S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዝኽሪ መዓልቲ ኣቦታት (15 ሰነ 2025) ብዶ/ር ተስፋይ ገብረመድህን

ክዝክረኩም ደቂ ሃገረይ ኩቡራት መኳንንቲ:

ዛንታኹም ኣለኒ ኣያታት ኣቦታት ዓበይቲ:

ዘርዚረ ኣይውድኦን ሞያኹም በብሓንቲ:

እስኪ ፍቐዱለይ ቁሩብ ክዝርዝር ክዝቲ:

ገሌኹም ሰብ ሕጊ ንደቂ ሰባት ተጣበቕቲ:

ገሌኹም ፖሮፌሰራት ሰብ ሰፊሕ ትምህርቲ:

ገሌኹም መሃንድሳት ትቀርጹ ትሃንጹ ኣባይቲ:

ገሌኹም ካህናት ኣብ ቤተክርስትያን ኣገልገልቲ:

ገሌኹም መሪጌታ መንፈሳዊ ባህሪ ሰበኽቲ:

ገሌኹም ሓኻይም ኣብ ረዲኤት ሕክምና ተዋሳእቲ:

ገሌኹሞ ነጋዶ ኣብ ዕዳጋ ንብረት ተዋፈርቲ:

ገሌኹም ትመርሑ ተማሓድሩ  ፋይናንሳዊ ሃብቲ:

ገሌኹም ዓበይቲ መኻይን ትዝውሩ ወነንቲ:

ገሌኹም ሰብ ድኳን ትሸጡ ፍረታት ኣሕምልቲ:

ገሌኹም ኣብ ሆተል ትሰርሑ ክሳብ ለይቲ:

ገሌኹም መኻይን ትሕልው ምሉእ መዓልቲ:

ገሌኹም ዘጥረዅም መሳርሒ መሳርዕ ናውቲ:

ገሌኹም ሰብ ጸጋ ሰብ ጥሮታ ቆረብቲ ሰገድቲ:

ገሌኹም ሰብ ሓዳር ንስድራ ቤት ሓብሓብቲ:

ገሌኹም መንእሰያት ኣብ ምእላይ ብስሩዕ ነጠፍቲ:

ገሌኹም ንዝተመርዓዉ ንዝሓዘኑ ካብ ልቢ ሓለይቲ:

ገሌኹም ንዝሓመሙ ንዝተኣስሩ ግዱሳት በጻሕቲ:

ገሌኹም ናብ ኤሪትራ ትመላለሱ ክትሕልዉ ርስቲ:

ኣምላኽ ዕድመ ይሃብኩም ክትኮኑና ጠርነፍቲ:

 

 

ዛንታኹም ኣሎኒ ኣያታት ኣቦታት ዓበይቲ:

ኩሉኹም ኣብቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ጎይታ ኣመንቲ:

 ኣሰር ናይቶም ዝተቀደሱ ኣርካናት  እሙናት ሰዓብቲ:

እንተላይ ኣቦታት ሓረስቶት ገዳይም ተጋደልቲ:

ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣገልገልቲ ብዘይ ዕረፍቲ:

ኣብ ዕለተ ሰንበት ትለብሱ ባህላዊ ክዳውንቲ:

ሰብ ግርማ  ሽማግለታት ኣብ ምርዳእ ጽጉማት ተሓባበርቲ:

ኣብ ምፍታሕ ግርጭታትና ብዕቱብ ተሳተፍቲ:

ኣቦታት ኣለኹም ንሓድነት ንስምረት ተቓለስቲ:

ከይተሓለልኩም ንዕርቂ ንፍቕሪ ንመክት በሃልቲ:

ኣቦታት እንዲኹም ንፍትሒ ንሓቂ ንስላም ተዓጠቕቲ:

ሃገር ናይ ሓባር ሃይማኖት ናይ ብሕቲ ኢልኩም ሞጎቲ:

ተኹላ ዝኣተወን ኣባጊዕ ከይንኸውን ኣለኹም ሓለውቲ:

ናይ ቤተ ክርስትያና ዋልታ ናይ ስድራ ቤትና ሓወልቲ:

ደቅና ይሕበኑ ብኣኻትኩም ኣብነታውያን መራሕቲ:

ከምቲ ንቡር ባህርያዊ ሂወት ጽባሕ እንተኾንኩም  ሓለፍቲ:

ዝፈረዩ መንእሰያት ኣለውና ዘርእና ከይጸንት ተካእቲ:

ኣብ ጎንኹም ኣለዋ ኣሓትኩም ወትሩ ደገፍቲ ሓገዝቲ:

ኩሉ ዝፈትወኩም ዘፍቅረኩም ቆልዓ ምስ ሰበይቲ:

ንኣምላኽ ንጸሊ ኣብቲ ረዲኤቱ ክንከውን ተኻፈልቲ:

በረኸት ካብ ኣምላኽ ክንቅበል ንጸበ ብትዕግስቲ።

 

 

ክብርን ምስጋናን ንልዑል ኣምላኽና:

ራህዋን ሰላምን ንሓላል ህዝብና:

ክብረትን ሞገስን ንዝኸበሩ ኣቦታትና:

ዕድመን ጥዕናንhi ይውረድ ኣብ ኩላትና:

ዝተባረኸት መዓልቲ ኣቦታት ይግበረልና።

 

 

ብዶ/ ተስፋይ ገብረመድህን

15 ሰነ 2025

ዝኽሪ መዓልቲ ኣቦታት

Hits: 223