S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ካህን ኣትናቴዎስ ገብረኣብ ክህነታዊ ኣገልግሎት ጀሚሮም

ኣቦና ካህን ኣትናቴዎስ ገብረኣብ 30 ጥቅምቲ 2010 . ፈረንጂ ፈላሚ ስርዓርተ ቅዳሴ ኣካይዶም። እዚ ብቋንቋ እንግሊዝኛን ግእዝን ዝተሰርዐ ኣገልግሎት' ኣብ ከተማ ሲንሲናቲ ክፍለ-ግዝኣት ኦሃዮ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴ እዮም ኣካይዶሞ።

ካብቲ ከባቢ ዝመጹ ብዙሓት ምእመናን ኣብቲ ቅዳሴ (ሓባራዊ ጸሎት) ዝተሳተፉ ክኾኑ ኮለዉ፣ ብርክት ዝበሉ ወጻእተኛታት ዜጋታት'ውን ከምዝተሳተውፍዎ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ዝተፈጸመ ቅዳሴ፡ ኣብ ልቢ ምእመናን ዓቢይ ሓጎስን ፍስሓን ከምዝፈጠረን ንትንሣኤ ቤተ ክርስቲያን ዝእምት ምንባሩን ብዙሓት መስኪሮም ኣሎዉ።  እቲ ዝያዳ ዘሕጉስ ድማ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ቅዳሴ ምንባሩ ዝዓበየ ተስፋ ዝህብ ኩነት እዩ ኔሩ።

ኣብ ግዜ ቅዳሴ ኣብ ዝሃብዎኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ መሰረታን መጻኢ ህላዌኣንዝብል ስብከት ድማ ብሓደ ወገን ጥንታውነት ቤተ ክርስትያን ዝምህር፣ በቲ ካልእ ድማ መጻኢ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ እንታይ ክኸውን ከምዝግብኦ ዘበስር ትምህርቲ ሂቦም።

እግዚኣብሄር ኣገልግሎቶም ቢሉ ንብዙሓት ንበረኸት ክኾኑ ምእንቲ፣ ምእመናን ንካህን ኣትናቴዎስ ገብረኣብ ኣብ ጸሎቶም ክዝክርዎም ሓደራ ንብል።

ኣቦና ካህን ኣትናቴዎስ ገብረኣብ 24 ሓምለ 2010 ክህነት ከምዝተቐብኡ ይዝከር.

Hits: 2863