እንተ’ቲ ታሪኹም ታሪኽ መበቈሉ
ቆሎ ተደሪርኩም ቤ/ክርስትያን ክትተኽሉ
ኣብ ጸሎት ኣርፊድኩም ዊዒልኩም ክትሓድሩ ካብ ቁሩብ ቁራቦኹም ድኻታት ክተማቕሉ
ከተማታት ጸሊእኩም ከጽኩም ክትክውሉ
ሃይማኖት ኣጽኒሕኩሙልና ክብሩ ተኸሊሉ
- ብጹኣን ኣቦታት ልብኹም ይመለስ
- ብስጋ ኣይዓበኹምን እንትርፎ ብመንፈስ
- ቃልኩም ተማሂርና ኣሰርኩም ክንወርስ
- « እንተሎሚ ግን »………
- ስቕ ኢልኩም ሪኢኹም መስቀልኩም ክውረስ
- ብፖለቲከኛ ክባረኽ ህንጻ ቅዱስ ጊዮርጊስ
- ብዓይንና ሪኢና ቤት ኣምላክ ክረክስ
ደፋር ኣይትበሉኒ ክገልጽ ሓሳበይ
ይሕመቕ ይጸብቕ ክፍትን ብዓቕመይ
መን'ከ ኣራኸቦም? ክብል ደሪኹኒ ኣእምሮይ
- አረ መን ኣራኸቦም ? ክልተ ኣንጻራት
- ንጋድም ንትኹል ክልተ መስመራት
- ናይ ሰማይ ናይ መሬት ዓቐበት ቁልቁለት
« መንደኣ ኣራኸቦም » ?
- ትፈልጡ እንተለኹም እስከ ኣውኩኡለይ
- ድንግርግር ኢሉኒ ጸቢቡኒ ዓቕለይ
- ሰማያውን ምድራውን እስከ ፍለዩለይ
« መንደኣ ኣራኸቦም « ?
- ይመስለኒ ኣይነበረን ክሳብ ክንድዚ ድፍረት
- ቅዳሕ ዝጽበ እዚ ክ/ሰራዊት
- ኣሎ ኢለ ኣይገመትኩን ክንድዚ ርክባት
- አረ መን ኣራኸቦም እዞም ክልተ ኣካላት
- ዓለማውያን ሰብ ብረት ካህናት ጳጳሳት
- ካብ መዓስ ሰመሩ ፖሎቲካ ምስ እምነት
« መንደኣ ኣራኸቦም » ?
- እቶም ዓለማውያን ናይ ፖሎቲካ ካድራት
- እቶም መንፈሳውያን መማህራን እምነት
- እቶም ጀነራላት መራሕቲ ሰራዊት
- እቶም መነኮሳት ርቱዓነ ሃይማኖት
« መንደኣ ኣራኸቦም « ?
- ኣይኣመንኩን ክሪኦ ማሕተም ተነቢሩ
- እምነተይ ኣይጸንሐን ከምዚ’ሎም ክደፍሩ
- ካብ ትማሊ ሎሚ እነሆ ሳዕሪሩ
- መራሕቲ’ዛ ዓለም ሓሳቦም ሰሚሩ
« መንደኣ ኣራኸቦም » ?
- ምዃን’ ኳ ኣነ’የ ግዲ ዘንጊዐ
- ዳርጋ ነዊሕ ኮይኑስ ናይ ትማሊ ረሲዐ
- እቲ ጨካን ክሕደቶም ንዓለም ዘንብዐ
« መንደኣ ኣራኸቦም » ?
- እወ እቲ ጠላም ክሕደቶም ናይ ኣቡነ እንጠንዮስ
- ኣብ ማሕዩር ዘእተውዎም ምስሊ ናይ ክርስቶስ
- ጠላም ይሁዳ’ዩ ነቦኡ ዝኸስስ
« መንደኣ ኣራኸቦም » ?
- እንተ’ቲ ሎሚ በዚሑ ጉዳቶም
- ኣብ ክንዲ ናብ ዳዊት ናብ ዓለም ዘንቢሎም
- ኣብ ክንዲ ውጹዓት ወጻዕቲ ኣፍቂሮም
- ሰንሰለት ሃዋርያት እምነቶም ኪሒዶም
- ኣሕሊፎም ሂቦሞም ንፓትርያርክ ኣቦኦም
- ኣብ ክንዲ ኵሎም ሓፊርና ደቆም
« እሞኸድኣ ሕጂ » ?
- ምፍላዮም ስኢንና ምፍላይ መዓርጎም
- ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ካብ ተጻሕፈ ስሞም
- ኣመሓደርቲ ዞባ ካብ ኮኑ ኣዕርኾም
- ናብ ክ/ሰራዊት ካብ በጽሐ ቅዳሕ ደብዳቤኦም
- እንታይ ኢልና ክንሓልፎ ውዕለት ናይ ስራሖም
- ናብ ኣምላኽ ንጸሊ ክድምሰስ ሓጢኣትና ሓጢኣቶም !!!።
ቀሺ ሃብቶም ሓዲሽ ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስትያን ጀነቫ።