S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሕቶ፡ ትውፊትን መጽሓፍ ቅዱስን እንታይ እዩ ፍልልዩ?

ኣብ ጉባኤ [2012] ዝተዋህበ ስብከታት ብሓቂ ጽቡቕ ኔሩ ዝብል ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ ዘለኒ። ኣብቶም ዝተዋህቡ ትምህርትታት ግና ሕቶታት ክሓትት ደሪኹኒ እዩ ክብሉ ኣቦይ ቀሺ ሙሴ ገሊጾም። ስለቲ ዝለገሱልና ሓጋዚ ዝብልዎ ሓሳብን ምኽርን እናመስገንና ንዝለኣኹልና ሕቶታት ብኸምዚ ዝስዕብ ጸሚቕና ኣቕሪብናዮ ኣለና፦

ሕቶ

1. ብቐዳምነት እታመጽሓፍ ቅዱስ ትውፊት እዩእትብል ትምህርቲ ንዓይ ሓዳስያ። ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ትውፊት እምበር፡ ካብ ትውፊት ወጻኢ ኣይኮነን ዝብልዩ። ትውፊትን መጽሓፍ ቅዱስን እንታይ እዩ ፍልልዩ? ኣበይ ይራኸቡ ኣበይከ ይፈላለዩ? መሰረት እምነትና ትውፊት ድዩ?

2. ትውፊት ኣምላኽን ትውፊት ሰብን ተባሂሉ ዝፈላለ ትውፊት ኣሎ ድዩ?? (ማርቆስ 76-8)

3. እታ ኣብ 2 ተሰሎንቄ 215 ዘላ ጥቕሲ ኣብ ቅንፍ (ትውፊት) እትብል ዘላ ካበይ መጸት ናይ ዝብል ሕቶውን መብርሂ ክወሃበኒ ይሓትት?

4. ቅዱስ ጴጥሮስ መጽሓፍ ቅዱስ ክብል ከሎ ብዛዕባ ብሉይ ኪዳን እዩ ዝዛረብ ዝበልኩማ ድማ ከተብርሁለይ ብትሕትና ይሓትት ኣለኹ ስለዚ ክቡር ኣቦና ቀሺ ኣትናቴዎስ መብሪሂኹምን ብሃረርታ ይጽበ።

 

እግዚኣብሔር ሰላሙ ይሃበና

ቀሺ ሙሴ ሽሻይ

ካህን ኦርቶድክሳዊት ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ

መልሲ ንምርኣይ አብዚ ተወከስ

 

Hits: 3322