S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣዋጅ ጸሎት፥ ብምኽንያት ሕማም ቅዱስ እንጦንዮስ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ

 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።

ክቡራን ምእመናንን ምእመናትን፥ ከምኡውን መላእ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፥ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍላተ ዓለም ዘሎኹም  ፈተውትን።

ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኹም ይኹን።

ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ኣብ ሕማም ይርከቡ ኣለዉ።

ስለዚ ኣብ ዘዘሎኹሞ ኮንኩም ብብቋንቋኹም፥ ካብ ሎሚ ዕለት 17 ግንቦት 2017 (ግንቦት ፱, ፳፻፱) ጀሚርኩም፥ ስለ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ጸሎት ክግበር ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እጽውዕ ኣሎኹ።

ከምኡውን ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናት ይኹን ብውልቂ እትጽልዩ ካህናት ኣብ ኩሉ መደብ ጸሎትኩም፥ መሓረነ-ኣብን መስተበቊዕ በእንተ ድውያንን፥ ክትጽልዩ ሓደራ እብለኩም።

ብፍሉይ ከኣ ሰንበት 21 ግንቦት 2017 (ግንቦት ፲፫, ፳፻፱ ግእዝኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ዝግበር ቅዳሴ፥ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዘጽንሓቶ ሥርዓት ጸሎት ቅዳሴ ከም ዘለዎ ናይ ዕለቱ ኮይኑ፥ ኣብ ኩሉ ጸሎታት ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ምሕረት ከውርደሎምን፥ ነታ ሃገር እግዚኣብሔር ክዕረቓን፥ ብጥብኣትን ብመንፈሳዊ ኣስተንትኖን ፍቕርን ኩላትና ብጸሎት ክንነቅሕ ኣባታዊ ለበዋይን ጸዋዒተይን ብስም እግዚኣብሔር አመሓላልፍ፥

እግዚኣብሔር ጸሎትና ይቀበለልና። ኣሜን።

ኣቡ መቃርዮስ

ጳጳስ ዲበኩሉ

Hits: 2255