S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ናይ ሕልና መልእኽቲ ካብ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ

ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።

ኣኅዋትና፥ እምነትኩም ኣዝያ ትዓቢ ስለ ዘላ እታ ኣብ ንሓድሕኩም ዘላ ናይ ነፍስ ወከፍኩም ፍቕሪ ኸኣ ትስስን ስለ ዘላ፥ ብኣኻትኩም ኵሉ ጊዜንኣምላኽ ከነመስግኖ ይግብኣና እዩ። እዚ ኸኣ ቅኑዕ እዩ። ስለዚውን ንሕና ባዕልና ብጽንዓትኩምን እምነትኩምን፥ በቲ ኣብ ስደትን ጸበባን እትዕገሥዎ ዘሎኹምን፥ ኣብተን ኣብ ኣምላኽ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ብኣኻትኩምን ንምካሕ ኣሎና።

መከራ ትጸግቡ ዘሎኹም፥ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ክትርከቡ እዩ። እዚ ኹሉ ከኣ መረዳእታ ናይቲ ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ቅኑዕ እዩ። ነቶም ዘሳቕዩኹም፥ ስቓይ ኪፈድዮም እዩ። ንዓኹም ነዞም እትሳቐዩ ዘሎኹም ከኣ ዕረፍቲ ክህበኩም እዩ። ንዓናውን ከምኡ።እዚ ኹሉ ጎይታና ኢየሱስ ምስቶም ኃያላት መላእኽቱ ብነበልባል ሓዊ ካብ ሰማይ ምስ ተገልጸ ኪኸውን እዩ። ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን፥ነቶም ንወንጌል ጎይታና ኢየሱስ ዘይእዘዝዎን ከኣ ክቐጽዖም እዩ። ነቲ ዝመስከርናልኩም ስለዝተቐበልኩምዎ፥ በታ ብቕዱሳኑ ዝኸብረላን፥ በቶም ዚኣምኑ ዘበሉ ኩሎምግሩም ኢኻ” ዝብሃለላን መዓልቲ፥ ንሳቶም ካብ ገጽ ጎይታ ኾነ ካብ ግርማ ኃይሉ ኪርሕቁ፥ ብናይ ዘለዓለም ጥፍኣት ከኣ ኪቕጽዑ እዮም። ነዚ ብምሕሳብ፥ ኣምላኽና ንጽውዓኡ ብቑዓት ምእንቲ ኺገብረኩም፥ ብኃይሉ ኸኣ ነቲ ሠናይ ቍርጺ ፍቃድን ናይ እምነትኩም ተግባርን ኩሉ ምእንቲ ኪፍጽመልኩም፥ ከየብኮርና ምእንታኻትኩም ንጽሊ ኣሎና። ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ስም ጎይታና ኢየሱስ ኣባኽትኩም ምእንቲ ኪኸብር፥ ንስኻትኩም እውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትከብሩ ንጽሊ ኣሎና (2ተሰ 12-12)

ደቂቀ እንጦንዮስ

ተመሃሮ መንፈሳዊ ኮለጅ ሥነ-መለኮት ተዋህዶ

Hits: 2082