S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን!! ቊ.58 (30 ነሓሰ 2026 ፈ | ጳጕሜን 1, 2018 ግዕዝ)

 "ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር፡ ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ።" 1ተሰ 5፡6

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ መበል 10ይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምት’ዩ። ወርሒ ጳጕሜን መበል ዓሰርተው ሰለስተን ናይ መወዳእታ ወርሕን ናይ ዓመተ-ግእዝ ድማ’ዩ። ወርሒ ጳጕሜን፡ ናይ ዘመነ ክረምት ርእሱ ዝኸኣለ ንኡስ ዘመን’ዩ። ብመሠረት ሥርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንና፡ ካብ ጳጕሜን 1 ክሳዕ ጳጕሜን 6 ኣብ ዘሎ ቕንያት ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ "ከመ እንተ መብረቅ" ዘርእስቱ ዀይኑ፡ ኣብ ማቴ 24፡26-31፣ ማር 13፡24-27፣ ሉቃ 17፡23-24 መሠረት ገይሩ ዝተደርሰ ናይ ምጽኣት መዝሙር’ዩ።

ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፦  "በርቂ ኻብ ምብራቕ ወጺኡ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚርኣይ፡ ምጽኣት ወዲ ኣምላኽ ድማ፡ ከምኡ ኪኸውን’ዩ። ምስ ኃይለ ሰማያትን መስመስታ በርቅታትን። ምስ ኣእላፍ መላእኽትን ኵሎም ሊቃነ መላእኽትን (ኪመጽእ’ዩ)። (ንሱ) ኣብ ርእሲ ካህናት ኣኽሊል ናይ ኣኽሊላት’ዩ።

ጐይታና ኣብ መዓልቲ ሰንበት ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ኵሎም ደቀ መዝሙሩ ናብኡ ቐረቡ። <ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፡ ድልዋት ኴንኩም ንበሩ’ውን> በሎም።"

ማለት’ዩ። እዚ መዝሙር ናይ ቅዱስ ያሬድ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኵላቶም ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዑ ንባባት ሓድሽ ኪዳን’ውን ምጽኣት-ተኰር ትሕዝቶ ዘለዎም’ዮም። ስለ’ዚ ወርሒ ጳጕሜን ብዛዕባ ምጽኣት ጥራሕ ኪስበኸሉ ዝተሰርዐ፡ "ዘመነ ምጽኣት"’ዩ። ከም’ቲ ኣብ ናይ ዓለም መወዳእታ ምጽኣት ጐይታ ዚኽሰት፡ ኣብ ናይ ዓመት መወዳእታ ብዛዕባ ምጽኣት ኪስበኽ’ውን ግቡእ’ዩ። ምጽኣት ጐይታና ኣዝዩ ኣገዳስን ወሳንን ኣርእስቲ ስለ ዝዀነ፡ ቅዱሳን ኣቦታትና ብምርሒት መንፈስ ቅዱስ፡ ምጽኣቱ ዚስበኸሉ ኣርባዕተ ንኡሳን ዘመናት ሰሪዖምልና ኣለዉ። እዚ ናይ ወርሒ ጳጕሜን ዘመነ ምጽኣት ሓደ ኪኸውን ከሎ፡ ካልኣይ ከኣ፡ ናይ ሰነ 25 በአተ ክረምት (ምእታው ክረምቲ)’ዩ። ሳልሳይን ራብዓይን ድማ፡ ናይ ዘመነ ነብያትን ዓብዪ ጾምን ክልተ ናይ ደብረ ዘይት ንኡሳን ዘመናት’ዮም። እዚ ማለት ግን፡ ካብ’ዘን ኣርባዕተ ቕንያት ወጻኢ ናይ ምጽኣት ኣርእስቲ ኣይዝከርን፡ ኣይስበኽን’ዩ ማለት ኣይኰነን። እዚ ቕንያት’ዚ ኣብ ውልቀ ህይወትና ዀነ ኣብ ኣገልግሎትና ንናይ ምጽኣት ኣርእስቲ ንኼዘኻኽረናን ንኼነቓቕሓናን ዝተሰርዓልና’ዩ። ዘለኣለማዊ መጻኢና እንታይ ከም ዚመስል ዚውሰንን ዚብየንን ኣብ ጊዜ ምጽኣት ጐይታና’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ንምጽኣት ጐይታ ዝረስዐ ክርስቲያን፡ ገና ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብህይወት ከሎ’ዩ፡ ንዘለኣለማዊ መጻኢኡ ዜጸልምቶ። ንናይ ምጽኣት ኣርእስቲ ሸለል ዚብሉ ቤተ ክርስቲያንን ኣገልገልትን ድማ፡ ነቲ መጓሰኦም ናብ ገሃነም ናብ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት ዚኽብክቡ፡ ሕሱማት ጓሶት’ዮም። ስለ’ዚ ክንዲ’ቲ ጐይታና ባዕሉን ቅዱሳን ሃዋርያቱን ብዛዕባ ምጽኣት ተጊሆም ዜስተምሃርዎን ዝሰበኽዎን ተጊህና ኽንሰብኮን ክንዝክሮን’ዩ ዚግባእ። ግደ ሓቂ፡ ኻብ’ቲ ናታቶም ዝበዝሐ ኣድህቦ ኽንገብረሉ’ዩ ዚግባእ። ምኽንያቱ ንሳቶም ምጽኣት ገና ኸሎ፡ ቅድሚ ልዕሊ 2,000 ዓመታት ክሳዕ ክንድ’ዚ ኻብ ተግሁሉ፡ ንሕና’ዞም ኣብ ድርኵዂት (ኣብ ኣፍደገ) ምጽኣት ዘለና ኻብ ናታቶም ብዝተዓጻጸፈ መጠን ክንዝክሮን ክንተግሃሉን ኣይግባእንዶ፧ ብዛዕባ ምጽኣት ዘሎና ኣተሓሳስባን ኣተሓሕዛን፡ ናይ መንፈሳውነትና ሓቀኛ መለክዕን መምዘንን’ዩ። እቲ ንዅሉ ማሕበራውን መንፈሳውን ህይወቱ ብመንጽር ምጽኣት ዜማእዝን ሰብ፡ ንምድሓን ዝለበመ ብልሂ ክርስቲያን’ዩ። እቲ ነታ ዘይትተርፍ ምጽኣት፡ ይትረፍ ህይወቱ ኼማእዝነላ፡ ንማለቱ’ኳ ዘይዝክራ ሰብ ድማ ዘለኣለማዊ ኣድራሻኡ ኣብ ገሃነም ኪኸውን ዝመረጸ፡ ንጥፍኣቱ ዚተግህ፡ ንገዛእ ርእሱ እከይ ዚመኽረላ ዓሻ ክርስቲያን’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ያ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ምጽኣት ብተደጋጋሚ ዚስበኸሉ ዘመናት ሰሪዓ፡ ከተንቅሓናን ከተዳልወናን ትጋደል ዘላ። ዘመነ ምጽኣት ናይ ስቅቕታን ሽቝረራን ቅንያት ዘይኰነስ፡ ናይ ሓያል ተስፋን ብርቱዕ ምጽንናዕን ዘመን ስለ ዝዀነ፡ ናብ ረብሓና ነውዕሎ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ካብ’ዚ ናይ 1ተሰ 5፡1-10 ንባብና ዝተወስደ ትምህርቲ’ዩ።

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ንሰብ ተሰሎንቄ ዝለኣኸሎም መልእኽቱ ኸነንብቦ ኸለና እንታይ ነንብብ፧ ማእከላይ ሓሳብ ናይ መልእኽቱ’ኸ እንታይ’ዩ፧ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ምስ’ቶም ኣብ ተሰሎንቄን ዝነበሩ ክርስቲያን እተላለየሉ፡ ኣብ ግብ 17፡1-15 ተጻሒፉልና ኸም እንረኽቦ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስን ስልዋኖስ (ብሓጺር ኪጽዋዕ ከሎ፡ ሲላስ)ን ከምኡ’ውን ጢሞቴዎስ እቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ምስኡ ኺወስዶ ዝፈተወ ወደ መዝሙርን ኰይኖም፡ ድሕር’ቲ ኣብ መቄዶንያ ቐዳመይቲ ኸተማን ሓዳስ ግዝኣት ሮሜን ዝነበረት ፊልጲ ዝነበሮም ወንጌል ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ምስባኽን ምስትምሃርን ኣገልግሎትን፣ ምስኡ ተሳንዩ ዝሰዓበ ማእሰርትን፡ ተኣምራታዊ ምፍታሕ ካብ ማእሰርቶምን፡ ካብኡ ሓሊፎም ብኣምፊጶሊስን ኣጶሎንያን ኣቢሎም’ዮም ናብ ተሰሎንቄ በጺሖም። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰለስተ ሰናብቲ፡ ኣብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝነበረ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ፡ ብጽሑፋት ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ ስቓይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ሞቱን ትንሳኤኡን፡ እናተርጐመ ምስ ገለጸሎም፡ ሓያሎ ኻባታቶምን ኣዝዮም ብዙሓት ጽርኣውያንን ዓበይቲ ኣንስቲ’ውን ከይተረፋ፡ እምነት ክርስትና ተቐበሉ።

ብኽፉእ ቅንኢ ዝተደረኹ፡ ብወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኣመኑ ኣይሁድን ካብ ዕዳጋ ዝተማልእዎም እኩያት ሰባትን፡ ህዝቢ ኣኪቦም ነታ ኸተማ፡ ብዛዕባ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን "ምስ ኣዋጅ ቄሳር ዚጻላእ ነገር ይገብሩ፡ ኢየሱስ ዚበሃል ካልእ ንጉስ ኣሎ’ውን ይብሉ’ዮም" ኢሎም፡ ምስ ኣነዓዓብዎም፣ እቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስቲያን ኣሕዋት ንሰለስቲኦም ብለይቲ ናብ ቤርያ ሰደድዎም። ቀዳመይቲ መልእኽቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ምስ እነንብቦ ኸኣ እቲ ብምኽንያት ወንጌል ጐይታና ኢየሱስ በቶም እኩይ ቅንኢ ዝነበሮም ኣይሁድን ወንጌል ዘይኣመኑ ደቂ ዓዶምን (1ተሰ 3፡14) ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስቲያን ዝመጸ መከራ ድማ ከመይ በርቲዖም ነቲ ዅነታት ይሰግርዎ ኸም ዘለዉን፡ ኵነታት’ቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣሕዋት ንኺፈልጥ፡ ጢሞቴዎስ ናብኣቶም ብዝለኣኾ፡ ጢሞቴዎስ ዜሐጕስ ብስራት ምስ ኣበሰሮ (1ተሰ 3፡6)፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ እምነቶም ዝነበሮም ጽንዓት ዝተሓጐሶ ሓጐስ ኪገልጸሎም፣ ብዛዕባ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ተሰሎንቄ ዚዝረብ ዝነበረ፡ ኣቦነቱ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስቲያን ዚኽሕድን ዜነኣእስን ዘረባ ሓሶትን ጸለመን ንኼረድኦም፣ ናባታቶም ብዛዕባ ኺበጽሕ ዚኽእል ኬጃጅዎም ዚሕልን ዝተፈላለየ ገጻት ዘለዎም መጥቃዕትታት ኪሰግርዎ ምእንቲ ኼተባብዖምን፣ ብዛዕባ’ቶም ምሳታቶም ዝነበሩ እሞ ብስጋ ዝሞቱ ኣሕዋቶም ዝነበሮም ኣመለኻኽታን ኣረኣእያን ከመይ ኪኸውን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኼረድኦምን ኬጽናንዖምን ምእንቲ ኢሉ እዛ ደብዳቤ እዚኣ ብ52-53 ድ.ል.ክ. ኣብ ዝነበረ ጊዜ ጽሒፉሎም (1ተሰ 1-4)።

መልእኽቲ እዛ ደብዳቤ’ዚኣ እምበኣር ከም’ቲ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት እንጽልዮ፡ "ብትንሳኤ ሙታንን ንዘለኣለም ዚመጽእ ህይወትን ተስፋ ንገብር" ዚብል ዝዓበየ ተስፋ ዜዘክረና፡ ኣብ’ዛ ምድሪ ኽንነብር ከለና ኸኣ ተግባር ዕዮና እናዓይየና ኽንነብርን ነቲ ብህይወት እንተ ሃለና ወይስ ብስጋ እንተ ሞትና ምስኡ ሓቢርና ንዘለኣለም ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር ኢሉ ስሌና ዝሞተ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብተስፋ ምጽኣቱ ሃብቲምና፡ ብእትጽዕር ፍቕርን፡ ብፍቕሪ ብእትገብር እምነትን ኣብኡ፡ ኣብ’ቲ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ ጸኒዕና፡ ጐይታና ዳግም ኪግለጽ ከሎ ንምቕባሉ ዕጉሳትን ድሉዋትን ኰይንና ኽንጽበዮ’ዩ ዚምህረና (1ተሰ 1፡3፣ 5፡10)።    

ኣብ’ዚ ብሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ተጻሒፉ ሎሚ ዝተነብበልና ጽሑፍ ብተምሳሌት ተገሊጾም ዘለዉ ትሕዝቶታት ኣየኖት’ዮም፧ ብመንጽር’ዞም ተምሳሌት፡ ትርጕም ንቕሓትን ጥንቃቐን እንታይ’ዩ፧ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት’ከ’ዩ ዜድልየና፧ ነቲ ሎሚ መበገሲ ትምህርትና ዝዀነ ጥቕሲ ምእንቲ ኽንርእዮ፡ ኣብ’ዚ ናይ መልእኽቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንባብና ዝረአናዮም ንንቕሓትን ጥንቃቐን ዜብርሁልና ተምሳሌታዊ ትሕዝቶታት ከነስተብህለሎም ግቡእ’ዩ። ንሳቶም ከኣ ቅልውላው ሕርሲ ዝሓዛ ነፍሰ-ጾር ኣደ፡ ብርሃንን መዓልትን፡ ለይትን ጸልማትን፡ ሰራቒ፡ ድቃስ፡ ስኽራን ዚብሉ ተምሳሌት’ዮም። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ነዞም ስውያ (ንጽጽር) ዜርእዩ ቓላት እዚኣቶም ምስ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን ኣተኣሳሲሩ’ዩ ኣቕሪብዎም ዘሎ። ኣብ ኵላቶም ከኣ ንቕሓትን ጥንቃቐን የድልይ። ነፍሰ-ጾር ኣደ እንተ ረአና፡ ብዛዕባ’ታ ውሉድ ክትገላገል እትሓርሰላ እዋን ብንቕሓትን ጥንቃቐን ትጽበይ። ክኢላታት ሕክምና ዚህብዋ መምርሒታት ብግቡእ ትከታተል፡ ኣብ ነፍስወከፍ’ተን ትሽዓተ ኣዋርሕ ከኣ ኣብ ሕክምና እናተመላለሰት፡ ኵነታታን ኵነታት ኣብ ማህጸና ዘሎ ዕሸልን ትከታተል። እዚ ኸኣ’ዩ ንቕሓታን ጥንቃቐኣን። 

ብርሃንን መዓልትን ናይ ስራሕ እዋን ዜመልክቱ ክፍላ ጊዜ’ዮም። ብብርሃንን ብመዓልትን ዚሰርቕ፡ ዚሰክር፡ ዚድቅስ የልቦን። ንቕሓትን ጥንቃቐን ኣብ ብርሃንን መዓልትን እምበኣር ውሁባት ጕዳያት’ዮም። ብኻልእ ወገን ለይትን ጸልማትን፡ ኣብ’ቲ ንህይወት ሰብ ዚዕቅን ጊዜ፡ ዝዓበየ ጽልዋ ዘለዎ ኽፍላ ናይ’ቲ 24 ሰዓታት ናይ ሓደ መዓልቲ’ዩ። እዚ ጊዜ’ዚ ንድቃስ፡ ንስኽራን፡ ንስርቂ ብተዛማዲ ዝመሽአ ጊዜ’ዩ (1ተሰ 5፡7)። ስለ’ዚ ብምኽንያት’ዚ ለይትን ጸልማትን ግዳይ ስርቂ ምእንቲ ኸይንኸውን፡ ንቕሓትን ጥንቃቐን ኣዝዩ የገድሰና። ተራኡ ዀይኑ፡ ሓለዋ ለይቲ ዚወጽእ ዓቀይታይ ምስ እንርእይ፡ ብጊዜ ለይትን ጸልማትን ድቃስ ኪወስዶ ኣይግባእን። ብንቕሓትን ጥንቃቐን ሓለዋኡ ኪቕጽል፡ ሓላፍነቱ’ዩ። እንተ ዘይኰነ፡ ንገዛእ ርእሱን ንብዘለዉ ብጾቱን ነቲ ዚዕቅዮ ዘሎ ዕላማን’ዩ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዜውድቕ። 

ስርቂ ምስ ዚብል ተምሳሌት ኣተኣሳሲርና ድማ ብቘጸራ ኺሰርቕ ኢሉ ዚመጽእ፡ ሰራቒ ኣይበሃልን’ዩ። በዓል-ቤት ብዘይሓሰባ ጊዜ ኣብ ጸልማትን ለይትን፣ ብብርሃንን ቀትርን እንተ ደኣ ዀይኑ ኸኣ ሰብ ከም ዘየልቦ ኣረጋጊጹ’ዩ ኺሰርቕ ዚመጽእ። ስለ’ዚ ኸኣ በዓል-ቤት ዘበለ፡ ዝዀነ ሰራቒ፡ ብዘይተጸበዮ ጊዜ መጺኡ ምእንቲ ኸይሰርቆ፡ ኢሉ ንብረቱን ትሕዝቶኡን ብንቕሓትን ብጥንቃቐን ዓቲቡ ይሕልው። ስኽራን ምስ እንርእይ ከኣ በቲ ዜስክር ነገር ክንምለኽ ከለና’ዩ። ግኡዝን ረቂቕን ዜስክር ነገራት ኪህልዉ ይኽእሉ’ዮም። ንኣብነት መስተ ግዙፍ ዜስክር ነገር ኪኸውን ከሎ፡ ማሕበራዊ ሜድያ ኸኣ ረቂቕ ዜስክር ነገር ኪኸውን ይኽእል። ብዛዕባ’ዚኣቶም’ውን ንቕሓትን ጥንቃቐን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ።   

እምበኣርከስ መዓልቲ ጐይታ፡ ከም ሰራቒ ኰይና፡ ከም’ቲ ንነፍሰ-ጾር ኣደ ዚመጻ ቕልውላው ሕርሲ ትመጸና ኣላ። ድሕሪ ቕልውላው፡ ሕርሲ ኺህልው ርጉጽ’ዩ’ሞ፡ ብርግጽ እዛ መዓልቲ’ዚኣ ትመጽእ ኣላ። እዛ መዓልቲ’ዚኣ መኣዝ ምዃና ብዘይ እግዚኣብሄር ዚፈልጥ ሓደ’ኳ የልቦን። ዳግም ምጽኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይሓሰብናያ ጊዜ’ዩ ኪኸውን። ስለ’ዚ ኸኣ ኢና ኻብ መንፈሳዊ ድንዛዘን ምብዕዛዝን ወጺእና፡ ኵሉ ጊዜ ብንቕሓትን ብጥንቃቐን ክንጸባበዮ ዚግብኣና።

ኣብ መቓን ንባብ’ዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሓሳባት ኰይንና ምስ እነስተብህል ብዛዕባ ጥንቃቀን ንቕሓትን፡ እዞም ዚስዕቡ ሓቅታት ቅዱስ ጽሑፍ ብምዝካር ትርጕሞም ክንርዳእ ንኽእል፦

". . . ተጠንቀቑ፡ ንቕሑን ጸልዩን" (ማር 13፡33)

". . . እተዳለኹም ኩኑ" (ሉቃ 12፡40)

". . . ንነፍስኹም ተጠንቀቑ" (ሉቃ 21፡34-35) 

". . . ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ" (ሉቃ 21፡36)

". . . ካብ ድቃስ እትበራበሩሉ ጊዜ ኸም ዝበጽሔ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ" (ሮሜ 13፡11) 

"ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ . . ." (ሮሜ 13፡13) 

". . . ኣታ ደቂስካ ዘለኻ፡ ንቓሕ" (ሮሜ 5፡14) 

". . . ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ" (1ጴጥ 5፡8)።

ሓንሳእ ብህድኣት ንሕሰብን ነስተንትንን እሞ ንኽልቲኦም እዞም ቃላት እዚኣቶም (ንቕሓትን ጥንቃቐን)፡ ብኻልኦት ቃላት ግለጽዎም እንተ ንበሃል፡ ኣየኖት ቃላት ምረኸብና፧ በየኖት ተመሳሰልትን ተጻረርትን ቃላት ምገለጽናዮም፧ ትኵርነት፡ ተቛማትነት፡ ጽን በሃልነት፡ ትግሃት፡ ንጡፍ ኵነተ-ኣእምሮ፡ ዕቱብነት፡ ብህድኣትን ዓቕልን ምምልላስ፡ ዘይምትኻስ፡ ዘይምድቃስ፡ ዘይምብዕዛዝ ወዘተ. . . ዘመሰሉ ምስ ንቕሓትን ጥንቃቐን ዚመሳሰሉ ቓላት’ዮም።

ካልኦት ተባሂሎም ዘለዉ ሰባት’ከ ኸመይ ዝበለ መንነትን ኣካይዳን ዘለዎም’ዮም፧ ንሕና ኻባታቶም እንፍለየሉ’ኸ እንታይ’ዩ፧ ኣብ’ዚ ጥቕሲ፡ ካልኦት ተባሂሎም ዘለዉ፡ ኣብ ዓውደ-ንባብ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ምስ እንርእዮም፡ 

ዘመናትን ጊዜታትን ኬንብቡ ዘይክእሉ (1ተሰ 5፡1-3)፡

ሰላምን ደሓንን ዘይኰነ ኸሎ፡ ሰላምን ደሓንን’ዩ ዚብሉ (1ተሰ 5፡3)፡

ጥፍኣት ብድንገት ዝመጾም (1ተሰ 5፡3)፡

ካብ ጥፍኣት ዘየምልጡ (1ተሰ 5፡3)፡

ኣብ ለይትን ኣብ ጸልማትን (ዑረተ-ኣእምሮን ልቦናን) ኪነብሩ ዝመረጹ (1ተሰ 5፡4-5)፡

ኵሉ ጊዜ ከይነቕሑን ከይተጠንቀቑን፡ ዚድቅሱ (1ተሰ 5፡6)፡

እዞም ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ንባብና ብኸምዚ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርናዮ ነጥብታት ገሊጽዎም ዘሎ፡ ካልኦት፡ እዚኣቶም’ዮም። ኣንጻር ክርስቲያናዊ ናብራ ኺነብሩ፡ ኣብ መፈንጠራ ስጋዊ ኣካይዳን ዓለማዊ ስርዓትን ሰይጣናዊ መፈንጠራን ዝነብሩ’ዮም። ኣብ ክንዲ ብፍቓድ እግዚኣብሄር፡ ብትምኒት ልቦም፣ ኣብ ክንዲ ብስርዓት እግዚኣብሄር፡ ብፋሉል ኣካይዳ፣ ኣብ ክንዲ ብትእዛዝን ምስክርን እግዚኣብሄር፡ ንሰይጣንን ምህሮ ኣጋንንትን እናሰዓቡ ዚመላለሱ ዅሎም’ዮም’ቶም ካልኦት።

ንሕና፡ ካብ’ዞም ካልኦት እንፍለየሉ መፍለዪታት ብመንጽር ቃለ-እግዚኣብሄር ክንርእዮ ኸለና፡ ክልተ ተመናጸርቲ ኽፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ወሲድና መፍለዪ ዝዀነና ትምህርቲ ኽንመሃር፡

ቅንዕና ምስ እንገብር፡

ምሕረት ምስ እንፈትው፡

ምስ ኣምላኽና ኸኣ ብትሕትና ምስ እንመላለስ፡

ንዓለማውነት ዘይንፈትው ምስ እንኸውን፡

ካብ’ቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ካብ ፍትወት ስጋ፡ ካብ ፍትወት ኣዒንቲ፡ ካብ ንብረት ትዕቢት ምስ እንሕለውን እንርሕቅን፡

ኣብ ኵሉ ኣነባብራና ንፍቓድ እግዚኣብሄር ምስ እንገብር ኢና፡ ካብ’ቶም ካልኦት እንፍለይ (ሚክ 6፡8፣ 1ዮሃ 2፡15-17። 

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግም ዚምለሰሉ ጊዜ ኣብ ኣፍደገ ኻብ በጽሐ፡ ከመይ ብዝበለ ምድላው ኢና ኽንጽበዮ ዚግባእ፧ ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት እንጽልዮ ጸሎት ደጊምና ኽንጠቅስ፡ ". . . ከም ብሓድሽ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ብኽብሪ ኺመጽእ’ዩ፡ መንግስቱ’ውን መወዳእታ የብሉን።" ዚብል ትሕዝቶ፡ ምስ ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን እተኣሳሰረ ጸሎት’ዩ። ኣብ ነፍስወከፍ ምዕራፍ መልእኽቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ፡ ንዳግማይ ምጽኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዚምልከት ሓሳብ ጠቒሱ’ሎ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ካልእ መልእኽቱ "ኣብ ክርስቶስ ዘላትና ተስፋ ኣብዛ ሕይወት እዚኣ ጥራይ እንተ ደኣ ኾይና፥ ካብ ኵሉ ሰብ እነደንግጽ ምኾንና ኔርና።" ብምባል እምነት ክርስትና፡ ብዘይ ምስጢረ-ትንሳኤ ሙታን፡ ከንቱ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ (1ቈረ 15፡19)። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ’ቲ እኒ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስን ካልኦት ሃዋርያትን ቅዱሳንን ዝነበሩሉ ጊዜ ዝያዳ ናባና ቐሪቡሉ ኣብ ዘሎ እዋን ንነብር ከም ዘለና፡ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ደብረ-ዘይቲ ንደቀመዛሙርቱ ዝነገሮም ምልክታት ዳግማይ ምጽኣቱ፡ ንርእዮን ንሓልፎን ስለ ዘለና፡ ካብ’ዚ ንላዕሊ ኻልእ ምስክር ኣየድልየናን’ዩ (ማቴ 24፡1-51፣ ማር 13፡1-37፣ ሉቃ 21፡5-38)። ዳግም ምጽኣቱ ናባና ኻብ ቀረበ ደኣ ብኸመይ ኢና ኽንጽበዮ ዝግብኣና፧ ኢልና ነንመዓልቱ ኽንሓትትን፡ ብኣነባብራናን ኣካይዳናን ክንምልሶን ዚግባእ ርትዓዊ ሕቶ’ዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እንምርምሮ፡ ክንገብሮ ዚግባእ ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝር ሓሳባት ተጻሒፉልና’ኳ እንተ ሃለወ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ሎሚ እንመሃረሉ ዘለና መልእኽቲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ተጻሒፉልና ኻብ ዘሎ ትሕዝቶ፡ ክንገብሮ ዚግባእ ምድላው ክንርእይ። 

መዓልቲ ጐይታ ኸም እትመጽእ ንፍለጥ (1ተሰ 5፡1) - እዚ ፍልጠት’ዚ ዅሉ ጊዜ ኽንዝክሮ ይግብኣና። ነንመዓልቱ ኻብ ድቃስና ኣብ እንበራበረሉ፡ "መዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይሓሰብክዋ ጊዜ ኽትመጽእ’ያ፡" ኢልና ንርእስና በዚ ነገር’ዚ ብምዝኽኻር ከነንቅሕ ይግባእ። በዚ ዝኽሪ’ዚ ዝነቕሐ ሰብ፡ ኵሉ ጊዜ ንምጽኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዚበቅዕ ናብራ’ዩ ዚነብር። ንሕና ናብ ጐይታና እንኸደሉ ጊዜ (ብስጋ እንሞተሉ)ን ጐይታና ናባና ዚመጸሉ ጊዜን መኣዝ ምዃኑ ስለ ዘይንፈልጥ፡ ከም’ቲ ጐይታና ኢየሱስ ዝበለና ንቑሓትን ጥንቁቓትን ክንከውን ይግብኣና።   

ከም ደቂ መዓልትን ደቂ ብርሃንን ንንበር (1ተሰ 5፡4-5፣8) - ኣብ’ዛ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ናይ ጸልማት (ሰይጣን) ኣሰራርሓ ዝመልአት ዓለም ክንነብር ከለና፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኻብ ዓለም ተፈሊና (ካብ ዓለማዊ ኣካይዳን ኣነባብራን ተቐዲስና) ኽንነብር’ዩ ዝደልየና (1ተሰ 4፡3)። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ካልኦት ሰባትን ምስ ገዛእ ርእስናን ብቕንዕና ምንባር፡ ግሉጽነት ብዘለዎ መገዲ ምንባር ከኣ’ዩ እቲ ኸም ደቂ መዓልትን ደቂ ብርሃንን ምንባር። ከም ደቂ መዓልትን ብርሃንን ክንነብር ምእንቲ ኽንለብሶም ዘለና ሰለስተ ልብስታት እዞም ዚስዕቡ’ዮም፡ 

ድርዒ እምነት፡  

ድርዒ ፍቕሪ፡ 

ቍራዕ ተስፋ፡

ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ፡ "ሕጂ ግና እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዓቢ ግና ፍቕሪ እያ።" ኢሉ ኸም ዝጸሓፈሎም፡ እዘን ሰለስተ ልብስታት ብምልኣት ክንለብሰን ይግባእ (1ቈረ 13፡13)። ድርዒ እምነት እንለብሰሉ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ብምልኣት እንኣምኖ እምነትን፣ ኣብኡ እንውከሎ ምውካልን፣ ንሕና ኸኣ ኣብ ኵሉ ናብራና እሙናት ክንከውን ይግባእ። ድርዒ ፍቕሪ እንለብሰሉ ኸኣ እዛ ፍቕሪ፡ እታ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ብምሉእ ልብናን ብዅሉ ነፍስናን ብዅሉ ሓይልናን ብዅሉ ሓሳብናን እነፍቅሮን፡ ንብጻይና ድማ ከም ነፍስና እነፍቅሮን ፍቕሪ’ያ (ሉቃ 10፡27)። እዛ ፍቕሪ’ዚኣ መለለዪት ነፍስወከፍ ክርስቲያን ከም ዝዀነት ጐይታና ኢየሱስ ኣዚዙ’ዩ’ሞ፡ ነዛ ፍቕሪ ንልበሳ (ዮሃ 13፡35)። ተስፋ ምድሓንና ኸኣ መልህቅ ነፍስና’ያ’ሞ፡ ኵሉ ሳዕ በዛ ተስፋ’ዚኣ ዝመላእና ኽንከውን ይግባእ (እብ 5፡19-20)። ካብ ሰይጣን ንዚውርወር ፍላጻ ኽንከላኸለሉ ምእንቲ፡ ተስፋ ምድሓንና ኸም ቍራዕ ርእሲ ንልበስ (ኤፌ 6፡17)።

ዘይምድቃስን ዘይምስካርን (1ተሰ 5፡6-7) - ድቃስን ስኽራንን ካብ’ቶም ሰባት ብለይቲ ዜተግብርዎም ተግባራት’ዮም። ዝደቀሰ ሰብ፡ ሰራቒ መጺኡ ኺሰርቆ ኣዝዩ ምሹእ ከም ዚኸውን፡ ዚሰክር ሰብ ከኣ ከም’ቲ ሕሱም ባርያ፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታኡ ሸለል ኢሉ፡ ንመዓይይቱን ብጾቱን ዚወቅዕ፡ ምስ ሰኸርቲ’ውን ዚበልዕን ዚሰትይን ሰብ፡ ጐይታኡ ንዕድሉ ኣብ ክልተ ኺጭንድሖ ምዃኑ ጐይታና ኢየሱስ ከም ዝመስከረልና፡ ልብና ኣጥፊእና ኸይንድቅስን፡ ብዝዀነ ዜስክር ነገር ከይንሰክርን ንጠንቀቕ (ማቴ 24፡45-51)።

እምበኣርከስ መንግስቲ ኣምላኽ ቀሪባ ኣላ፡ ምጽኣት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኣብ ኣፍደገ’ዩ’ሞ ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን’ምበር፡ ከም’ቶም ካልኦት ኣይንደቅስ።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

6 መስከረም 2026 ጳጕሜን 1, 2018 ግዕዝ (መበል 52 ሰንበት)

 ምስባክ

መዝ: 103 (104)፡30-31 "ትፌኑ መንፈስከ ወይትፈጠሩ። ወትሔድስ ገጻ ለምድር። ለይኩን ስብሐቲሁ ለእግዚአብሔር ለዓለም።"

"ትንፋስካ ትልእኽ፡ ይፍጠሩ፡ ንገጽ ምድሪውን ትሕድሳ። ክብሪ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ይንበር፡ እግዚኣብሄር ብተግባሩ ይተሓጐስ።"

ንባባት

ኣንባቢ

1ተሰ 5፡1-10

ዲያቆን

2ጴጥ 3፡10-ፍ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 26፡1-15

ንፍቅ ካህን

ሉቃ 17፡20-ፍ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘአትናቴዎስ | መዝሙር፦ ከመ እንተ መብረቅ

   

Hits: 63