S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸሎተ-ፍትሓት - ሰንበት 8 ጥቅምቲ 2017

ሰንበት 8 ጥቅምቲ 2017 ብምኽንያት ዝኽሪ ኤርትራውያን ግዳያት ላምፐዱሳ፡ ኣብ ኩለን ኣህጉረ ስብከታትና ጸሎት ፍትሓት ክካየድ እዩ። እዚ ጸሎት ፍትሓት':

1. ስለቶም ኣብ 2013 ዓመት ኣብዚ እዋን' ህልቂት ዘጋጠሞም ግዳያት ላምፐዱሳ (ልዕሊ 325 ኤርትራውያን ግዳያት)

2. ስለቶም ኣብ ሊብያክርስቲያን ምዃንጥራይ ዝበደሎም ዝሞቱ 30 ሰማእታት ሓበሻ

3. ስለቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ቦታን ህይወቶም ዝሰኣኑ ኤርትራውያን

4. ጸሎት ስለቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተቐዝፉ ኣሜርካውያን እዩ።

ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ፣ ኣብቲ ናይ ጸሎት መደብ ክትሓብሩና እናተማሕጸንና፡ ክትሓብሩና ዘይክኣልኩም ድማ፡ ስለ ኣሕዋትኩም፡ ድቅኹም፡ ወለድኹም... ናይ ጸሎትን ምስትንታንን ግዜ ክትሰርዑ ንምሕጸነኩም።

እግዚኣብሔር ንስቓይና መወዳእታ ክገብረሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓቢርና ብጸሎት ንቕረብ።

ኣምላኽ፡ ንኹሎም ግዳያት ዜጋታትና፡ ሰማያዊ ዕረፍቲ ክህቦም፣ ንስድራ ቤቶም ድማ ምጽንናዕ ይሃቦም። ኣሜን።

 

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፡ ሰሜን ኣሜርካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ

Hits: 1906