“ደጊም ምስ ክርስቶስ ካብ ሞት ተንሲእኩም ኢኹም’ሞ ቀልብኹም ኣብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ነገር ኣብ’ቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ ግበሩ። ኣእምሮኹም ናብ’ቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኮነስ፡ ናብ’ቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ የቕልብ። ከመይ ሞይትኩም ኢኹም፡ ህይወትኩም ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ።” ቈሎ 3፡1-3 ካ.ት (2ቈረ 10፡4,5)።
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ራብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ’ዩ። እዚ ሰንበት’ዝን እዚ ዚስዕብ ሰሙንን ብዛዕባ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ክንመሃርን ከነስተንትንን፡ ብቕድስቲ ቤተ ክርስትያንና ዝተሰርዓልና ቕንያት’ዩ። ምኽንያቱ ናይ ጐይታና ናይ ሞቱን ትንሳኤኡን ዕላማ፡ ንኣና ኣብ ትሕቲ ምርኮ ሞትን ሲኦልን ንዝነበርና ደቂ ኣዳም ትንሳኤ ሙታን ንኼውሕሰልና’ዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ነዚ ዕለት’ዚ ተሰሪዑ ዘሎ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር “ተንስአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታን (ተንሲኡ ንዅሎም ምዉታት ኣተንስኦም)” ዚብል’ዩ። ናትና ናይ ትንሳኤ መሰረት፡ ናይ ጐይታና ትንሳኤ’ዩ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይተንስእ፡ ንሕና’ውን ዘይንትንስእ እንተ ንኸውን፡ ክርስትና ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዅሎም ሃይማኖታት እቲ ዝኸፍአ ዕሽነት ምዀነ፡ ኵላቶም ሰዓብቱ ድማ ኣዝዮም ዜደንግጹ ምዀንና ኔርና።
ብመሰረት ስርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና፡ እዛ እትስዕብ፡ ድሕሪ ትንሳኤ ድሕሪ 25 መዓልታት፡ ቅድሚ ጰራቅሊጦስ ድማ ቅድሚ 25 መዓልታት ዘላ ረቡዕ፡ “ርክበ ካህናት” ተባሂላ ትጽዋዕ። ኣብ መንጎ በዓለ ትንሳኤን በዓለ መንፈስ ቅዱስን ዘለዋ መዓልታት 50 መዓልታት’የን። ስለ’ዚ “ርክበ ካህናት” ልክዕ ኣብ ፍርቂ’ያ ‘ትውዕል። ኵሉ ጊዜ ድማ ረቡዕ መዓልቲ’ያ ‘ትውዕል። እዚ ናይ ርክበ ካህናት መዓልትን፡ እዚ ንእኡ ዘማእከለ ሰሙንን፡ ኣበ-ንስሓ ካህናት፡ ነቲ ናይ ኣበ-ነፍሲ፡ ማለት ነቲ ስድራ ቤታዊ ናይ ጕስነት ኣገልግሎቶም ብፍሉይ ኪዝክሩሉን፡ ብዛዕባ ኣፈጻጽማ ኣገልግሎትም፡ ርእሶም ኪምርምሩሉን ዝተሰርዓሎም መዓልትን ቅንያትን’ዩ። ኣብ’ታ ናይ ርክበ ካህናት ረቡዕ መዓልቲ፡ ናብ’ተን ብሓላፍነት ዚጓስየወን ስድራ ቤታት ኪበጽሑ ዚውዕሉሉ መዓልቲ’ዩ። እዚ ማለት ግን፡ ናብ’ተን ዚጓስይወን ስድራ ቤታት ኣብ’ዛ ሰሙን’ዚኣ ጥራሕ’ዮም ዚበጽሑ ማለት ኣይኰነን። ኣብ’ዚ ናይ ርክበ ቅንያት’ዚ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎቶም ርእሶም ኪምርምሩን፡ ብዛዕባ’ቲ እግዚኣብሄር ብምሕረቱ ዝጸገዎም ተሓታትነት ዘለዎ ሃዋርያዊ ኽብሪ ነቲ ወሃቢኦም ኣምላኽ ኬመስግኑን ይግብኦም። ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ብደረጃ ኦርቶዶክስ ተዋህቦ ቤተ ክርስትያን ብፍሉይ ንኣበ-ንስሓ ካህናት፡ ብሓፈሻ ድማ ንዅላቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያንን ንማሕበረ ምእመናንን ትምህርቲ ሰንበትን ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣበ ነፍሲ ኣስተምህሮ (ትምህርተ-ኣበ ነፍሲ) ዚወሃበሉ ቕንያት’ዩ። ካህናት ናብ’ተን ስድራቤታት እናኸዱ ስሩዕ ናይ ምብጻሕን ናይ ምስትምሃርን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ንምዝኽኻርን ንምዕጣቕን ዝዓለመ ቕንያት’ዩ። ናይ ኣበ ነፍሲ ኣገልግሎት፡ መስቀል ኣሳሊምካን ጸሎት ደጊምካን መኣዲ ባሪኽካን ምኻድ ጥራሕ ኣይኰነን። ኣብ’ታ ስድራ ንዘለዉ ወለድን ደቅን ሰራሕተኛ ገዛን ፡ ምስ’ታ ስድራ ተጸጊዖም ንዚነብሩ ዓጽመ ስጋን፡ ዕለትን ሰዓትን ዝተመደበሉ ስሩዕ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ምሃብ፡ ብቤተ ክርስትያንን ብኣምላኽን ተሓታትነት ዘለዎ ናይ ኣበ ነፍሲ ኣገልግሎት’ዩ። ምእመናን’ውን ምስ ኣገልግሎቶም ኪተሓባበሩን፡ ካብ’ዚ ዘቤታዊ ኣገልግሎት እንታይ ኪጽበዩ ኸም ዚግብኦም ኪፈልጡን ስለ ዚግባእ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣበ ነፍሲ መሰረታዊ ኣፍልጦ ዜስንቖም መንፈሳዊ ትምህርቲ ኪረኽቡ ግቡእ’ዩ።
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መሪሕ ጥቕስናን ኣርእስትናን ምስ ትንስኤ ክርስቶስ ቀጥታዊ ምትሕሓዝ ዘለዎ’ዩ። ቀልብናን ኣእምሮናን ናብ ሰማይ ኪቐንዕ ዚኽእል፡ ምስ ክርስቶስ ካብ ሓጢኣት ተንሲእና ንጽድቂ ዝተንሳእና ሰባት ምስ እንኸውን’ዩ። ሽዑ’ዩ ኣእምሮና ብክርስቶስ ኪማረኽ ዚኽእል። ንኣእምሮና ማሪኽና ንክርስቶስ ከነግዝኦ እንኽእል ድማ ንዅሉ’ቲ ነእምሮ ዚማርኽ ኣጽዋር ምስ እንዓጥቕ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ’ቲ ናብ ሰብ ቈረንቶስ ዝጸሓፎ መልእኽቱ “ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ’ዩ’ምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡ ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።” ብምባል ጽሒፉልና ኣሎ (2ቈረ 10፡4,5)።
እዚ ቕዱስ ሃዋርያ ኣብሪሁልና ኸም ዘሎ፡ እዚ መንፈሳዊ ኣጽዋር’ዚ ቐንዲ ዕላማኡን ተልእኾኡን፡ ኣእምሮ ምምራኽ’ዩ። ሓደ ኣእምሮ ተማሪኹ ዚበሃል ድማ፡ ንክርስቶስ ኪእዘዝ ምስ ዚኽእል’ዩ። ስለ’ዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ኵሎም ኣገልገልታ፡ መንፈሳዊ ኣጽዋር ዓጢቖም ውግእ ኣምላኽ ይዋግኡ፡ ተዋጊኦም ድማ ይዕወቱ ኸም ዘለዉ ዜረጋግጹ፡ ንክርስቶስ ዚእዘዙ ምእመናን ኪፈርዩን ኬፍርዩን ይግባእ። ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ብዛዕባ ኣእምሮ ዚማርኽ ኣጽዋር ኽንመሃር ዘድለዩሉ ምኽንያት’ምበኣር ንሱ’ዩ።
እቶም ናይ ክርስቶስ ኣመንትን ሰዓብትን ዝዀንና ኵላትና’ውን በቲ ናይ ክርስቶስ መንፈሳዊ ኣጽዋር ኣእምሮና ተማሪኹ፡ ንክርስቶስ ይእዘዝን ይግዛእን እተን’ልዩ ኸነረጋግጽ’ውን ይግባእ’ዩ። ንምእዛዝ ዘይተማረኸ ኣእምሮ ሒዝካ ናብ ቤተ ክርስትያን ምምልላስ፡ “ክርስትያን’የ” ምባል፡ ኣብ ትዕዝብትን ፍርድን ናይ ኣምላኽ ዜውድቐና ጠባሪ ልምምድ’ዩ። ንርእስናን ነቶም ዚዕዘቡና ሰባትን ደኣ ይጥብረልና ይኸውን’ምበር፡ ነቲ ንሓቂ ኣብ ውሽጥና ዚደልያ ልብን ኰላሊትን ዚምርምር ኣምላኽ ምጥባር ግን ፈጺምካ ዘይሕሰብ’ዩ። ስለ’ዚ ኣእምሮና በቲ ናይ ኣምላኽ መንፈሳዊ ኣጽዋር፡ ንምእዛዝ ክርስቶስ ከም ዝተማረኸ ከነረጋግጽ ይግብኣና’ዩ። እቲ ሓቂ ኸምኡ ኻብ ኰነ፡ እግዚአብሔርና ንምንታይ ነእምሮና ኺማርኽ ከም ዚደልይ፡ እቶም ነእምሮና ዚማርኹ ኣጽዋር ኣምላኽ እንታይ ምዃኖም፡ ወዘተ ጽቡቕ ጌርና ኽንፈልጥ ይግብኣና።
ኣእምሮና ኺማረኽ ዚድለየሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ብትምህርቲ ዀነ ብተመክሮ ኸም እንፈልጦ፡ ኵሉ ኣካላት ሰብነትና ብኣእምሮና’ዩ ዚግዛእን ዚመሓደርን። ባህርያትና ግብርታትና፡ ኣተሓሳስባና ዀነ ቓላትና በእምሮ’ዩ ዘምእዘን። ዋላ’ቲ ስነ-ተግባር (ፊዝዮሎጂ) ናይ ኵሉ ሰብነትና’ውን ኣእምሮ’ዩ ዜነባብሮ። ኣካላት ሰብነትና ምስ ኣእምሮና ዘለዎ ርክብ ብገለ ምኽንያት ምስ ዚቋረጽ፡ ብኡንብኡ’ዩ ስራሑ ደው ዜብል። እዚ ኣዘውቲርና እንዕዘቦ፡ ወቕዒ ሓንጐል (stroke) ዝጠንቁ ለምሲ ናይ ፍርቂ ሰብነት፡ ርኡይ ኣብነት’ዩ። ኣብ’ቲ ፍርቂ ኣካልና ዝዀነት ትኹን ጥር እትብል ጕድለት ዘይብሉ ኽነሱ፡ ኣብ’ቲ ንእኡ ዜመሓድር ክፍሊ ናይ ሓንጐል ጸገም ስለ ዘጋጠመ ጥራሕ ጥቕሚ ዘይብሉ ጾር ኰይኑ ይነብር። እቲ ወቕዒ ኣብ’ቲ ንልብን ሳንቡእን ዜመሓድር ክፍሊ ናይ ሓንጐል ምስ ዚኽሰት፡ ቅጽበታዊ ሞት’ዩ ዚስዕብ። እዚ ዝጠቐስናዮ ኣብነታት ኣገዳስነት ሓንጐልናን ኣእምሮናን ንምግላጽ ኣኻሊ’ዩ።
ናይ ሓደ ሰብ መንፈሳዊ ህይወት’ውን ኣብ ኣእምሮ’ዩ ዚምርኰስ። ምኽንያቱ ንመንፈሳዊ ህይወት ዜቝሙ፡ እቶም ባህርያትናን ግብርታትናን፡ ቃላትናን ኣተሓሳስባታትናን’ዮም። እግዚአብሔር ኰነ ሰይጣን ንኣእምሮና ኺማርኹ ዚደልዩሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ኣእምሮ ብሰይጣን ምስ ዚማረኽ ምእዛዝና ንሓጢኣት’ዩ ዚኸውን። ኣእምሮና ብኣምላኽ ምስ ዚማረኽ ድማ፡ ምእዛዝና ንጽድቅን ቅድስናን’ዩ ዚኸውን። መብዛሕትና እንምከሮ ዝውቱር ውድቀት ኣሎ። ብዙሕ ጊዜ ብልሳንና እንሓጥእ ሰባት ምስ እንኸውን’ሞ፡ ሳዕቤን ቃላትና ምስ ተራእየና ወይ’ውን ብቓል እግዚአብሔር ምስ ተረታዕና፡ “ድሕሪ ሕጂ ኸም’ዚ ዝበለ ቓላት ኣይክዛረብን’የ፡ ልሳነይ ክቈጻጸር’የ” ኢልና ንምሕልን ንመባጻዕን። ከይወዓልና ኸይሓደርና ድማ፡ ሓደ ሳዕን ክልተ ሳዕን ጥራሕ ዘይኰነ ማእለያ ዘይብሉ ጊዜ ኽንደጋግሞ ንርከብ። ምምሓልን ምሕጣእን ከኣ ፈጺሙ ዘየቋርጽ ዑደት ህይወትና ዀይኑ ይተርፍ። ብዛዕባ ዝሙትን ምንዝርናን፡ ስኽራን፡ ባእሲ፡ ሓሶት፡ ሕምየት፡ ቍጥዓ ወዘተ ዝኣመስሉ ኣበሳታት’ውን ብኸምኡ እናደጋገምናዮ ንነብር። እቲ፦ “ከልቢ ናብ ትፋኡ ኸም ዚምለስ፡ ዓሻ’ውን ከምኡ ንዕሽነቱ ይደጋግሞ።”
“ከልቢ ናብ ትፋኡ ተመልሰ፡ ሓሰማውን ተሓጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት።” ዚብል ምስላ ሓቂ ኣብ ህይወትና ይገሃድ (ምሳ 26፡11፣ 1ጴጥ 2፡22)።
ከም ሓሰማን ከም ከልብን ናብ’ቲ ዘርሓቕናዮ ጽያፍና ደጋጊምና ኽንመላለስ ዚገብረና ዘሎ፡ ኣእምሮና ንምእዛዝ ክርስቶስ ስለ ዘይተማረኸ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ግሩም ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ።
“እምብኣርሲ ኣሕዋተይ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ኸተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም ኣለኹ። እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈስዊ ኣገልግሎትኩም’ዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም (ኣእምሮኹም) ተለወጡ’ምበር፡ ነዛ ዓለም’ዚኣ ኣይትምሰልዋ።” ሮሜ 12፡1,2
ኣእምሮና ንክርስቶስ ንምእዛዝን ንምግልጋልን እንተ ተማሪኹ ሽዑ ንብዘሎ ስጋና ህያውን ቅዱስ ንኣምላኽ ዚበቅዕን ዜሐጕስን መስዋእቲ ጌርና ኸነቕርቦ ከቶ ኣይንጽገምን ኢና። ኣእምሮና እንተ ዘይተማሪኹ ግና፡ ዋላ ኣብ ገዳም ወይ ኣብ ቤተ ክርስትያን ተዓጺና እንተ ተቐመጥና’ኳ ነዛ ዓለም’ዚኣ ኻብ ምምሳል ክንድሕን ፈጺምካ ዘይከኣል’ዩ። ንክርስቶስ ዘይእዘዝ ኣእምሮ ድማ ዝጠፍአ፡ ዝጸልመተ ሕሱር ኣእምሮ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብዛዕባ’ቶም ኣእምሮም ንክርስቶስ ዘየግዝኡ ዓለማውያን ኣህዛብ ዝሃቦ መግለጺ ነዚ ሓሳብና ኣነጺሩ ዚገልጸልና’ዩ።
“እምበኣርሲ ኸም’ቲ ኣህዛብ (በቲ) ኸንቱ ሓሳቦም ዚመላለስዎ ኸይትመላለሱ፡ እዚ እብል፡ ብጐይታና’ውን (እምዕድ) ኣለኹ። ንሳቶም ብሰሪ ትሪ ልቦምን ብሰሪ’ቲ ኣባታቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም፡ ድንዙዛት ኰይኖም’ውን ብስሰዐ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቅቁ (ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ስለ ዝሰስዑ ኸኣ ገዛእ ርእሶም ንዝርጋን ኣግዚኦም’ዮም)። ንስኻትኩም ግና ንክርስቶስ ከም’ዚ ጌርኩም ኣይተመሃርኩምዎን። እታ ሓቂ ኣብ ኢየሱስ ከም ዘላ ሰሚዕኩምዋን ኣብኡ ተማሂርኩምዋን እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ፡ ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፡ በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ (ተሓደሱ’ሞ፡ ነቲ) ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ።” ኤፌ 4፡17-24።
ብመሰረት’ዚ ሃዋርያዊ ቓል’ምበኣር፡ እቲ ዝተፈጥረሉ መልክዕን ምስልን ዓቂቡ፡ ንክርስቶስ መሲሉ፡ ብሓቀኛ ጽድቅን ቅድስናን ኪመላለስ ዚኽእል ሰብ፡ እቲ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ዝተሓደሰን ንምእዛዝ ክርስቶስ ዝተማረኸን ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ጥራሕ’ዩ።
ኣእምሮና ንምእዛዝ ክርስቶስ እንድሕር ዘይተማሪኹ ግን ሕሱር እእምሮ ዀይኑ’ዩ ዚተርፍ። እቲ በዚ ሕሱር ኣእምሮ ዚመሓደር ስጋና ድማ ብዘይካ ሓጢኣት ካልእ ኬፍርይ ኣይክእልን’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ምስሊ ሕሱር ኣእምሮ እንታይ ከም ዚመስል ኣነጺሩ ገሊጹ ኣሎ።
“ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን፡ ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል (ኣእምሮኦም’ውን) ጸልመተ። “ለባማት ኢና” እናበሉ ዓሸዉ። ከም’ቲ ንኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም (ኣብ ኣእምሮኦም) ኪሕዝዎ ዘየቋጸርዎ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ኪገብሩ (ነውሪ ኺገብሩ) ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሃቦም። (ስለ’ዚ) ዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስሰዐ፡ ክፍኣት ዝመልኦም፡ ቅንኣት ዝመልኡ፡ ቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰል፡ እከይ (ዝመልኦም ኰኑ)። መሕሽዅሽዅቲ፡ ሓመይቲ፡ ኣብ ኣምላኽ ጽሉኣት፡ ገፋዕቲ፡ ኵሩዓት፡ ተዘሃርቲ (ተጀሃርቲ)፡ ተጣበብቲ እከይ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ደናቝርቲ፡ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ዘይብሎም፡ ዘይድንግጹ (ጨካናት’ዮም)። እዚኣቶም፡ ነቶም ከም’ዚ ዝበለ ዚገብሩ ሞት ከም ዚግብኦም። ነቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ (ይፈልጥዎ) ኽነሶምሲ፡ ምስቶም ዚገብርዎ ድማ ይሰምሩ ኣለዉ’ምበር ዚገብርዎ ጥራሕ ኣይኰኑን።” ሮሜ 1፡28-32።
ብክርስቶስ ብዘይተማረኸ ኣእምሮ ዚምራሕ ህይወት’ምበኣር ነዚ’ዩ ዚመስል። መለለዪኡ ጸልማትን ከንቱነትን ዕሽነትን ጥራሕ’ዩ። ናይ መወዳእታ ዓስቡ ድማ ዘለኣለማዊ ሞት’ዩ። ካብ’ዚ ዘይንቡርን ነውራምን ናይ ሓጢኣት ዝርዝራት ክንጸርይ እንተ ዄንና፡ ኣእምሮና ብክርስቶስ ኪማረኽ ክንፈቅድ ይግባእ። ዝተማረኸ ሰብ ንፍቓድ ናይ’ቲ ዝማረኾ ኣካል ከም ዜገልግል፡ ንክርስቶስ ዝተማረኽካ ምዃን ድማ፡ ንክርስቶስ ጥራሕ እትእዘዝ ሰብ ምዃን ማለት’ምበር ካልእ ትርጕም የብሉን።
እቲ ነእምሮ ኺማርኽ ዚኽእል መንፈሳዊ ኣጽዋርከ እንታይ’ዩ፧ እቲ ነእምሮና ዚማርኽ፡ ንሕና’ውን ብእኡ ጌርና ንኣእምሮ ኻልኦት እንማርኸሉ መንፈሳዊ ኣጽዋር ድማ ብዝርዝር ተገሊጹልና’ዩ። ዓይነት ኣጽዋርና ብዓይነት ናይ’ቲ ዚዋግኣና ኣካል’ዩ ዚውሰን። ኣጽዋርና ንኣጽዋር ጸላኢና እንተ ዘይተመጣጢንዎን እንተ ዘይበሊጽዎን ገና እቲ ውግእ ከይተጀመረ’ኳ ስዕረትና ርጉጽ ኪኸውን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ዝመዓደና።
“ከመይ ቅልስና (ውግእና) ምስ’ቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሕልቅነታትን ስልጣናትን፡ ምስ’ቶም፡ ንዘመን ጸልማት ዜመሓድሩ ገዛእቲ ዓለምን፡ ምስቶም ክፋኣት መናፍስትን’ምበር ምስ ሰብ ኣይኰነን። እምበኣር በታ ኽፍእቲ መዓልቲ ተቓዊምኩም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ሰዒርኩም ከኣ ደው ክትብሉስ፡ ምሉእ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።” ኤፌ 6፡11-13 ካ.ት።
ውግእና ምስ ሰብ እንተ ዚኸውን፡ ከም’ቲ ናይ መንግስቲ ወተሃደራት ዚዓጥቅዎ፡ ንስጋ ዚቐትልን ዜቝስልን ኣጽዋር ምዓጠቕና ኔርና። ውግእና ምስ’ቶም ኣብ ሰማያት ኰይኖም ዚዋግኡና ናይ ሰይጣን ናይ ዘመነ-ጸልማት ስልጣናት ካብ ኰነ ግና፡ ኣጽዋርና መንፈሳዊ ኣጽዋር ኪኸውን ናይ ግድን’ዩ። ሰይጣን ብሓሶት ስለ ዜጥቅዓና፡ ንሕና ኸኣ ሓቂ ንዕጠቕ፡ ንሱ ብርኽሰት ይዋግኣና፡ ንሕና ድማ ቅድስና ንዕጠቕ፡ ንሱ ብጥርጥር (ብዘይምእማን) ይዋግኣና፡ ንሕና ኸኣ ብእምነት ንገጥመሉ። ነዚ ንሰይጣን ዚስዕር ኣጽዋር ዚዕጠቖን ዚዕወተሉን ከኣ እቲ ንክርስቶስ ዚእዘዝ ኣእምሮ ጥራሕ’ዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ መንፈሳዊ ኣጽዋርን መንፈሳዊ ውግእን፡ በቲ ንሱ ዝነበረሉ ናይ ቀዳማይ ክፍሊ ዘመን (Century) ዓይነት ኣጽዋር’ዩ ገሊጽዎ። ናይ ሽዑ ኣጽዋር፡ ሰይፊ፡ ዋልታ፡ መንትግ (ቀስቲ)፡ ፍላጻ፡ ኲናት ድርዒ፡ ቍራዕ-ርእሲ (helmet) ወዘተ ነበሩ። እቶም ንክርስቶስ ክንእዘዞ ንሰይጣን ከኣ ክንስዕሮ ዜኽእሉና መንፈሳውያን ኣጽዋር ድማ ኣብ’ዚ ናይ ኤፌ 6፡14-18 ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ናይ 1ተሰ 5፡8 ንባባት ብኸም’ዚ ዚስዕብ ተገሊጹ ኣሎ፡
1. ዕጣቕ ሓቂ (ኤፌ 6፡14)፦ ዕጣቕ ንሕቘ ዓቀይታይ ከም ዜጽንዖ፡ ንህይወት ክርስትያን ጽንዕቲ ዚገብራ ድማ ሓቂ’ዩ። ሰይጣን ብሓሶት ስለ ዚዋግኣና፡ ሓቂ እንተ ዘይተዓጠቕና ኽንቃወሞን ክንስዕሮን ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪፍለጥ ዘለዎ ዅሉ ፍልጠት-ሓቂ ምስ እንፈልጦ፡ ኣብ’ቲ ማሕበራውን መንፈሳውን ህይወትና ድማ ሓቂ እንሓስብን እንዛረብን እንገብርን ምስ እንኸውን ናይ ሰይጣን ሓሶት መኺኑ’ዩ ዚተርፍ። ስለ’ዚ ነታ ብክርስቶስ ዝተገልጸት ሓቂ ብምልኣት ክንፈልጣን ክንዕጠቓን ኣንጻር ሰይጣን ክንጥቀመላን ይግባእ። ሓቂ ዘይዓጠቐ ኣእምሮ፡ ዘይተማረኸን ምእዛዝ ነውሪ ዀይኑ ዚረኣዮን ክርስትያን’ዩ።
2. ድርዒ ጽድቂ፡ ድርዒ እምነትን ፍቕርን (ኤፌ 6፡14፣ 1ተሰ 5፡8)፦ ድርዒ ኣብ ኣፍ ልብኻ እትዕጠቖ ካብ ኣጽዋር ሰይጣን እትከላኸለሉ ዕጥቂ’ዩ። ብጽድቂ፡ ብእምነትን ፍቕርን ዚመላለስ ሰብ፡ በቲ ሰይጣን ዚውርውረሉ ኣጽዋር ኣይጥቃዕን’ዩ። ንጽልኢ ብፍቕሪ፡ ንጥርጥር ብእምነት፡ ንዅሉ ዓይነት ዚፈታተኖ ሓጢኣት ከኣ ብጽድቂ የምክኖ።
3. ሳእኒ ወንጌል (ኤፌ 6፡15)፦ ኣሽንኳይ ኣብ’ቲ እትረግጾ ዘይትርእየሉ ውግእ፡ ኣብ ሰላማዊ ናይ እግሪ ጕዕዞ’ኳ ሳእኒ ዘይብልካ ምዃን ኣዝዩ ሃሳዪን መግድዕን’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ምድሪ ብዙሕ ዚዋጋእን ዚነክስን ዚዕንቅፍን ነገር ኣሎ። ስለ’ዚ ምሉእ ኣድህቦኻ ናብ’ቲ ጸላኢ ጌርካ ኽትዋጋእ፡ ሳእኒ፡ ምሹእን ድልዱልን ሳእኒ’ኳ ደኣ፡ ኣዝዩ ኣድላዪ’ዩ። ኣብ መንፈሳዊ ኣጽዋር ከም ሳእኒ ዀይኑ ዜገልግለና ድማ “ወንጌል ሰላም”’ዩ። እቲ ብወንጌል ዚርከብ ሰላም ዘይዓጠቐ ክርስትያን ርቡሽ ስለ ዝዀነ ንሰይጣን ኪገጥመሉን ኪዕወተሉን ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ሓደ ጊዜ ምስ ክልተ ሰባት ከም ዚዋጋእ ዝተገድዐ ወተሃደር’ዩ ዚኸውን። ነቲ ሓደ እንተ ተዓወተሉ’ኳ በቲ ኻልኣይ ኺጥቃዕ ዘይተርፈሉ ዕጫ’ዩ። “እግርኺ ጥራዩ ካብ ምዃኑ ተጠንቀቒ” ዝተባህለሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ (ኤር 2፡25)።
4. ዋልታ እምነት (ኤፌ 6፡16)፦ ዋልታ ናይ ምጥቃዕ ዘይኰነስ፡ ናይ ምክልኻል ኣጽዋር’ዩ። ነቲ ጸላኢኻ ዚውርውረልካ ርሱን መንትግ ብዋልታ ኢኻ እተምክኖ። ነቲ ናይ ጥርጥርን ተስፋ ምቝራጽን ርሱን ምንትግ፡ ብሓያል እምነት ጌርና ነምክኖን ነጥፍኦን። እምነት እንተ ዘይዓጠቕና ግና እቲ መንትግ ጸላኢ ናብ ክሕደት ኬብጽሓና ይኽእል’ዩ።
5. ቊራዕ ርእሲ ምድሓን (ኤፌ 6፡17፣ 1ተሰ 5፡8)፦ ርእሲ፡ እቲ ቐንዲ ኣካል ናይ ሰብነት’ዩ። ርእሱ ዝተሃርመ ወተሃደር፡ ካልእ ኣካሉ ጥዑይ ክነሱ ኺጥቀመሉ ኣይክእልን’ዩ። ድሕነት (ምድሓን) ከኣ ናይ ኣእምሮና ቝራዕ ርእሲ (helmet) እዩ። ናይ ዘይደሓነ ሰብ ኣእምሮ፡ ናይ ሰይጣን ቤት-ዕዮ’ዩ (work shop)። ካብ ከንቱ ሓሳባትን ድሌታትን ዘይደሓነ ኣእምሮ፡ ንመጥቃዕቲ ሰይጣን ቅሉዕ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ድሕነት ኣእምሮና ዝተሓለወ፡ ኣእምሮና ብተስፋ ምድሓን ዝመልአ ኪኸውን ይግባእ።
6. ሰይፊ መንፈስ (ቃል-ኣምላኽ) (ኤፌ 6፡17)፦ ክሳዕ ሕጂ ዝጠቐስናዮም ኵላቶም ኣጽዋር፡ ናይ ምክልኻል ኣጽዋር’ዮም። ናይ ክርስትያን እንኮ ናይ ምጥቃዕ ኣጽዋር፡ ቃል ኣምላኽ’ዩ። ናይ ክርስቶስ ሰይፊ’ውን፡ እቲ ኻብ ኣፉ ዚወጽእ ክልተ ዝኣፋ በሊሕ ሰይፊ’ዩ (ራእ 1፡6፣ 1፡1፣ 19፡15፣ ኢሳ 11፡4)። ቃል ኣምላኽ ዘይዓጠቐ ልሳን ሒዙ ዚነብር ክርስትያን ከኣ፡ ንሰይጣን ኬጥቅዕ ዘይክእል ኵሉ ጊዜ ንመጥቃዕቲ ዝተቓልዐ ድኹም ክርስትያን’ዩ። ነእምሮ ናይ ሰማዕቱ ንምእዛዝ ክርስቶስ ኪማርኽ ዘይክእል ፍረ ዘይብሉ መኻን ክርስትያን’ዩ። ቃል ኣምላኽ፡ መንፈሳዊ ሰይፊ ስለ ዝዀነ’ዩ፡ ብስብከት ሃዋርያ ጴጥሮስ ልቦም ተወጊኡ ኣስታት ስለስተ ሽሕ ሰባት ናብ ክርስቶስ ዝተማረኹ (ግብ 2፡37,41፣ ማቴ 4፡1-11)።
7. ብመንፈስ ምጽላይ (ኤፌ 6፡18-20)፦ ጸሎት፡ ናይ ንቑሕ ኣእምሮ ውጽኢት’ዩ። ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ “ንቕሑ፡ ንቑሓት ኵኑ” ኢሉ ደጋጊሙ ኺምዕዶም ከሎ፡ “ጸልዩ” ማለት’ዩ ዝነበረ። ስጋ፡ ኵሉ ጊዜ ንምድቃስ ይደክም፡ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዚምራሕ ክርስትያን ግና ንምጽላይ ይነቅሕ (ማቴ 26፡40-45)። ኣብ ኤፌ 6፡11-13 ከም ዝረኣናዮ፡ ኣጽዋር ኣምላኽ ምልባስና ኣብ ቅድሚ ጸላኢና ንውግእ ደው ክንብል፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ንኽብሪ ደው ክንብል ሓይሊ ዚህበና’ዩ። ጸሎት ድማ ኣገዳሲ ኣጽዋር ስለ ዝዀነ፡ ደው ክንብለሉ እንኽእል ሓይሊ ዜዕጥቐና’ዩ (ሉቃ 21፡36)።
ካብ’ዚ ዝዘርዘርናዮ ኣጽዋር ከም እንርድኦ’ምበኣር ንርእስና ንክርስቶስ ክንእዘዝ ዜኽእለና፡ ካልኦት ሰባት ከኣ ንምእዛዝ ክርስቶስ ክንማርኸሉ ዜኽእለና ጸሎት፡ ቃል ኣምላኽ፡ ምድሓን፡ እምነት፡ ናይ ወንጌል ሰላም፡ ጽድቂ፡ ፍቕሪ፡ ሓቂ ዝዓጠቕና ምዃንና’ዩ። እቲ ነዚ ኣጽዋር’ዚ ዝዓጠቐ ኣእምሮ፡ ንክርስቶስ ዝተማረኸ ኣእምሮ’ዩ። በዚ ኣጽዋር’ዚ ዘይተማረኸን ዘይተዓጥቀን ኣእምሮ ግን፡ ኣዝዩ ሕሱር ኣእምሮ ስለ ዝዀነ ምስ ኣእምሮ ኣይቊጸርን’ዩ። ኣእምሮ ብዘይብሉ ውልቀ ሰብን ህዝብን ድማ እግዚእብሄር ኣዝዩ ይቝጣዕ፡ ይቐጽዖን የውድቖን’ምበር፡ ከቶ ኣይምሕሮን’ዩ።
“ህዝበይ ዓሻ’ዩ’ሞ ኣይፈልጠንን፡ ድንዙዛት ደቂ’ዮም’ሞ ኣእምሮ የብሎምን። እከይ ንምግባር ጥበበኛታት’ዮም፡ ሰናይ ንምግባር ግና ኣይፈልጡን’ዮም።. . . ኣእምሮ ዘይብሉ ህዝቢ’ዩ’ሞ፡ ስለ’ዚ እቲ ፈጣሪኡ ኣይድንግጸሉን እቲ ደኳኒኡ ድማ ኣይምሕሮን። . . . ኣእምሮ ዘይብሉ ህዝብስ ኪወድቕ’ዩ።” ኤር 4፡22፣ ኢሳ 27፡11፣ ሆሴ 4፡14።
ስለ’ዚ መፈጸምታና ምእንቲ ኺጽብቕ፡ ኣእምሮና በዚ ቕዱስ ኣጽዋር’ዚ ተማሪኹስ፡ ባዕሉ ነዚ ኣጽዋር’ዚ ዓጢቑ ነእምሮ ናይቶም ኣብ እምነት ዘየለው ንምምራኽ ይዋግኣሉ ኸም ዘሎ ኸነረጋግጽ ይግባእ። እቲ ንስጋን መለኮትን ኣዋሂዱ ብምስጢር ተዋህዶኡ ዘድሓነና ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በቲ ዘይምርመር ኣእምሮኡ እንታይ ዓይነት ህይወት ክንነብር ከም ዚግብኣና፡ ዘይሃስስ ኣርኣያ ሓዲጉልና’ዩ። ቅዱሳን ሃዋርያቱ ነቲ ቕዱስ ኣርኣያኡ ብምስዓብ፡ ኣእምሮና እንታይ ኪመስል ከም ዘለዎን ብኸመይ ክንጥቀመሉ ከም ዚግብኣናን፡ ናይ ቃል ትምህርትን ናይ ግብሪ ኣርኣያን ሓዲጎምልና’ዮም ሓሊፎም። “ከም’ቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመሰሎ ዘለኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምስሉ” ዚብል ንጹር መምርሒ’ውን ሓዲጎምልና’ዮም (1ቈረ 11፡1፣ 4፡16፣ ፊሊ 3፡17፣ 2ተሰ 3፡7-10፣ 1ጢሞ 4፡12፣ ቲቶ 2፡7,8)።
እምበኣር ኣእምሮና ንምእዛዝ ክርስቶስ ተማሪኹ ምህላውን፡ በቲ ዝተማረኽናሉ ኣጽዋር ከኣ ንብዙሓት ሰባት ናብ ምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኾም ከም ዘለናን ከም ዘየለናን ርእስና ንመርምር። ብዘይተማረኸን ዘይእዘዝን ኣእምሮ ምምልሳስ ማለት፡ መንፈሳዊ ርእሰ ቕትለት ምፍጻም ምዃኑ ተገንዚብና፡ ንኸም’ዚ ዝበለ ዜሰክሕ ጽሕፍቶ ርእስና ኣሕሊፍና ኸይንህብ ወርትግ ጥንቑቓት ንኹን!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
11 ግንቦት 2025 | ግንቦት 3, 2016 ግዕዝ (መበል 35 ሰንበት: ቊ.፴፭/35) |
||
ምስባክ መዝ. ፫፡፭,፮ “አንሰ ሰከብኩ ወኖምኩ። ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ። ኢይፈርህ እምአእላፍ አሕዛብ።” “ተገምሰስኩ ደቀስኩ’ውን፡ እግዚኣብሄር ይድግፈኒ ኣሎ’ሞ ነቓሕኩ። ነቶም ዚኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን’የ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ቈሎ 3፡1-11 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 3፡15-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 13፡26-42 |
ንፍቅ ካህን |
|
ሉቃ 24፡33-40 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ ተንሥአ ወአንሥአ ኵሎ ሙታነ |
|