S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን


ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን------------በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን፡
ኣሰሮ ለሰይጣን-----------------------------ኣግዓዞ ለኣ
ሰላም------------------------------------------እምይእዜሰ
ይኩን-----------------------------------------ፍስሓ ወሰላም

 

   በስመ ኣብ ወወ ልድ ወመንፈ ስቅደስ ኣሓደ ኣምላክ ኣሜን።

ኣብ ፈቐዶ ስደት ኮነ ኣብ ኤርትራ ዘለኹም ክቡራት ምእመናን፣
ኣቐምና እንቋዕ ናብ በዓል ትንሣኤ-ጎይታ መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2001 ዓም (2009) ኣብጽሓኩም እናበልና ዘመን ሰላምን ሓጎስን ፍስሓን ክኾነልና ጸሎትናን መንፈሳዊ ሠናይ ትምኒትናን ንገልጽ።

ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ምስ ተንሥኤ ንደቀመዛሙርቱ ዘበሰሮም ይቲ ቃልሰላም ንኣኻትኩም ይኹንእትብል እያ። ሰላም ኩሉ ሰብ ይናፍቓን ይምነያን እዩ። ዝያ ኩሉ ድማ ንሕና ኤርትራውያን ዝያ ንምነያን ንናፍቓን። ምእንቲ ሰላም ተባሂሉ ዘይተኸፍለ ነገር ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ይታ ግናሰላመይ እህበኩም ሰላመይ እሓድገልኩም: እቲ ኣነ ዚህበኩም ሰላም ከምቲ ዓለም እትህበኩም ሰላም ኣይኮነንክብል ብዘይሕሶ ቃሉ ቃል ኣትዩልና እዩ እሞ፡ ኩላትና ኣምላኽ ብሰላ ክበጽሓና "ሰላመከ ኀበነ ኣምላክነእናበልና ብትግሃት ክንጽልን ናብ ኣምላኽ ክንቀርብን ይግባእ።

ብፍላይ ድማ እዛ ብደሙ ዝዓ ሓዋርያዊት ቅድስት ቤተ ክርስትያን፡ ዋላ እኳ ሰይጣን ኣብ ርእሲኣ ክዕወት ከም ዘይክእል ምሉእ ምትእምማን ኣብ ኣምላኽ እንተ ሃለወና፡ ኣብዚ ጊዜ እዚ እዛ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ሰይጣን ብዘምጽኦ ፈተና፡ ኣብ ከቢድ ፈተና ቓ፡ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ኣብ ከቢድ ፈተና ይርከቡ ከም ዘለዉ፡ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። መዓርግ ሃይማኖትና ድማ ፊሩ።

ኣብዚ ዘመን እዚ ንሓቀኛ እምነቶም ደው ኢሎም ሓዋርያዊ መስዋእቲ ንምዃን ዝተለዉ ኣቦ ምህላውና ድማ ሓበን ይስምዓና። ኩሉ ኣማኒ እዚ ሓቂ እዚ ተገንዚቡ፡ ኣብዚ ሰላም ክርስቶስ ሰረሉ እዋን፡ እቲ ዘይድቅስ ጸላኢና ሰይጣን፡ ኣብ ደምበ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ክን ሓጎስ ሓዘን ንምእታው ዘይድቅስ ስለ ዝኾነ ኩላትና ብጸሎት ክንነቅሕ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ለበዋኡ የመሓላልፍ።

እግዚኣብሔር ንሃገርናን ሕዝብናን ሰላምን ቅሳነትን ይሃብ።
ንመላእ ዓለም ሰላም የውርድ።
ኣቦና፡ ብጥዕናን ሕይወትን ይሓልወልና።

ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ,
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን-ኤርትራ

Hits: 5550