S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዛንታ ካላሽንኮቭ ንዛንታ እቲ ጥፉእ ወዲ ዶ መሲሉ?

ናይታ ንሕና በዘልማድ ካላሺን እንብላ ብወግዒ ግን ኤኬ- 47 ተባሂላ እትፍለጥ ብረት (ኣፈሙዝ ወይ ጠበንጃ) መሃዚ ዝኾኑ ሩስያዊ ሚኻኤል ካላሺንኮቭ፡ ሒደት ኣዋርሕ ቅድሚ ሞቶም፡ ናብ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክስ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ ኪሪል፡ ናይ ጣዕሳ ደብዳቤ ጽሒፎም ምንባሮም፡ ትማሊ ሰኑይ 13 ጥሪ 2014 ዝወጸ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ፡ ዝብል ዜና እየ ዘንብብ ዘለኹ። ሓቢርና እሞ ነንብቦ፡-

ካላሺንኮቭ በታ ንሶም ዝመሃዝዋ ብረት ናይ ዝሞቱ ትንፋስ ተሓታቲ ብምኻን ሓላፍነት ዝስከሙ እንተኾይኖምዮም ነቶም ፓትርያርክ ሕቶ ብምሕታት ዝጸሓፉሎም። ኣብ መበል 94 ዓመት ዕድሚኦም፡ ዝሓለፈ ወርሒ 23 ታሕሳስ 2013 ዝዓረፉ ካላሽንኮቭ፡ ወትሩ ብዛዕባ እቶም ንሶም ብዝመሃዝዋ ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ሰባት ከምዝሓስቡን ከምዝጭነቑን እዮም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝገልጹ ኔሮም። መዛግብቲ ዓለምና ከምዝሕብርዎ፡ ብዝሒ እታ ኣቶ ካላሺንኮቭ ዝመሃዝዋ ብረት፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ተዘርጊሑ ከምዘሎ እዩ።

ኣብ ነፍሰይ ዘሎ ስቓይ ክጻወሮ ዝኽእል ኣይኮንኩን፡ዝብል ትሕዝቶ እዩ ዘለዎ እቲ ደብዳቤኦምንገዛእ ርእሰይ ወትሩ ዘይፍታሕ ሕቶ እሓታ እንተደኣ እታ ኣነ ዝመሃዚኣ ብረት፡ ህይወት ሰባት ተሕልፍ ኣላ፡ እዚ ማለት ከኣ ኣነ ሚኻኤል ካላሽኒኮቭወዲ እቲ ሓረስታይን ኦርቶዶክስ ክርስቲያንን ዝነበረ ሩስያዊ፡ ብህይወት ናይቶም ዝጠፍኡ ዘለዉ ሰባት ተሓታቲ እየቢሎምዮም ጽሒፎም ዝነበሩ።

ካላሽንኮቭ ኣብ መበል 91 ዓመቶም ኣትሒዞም ቤተክርስቲያን ክመላለሱ ከምዝጀመሩን ንቤተክርስቲያን ዘለዎም ኣድናቖት ልዑል ምዃኑን ድማ ነቶም ፓትርያርክ ኣብታ ደብዳቤ ሓቢሮሞም ኣለዉ።

መንግስተ ሰማያት የዋርሶም!”

Hits: 2564