S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጉባኤ መንእሰያት፡ ምዕራባዊ ዞባ ብዉዕውን ፍሱህን መንፈስ ተዛዚሙ

"ንቖልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ንምሉእ ሕይወቱ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ” (ምሳሌ 22፡6)። እዚ ብን/ሃገረት ስብከት ተማእኪሉ ብዕዙዝ ተሳትፎ መንእሰያት፡ ወለድን መራሕትን ኣብያተ ክርስትያናት ሎሚ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ፡ ንፈለማ እዋን ከኣ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ኣመሪካ ዝተኻየደ ሰፊሕ ምድላዋት ክግበረሉ ዝጸንሐ ጉባኤታት፡ ብቑዓት ተተካእትን ቅኑዓት ዜጋታትን ንምፍራይ ዝዓለመ እዩ።

መራሕቲ ቤተክርስትያንን ምሁራት ደቂ ቤተክርስትያንን ዝሃብዎ ትምህርትታት ኃይማኖታዊ፡ ስነ-ጥዕናዊ፡ ኣካዳምያውን ማሕበራውን ኣርእስትታት ዘጠቓለሉ ኔሮም። ብተወሳኺ ነዚ ጉባኤ ፍሉይን ዕዉትን ካብ ዝገበርዎ ነገራት፡-

1)  ኣብ ርእስ’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ስርዑ ሰሚናራት፡ መንእሰያት ባዕላቶም ንባዕላቶም ዘካየድዎ ኣብ ኣገዳሲ ኣርእስትታት ዘተኮረ ዝርርብ (panel discussion) ነበረ። ገለ ካብቲ ብዕምቆት ዝተዘርበሉ ነገራት “ኣብ ሞንጎ ወለድን ኣብዚ ዓዲ ዝተወልዱ ደቅን ዘሎ ጋግን ንምጽባቡ ዝሕግዙ ነገራትን”፤ “ኣሉታዊ ምዕራባዊ ባህልታት፡ partying, peer pressure, dancing, tattoo, dating, etc”፤  “ኣብ ስደት ኦርቶዶክሳዊ ክርስትያን ኴንካ ክትነብር ዘሎ ብድሆታት”፤ “ቅዳሴን መዝሙርን ብእንግሊዘኛን ኣገዳስነቱ ኣብ ምዕቃብ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኣብ ስደት”።

2)  ክፉትን ዓምዩቕን ዘተ ኣብ ሞንጎ እቶም ንመንእሰያት ኣሰንዮሞም ዝመጹ መራሕቲ ኃይማኖትን ወለድን ምክያዱ ነበረ። ገለ ካብቲ ብሰፊሑ ዝተዘተየሉ ኣገደስቲ ኣርእስትታት፡- “ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ዝምድና ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስን ብመንጽር ምዕራባዊ ባህልን”፤ “ንጥቡቕ ዝምድና ወለድን ውሉድን ኣብ ስደት ዘጋጥም ዘሎ ጸገማትን ንምፍታሑ ዝሕግዙ ነገራትን”፤ “ኣብ ምፍታሕ ኣብ ስደት ዘጋጥሙ ዘሎዉ ብድሆታትን፡ ኣብያተ ክርስትያንን ን/ሃገረ ስብከትን ኪህልዎም ዝግባእ ተራን”።

እቲ ጉባኤ መንእሰያት ልዕሊ ትጽቢት ኩሎም ተሳተፍቲ ምንባሩን፡ ብሰፊሑ ንመጻኢ እንተተደፊእሉ ንትንሣኤን ሓርነትን ቤተክርስትያንን ንሓድነት ህዝብን ዝህልዎ ተራ ዓብዪ ኪኸውን ምዃኑ ኣብቲ ንምግምጋም እዚ ጉባኤ ዝተገብረ ናይ መጨረሻ ኣኼባ ተገሊጹ።

ኣብዚ ዝቐነየ ጉባኤ ዝተኻየደ ኣስተምህሮትታት (Presentations)

Photos ስእላዊ ሪፖርት ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቕ (ተወከስ)

  1. Career Seminar.ppt
  2. Holy Tradition.ppt
  3. Spiritual Growth.ppt
  4. Judgment and life after death.ppt
  5. Tattoos and Piercings.ppt
  6. Peer pressure.ppt
  7. Partying and Dancing.ppt
  8. Parent-Youth Relationship.ppt
  9. Teen Stress.ppt
  10. Holy Communion.ppt
  11. ቅድሚ ሞትን ድሕሪ ሞትን ዘሎ ህይወት ከመይ ይመስል

ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን፡ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፡
ኣዳለውቲ ጉባኤ መንእሰያት ምዕራባዊ ዞባ።
ሓምለ 01-04/2009

Hits: 2896