S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ጸሎተ-ፍትሓት - ቦኽሪ ዓመት ግዳያት ላምፐዱሳ

ሰንበት 5 ጥቅምቲ 2014፡ ንዝኽሪ ቦኽሪ ዓመት ኤርትራውያን ግዳያት ላምፐዱሳ፡ ኣብ ኩለን ኣህጉረ ስብከታትና ጸሎት ፍትሓት ክካየድ እዩ።

እዚ ጸሎት ፍትሓት'ዚ: ስለቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብዚ እዋን'ዚ ህልቂት ዘጋጠሞም ልዕሊ 325 ዜጋታትና ኮይኑ፡ ስለቶም ድሕሪኡን ቅድሚኡን ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ቦታን ህይወቶም ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ብሓባር ጸሎት ፍትሓት ክግበረሎም እዩ።

ጻዕዳ ቀላይን ገማግም ሊብያን መቓብር ኤርትራውያን ኮይኑ ኣሎ ስለዚ፡ ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ፣ ኣብቲ ናይ ጸሎት መደብ ክትሓብሩና እናተማሕጸንና፡ ክትሓብሩና ዘይክኣልኩም ድማ፡ ስለ ኣሕዋትኩም፡ ድቅኹም፡ ወለድኹም... ናይ ጸሎትን ምስትንታንን ግዜ ክትሰርዑ ንምሕጸነኩም። እግዚኣብሔር ንስቓይናን መከራናን መወዳእታ ክገብረሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓቢርና ብጸሎት ንቕረብ።

ኣምላኽ፡ ንኹሎም ግዳያት ዜጋታትና፡ ሰማያዊ ዕረፍቲ ክህቦም፣ ንስድራ ቤቶም ድማ ምጽንናዕ ክልእከሎም ፍዱ ይኹነልና። ኣሜን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ
መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፡ ሰሜን ኣሜርካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።

Hits: 1689