S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቻው ደሓን ኩኒ

ቻው ደሓን  ኩኒ

ፍቕርኪ ማሪኹ ሃነን ኣቢሉኒ

ስኹር ተቀይረ ኣእምሮኡ ዝሰሓተ

ብሰንክኺ ፍቕረይ ተቐይረ ሓኾተ

ደጊም ይኣኽለኪ ምሳይ ዕርክነት

ሪብክኒ ኢኺ ናብ ኣፍደገሞት

ኡይ ኢልካ ረዳኢ ዘይብሉ

ኣለውኺ ዓጀብቲ ንዓ ነዓ ዝብሉ

ኣይመጽእን እዩ መልሰይ ኩሉ'የ ኣቅሊበሉ

ሎሚ ተረዲኡኒ ናትኪ ፍቕሪ

ናብ ኣምላኸይ ምስ ቀረብኩ

ናብ ሓቀኛ ኣፍቃሪ

ናተይ ሒዘ'የ በይንኺ ሕደሪ

ተጸሊሉ'ዩ ክትብልኒ ኢኺ

ኣይተጸለልኩን እኳ ደኣ ሓውየ

ጽቡቅ እየ  ዘለኹ ካባኺ ተፈልየ

ኣይምለስን ደጊም ቻው ተሰለንቄ

ንቕድሚት ክስጉም'የ ከም ሎጥ

ዕርፊ ሒዘ ኣይጥምትን ድሕሪት

ኣይምለስን ናባኺ ከም ዴማስ

ወሲነ'የ  ምስ ፍቕሪ ክርስቶስ

ክነብር'የ ምስኡ ስለ ዝኾነ ሂወት

ቻው ደሓን ኩኒ ዓለም መገዲ ጸልማት

ብርሃን ሒዘ'የ ኣምሊጠ'የ ካብ ሞት

ስብሐት ለእግዚኣብሔር
ቀሺ ብርሃነ ጠዓመ

Hits: 2378