S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣዋጅ ጾምን ጸሎትን ስለ ሃገርን ቤተ ክርስቲያንን

“ጾም ቀድሱ፣ ኣኼባ ጸውዑ፣ ንዓበይትን ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅላቶምን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣክቡ፣ ናብ እግዚኣብሄር ከኣ ተማህለሉ.”ዮኤል 1:14።

ኣብዚ ጀሚርናዮ ዘሎና እዋን ጾመ-ኣርብዓ፥ ናይ ጸሎት ኣርእስትና እዚ ዝስዕብ ዘጠቓለለ ይኸውን፥

  1. ጸሎት ስለ እቶም ኣብ ምድሪ ሊብያ ብኣረሜናዊ ኣቀታትላ ምእንቲ እምነቶም ህይወቶም ዝወፈዩ ሰማዕታት ሓበሻ።
  2. ጸሎት ስለ እቶም ን10 ዓመታት ኣብ ቤት ማኣሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ።
  3. ጸሎት ስለ እቶም ን11 ዓመታት ስለ እምነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ደቂ ቤተ ክርስቲያን፥ ካህናት፥ መነኮሳት፥ ዲያቆናት፥ ምእመናንን መንእሰያትን።
  4. ጸሎት ስለ እቶም ኣብ ስደት ፋሕ ጭንግራሕ ኢሎም፥ ኣደዳ ጭንቀት፥ ዝተፈላለዩ ሕማቕ ወልፍታትን ልምድታትን ኮይኖም ዘለዉ መንእሰያት።
  5. ጸሎት ስለ ሰላም ሃገርን ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝብናን።

ኣብዚ ጀሚርናዮ ዘሎና እዋን ጾመ-ኣርብዓ፥ ኩሉ ጊዜ ድሕሪ ቅዳሴ፥ ብምህልላ ተሰንዩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ክካየድ እዩ።

ስለዚ፥ ኩልኹም ህዝቢ ኣምላኽ ብሓቀኛ እምነትን ኣምልኾን ናብ ኣምላኽ ክትቀርቡ ብስም እግዚኣብሔር ጸዋዒትና ነቕርብ።

 

እግዚኣብሔር ንቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብህይወት ይሓልወልና።

ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣገልግሎቶምን ጉስነቶምን ይባርኽ፥

ንመራሕቲ ቤተ ክርስቲያንን መራሕቲ ሃገርን ምስትውዓል ሂቡ፥ ብመንፈሱን ረድኤቱን ይምርሓዮም።

ንኹሎም ሰማዕታት ዕረፍትን ዘለኣለማዊ ህይወትን ይሃቦም፡

ሃገርናን ቤተ ክርስቲያንናን ድማ ይባርክ፡

 

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ።

Hits: 2134