምዃኑ ኣፍሊጡና ኣሎ። ስለ ዓመጽን ሓጢኣትን ይትረፍ ማሕደሩን መንበሪኡን ኪገብረና፡ ፈጺሙ ኸም ዘይጠብቀና ንምግባር ክንጋደል ከም ገለ ኢሉ እንተ ጠበቐና ድማ ብግብራዊ ንስሓ ኻብ ለካሚና ሓጢኣት ርእስና ኸነንጽህ ይግብኣና። ኣብ ከም ዝበለ ሕሱም እዋን፡ ሰይጣንን ሰራዊት ኣጋንንቱን ሓጥኣን ኣገልገልቱን፡ ሓጢኣት ኬጥብቑልና ጥራሕ ዘይኰነ ማሕደር ሓጢኣት ኪገብሩና ኣበርቲዖም ኪጋደሉ ምዃኖም ከኣ ርዱእዩ። እዚ ንግብረ-ሰዶም ኣመልኪቱ ዚወጽእ ዘሎ ሕግታት-ዓመጻ ንኣናን ንዘርእናን በዚ ጽዩፍ ኣበሳ ኽንብከል ዜገድደና ሰይጣናዊ ድርኺትዩ። ኣብ ግምባርናን ኣእዳውናን ማሕተም ሰይጣን ክንቅበልን ንምስሊ ሰይጣን ክንሰግድን ዜገድደና ሕግታትውን ኣብ ቀረባ መጻኢ ምእዋጁ ዘይተርፍዩ። እዚ ዅሉ ድማ፡ ብዘይ ሓጢኣት ክንነብር ከም ዘይንኽእል ንምግባር ዝዓለመ ሰይጣናዊ ውዲትዩ። እቲ ብዛዕባ ዘለኣለማዊ መወዳእታኡ ዚሓስብን ዚጽዕትን ሰብ ምዃንናን ዘይምዃንናን ድማ ኣብ ዚፍለጥ። እቲ ብዛዕባ ምድራዊት ናብራኡ ጥራሕ ዚሓስብ ሰብ ነቲ ሕጋውነት ዝለበሰ ሓጢኣቱ እናገበረ ዚነብር። እቲ ብዛዕባ መወዳእትኡ ዚሓስብ ብልሂ ክርስትያን ግን ህይወቱ ደኣ መስዋእቲ ይገብርምበር፡ ብምርጭኡ ዀነ ብኣስገዳድ ንዘይምሕጣእ ዚውስን (ራእ 1313-18 149-13) ንሓጢኣት ክንጽየፎን ክንኣብዮን እንተ ወሲንና፡ ኣብ ሓላፊትን ምድራዊትን ህይወትና መሪር ጸበባ ኸም ዜስዕበልና ርዱእዩ። ካብ ዘለኣለማውን ከቢድን ጸበባ፡ እዚ ጊዝያውን ቀሊልን ጸበባ ኸም ዜሕሾም ዚፈልጡ ግና እቶም ብዛዕባ መወዳእታኦም ኣዕሚቖም ዚሓስቡ ጥራሕዮም።

እምበኣር ነዚ ኣብ ፍቓድናን ምርጫናን ዚምርኰስ ኣብ ኢድና ዘሎ መወዳእታና ብኸመይ ሒዝናዮን ነመሓድሮን ከም ዘለና፡ ንህይወትና ብዕቱን ንመርምር። መወዳእታና፡ ብኣናን ኣብ ኢድናን ከም ዚጽብቕን ከም ዚበላሸውን ካብ ምዝካር ኣይንዘንግዕ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

25 ግንቦት 2025 | ግንቦት 17, 2016 ግዕዝ (መበል 37 ሰንበት: ቊ.፴፯/37)

ምስባክ

መዝ፻፲፯(፻፲፰)፡፳፬,፳፭ “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።”

“እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ’ያ፡ ብእኣ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ።”

ንባባት

ኣንባቢ

2ቈረ 5፡1-10

ዲያቆን

1ጴጥ 4፡4-11

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 10፡39-43

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 21፡1-14

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ መዝሙር፦ አርአየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት

   

  

Hits: 76