S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጾምን ጸሎትን ስለ ቤተ ክርስቲያንናን ህዝብናን

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ን3 መዓልቲ ጾምን ምህልላን ክግበር ኣዋጅ ንህዝቢ (ህዝቢ ኤርትራ) ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ይሕብር። እዚ ብምኽንያት ጾመ ነነዌ ን3 መዓልቲ ዝግበር ጾምን ምህልላን: ካብ ሰኑይ 22 የካቲት ጀሚሩ ክሳብ 24 የካቲት 2016 (ሰኑይ፣ ሰሉስን ረቡዕን) ክኸውን እዩ።

ምስ ከባቢ ብዝሰማማዕ መገዲ ኣብያተ ኣብያተ ክርስቲያናት ን3 መዓልታታት ክፉት ኮይኑ: ጸሎት፥ ጾምን ምህለላን ስለ ቤተ ክርስቲያንናን ሃገርናን ከካይዳ እየን

ምሕረት ዝህብ ጾም ይግበርለና። ንህዝቢ ነነዌ ዝሰመዐ መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ጸሎትና ሰሚዑ ምሕረትን ሰላምን የውርደልና። ኣሜን። 

እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ...ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ አሎኹ። 1 ጢሞቴዎስ 2: 1-2

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ: መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ
16 መጋቢት 2016

Hits: 2704