S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ከምቲ ጐይታ ሓቂ ዝኾነ ንሕና ድማ ኣሰሩ ንስዓብ

“ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ከም ዝመላለሱ ካብ ምስማዕ ዝዓቢ ሓጐስ የብለይን” (3ዮሃ 4)
መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ኢልና ክንመላለስ ከም ዝግብኣና ይምህረና እዩ። ኣቦና ሓደ እዩ፡ ንሕና ድማ ኣሕዋት ኢና። ኣቦና ምእንቲ ክሕጐስ፡ ብሓቂ ክንመላለስ፡ ሓቅታት ክንቅበል፡ ከነንብብን ክንጽልን ሽዑ ህይወትና ሓቅታት እናመልአት እቲ ካብ ሓቂ ዜርሕቕ ድማ እናተቆርጸ፡ ንቕድሚት እናሰጐምና ንኸይድ። ህይወትና ቀረባ ኣምላኽ ምስ እትትኸውን ከኣ ካብ ጐይታ ዝተሓብ ልብን ዝረሓቐ ህይወትን ኣይህልወናን። “ኣካል ሓድሕድ ኢና እሞ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ይዛረብ፡ ንሓሶት ንዮው በልዎ” ተባሂሉና ኣሎ። ሓሶት ካብ ኣምላኽ ዘርሕቕ ንሓቂ ዘፍርስ ሰይጣን ዝጥቀመሉ ሜላ እዩ። እታ ሓቂ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ ኢሉና እዩ እሞ፡ ከምቲ ጐይታ ሓቂ ዝኾነ ንሕና ድማ ኣሰሩ ንስዓብ። (ዮሃ 14፡6፣ እብ 10፡22፣ 1ዮሃ 1፡6)

ኣስተንትን

1. ንሓቂ ክሳብ ክንደይ ትቖመላ፧

2. ኣብ ህይወትካ ዝተለማመድካዮ ሓሶት ይህሉዉዶ፧

3. ሰባት ብሓቂ ክመላለሱ ክትርኢ ከሎኻ ክሳብ ክንደይ ትሕጐስ፧

በቲ ዝፈለጥናዮ ሓቂ ክንመላለስ ክንክእል ኣምላኽ ክረድኣና ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ 

Hits: 2341