S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብግብርን ብሓቅን ንፋቐር (መበል 36 ሰንበት: ቊ.፴፮/36, 2025 | 2017 ግዕዝ

ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት ናይ ዓለምዚኣ ዘለዎ (ኽነሱ) ሓዉ ተሸጊሩ ኸም ዘሎ እናረኣዮ እንተ ዘይደንገጸሉ (‘ እንተ ዘይረድኦ) ከመይ ኢሉንኣምላኽ አፍቅርኺብል ይኽእል፡ ኣቱም ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅንምበር ብቓልን ብልሳንን (ጥራሕ) ኣይንፋቐር።” 1ዮሃ 317,18 .

እንሆ ዕለት ናይ ዘመነ ትንሳኤ ሓምሻይ ሰንበትዩ። ቅዱስ ያሬድ ነዚ ዕለት ዝሰርዖ መዝሙር-ሰንበት ከኣ፡አርአየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት (ስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ሞት ኣርኣየ)” ዘርእስቱዩ። እዚ መዝሙርዚ፡ እቲ ንጉስ ነገስታትን ጐይታ ጐይቶትን ዝዀነ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣኑ ኸም ዘርኣየ፡ ንእኡ ሊቃነ-መላእኽቲ ኸም ዜመስግንዎን ኣብ ቅድሚኡ ብፍርሃት ከም ዚሰግዱን ይገልጽ። ቀጺሉ ድማ፡ ጐይታና ንኣይሁድከም ከታሪ ኽትሕዙኒዶ ኣስያፍ ሒዝኩም መጻእኩም፧ኢሉ ኸም ዝተዛረቦም ድሕሪ ምግላጽ ብዛዕባ ትዕግስቱኣየ ትዕግስቲኢሉ የድንቕ። ብናትና ፍቕሪ ኽሳዕ ሞት ከም ዝበጽሓ፡ ስለ ንሕና ብሓጐስ፡ ናይ ቅድስቲ ፋሲካ በዓልና ኸነብዕል ይዕድም። ክርስቶስ ገባር ህይወት (ፈጣር ህይወት) ከም ዝዀነ፡ ገሊጹ፡ንዑ ናብ ንጉስ ሰላም ዝዀነ ክርስቶስ፡ ናብ ዝሰቐልዎ ኢየሱስ ንኺድእናበለ ይጽውዕ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ብነብዪ ዘካርያስ ብሰላሳ ቕርሲ ብሩር ከም ዚሽየጥ ዝተነግረሉ ጐይታ፡ ትንሳኤ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ከም ዝገበረ ብምግላጽ ይውድእ (ዘካ 1112,13)

እቲ ብመሰረት መዝሙር ዝተሰርዐ ናይ ዮሃ 2115-25 ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታና ነቶም ናብ ናይ ምግፋፍ ዓሳ ሞያኦም ዝተመልሱ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተገሊጹ ተኣምር ከም ዝገበረሎምን ናብ ኣባጊዕ መጓሰኡ ናይ ምምጋብን ምሕላውን ሃዋርያዊ ኣገልግሎቶም ከም ዝመለሶም ዚትርኸልናዩ። ንቕዱስ ጴጥሮስ፡ ርእሰ ሃዋርያት፡ ፈልዩ ብስሙ ብምጽዋዕ፡ ካብቶም ምስኡ ዘለዉ ብጾቱ ኣብሊጹ ዜፍቅሮ እንተ ዀይኑ ሓተቶ። ነዚ ሕቶ ሰለስተ ጊዜ ደጋጊሙ ምስ ሓተቶ፡ እቲ ናይ ክሕደት ተመክሮ ስለ ዝተዘከሮ ጐሃየ። ምኽንያቱ ንክርስቶስ ህይወቱ በጃ ኽሳዕ ምሃብ ከም ዜፍቅሮ ተዛሪቡ ኼብቅዕ፡ ብኣንጻሩነዚ ሰብኣይ ኣይፈልጦንኽሳዕ ምባል ስለ ዝኸሓደ፡ ብዛዕባ ዚቐርበሉ ዘሎ ሕቶ ኺስከፍን ኪጒህይን ባህርያዊ ግብረ መልሲዩ። ከም ናይ ዝቐደመ ጌጋኡ ግን ኣብ ውሳኔኡ ዘይኰነስ፡ ኣብ ናይ ጐይታ ፈላጥ-ኵሉ ባህርይ ኪውከል መረጸ።እወ፡ ካብኣቶም ኣብሊጻ አፍቅረካምባል ገዲፉ፡እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣለኻኢሉ መለሰ። ኣብ ከቢድ ናብ ፈተና እዋን፡ ነቲ ኣጽኒዑ ብቓልን ልሳንን ዝገለጾ ፍቕሩ፡ ኣብ ጊዜ ፈተና ብግብርን ብሓቅን ኣብ ምግላጽ ግን ኣይተዓወተን። እዛ ድኻምዚኣ ድማ፡ ጐይታና ድሕሪ ትንሳኤኡ ብኣካል ተገሊጹ ዜፍቅሮ እንተ ዀይኑ ምስ ሓተቶ፡ መልሲ ንምሃብ ምሉእ ትብዓት ከየርእይ ዓንቀፎ። እዚ ታሪኽ ንኣና ኣዝዩ ዓብይ ትምህርቲ ዜቕስመናዩ። ምኽንያቱ ኣብ ምድራዊት ዕድመና፡ ንኣምላኽ ኰነ ንሰብ ዘሎና ፍቕሪ ብግብርና ብሓቅን ኣብ ምግላጽ ንዕወት እንተ ዘየሊና፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብዛዕባ ፍቕርና ጸብጻብ ክንህብ ክንሕተት ከለና፡ ትብዓት ክንስእን ኢና። ነዚ ድኻምና ኣብ ውዱእ ናይ ፍርዲ ሰዓት፡ ከም ቕዱስ ጴጥሮስ ዝረኸቦ፡ ናይ ንስሓ ዕድል ኣይክንረኽበሉን ስለ ዝዀንና፡ እታ ዝርካባ ፍቕርና ካብ ብቓልን ልሳንን ሕልፍ ኢላ፡ ብግብርና ብሓቅን ትግለጽ ምህላዋ፡ ሚእቲ ሚእትዊት (100%) ርግጸኛታት ክንከውን ናይ ግድንዩ። እግዚኣብሄር ናይቶም ክቡራት ቅዱሳኑ ድኻም ብኸም ተሰኒዱን ተሓቲሙን ኣብ ኣእዳውና ኸም ዚበጽሕ ዝገበረ፡ ንኣታቶም ኬሳጥሖምን ኬካፍኦምን ደልዩ ዘይኰነስ፡ ንሕና ኻብ ተመክሮኦም ተማሂርና ምእንቲ ኽንልብመሉ (ሮሜ 154 1ቈረ 1011)

እግዚኣብሄርን ቅቡኣት ኣገልገልቱን ንምንታይዮም ብዛዕባ ፍቕሪ ብኣጽንዖትን ብተደጋጋምን ዚዛረቡ፡ ዋላ ምስ ኵሉ እንተ ዘይኰነ፡ ምስ ገሊኦም ሰባት ፍቕሪ ዘይብልካ ምዃን ንቡር ተርእዮዶ ኣይኰነን፧ ንቡርን ባህርያውን ትዕድልትናስ፡ ፍቕሪምበር፡ ጽልእን ባእስን ኣይኰነን። ቅዱስ ወንጌል ከም ዜረጋግጸልና፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ፈጣሪና ኣምላኽ፡ ፍቕሪዩ።ፈቃርዘይኰነስ፡ፍቕሪይብሃል ከም ዘሎ ነስተውዕል (1ዮሃ 48,16) ንኣና ንደቂ ሰባት ኪፈጥረና ኸሎ ድማ ብመልክዑን ብምስሉን ፈጢሩና (ዘፍ 126,27) እዚ ማለት ከኣ፡ ንዅሉ ንሰብ ዚምጥኖ ተወራሲ መለኮታዊ ባህርዩ፡ ኣካል ባህርይናን መንነትናን ገይሩ ፈጢሩና ማለትዩ። ካብ ብሕያውነቱ ዝዓደለና፡ ተወራሲ ባህርያቱ እታ ቐዳመይትን ዝዓበየትን ባህርይ ከኣ ፍቕሪያ። ጽልእን ባእስን ምስ ሰይጣን ተመሓዚና ዘጥረናዮ ድቓላ ባህርይምበር፡ ናይ ፈጣሪናን ኣቦናን ዝዀነ ኣምላኽ ባህርይ ኣይኰነን። ብሓጢኣት ኣዚና ኻብ ምብልሻውናን ካብ ምምራዝናን ዝተላዕለ ግን፡ ፍቕሪ ዕድመ ዘይብሉ ሳሕቲ ዚዝውተር ዘይንቡር ባህርይ፡ ጽልኢ ግን ብዓል ነዊሕ ዕድመ ምስ ሓዘ ዘይለቅቕ ንቡር ባህርይ ከም ዝዀነ ብዘይ ወግዓዊ መገዲ ዘጽደቕናዮ ባህርይና ዀይኑ ኣሎ። እዚ ኣባህላ ምግናን ዝተሓወሶ ዀይኑ ይሰምዓና ይኸውን። ከምኡ ኸም ዘይኰነ ግን ልብናን ዕለታዊ ተመክሮናን ዜረጋግጾ ሓቂዩ። ንፍቕሪ ዚዕንቅፍ ገለ በደላት ኪኽሰት ከሎ፡እሞ ነዚ ፍቕርና ደኣ ኸመይ ገይረ ኸፍርሶ፧ብምባል ንፍቕሪ ኺሕልዎን ኬጽንዓን ዚጋደል ዳርጋ የለን ኪበሃል ይከኣልዩ። ንጽልኢ ኣርሒቕካ ዕርቅን ፍቕርን ናይ ምስፋን ፈተነን ጻዕርን ኪግበር ከሎ ግና ሰባት ጽልኦምን ቂምታኦምን ንዘይምሕዳግ ዚገብርዎ ገድልን ዜርእይዎ ጽንዓትን ክትርእይ ከለኻ ግን፡ጽልኢ ንቡርዩ፡ ፍቕሪ ግና ነውሪናብ ዚብል ሰይጣናዊ መደምደምታ ኣይተበጽሐን ኬብለና ይኽእልዶ፧ፍቕሪ ኣሎኺበሃል እንተ ዀይኑ ኣዝዩ ውሑድዩ። እቲ ዝርካቡ ድማ ባህርያዊ ፍቕሪምበር፡ ከም እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ መንፈሳዊ ወይ እምነታዊ ፍቕሪ ኣይኰነን፡ ናይ ሓንቲ መዓልቲ በደል ኪዕገስ ዘይክእል፡ ብቐሊሉ ዚፈርስ ሰንኮፍ ህንጻዩ። ፍቕርና ኻብ ንፍቕሪ ኣምላኽ፡ ንፍቕሪ እንስሳታት ዚመስሎ ይበዝሕ። ስለ እግዚኣብሄር ኰነ ቅዱሳን ኣገልገልቱ ኣዘውቲሮም ብኣጽንዖት ብዛዕባ ፍቕሪ ዝተዛረበሉን ዝጸሓፉሉን ምኽንያት መግለጽን መብርህን ክሳዕ ዘየድልዮ ብሩህዩ። ዓለም ኰነ ሰብ፡ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናኸፍኡን እናተበላሸዉንዮም ዚኸዱ ዘለዉ። ምጽኣት ጐይታ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን ድማ እቲ ምኽፋእ እናገደደ ዚኸይድ። ሓደ ኻብ ጕሉሕ ምልክታት ናይ ምጽኣት ጐይታ ድማ ምዝሓልን ምዝሕታልን ናይ ፍቕሪ ምዃኑ ጐይታና ባዕሉ፡ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕልብምባል ነጊሩና ኣሎ (ማቴ 2412) ቅዱስ ጴጥሮስውን፡ ምጽኣት ጐይታና መወዳእታ ዓለምን ኪቐርብ ከሎ፡ ሃልሃልትብል ፍቕሪ ኸምተድልየና ጽሒፉልና ኣሎ (1ጴጥ 47,8)

ፍቕሪ ኽሳዕ ክንዲ ኣገዳሲትትኸውንሲ፡ እንታይ ረብሓ ስለ ዘለዎዩ፧ ኵሉ ዓይነት ፍቕሪ ድዩ ኣገዳሲ፧ እግዚኣብሄርከ በየነይቲ ዓይነት ፍቕሪ ዚዓግብን ዚኸብርን፧ ፍቕሪ ርእሳ ዝኸኣለት ዓባይ ባህርይን ስነ-ምግባርንያ። ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ ምዃናውን ጐይታና ባዕሉ ነጊሩና ኣሎ (ማቴ 2235-39) ናይ ፍቕሪ ፍሉይነት ግን ንርእሳ ትእዛዝ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንኻልኦት ኵሎም ትእዛዛት ክትገብሮም እተኽእል ምዃናዩ። ልዕሊ ኻልእ ኵሉ ባህርያትን ትእዛዛትን እተሰርዓትሉ ምኽንያት ድማ ንሱዩ። ጐይታና፦ ኣብዘን ክልተ ትእዛዛትዚኣተን (ንኣምላኽካ ምፍቃርን ንብጻይካ ምፍቃርን) ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ ኣሎ።ብምባል ገሊጹልና ኣሎ (ማቴ 2240) ቅዱስ ጳውሎስውን፦ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይኑ፡ ምስ ሓደ (ናይ ፍቕሪ) ዕዳ ኣይሃሉኹም። ምኽንያቱ እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር (ንዅሉ) ሕጊ ፈጺምዎዩ። እቲኣይትዘምው፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ዘይገንዘብካ ኣይትመነይዚብል፡ ካልእ ትእዛዝውን ኵሉ፡ ኣብንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅርዚብል ትእዛዝ ክቱትዩ። ፍቕሪ ንብጻያ ኽፉእ ኣይትገብሮንያ። እምበኣርሲ ፍቕሪ መፈጸምታ (ናይ ኵሉ) ሕጊያ።” ብምባል ናይ ፍቕሪ ተራ እንታይ ምዃኑ ብዝነጸረ መገዲ ኣብሪሁልና ኣሎ (ሮሜ 138-10 .) ነዚ ኣብ ጥቕስና ተጠቒሱ ዘሎ ገለ ገለ ትእዛዛት እንተ ረኣናዮ፡ ምስ ፍቕሪ ብኸመይ ከም ዚዛመድውን ብቐሊሉ ኣይርድኣካንዩ። ንኣብነት ንስርቕን ፍቕርን ኣዛሚድና እንተ ረኣናዮ፡ ነቲኣይትስረቕዚብል ትእዛዝ ንምኽባር፡ ፍቕሪ ብኸመይትሕግዘኒ፧ ዚብል ሕቶ ዜልዕለልናዩ። እግዚኣብሄር ነቶምንፈልጦምን ነቶም ዚቐርቡናን ጥራሕ ዘይኰነ፡ፍቕሪ ንዅሉ ሰብኪህልወና ኣዚዙና (2ጴጥ 17) ነዛ ትእዛዝዚኣ ዜኽብር ሰብ፡ ዋላ ነቲ ኺሰርቆ ዚሓስብ ዘሎ ዘይፈልጦ ጓና ሰብውን ስለ ዜፍቅሮ፡ ገንዘቡን ንብረቱን ወሲዱ ኺጐድኦ፡ እታ ኣብ ውሽጡ ዘላ መንፈሳዊት ፍቕሪ ኣይትፈቕደሉንያ። መንፈሳዊት ፍቕሪ ኸተጥርየሉ ዜኽእል መንፈሳውነት እንተልዩካ፡ ብመሰረቱስርቂይትረፍ ክትገብሮ፡ ብደረጃ ሓሳብ ጥራይ ናብ ኣእምሮኻ ኣይቅልቀልንዩ። ዋላ እንተ ተሸገርካን እንተ ጠመኻንውን፡ እንተ ሓሰመሃበኒኢልካ ደኣ ትልምንምበር፡ ኣይትሰርቕን ኢኻ። ሰብ ኪፍጽሞ ንዚኽእል ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት፡ ብኸም ንስርቂ ዝረአናዮ ጌርና እንተ ንምርምሮ፡ ፍቕሪ ዘለዎ ሰብ ከም ዘይፍጽሞ ኸነረጋግጽ ንኽእል ኢና። ፍቕሪ እንተ ዘይብልና ግን፡ ኵሉ ዓይነት ሓጢኣት ኣብ ህይወትና ስለ ዚስዕርር፡ ጻህያይ ከም ዝወሓጦ ዘራእቲ ዄንና ኢና ንተርፍ።

ኵሉ ኽንገብሮ ዝተኣዘዝና ግብሪ ጽድቂውን፡ ከይከበደና ተሓጒስና ብቐሊሉ ኽንገብሮተኽእለና ፍቕሪያ። ብፍቕሪ ዘይተደረኸን ዘይተገብረን ዝዀነ ይኹን ግብሪ ጽድቂ፡ ብመሰረቱውን ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን። ዝዀነ ይኹን ጽቡቕ ግብሪ ብገዛእ ርእሱ ወይ ብባህርዩ ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ኪኸውንውን ኣይክእልንዩ። ትዕግስቲ፡ ትሕትና፡ ልግሲ ወዘተ ሰናይ ግብሪዩ። ብፍቕሪ እንተ ዘይተገብረ ግን ትርጕም የብሉን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ሕማቕ ትርጕም ዚህልዎ። ብፍቕሪ ዘይተሰነየ ትዕግስቲ፡ ናይ ኣምሰሉ ዝተተምየነ ኣበሰኛ ትዕግስቲዩ። ኣምላኽ ዚዓግበላን ዜኽብራን ትዕግስቲ እታ ፍቕራዊት ትዕግስቲያ። እታ ንፍቕሪ ረጊጻ ኣብ ልዕሊኣ እትቐውም ትዕግስቲ ግን፡ ካብ ኣምላኽ ስለ ዘይኰነት ሰይጣናዊትያ። ውሽጥኻ ብቝጥዓ ተቓጺሉ፡ ብጽልኢ ኽሒኑ ኸሎ፡ ኣፍካ ዓጺኻ ስቕ ስለ ዝበልካ፡ ኣእዳውካ ዘርጊሕካ ስለ ዘይተዋቓዕካ ጥራሕ፡ተዓጊሰምባልሞ፡ ኣምላኽ ከም ዕጉስ ሰብ ኪፈልጠካ ምጽባይ ከንቱ ጥበራዩ። ይትረፍ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ፡ ሰይጣንውን ንርእሱ መልኣኽ ብርሃን ኣምሲሉ ይኽእሎዩ። ተዅላውን ቈርበት በጊዕ ተኸዲኑ፡ ሕያዋይ በጊዕ ኪመስል ይኽእልዩ። ዚድለይ ዘሎ ድማ ነቲ ተዅላነት ጠቕሊልካ ደርቢኻ፡ ምሉእ ብምሉእ በጊዕ ምዃንምበር፡ ዝገበርካ ጌርካ ናትካን ዘይናትካን ባህርይ ሓዋዊስካ፡ በጊዕ ምምሳል ኣይኰነን። ምኽንያቱ ውዒልካ ሓዲርካናይ ኣቦ ንመን ንሃቦ። ድሙ ነይገድፍ ግብሪ እሙ (ግብሪ ኣዲኡ)” ዀይኑካ፡ ናብታ መበቈላዊት ባህሪኻ ምምላስካ ዘይተርፍዩ። ፍቕሪ ዘይብሉ ትዕግስቲ ድማ ትዕግስቲ ተዅላዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ፍቕሪ ዘይብሉ ትዕግስቲ፡ ልኡምን ስዉርን መጥቃዕቲዩ። ምኽንያቱ ጽልኢ ንበይኑ፡ ነፍሲ ዚቐትል ሰይጣናዊ ኣጽዋር ምዃኑ፡ ቅዱስ ወንጌል ኣረጋጊጹልና (1ዮሃ 315) ኵሉ ሰናይ ባህርይን ውህበታት ጸጋን ብዘይ ፍቕሪ ምስ ዚኸውን፡ ከንቱን ዘይጠቅምን ካብ ምዃን ሓሊፉ ጐዳኢ ኸም ዚኸውን ቃል እግዚኣብሄር ኣረጋጊጹልናዩ።

ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ . . . ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኵሉ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን (ከግዕዝ ክሳዕ ዝኽእል ምሉእ) እምነት እንተ ዝህልወኒ፡ . . . ኵሉ ገንዘበይ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይውን (መስዋእቲ ንምዃን) ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ (እዚ ዅሉ ዓበይቲ ግብርታትን ውህበታትን) ሓንቲ ኣይጠቕመንንዩ። ከንቱ ምዀንኩ ነይረ።” 1ቈረ 131-3

ህይወትካ ንመስዋእትነት ኣሕሊፍካ ሂብካ፡ ኵሉ ንብረትካ ንድኻታት ዓዲልካ ኸተብቅዕ ዘይጠቕመካ እንተ ዀይኑ ካብ ዚኸፍእ እንታይ ካልእ ጕድለት ኣሎ፧ ቅዱስ ጳውሎስ በዚ ኣገላልጽኡ ንውህበታት መንፈስ ቅዱስ ኣይኰነን ዜቃልልን ዜነኣእስን ዘሎ። ወይውን ንሰማእትነትን ልግስን ኣየነኣኣሰን። ካብ ዅሉ ግን፡ ፍቕሪ ኸምትዓብይ፡ ህላው ፍቕሪ ጥራሕ ነዚ ጸጋታት ኽቡርን ቅቡልን ከም ዚገብሮ ዘረጋገጸልና። እዚ ሓቂ ድማ ኣብ መራሒ ናይ ኤፌሶን ቤተ ክርስትያን ብግብሪ ተራእዩዩ። ንሱ ብዅሉ ግብሩን ጻዕሩን ትዕግስቱን ኣብ ልዕሊ ስሑት እምነት ብዝነበሮ ጽኑዕ መርገጽን ብጐይታ ዝተናእደ ምጉስን ኣገልጋሊ እንተ ነበረ፡ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕሩ ስለ ዝሓደጋ ግና፡ ከም ውዱቕ ሰብ ገይሩ ገለጾ። ብንስሓ ናብ ፍቕሪ እንተ ዘይተመሊሱ ድማ ካብ ማዕርጉ ነቒሉ ኸም ዚድርብዮ አጠንቀቖ (ራእ 21-6) ምኽንያቱ ፍቕሪ መዳርግትን መተካእታን ዘይብላ ቐዳመይትን ዓባይን ትእዛዝያ። ስለ ብዛዕባ መንፈሳዊ ፍረና፦ ኣየናይ ፈጺመ፡ እንታይከ ተሪፉኒጥራሕ ዘይኰነስ፡ብኸመይየኸ ፈጺመዮ፡ ብፍቕሪዶ ብዘይ ፍቕሪ፧ኪኸውን ይግባእ ማለትዩ።

ሰብ ዚፍጽሞ ዓይነት ሓጢኣት ኣብ ክልተ ዚኽፈል፡ እቲ ቐዳማይ ግድፈታዊ (Sin of Omission) ኣበሳ ኪኸውን ከሎ፡ ክትገብሮ ዝተኣዘዘካዮስ ከይገበርካ ብምግዳፍ ዚፍጸም ሓጢኣትዩ። እቲ ኻልኣይ ከኣ ግህሰታዊ (Sin of Commissions) ኣበሳ ዀይኑ፡ ከይትገብሮ ዝተኸልከልካዮ ተግባር ብድፍረት ትእዛዝ ግሂስካን ጥሒስካን ብምግባር ዚፍጸም ሓጢኣትዩ። ፍቕሪ፡ ካብ ኽልቲኡ ዓይነት ሓጢኣት እተናግፍ ፍትንቲ መድሃኒትያ። ነቲግበርዎዝተበሃልናዮ ኽንገብር ትድርኸና፡ ነቲኣይትግበርዎዝተበሃልናዮ ንዘይምግባር ርእስና ኽንገትእ ከኣ ተኽእለና። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎሎ።

ፍቕሪ ዓቃልያ፡ ፍቕሪ ለዋህያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእንያ፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርንያ፡ ኣይትዕበይንያ። ፍቕሪ ስዲ ኣይኰነትን (ኣይተስተሓፍርንያ።ንዓይ ይጥዓመኒብዚብል ኣይትምራሕን (ናታ ኣይትደልን) ፍቕሪ ኣይትቝጣዕን፡ ኣይትቕየምንያ። ብሓቂ ትሕጐስምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላንዩ። ፍቕሪ ንዅሉ ትጸውር፡ ንዅሉ ትኣምን፡ ብዅሉ ድማ ተስፋ ትገብር ንዅሉ ትዕገስ 1ቈረ 134-7 .

ፍቕሪ ኣሎኒ፡ አፍቅርየዚብል እምነት ሃልዩና፡ ነቲኣይትግበሮዝተባህለልና ኣብ ዘይምግባርን፡ ነቲግበሮዝተባህለልና ኣብ ምግባርን እንተ ዘይአዐዊታትና፡ ፍቕርና እታ ጥዕና ዘለዋ መንፈሳዊት (እምነታዊት) ፍቕሪ ዘይምዃና ርዱእዩ። ዓይነት ፍቕርና ኣብ ዓይነት ህይወትናን ተግባርናን ልዑል ጽልዋን ወሳኒ ግደን ኣለዎ። ፍቕሪ፡ ስምዒታውን ግብራውን መግለጺ ኸም ዘለዋ ርዱእዩ። እተፍቅሮ ሰብ ክትረክብ ከለኻን ምስኡ ኽትከውን ከለኻን፡ ዚስምዓካ ውዕዉዕ ስምዒት ኣሎ። ሕጉስ ትኸውን፡ ነጻነት ይስምዓካ፡ ንዘረባን ጸወታን ክፉት ትኸውን፡ ውሽጥኻ ይቐስን። እዚ ስምዒታዊ መግለጺ ናይ ፍቕሪ ግን፡ ቀዋምነት ስለ ዘይብሉ ኣብኡ ኽትምርኰስን ንመጠን ፍቕርኻ ብእኡ ኽትልክዕን ኣይግባእንዩ። ልክዕ ከም ምቁር ምግቢ ኺውዕይ ከሎ ዚወጽእ ሃፋን ሽታንዩ። ኣዝዩ ደስ ዜብል ስምዒትን ሸውሃትን ደኣ የለዓዕለልካምበር፡ ከተሽትቶ ውዒልካ እንተ ሓደርካኳ፡ ካብ መኣዛዊ ትሕዝቶኡ ሓንቲ ግራም ወይ ሓንቲ ነጥቢ ኣይትቐምስን ኢኻ። እቲ ቝም ነገር ዚርከብ፡ ብስነ ስርዓት ኰፍ ኢልካ ነቲ ምግቢ እናዀምሳዕካ ብምምጋብ ጥራሕዩ። ውዕዉዕ ስምዒት ናይ ፍቕሪ ድማ ኣዝዩ ጥዑም እንተ ዀነ፡ ቍም ነገሩን ረብሓኡን ግን ብግብሪ ኺግለጽ ከሎ ጥራሕዩ። እቲ ንርእሱ ፍቕሪ ዝዀነን፡ ካብ ተወራሲ ናይ ፍቕሪ ባህርዩ ዝመቐለናን፡ተፋቐሩኢሉ ዝኣዘዘናን ኣምላኽ ድማ ነቲ ስምዒታዊ ዘይኰነ ነቲ ግብራዊ መግለጺ ናይ ፍቕሪ ዚመዝንን ዓስቢ ዚህብን።

እቲ ሓቀኛን ግብራውን መልክዕ ናይ ፍቕሪ መዓስን ብኸመይን ዚግለጽ፧ እቲ ናይ ብሓቂ ፍቕሪ እትግለጸሉን እትድለየሉን ኵነታትከ ከመይ ዝበለዩ፧ ኵነታት ኣዝዩ ጥዑም ኪኸውን ከሎ፡ ሰላም ኣብ ዘለዎ፡ በረኸት ኣብ ዝመልኦ፡ ኣብ ልሙድ ጐደናታት ህይወት፡ ዜጻልእን ዜባእስን ምኽንያትውን ስለ ዘየለ፡ ብፍቕሪ ኽትነብር ኣየጸግምንዩ። ሽዑ ኣኺሉ ዚተርፍ ፍቕሪ ዘሎ ዚመስል። ኣብ ኣዝዩ ልሙድ ጥውይዋይ ዘይብሉ፡ ዓቐበ ቝልቍል ዘይብሉ ጽርግያ፡ ኵላተን መካይን ሓያላትን ጥዑማትንየን። ካብ ኣስፋልት ጽርግያ የማነ ጸጋም እንተላጊስካ፡ ወይ ከኣ ተሪር ዓቐበት፡ ንልጓም ዚፈታተን ጸዳፍ ቍልቍለት ወዘተ እንተጋጢሙ ግን፡ ኣየነይተን ናይ ብሓቂ መኪና ሽዑ ዚፍለጥ። እተን ጥዑያት ጸይረን ናብትደልዮ ዓዲ የእትዋኻ። ገሊአን ከኣተሰከመኒኢለን ጾር ይዀናኻ። ይኽደንምበር ገሊአን ከኣ ናብ ዓዲ ሞት ናብ መቓብር የብጽሓኻ። ፍቕሪውን ከምኡያ። ፍቕሪ፡ ናይ ብሓቂ ፍቕሪ ምዃና ዚፍለጥ፡ ንፍቕሪ ዚፈታተን ክብድ ዝበለ ዅነታት ኪፍጠር ከሎዩ። እቲ ቐዳማይ ዓይነት ፍቕሪ እቲ ንዝምድናታት ዚምልከት ፍቕሪ ኪኸውን ከሎ፡ ነቲ ዝምድና ዜሐርፍፎ ተኣፋፊ ዅነታት ምስ ዚኽሰት ሽዑ ጥዕና ፍቕርና ዚፍተሸሉ ጊዜ ኣኺሉ ኸም ዘሎ፡ እቲ ዅነታት ባዕሉ ይሕብረና ኣሎ። እቲ እነፍቅሮ ሰብ፡ ኪገብሮ ዘይግባእ እንተ ገበረ፡ ወይ ከኣ ኪገብሮ ዚግባእ ከይገበረ እንተ ተረፈ ወይውን ዘየድልይ ቃላት እንተ ተዛረበ፡ ፍቕርና እትድለየሉን፡ ዓይነታን መጠናን ዚምዘነሉን ሰዓት ከም ዝኣኸለን ከም ዝመጸን ኪስቈረና ይግባእ። እቲ ኣብ ልሙድ ጐደናእከለ ሓወይ/እከሊት ሓብተይ ኣታ ጥዑም፡ ኣቲ ብርኽቲ፡ ገጽንፈትዎ ረኣና፡ እንኳዕ መጻእካ፡ እንታይ ደኣ ጠፊእኪኺብል ዝጸንሐ መዓር ዝተለኽየ ዚጥዕም ልሳን ሕጂ እታ ጐደና ምስ ሓርፈፈት እንታይ ኽትብል፧ እሳተ ገሞራዶ ትተፍእ ትኸውን ወይስ ነቲ ናይ ቀደም ምኡዝ ቃላት ብብዝሕን ብፍቕርን ትዛረብ ትኸውን፧ ገሌና ኣብ ከም ዝበለ ሓርፋፍ ኵነታት እንዛረቦን እንገብሮን ኵሉ፡እምበርዶ ብቐደሙ ፍቕሪ ነይርዎዩ፧ኢልካ ኽትሓትት ዜገድድዩ። ንፍቕሪ ኽንዲ ሽምዓ ኼብርሃ ዓቕሚ ስኢኑ ዝጸንሓ ሰብ፡ ንቝጥዓኡ ኸም ሃልሃልታ ጫካ ኣቓጺሉ ንርእሱን ንዅሉ ዝምድናታቱን ኬዕንው እንተ ረኣኻዮ፡ ካብ ምስ ሰብ ምስ ኣራዊት ኽትሰርዖዶ ኣይቀልልን፧ ኣብ ሰይጣን ዚገዝኣ ዓለም እናነበርካ፡ ፈተናን ዕንቅፋትን ከየጋጠመካ ኽትነብር ፈጺምካ ዘይሕሰብዩ። ስለ ዅሉ ዅነታት ሰላማውን ጥዑምን ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡እዚ ዘፍቅሮ ሓወይ ከም እንተ ዚገብረኒ፡ እዛ ዝፈትዋ ሓብተይ፡ ከም እንተ ትዀነኒ፡ ብኸመይ ፍቕረይ ኣዛዩደ፡ ብትዕግስትን ብምሕረትን ክዋሳእን፡ ካብ በደሎም ከናግፎምን ዝኽእል፧ኢልና ንሕልናናን ኽንምርምርን፡ ጥዕና መንፈሳውነትና ኽንፍትሽን ንዅሉ ሰይጣን ዜዋድዶ ፈታኒ እንተታት ከኣ ድሉዋት ኴንና ኽንጸንሕ ዚግባእ። ምኽንያቱ በደልን ህውከትን ብቘጸራ ኣይመጽእንዩ።ናይ በደልን ዕግርግርን ኵነታት፡ ፍቕረይምበር ቍጥዓይ ዝገልጸሉ ኵነታት ኣይኰነንብዚብል ጥዑይ ኣተሓሳስባ ተዓሊሙን ተቓንዩን ዝጸንሐ ኣእምሮ ጥራሕዩ፡ ኣብ ኵሉ ዓይነት ኵነታት ኪዕወት ዚኽእል። ማሕበራዊ ተመክሮታትና ኸም ዜረጋግጾ፡ ኣብ ኣባይትና ባርዕ ሓዊ ምስ ዜጋጥም ማይምበር፡ ላምባ ኣይንንስንስን ኢና። ብኣንጻሩ ኣብ ዝምድናታትና ባርዕ ኬጋጥሞ ከሎ ግን፡ ላምባምበር፡ ማይ ኣይንንስንስን ኢና። እዚ ኸኣካብ ዝምድናታተይ ንላዕሊ፡ ንብረት ገዛይ ይበልጸኒዚብል ንፍቕርን ንሰላምን ዘይበቅዕ ኣዕናዊ ኣተሓሳስባ ኸም ዘሎና ዜቃልዓና። ናይ ብሓቂ ኣብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ጥዕናን ቍመናን እንተ ንህልው ግን፡ እቶም ንባእሲ እንጥቀመሎም ፈተንቲ ዅነታት፡ ከም ወጽዓን ጕድኣትን ዘይኰነስ፡ ፍቕርና ንምግላጽን ንምድልዳልን ከም ዚጠቕሙ ኣገደስቲ ሓለፋታትን ወርቃውያን ዕድላትን ጌርና ምረኣናዮምን ምተጠቐምናሎምን ኔርና።

እቲ ኻልኣይ ንፍቕርና ብግብሪ እንገልጸሉ ዕድላት ከኣ ነቶም እነፍቅሮም ሰባት ዜጋጥሞም ጸገማትዩ። ናይ ቍጠባ፡ ናይ ጥዕና፡ ናይ ፍትሒ ወዘተ ጸገማት፡ ካብ ህይወት ወዲ ሰብ ኣይፍለዩንዮም። ነቲ ኸምኡ ዘጋጠሞ ሰብ ክብድ ዝበለ ፈተና ዚዀኖ እንተ ዀነ ነቶም ናይ ብሓቂ ፍቕሪ ዘሎና ሰባት ግን፡ ፍቕርና ብግብሪ እንገልጸሉ ሰፊሕ ዕድላት ዚፈጥረልና። ናይ ዕለት መሪሕ ጥቕስና ማእከላይ ሓሳብውን ነዚ ሓቂ ዚገልጸልና። ኣቐዲምና፡ እቲንዛረበሉ ዘለና ፍቕሪ ነቶም ዚብጽሑናን ዚቐርቡናን ሰባት ዚምልከት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ንዅሉ ሰብ ዚምልከት ከም ዝዀነ ምጥቃስና ኣይንዘንግዕ። ስለ ኸም ኸማና ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ፡ ንበይኑ ዀይኑ ኺጾሮን ኪወጾን ዘይክእል ማሕበረ ቝጠባዊ ጸገም ከም ዘጋጠሞ ኽንሰምዕን ክንርእይን ከለና፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ተደጕሉ ዘሎ መንፈሳዊ ፍቕሪ ዚገሃደሉን ዚትግበረሉን ጊዜ ኸም ዝበጽሐ ተረዲእና፡ መኻፍልቲ ጸበባኡ መጻውርቲ ጾሩ ምዃንና ብግብሪ ኽንገልጽ ይግብኣና። ሃዋርያ ቅዱስ ያእቆብውን፡ እምነትና ኣምላኽ ዚቕበላን ዜኽብራን ህያው እምነት ምዃና ዚረጋግጽ፡ ብጥዑም ቃላት ክትውሕዝ ከላ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብግብሪ ኽትግለጽ ከላ ምዃና ጽሒፉልና ኣሎ (ያእ 214-17) ጐይታናውን ነዚ ግብራዊ ፍቕሪዚ፡ ኣብምስላ ሕያዋይ ሳምራዊዘርእስቱ በዳሂ ትምህርቱ ብስእላዊ መገዲ ኣርእዩና ኣሎ። እቶም ነቲ ዝተኸትረ ሰብ ከይረድእዎ ፍቕሮም ከይገለጹሉ ረጊጾምዎ ዝሓለፉ ኽልተ ቐዳሞት ሰባት፡ ናይ ሃይማኖት መራሕትን ኣገልገልትን ዝዀኑ መንፈሳውያን ሰባትዮም። ብተግባሮም ድማ ፍቕሪ ርእሶምምበር ፍቕሪ ሰብ ዘይብሎም ኣራዊት ምዃኖም ኣመስከሩ። እዚ ንጣኦት ዜምልኽ ሳምራዊ ሰብኣይ ግን ነታ ብተፈጥሮ ዝወረሳ ናይ ኣምላኽ ናይ ፍቕሪ ባህርይ፡ ብግብራዊ መገዲ ብምልኣት ስለ ዝገለጻ፡ ብጐይታን በቶም ንጐይታ ኺፍትንዎ ዝመጹ ግቡዛትን ተናእደ። ኣብ ዝሃለና ኽፍሊ ዓለም ንሃልው ድኽነት፡ ሕማም ወዘተ ዝኸተሮም ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ከባቢና ኣለው። እዞም ሰባትዚኣቶም ናይ ህይወትና ሚዛንን ፈተናንዮም። ብፍቕሪ ድኻታት ዲና ሃብታማት ዚገልጹልናዮም። እግዚኣብሄር ከይተረፈ ብኣኣቶም ይመዝነና ኸም ዘሎ ድማ ኣይንዘንግዕ። በታ ኣምላኻዊት ፍቕሪ ዝመላእና ሓቀኛ ክርስትያን እንተ ዄንና፡ ንፍቕርና ብግብሪ ኽንገልጸሉንኽእል ሰፊሕን ወርቃውን ዕድላት ከፊቶምልና ኣለዉ። እቶም ብዘይካ ንርእስና ንኻልኦት ከነፍቅር ዘይንኽእል ናይ ፍቕሪ ድኻታት ከኣ፡ ጉድና ዚቐልዑ ዘለኣለማዊ መጻኢና ዜጸልምቱ ፈተናናዮም።

እምበኣር ምልስ ኢልና ህይወትና ንመርምርሞ፡ ንፍቕሪ ብዚምልከት ኣብ ከመይ ዝበለ መንፈሳዊ ሃለዋት ከም ዘለና ነረጋግጽ። ንዝምድናታት ኰነ ንማሕበራዊ ጸገማት ብዚምልከት ፍቕርና ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ከም ዘሎን፡ ብኸመይን መዓስን ንገልጾ ኸም ዘለናን ብምስትውዓል ንፍለጥ። ምኽንያቱ እቲ ኣምላኽ ፍቕሪ፡ ነቶም ናይ ሓቀኛ ፍቕሪ ሰባት ጥራሕ ዜኽብር። ነቶም ንባህርዩ ዝተጸየፉሉን ዘሕሰሩሉን ሰባት ግን ጽቡቕ ኣይኪፈድዮምንዩ። ምኽንያቱ ወርቂ ደርብዮም ጐሓፍ ዜልዕሉ ዓያሱዮም!! ካብ ዕሽነት የድሕነና!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

18 ግንቦት 2025 | ግንቦት 10, 2016 ግዕዝ (መበል 36 ሰንበት: ቊ.፴፮/36)

ምስባክ

መዝ. ፻፮(፻፯)፡፲፭,፲፮ “ንግሩ ለእግዚአብሔር ምሕረቶ። ወመንክሮሂ ለዕጓለ እመሕያው። እስመ ሰበረ ኆኀተ ብርት።”

“መዓጹ ኣስራዚ ሰቢሩ፡ መሸጐር ሓጺን ሰባቢሩ’ዩ’ሞ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን፡ ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ።”

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ  15፡50-ፍጻመ

ዲያቆን

1ዮሃ 3፡13-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 2፡22-32

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 21፡15-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ መዝሙር፦ አርአየ ሥልጣኖ ላዕለ ሞት

   

  

Hits: 157