S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መልሲ ንኣባ ሲኖዳ ቅድስት ስላሴ ቤተ ክርስትያን-ኤርትራ ስያትል ዋሺንግቶን

August 17, 2006

ናብ፡ ኣባ ሲኖዳ።

ሰላም እግዚኣብሔር ምሳኹም ይኹን!

ብዕለት 08-05-2006 ብቁጽሪ 01-39-03/06 ዝጸሓፍኩሞ ደብዳቤ ብዝዕባ እንፈትዎምን፡ እነኽብሮምን፡ ኣቦናን መምህርናን ቖሞስ ከሰተብርሃን ገብረሚካኤል በጺሑና። ኣጸቢቁ ድማ ገሪሙና። ብዛዕባ ቖሞስ ከሰተብርሃን ሃይማኖት ኣብ ምስፍሕፋሕ ንዘለዎም፡-ኣበርክቶ፡ ጽንዓትን፡ ብቕዓትን፡ ኣመራርሓ፡ ሃገራውነቶምን፡ ኣብ ሓቂ ደው ምባሎምን- ስርሖም ባዕሉ ስለዝምስክሮ ብዛዕብኦም ብዙሕ ክንዛረብ ጊዜ ምጥፍህ ጥራይ እዩ፣ እቲ ስራሕ ባዓሉ ምስክር ስለዝኾነ።

ሰበኻ ጉባኤ ቅድስት ስላሴ ቤተክርስቲያን እቲ ዝሰደድኩሞ ደብዳቤ ፍረ-ዘይበሉ ኣብቤላ ቤለው ዝተሞርከሰ፡ ምንም ዓይነት ሕጋዊ ይኹን መንፈሳዊ መርትዖ ዘይብሉ፣ ዋላ ሓንቲ ዓንቀጽ ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ዘይጠቅስ ምኻኑ ምስረኸብናዮ ናይ ብሓቂ ጉሂና፣ ኣበየናይ መዳያት ተዋፊርኩም፡ ብምንታይ ዓይነት እማኸርቲ ተኸቢብኩም ከምዝለኹም በሪሁልና። ኣነ ባዕለይ ድማ ሕጊእዩ ኣብ ምባል ከምዝበጻሕኩም ድማ ደብዳቤኩም ኣብሪሂሁልና።

እቲ ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ደብዳቤኹም ንስኹምን እቲ ትመርሕዎ ዘለኹምሃገር ስብከትትብልዎ ልዕሊ ቤተክርስቲያና ናይ መንፋሳዊ ይኹን ምምሕዳርዊ ስልጣን ዘለኩም ኣምሲልኹም ምጽሓፍኩምዩ። እዚግን ካብ ሓቅነት ዝርሓቐ ዓቢ ሓሶትዩ። እዚ መንገድኹም ድማ ኮነ ኢልኹም እስኹምን ኣማኸርትኹም ትገብርዎ፣ ተጠርኒፉ ንዝጸነሐ መእመናን ሰሜን ኣሜርካ ንብምታን ጠንቂ ሓድነት ህዝቢ ምዃንኩም በብግዚኡ ኣብትገብርዎ ተግባር ንመእመናን እንዳ ተገሃደ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ደብዳቤኹም ድማ ሓደ ኣብነት እዩ።

ስለዝኾነ ደብዳቤኹም ምንም ዓይነት ትርጉም ዘይብሉ ኾይኑ ከምዝረኽብናዮ እንዳሓበርናኩም፡ ብመሰረት ብፁእ ወቅዱስ ቀዳማዊ ንጦንዮስ 3 ፓትርያርክ ርዕሰ ሊቀነ ጳጳሳት ሃገረ ኤርትራ ዝሰደድዎ ደብዳቤ ንጠቅስ

ኣቡነ ሲኖዳ ሓንቲ መዓልቲ መምርሕን ትእዛዝን ክህበኩም ተመለሱኒ ኢለዮም ከይተመለሱ ብኡ ኣቢሎም መሊቖም ከይዶም እምበር ኣብ ኣሜሪካ ክነብሩ፡ ኣነ ከም ዘይለኣኽዎም ኤረጋግጽ።

ካልኣይውን ብብፁእ ወቅዱስ ፓትርያርክ ንጦንዮስ ዝተሰደደ ደብዳቤ ንጠቅስብዘይፍቓደይን ኣፍልጦይን  ኣብ ኣሜሪካ ዝንቀሳቐሱ ዘለው ጳጳሳት፡ ኣብ መንፈሳዊ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ዝገብርዎ ውግዘት ኣብ መንፈሳዊ ስልጣን ቤተክርስቲያን ሕጋዊነት የብሉን።

ዝብል ናይ ኣቦና ቃል ዝረገጸን ንቀኖና ቤተክርስቲያን ዝጠሓሰ ተግባር ብምኻኑ፡ ዝኾነ ዓይነት መንፈሳዊ ይኹን ምምሕዳርዊ ስልጣን ኣብቤተክርስቲያና ከምዘይብልኩም ነፍልጠኩም። ስለዝኾነ እዚ ደብዳቤ ብጌጋ ከምዝጸሓፍኩሞ ድማ ንቖጽሮ።

እዚ ዝጸሓፍኩሞዎ ደብዳቤ ብሕጊ እንነበርሉ ዓዲ ዝተመሰረተ ቤተክርስቲያን ዝትንክፍ ዘይሕጋዊ ስለዝኾነ፣  ከምዚ ዓይነት ደብዳቤ ንቤተክርስቲያና ይኹን ንካህንና እንድሕሪ ጺሂፍኩም ሕጋዊ ስጉምቲ ከምእንወስድ እንዳሓበርና፡ ዓገብ ክትብሉን ሃይማኖት ተዋህዶ መላገጺ ካብምግባር ክትቁጠቡ ንኣኹም ብውልቂ ንማሓብርኩም ድማ ብሓባር ነተሓሳስበኩም።

እግዚኣብሔር ንሃገርና ኤርትራ ሰላም ይሃባ!

ዕድመን ጥዕናን ንብፁእ ወቅዱስ ቀዳማዊ ንጦንዮስ 3 ፓትርያርክ ርዕሰ ሊቀነ ጳጳሳት ሃገረ ኤርትራ!

ጸጋይ ተወልደ, ኣቦ መንበር

ሰበኻ ጉባኤ ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ሲያትል

ቅዳሕ፡-

1.   ናብ ቖሞስ ከሰተብርሃን ገብረሚካኤል

2.  ናብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ 

Hits: 3946