
"ከይርአኹምዎ ተፍቅርዎ፡ ሕጂ’ውን ከይርአኹምዎ ብእኡ ትኣምኑ ኣለኹም፡ ነቲ ናይ እምነትኩም መደምደምታ ዝዀነ ድሕነት ነፍስኹም ምስ ተቐበልኩም ከኣ ብኺንገር ዘይከኣል ክቡር ሓጐስ ትሕጐሱ ኣሎኹም።" 1ጴጥ 1፡ 8-9 ካ.ት (ዮሓ 20፡ 26-29)
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሻድሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ክረምትን፡ ቀዳማይ ሰንበት ናይ ጾመ ፍልሰታን’ዩ። ብመሠረት ሥርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ ሓምለ 17 ኽሳዕ ነሓሰ 10 (ማሕበረ በኵር) ዘሎ ቕንያት፡ "መብረቅ፡ ነጐድጓድ፡ ባሕር ኣፍላግ" ዚጽዋዕ ካልኣይ ንኡስ ዘመን ናይ ዘመነ ክረምት’ዩ። ካብ ባሕቲ ነሓሰ ጀሚርና ንኣስታት 15 መዓልታት ድማ፡ ኣብ ጾመ ፍልሰታ ተጸሚድና ኣለና። ብመሠረት ትውፊት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና እዚ ጾም’ዚ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣዴና ቕድስቲ ድንግል ማርያም ክትግለጸሎም ዝጾምዎ ጾም’ዩ። ነሓሰ 16 ጸሎቶም ተመሊሱ፡ ብኣካል ድሕሪ ምርኣዮም፡ ናብ ሰማይ ክትዓርግ ከላ’ውን በዒንቶም ስለ ዝመስከሩ፡ ነሓሰ 16 ፍልሰታ (ዕርገታ) ዚዝከረሉ በዓል ኰነ። ጾመ ፍልሰታ ካብ’ቶም ብሕጊ ቤተ ክርስትያን ዝጸደቑ ሾብዓተ ኣጽዋማት ሓደ’ዩ። ብመሠረት ሥርዓት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ብኣቈጻጸራ ግእዝ ካብ ነሓሰ 1 ኽሳዕ ነሓሰ 7 ዘሎ መዓልታት (ዘመነ ፈለገ ሰላም) ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ "ዮም ንወድሳ ለማርያም" (ሎሚ ንማርያም ንወድሳ) ዘርእስቱ’ዩ። ትርጕም ትሕዝቶኡ ድማ፦ “ብዛዕባ’ቲ ኻብኣ ዝተወልደ፡ ሎሚ ንማርያም ንወድሳ። መንክር ግርማን ኃይልን ናይ’ቲ ልዑል ኣጽለላ፡ ኣብ ከርሣ ጾረቶ፡ ንሱ ድማ፡ ቀደሳ። (ንሱ) ጐይታኣ ንሰንበት፡ ኣቦኣ ንምሕረት’ዩ፡ መንክር ግርማን ኃይልን ናይ’ቲ ልዑል ኣጽለላ። ብሓቂ መላእኽቲ ይኽልልዋ።
ሕንጻ መካበብያ ናይ ኦሪትን ነቢያንት እተን ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ዝቘመሉ ብኣጻብዕ እግዚኣብሄር ዝተጻሕፈ ዓሰርተ ቓላት’ዩ። ሃሌሉያ ሃሌሉያ ሃሌሉያ። ኣቲ "ፈለገ ሰላም" ዝተሰመይኪ ማርያም ምእንታና ለምኒ፡ ኣቲ ሰንበተ ክርስትያን፡ ተስፋ ቕቡጻት፡ ናይ ብሓቂ ንጹሕ ዝናም ዝዀንኪ ማርያም፡ ምእንታና ለምኒ።”
ማለት’ዩ። ነዚ ዕለት’ዚ ዝተሰርዐ ናይ ማቴ 12፡38-50 ንባብ ቅዱስ ወንጌል "ኣዲኡን ኣሕዋቱን" ኪዛረብዎ ደልዮም ኣብ ወጻኢ (ኣብ ደገ) ደው ኢሎም ይጽበይዎ ኸም ዘለው ምስ ተነግሮ፡ ነዚ ዘረባ’ዚ መሠረት ብምግባር፡ ብዛዕባ ንፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ዘለዎ ኽብርን ረብሓን ሓያል መልእኽቲ ኸም ዝሃበ ገሊጹልና ኣሎ። እቲ ናይ ገላ 4፡1-11 ንባብ ድማ፡ "ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ ዝተወልደ ወዱ" ከም ዝለኣኾ ብምንጋር፡ ፍጻመ ናይ’ቲ ኣብ ዘፍ 3፡15 ዝተነግረ ቐዳማይ ትንቢት ዜረጋግጽ’ዩ። እግዚአብሔር ንድያብሎስ "ዘርኢ ናይ’ታ ሰበይቲ ርእስኻ ኺጭፍልቕ’ዩ፡ ንስኻ ድማ፡ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ" ኢሉ ኺረግሞ ኸሎ፡ ንኣና ንደቂ ሰባት ድማ፡ ዓብይ ናይ ምድሓን ተስፋ’ዩ ሂቡና (ዘፍ 3፡15)። "ዘርኢ ናይ’ታ ሰበይቲ" ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ካብ ዘርኢ ሰበይቲ ጥራሕ ተወሊዱ ፍጹም ሰብ ስለ ዚኸውን’ዩ። እዚ ትንቢት’ዚ ድማ፡ ኣብ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ኣብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ተፈጸመ። ቅዱስ ጳውሎስ፡ "ነቲ ኻብ ሰበይቲ ዝተወልደ" ዝበለና ኸኣ፡ ነዚ ኣገዳሲ ናይ ምሥጢረ ሥጋዌ ትምህርቲ ኺገልጸልና ስለ ዝደለየ’ዩ። እቲ ናይ ግብ 1፡12-15 ንባብና ድማ፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ድሕሪ ዕርገት ጐይታና ምስ ኵላቶም ሓዋርያትን ኣርድእትን ቅዱሳን ኣንስትን (120 ደቀ መዝሙር) ኣብ ዘይበኵር ሓባራዊ ጸሎት ተጸሚዳ ኸም ዝነበረትን፡ ኣብ’ቲ መንፈስ ቅዱስ ዝወረደሉ ዕለት’ውን ምስኣቶም ከም ዝጸንሐትን ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ካብ’ዚ ናይ 1ጴጥ 1፡6-12 ንባብና ዝተወስደ’ዩ።
ብመሰረቱኸ እምነት ማለት እንታይ ማለት ድዩ፧ ንምንታይ’ዩ ከይረኣካ ምእማን ዝያዳ’ቶም ርእዮም ዚኣምኑ ብጽእና ተዋሂብዎ፧ ቃል ኣምላኽ፡ “እምነት፡ ነቲ ብተስፋ እንጽበዮ ነገር፡ ከም ’ንረኽቦ ዜረጋግጽ፡ ነቲ ዘይርአ ነገር ከኣ ከም ዘሎ ዜረድእ’ዩ። ነቶም ናይ ቀደም ሰብ’ውን ብእምነቶም’ዩ ዝተመስከረሎም። ኵሉ ዓለማት ብቓል ኣምላኽ ከም ዝተፈጥረ፡ እቲ ዚርአ ድማ ካብ ዘይርአ ኸም ዝተፈጥረ ብእምነት ኢና እነስተውዕሎ”፡ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ።” (እብ 11፡1-3)። ኣብርሃም ዋላ ሓደ ውላድ ዘይነበሮ ክነሱ፡ ብኣምላኽ ኣብ ተስዓን ትሽዓተን ዓመቱ ኣቦ ብዙሓን ተባህለ። ከምኡ’ውን ሳራ ኣብ ተስዓ ዓመታ ኣደ ብዙሓት ተባህለት (ዘፍ 17፡ 4-5 ፣ 15-17)። እምበኣርከስ ኣቦና ኣብርሃም ብእምነቱ፡ ኣብነታዊ፡ ኣርኣያን መምህርን፡ ብእነቱ ኣቦ ብዙሓን’ዩ (ሮሜ 4፡ 17-24)። እምነት፡ መሰረት ኵሉ ክርስቲያናዊ ህይወት’ዩ። እዚ ድማ ኣብ ሰናይ ግብሪ፡ ኣብ ጸሎት፡ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽን ፍቕሪ ሓድሕድን’ዩ ጐሊሑ ይግለጽ። ጽኑዕ እምነት ኣብ ጊዜ ከቢድ ፈተና፡ ማእሰርቲ፡ ስደት፡ ጸርፊ፡ ዝተፈላለዩ ብእምነት ክርስትና ዜጓንፉ ኣብ ኣምነት ደው ንምባል ዜኽእል መልህቕ ዘለኣለማዊ ህይወት’ዩ። እምነት ብሃውሪ፡ ኣብ ጭቡጥ ነገር ዘይተመሰረተ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። እንታይ ድኣ እምነት፡ ኣብ’ቲ ጽኑዕ፡ ኣብ’ቲ ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ ቃሉ ግን ዘይሓልፍ፡ እተመስረተ ኪኸውን ግድን’ዩ። ኣብ ክርስትናዊ እምነት ብዘይ እምነት ንኣምላኽ ከተስምሮ ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኰነን። “ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን’ዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ዚመጽእ ኵሉ፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ፡ ነቶም ዜናድይዎ ኸኣ ዓስቢ ኸም ዚህቦም ኪኣምን ይግብኦ (እብ 11፡6)። ብልምዲ ናይ እምነት ጀጋኑ ዝበሃሉ፡ ከም ኖህ፡ ኣብርሃም፡ ይስሓቕ፡ ያእቆብ፡ ዮሴፍ፡ ሙሴ፡ ኢያሱ፡ ዝበሉ ናይ እምነት ኣቦታት፡ እምነቶም ብኣምላኽ ዝተኣዘዝዎ ንምፍጻም ፈጺሞም ሰገጥ መገጥ ኣይበሉን። ምኽንያቱ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኣዳዕዲዖም ይፈልጡ’ዮም (እብ 7፡30 ማቴ 24፡ 35 ማር 13፡31: ሉቃ 21፡ 33)። ነፍሲ ወከፍ ምእመን፡ ኣብ መጽሓፍ ቕዱስ ንዘለዉ ፍጻመታት፡ ታሪኻት፡ ትእዛዛት ኣምላኽ፡ ትንቢታት ቅዱሳን ነብያት፡ ርእዩ፡ ዳህሲሱ፡ ዘይኰነስ ብእምነት’ዩ ዚቕበሎም። ክርስትያን ኣማኒ ዝበሃል፡ ኣብ መጽሓፍ ቕዱስ ንዘሎ ዅሉ ብእምነት ስለ ዚቕበል’ዩ። ምኽንያቱ ቃል ኣምላኽ ንዅሉ ኣሕሊፉ ንሱ ግና ዘይሓልፍ ብምዃኑ ቓል ብቓሉ ኸም’ዚ ብምባል መስኪሩሉ ኣሎ። “ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ ቃለይ ግና ኣይኪሓልፍን’ዩ።”
ካብቶም ዓሰርተ ክልተ ሓዋርያት፡ ሓደ ዝነበረ ቅዱስ ቶምስ፡ ኣብ’ቲ ክርስቶስ ካብ ሞት ዝተሰኣሉ ንብዙሓት ኪግለጽ ከሎ፡ ቶማስ ግና ኣይነበረን። ቅዱሳን ሓዋርያት ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ እንተ ነገርዎ ቶማስ ግና፡ "... ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርአኹ፡ ኣጻብዐይ ድማ ኣብ’ቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእተኹ፡ ኣብ ጐድኑ’ውን ኢደይ እንተ ዘየእተኹስ፡ ኣይአምንን’የ፡" በሎም። ጐይታ ግና ንሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ንምእራም ንምቕናዕን እንደገና ኣብ መበል ሳምናይ መዓልቱ ንኻልኣይ ጊዜኡ (ዳግማይ ትንሣኤ) ንዅላቶም ተገልጸ። ንሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ድሌየቱ ብምምላእ፡ እምነት ኣብ ምርኣይ ዘይኰነስ ኣብ ምስማዕ ከም ዚምስረት ከም’ዚ ብምባል ገለጸሉ፡ ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ ኸኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ከም ብሓድሽ ኣብ ውሽጢ ቤት ነበሩ። ቶማስ’ውን ምስኣቶም ነበረ። መዓጹ ተሸጕሩ ኸሎ፡ ኢየሱስ መጸ። ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ’ውን "ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን" በሎም። ድሕር’ዚ ኸኣ ንቶማስ፡ "ኣጻብዕካ ናብ’ዚ ኣምጽእ፡ ነእዳወይውን ርአ፡ ኢድካ ናብ’ዚ ኣምጽእ’ሞ፡ ናብ ጐድነይ ኣእትዋ። ኣማኒ’ምበር ዘይኣማኒ ኣይትኹን" በሎ። ቶማስ ከኣ መሊሱ "ጐይታይን ኣምላኸይን" በሎ። ኢየሱስ ድማ “ስለ ዝረአኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብጹኣን’ዮም” በሎ (ዮሃ 20፡ 27-29)።
እምበኣርከስ ከም’ቲ ቅዱስ ቶማስ ዝሓተቶ፡ እምነት ኣብ ቃል ኣምላኽ’ምበር፡ ኣብ ከም’ቲ ቅዱስ ቶማስ ብዓይንካ ርኢኻ፡ በእዳውካ ዳህሲስካ ዚምስረት ነይሩ እንተ ዚኸወን፡ ክርስትና ካብ ቅዱስ ቶማስን ቅዳሳን ሓዋርያትን ሓልፉ ናብ ዓለም ብምልእታ ኣይምተማሓላለፈን ነይሩ። ብኣንጻሩ ግና ብስራተ ወንጌል ብቓል ተነጊሩስ እቶም ሰማዕቲ ቃል ከኣ ብምርኣይ ዘይኰነስ ኣብ’ቲ ዚሰምዕዎ ቃል ኣሚኖምስ ክርስትና ናብ ዓለም ተዘርግሐ። እቶም ብዓይኖም ከይረኣዩ ነቲ ቃል ሰሚዕም ዝኣምኑ ናብ ብሓቂ ናብ ብጽእና ደረጃ ዜውህብ’ዩ።
ምስ ከይርአካ ምእማን ብምትሕሓዝ፡ ንሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ቀልጢፉ “ጐይታይን ኣምላኸይን” ዘበሎ ምኽንያት ኰን እንታይ ይኸውን፧ ኣብ ልብና ንነዊሕ ጊዜ ምእማን ኣብዩናስ፡ ብድንገት ግና ንልብና ረቲዑ፡ እምነትና ኣጽኒዑ፡ ብእምነት ገጥ ዘበለና እንታይ’ዩ፧ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ፡ ኣብ’ታ ጐይታ ካብ ሞት ተንሲኡ ዝተገልጸላ መዓልቲ ምስ ደቀ መዛሙቲ ኣይነበረን። ምስ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ ዝተራኸበላ ግና ዋላ’ኳ ብስራት ትንሳኤ ክርስቶስ እንተ ነገርዎ ንሱ ግና ከም’ቲ ንሱ ኣብ ላዕሊ ጠቒሱዎ ዘሎ ኸይተማልኣሉ ኣይኣምንን’የ ኢልዎም ነበረ። ነቲ ዝደለዮ ምስ ተማልኣሉ ግና፡ ብኡንብኡ “ጐይታይን ኣምላኸይ” ብምባል ጨርሐ። እዚ ምስኽርነት’ዚ ካብ ኵሎም ሃዋርያት ዝበልዎ ዝበለጸን ዝዓበየን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ንክርስቶስ ‘ጐይታኡን ኣምላኹን” ምዃኑ ብቓሉ እተኣመነ ዋላ ሓደ ኣይነበረን። እዚ እምነት’ዚ ንክርስቶስ ኣምላኽ ምዃኑ ብምእማኑ፡ ንእምነት ቅድስት ስላሴ ብሓፈሻ ንኣምላኽነትን ጕይትነትን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብፍላይ ዘረጋገጸን ዝመስከርን’ዩ። ይኹን’ምበር ጐይታ ንሓዋርያ፡ ቶማስ፡ "እቶም ከይርኣዩ ዝኣምኑ ብጹኣን’ዮም" (ዮሃ 20፡29) በሎ። እንጌራ ምስ ባረኸሎም ካብ ዓይኖም ተሰወረ። ኣብ’ቲ ደቀ መዛሙርቲ ተኣኪቦሙሉ ዝነበሩ ድማ ኣብ ዝደለዮ ተጋህደ። ጐይታና ኢየሱስ፡ ካብ’ቲ ካብ ሞት ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ምትንስኡ፡ ንምግላጽ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ጐይታን ኣምላኽን ኵሉ ምዃኑ’ውን ንምግላጽ’ዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንቶማስ ናቱ ጕዳይ፡ “ኣብ’ታ ዝተገልጽኩሎም ክህሉ ነይርዎ፡” ኸይበለ ብፍቕሪ ንድኻሙ ኣሪሙ ተባዕ ኣብሳሪ ወንጌል ገበሮ። ንሱ ዛንታ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ከም ዚምስኽሮ ኣብ ሃገረ ፋርስን ህንድን’ዩ ወንጌል ኣስተምሂሩ። ከም’ቲ ጐይታ "እቶም ከይረኣዩ ዝኣምኑ ብጽኣን’ዮም" እተባህሎ፡ እቶም ወንጌል ዝሰበኸሎም ሃገራት፡ ቃሉ ሰሚዖም፡ ደኣ’ምበር ንነፍሲ ወከፍ ናይ ጐይታ ጭብጢ እናቕረበ ኣይኰነን ወንጌል ናብ ዝኸዶ ዓዲ ዝሰብኽ ነይሩ። ምናልባት ከም’ቲ ንዅሎም ቅዱስን ሃዋርያን ዚስዕቦም ዝነበረ፡ ንቓሉ ዜጽንዕ ተኣምራት በእዳዉ ይፍጽመሎም ነይሩ’ዩ።
ከይርአካ ምእማንን መሰረተ እምነትን ዘለዎ ምትእስሳርን ከመይ’ዩ፧ ዓብላልነት’ዚ ምስጢር’ዚ ምስ ረቂቕ ባህርያት መንፈሳዊ ስርሓት ኣምላኽ ይሳነዶ፧ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብባህርዩ ከም ሰብ ዝርአ ዚድህሰብ ኣይኰነን። ናትና ተፈጥሮኣዊ ባህርይ ንኣምላኽ ብህይወት ርእዩ ኺጻወሮ ኣይኽእልን’ዩ። መራሒ ህዝቢ እስራኤል ኪኸውን ብኣምላኽ ዝተመርጸ ነቢይ ሙሴ፡ ሓደ ጊዜ ንኣምላኽ በጀኻ ክብርኻ ኣርእየኒ ብምባል ለመኖ። እንተ ኰነ፡ ኣምላኽ፡ ነቲ ብእምነት’ምበር ብዓይኒ ስጋ ምርኣይ ዘይከኣል መለኮታዊ ኣምላኽ፡ ከም’ዚ ብምባል መለሰሉ። "ሰብ ርእዩኒ ብህይወት ኣይነብርን’ዩ’ሞ፡ ገጸይ ክትርእይ ኣይትኽእልን ኢኻ" በሎ። እግዚኣብሔር ድማ "እንሆ፡ ኣብ’ዚ ጥቓይ ኣብ ኸውሒ ደው ’ትብለሉ ቦታ ኣሎ። ክብረይ ኪሓልፍ ከሎ ድማ ኣብ ዝተጨደ ኸውሒ ኽገብረካ’የ። ኣነ ኽሳዕ ዝሓልፍ ከኣ፡ ብኢደይ ክኽውለካ’የ። ሽዑ ኢደይ ከልዕል’የ። ንስኻ ኸኣ ብድሕረይ ክትርእየኒ ኢኻ። ገጸይ ግና ኣይርአን’ዩ" (ዘጸ 33፡ 22-23)። እግዚኣብሔር ፈትዩ ዓቕሚ ሰብ ፈለጡ፡ ንሕሩያት ኣገልገልቱ ከም በዓል ኣብርሃም፡ ሙሴ ከም’ቲ ውሱን ባህርያት ዘለዎ ሰብ ገይሩ፡ ኣብ ጥቓይ፡ ኣብ ዙርያይ፡ ኢደይ፡ እግረይ ወዘተ ይብሎም’ዩ። ነቲ ሰማይ ዝዝፋኑ ምድሪ ዝመርገጽ እግሩ፡ ኣየናይ ዓይኒ’ዩ፡ ብምልኣቱ ክርእዮ ዚኽእል፧ ፈጺሙ ዋላ ሓደ የለን። እግዚኣብሔር ከም’ዚ ይብል ኣሎ። "ሰማይ ዝፋነይ’ዩ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ ኸመይ ዝበለ’ዩ፧ እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ ስፍራኸ ኸመይ ዝበለ’ዩ፧ ነዚ ዅሉ ዓለም ዝፈጠርክዎ ኣነ’የ። እዚ ዅሉ ኸኣ ዀይኑ ኣሎ። ኣነ በቲ ትሑትን ዝተጣዕሰ መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ዚፍጽሞን ሰብ’የ ዝሕጐስ (ኢሳ 66፡ 1-2 ፣ 1ነገ 8፡ 27 ፣ 2 ዜና 6፡18 ፣ ማቴ 5፡ 34-35 ፣ ግብ 17፡24)። ቅዱስ ዮሓንስ ሓዋርያን ወንጌላውን ንኣምላኽ ብእምነት እምበር ብምርኣይ፡ ከም ዘይኣመንዎን ዘየገልገልዎን ኼጠቓልል ከሎ ኽም’ዚ ይብል። "ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ’ኳ የልቦን። እንተ ዀነ ነቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦ ዘሎ፡ እቲ በይኑ ውሉድ ዝዀነ፡ ኣምላኽ ገለጾ፡" (ዮሃ 1፡18ካ.ት)። እቲ ብስጋ እተገልጸ ግና ክሳዕ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ዝነበራ ጊዜ፡ ብዝርአ፡ ብዚድህሰስ፡ ብዚስማዕ’ዩ ኣገልጊሉን ህይወቱ ንደቂ ሰባት ብምልኣት ይህብ ኣሎ። ነዚ’ውን ሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ከም’ዚ ብምባል መስከረ። "ብዛዕባ’ቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ በዕይንትና ዝርአናዮ፡ ዝጠመትናዮ፡ በእዳውና ዘረምሰስናዮ ቃል ህይወት ንነግረኩም ኣለና። ህይወት ተገሊጻ’ያ፡ ንሕና ኸኣ ርኢናያ ኢና። ንምስክር’ውን ኣለና። እታ ንኣና ዝተገልጸት፡ ምስ ኣቦ ዝነበረት፡ ዘለኣለማዊት ህይወት ድማ ንነግረኩም ኣለና። ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኪህልወኩም ኢልና ድማ ነቲ ዝረአናዮን ዝሰማዕናዮን ንኣኻትኩም ንነግረኩም ኣለና። ሕብረትና’ውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን’ዩ። እዚ እንጽሕፈልኩም ዘለና፡ ሓጐስና ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን ኢልና ኢና።" (1ዮሃ 1፡ 1-4 ፣ ሉቃ 24:39 ፣ ዮሓ 1:1 ፣ 1:14 ፣ 20:27 ፣ 2ጴጥ1:16። እዞም ተጻሒፎም ዘለዉ ጥቕስታት፡ ወዲ ሰብ ንኣምላኽ ብእምነት’ምበር ብምርኣይ’ኳ እንተ ዘይኣመኖ፡ ኣብ ዘመነ ሓድሽ ኪዳን ግና ኣምላኽ ብወዱ ፍጹም ሰብ፡ ፍጹም ኣምላኽ ዀይኑ ብምግላጽ ፍጽም ድሕነት ገበረሉ (ዮሃ 1፡29 ፣ 3፡14-16)።
እቶም ቀንዲ ሓሙሽተ ኣዕኑድን (ኃምስቱ ኣዕማደ ሚሥጢራት) ሾብዓተ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያንን (ሰብዓቱ ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያንን) ኵሎም ብእምነት’ምበር ብምርኣይ ክንበጽሖም ኣይንክእልን ኢና። ምስጢረ ሥላሴ፡ ሓድነትን ሰለስትነትን ሥላሴ፡ ኣብ ኣቦ ምዃኑ፡ ወዲ ድማ ውሉድ፡ መንፈስ ቅዱስ’ውን ሰራጺ ምዃኑ፡ እግዚኣብሔር እቲ እንኮ ፈጣሪ ኵሉ ምዃኑ፡ እቲ ብስጋ ዝተገልጸ እግዚኣብሔር ወልድ’ውን ተበጃዊ ዅሉ ምዃኑ፡ መንፈስ ቅዱስ’ውን ንሰብነት (ስጋ) ነፍሲ ወከፍ ምእመን ቤተ መቕደሱ ብምግባር ኣብኡ ከም ዚሓድር፡ ብቓሉ ብምእማን ጥራሕ እና እንኣምኖ። ምስጢረ ስጋዌ’ኳ ኸይተረፈ፡ እቲ ካብ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ ብድንግልና ተጠኒሱ ብድንግልና ምውላዱ ፍጹም ኣምላኽነቱ ፍጹም ሰብእነቱን ብቓሉ ተመሪሕና ኢና እንኣምኖ። ነዚ ከይረኣኻ ምእማን ዝብል ኣርእስትና ብዛዕባ ኣዕኑድ ምስጢራት ይኹን ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ብሓደ ብዝርዝር ምግላጽ ዘድልይ ኣይኰነን። እቲ ቀንዲ መልእኽቲ እምነት ክርስትና ኣብ ምርኣይ ዘይኰነስ ከይርኣኻ ብእምነት’ዩ ተመስሪቱ ዘሎ። ኣብ ጥምቀት ዘሎ፡ ከም’ቲ ቓሉ ኸም’ዚ ብምባል ሰፊሩ ዘሎ ኢና ኣሚንና ብሓድሽ ህይወት ንመላልሰ ዘለና፡ "እቶም ብክርስቶስ ዝተጠመቕና ዘበልና፡ ኵላትና ብሞቱ ኸም ዝተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምበኣር ከም’ቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦ ካብ ምዉታት ዝተንስአ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንነብር፡ ብጥምቀት ምስኡ ሞትናን ተቐበርናን። ምስኡ ሓቢርና እንተ ደኣ ሞይትና ምስኡ ሓቢርና ከም ‘ንትንስእ ርግጽ’ዩ። ደጊም ንሓጢኣት ከይንግዛእ፡ እቲ ሓጥእ ሰብነትና ምእንቲ ኺጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብነትና ምስኡ ኸም ዝተሰቕለ ንፈልጥ ኢና። ከመይ፡ እቲ ዝሞተ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ’ዩ። ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትና። ምስኡ ድማ ብህይወት ከም ’ንነብር ንኣምን ኢና። ከመይ እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ ክርስቶስ፡ መሊሱ ኸም ዘይመውት ንፈልጥ ኢና። ደጊም ሞት ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን የብሉን። ብሞቱ ሓንሳእ ንሓዋሩ ንሓጢኣት’ዩ ዝሞተ፡ ብህይወቱ ግና ንኣምላኽ’ዩ ዚነብር። ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ሓጢኣት ከይትገብሩ ከም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቍጸሩ" (ሮሜ 6፡ 3-11)። እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ምሥጢረ ጥምቀት፡ ማለት ምጥማቕ ምስ ክርስቶስ ብሓጺሩ ኣብ ማይ ምጥሓል ምስ ክርስቶስ ሙማት፡ ካብ’ቲ ማይ ምውጻእ ድማ ምስ ክርስቶስ ምትንሳእ ከም ዝዀነ ብምርኣይ ዘይኰነስ፡ ከይረኣየ ብምእማን’ዩ ነፍሲ ወከፍ ምእመን ዜተግብሮ ዘሎ።
ካብ’ታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ "ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹ፡ እቲ ዝኣመነን ዝተጠምቀን ኪድሕን’ዩ፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን’ዩ።" (ማር 16፡ 15-16) ከምኡ’ውን "ኢየሱስ ቀሪቡ ኸም’ዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ። ስለ’ዚ ኺዱ ንዅሎም ኣሕዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም’የ" ማቴ 28፡18-20። እዚ ክርስቶሳዊ ትእዛዝ’ዚ፡ ድሕሪ ክርስቶስን ቅዱሳን ሓዋርያትን ዝተተክኡ ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን’ውን ነቲ ብጐይታ ዝተዋህበ ትእዛዝ ኣሚኖም’ዮም ወንጌል ዝሰበኹን ዘጥመቑን፡ ክሳዕ ፍጻመ ዓለም ከርስቶስ ምስኦም ከም ዘሎ ብቓሉ ኣሚኖም ክሳዕ ሕጂ ይትግብርዎ’ለዉ።
ናይ ስጋኡን ደሙን እቲ ካብኡ ዚርከብ ዘለኣለማዊ ህይወትን ተስፋታቱን ድማ ሓይሊ እምነት ክሳዕ ክንደይ ከቢድ’ኳ እንተ ዀነ ንዚኣምን ኵሉ ከም ዝከኣል ዜረጋግጽ’ዩ። እቲ ቐንዲ ትምህርቲ ብዛዕባ ስጋን ደሙን ጐይታና ከም’ዚ ብምባል ኣስተምሃሮም። “እቲ ብኣይ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላቶ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። እንጌራ ህይወት ኣነ’የ። ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በልዑ’ሞ ሞቱ። ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ’ዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ’የ። ካብ’ዚ እንጌራ’ዚ ዝበልዐ ዘበለ ንዘለዓም ኪነብር’ዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ’ዩ።” (ዮሃ 6፡47-51)። እዚ ቃል’ዚ ንኣይሁድን ንደቀ መዛሙርቱን፡ "ከመይ ገይሩ ስጋኡ ክንበዕ ኪህበና’ዩ" ብምባል መካትዒ ዀኖም። ካብ ደቂ መዛሙርቲ’ውን ነዚ ሰሚዖም ምቕባሉ ጭንቂ’ዩ ዀይንዎም ብዙሓት ንድሕሪት ተመልሱ (ዮሃ 6፡52፡ 60)። ጐይታና ግና እዚ ቃል’ዚ ብእምነት ደኣ’ምበር ብምርኣይን ብኣምሮን’ኳ እንተ ዘይተበጽሐ ነቲ ቓሉ መልሱ ከም’ዚ ብምባል ምልኣት ሃቦ። “ስለ’ዚ ድማ ኢየሱስ ከም’ዚ በሎም፦ “ሥጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙ’ውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ ሕይወት ከም ዘይብልኩም ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። ስጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰትይ ናይ ዘለዓለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነ’ውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ’የ። ስጋይ ብልዒ ሓቂ’ዩ’ሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ’ዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰትይ ኣባይ ይነብር፡ ኣነ’ውን ኣብኡ እነብር። ከም’ቲ ህያው ኣቦ ዝለኣኸኒ፡ ኣነ ኸኣ ብኣቦ (ኣብ) ህያው ዝዀንኩ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ስጋይ ዚበልዕ ብኣይ ህያው ኰይኑ ኪነብር’ዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ’ዩ። ከም’ቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና’ሞ ዝሞቱ ኣይኰነን። ነዚ እንጌራ’ዚ ዚበልዕሲ ንዘለዓለም ኪነብር’ዩ” (ዮሃ 6፡ 53-58)።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቲ ብእምነት ጥራሕ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ኺወስዶ ዝግባእ ምስጢረ ቝርባን ኣስተምሂሩ ጥራሕ ዘይኰነስ ብግብሪ ብኸመይ ከም ዝትግበር ንቅዱሳን ኣቦታት ሃዋርያት ከም’ዚ ብምባል ሰርዓሎም። "ኪበልዑ ኸለዉ ኢየሱስ እንጌራ ኣልዓለ ኣመስጊኑ፡ ቘሪሱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ “እዚ ስጋይ’ዩ፡ እንኩ ብልዑ” እናበለ ሃቦም። ጽዋዕ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ። "እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ደመይ’ዩ’ሞ ኻብ’ዚ ዅልኹም ስተዩ" እናበለ ሃቦም። ብተመሳሳሊ መገዲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ፡ እዚ ስርዓተ ቅዱስ ቍርባን’ዚ፡ ካብ ጐይታ ከም ዝተቐበሎ ብምግላጽን ብኸመይ ኣገባብ ክወስድዎ ከም ዚግባእ፡ ቅድሚ ምውሳዱን ድሕሪ ምውሳዱን ኪዀኑዎን ኪገብርዎ ዚግባእ ብምግልጽ ከም’ዚ ዚስዕብ በሎም፤
"እቲ ንኣኻትኩም ዘመሓላለፍኩልኩም ነቲ ኻብ ጐይታ ዝተቐበልክዎ’የ፦ ጐይታና ኢየሱስ በታ ዝተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዓለ። ኣመስጊኑ ቘረሰ’ሞ፡ “ውሰዱ፡ ብልዑ፡ እዚ ምእንታኻትኩም ዚወሃብ ስጋይ’ዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ" በለ። ከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነቲ ጽዋዕ ኣልዓለ’ሞ “እዚ ጽዋዕ’ዚ ብደመይ ዚኸውን ሓድሽ ኪዳን’ዩ። ብ’ትሰትይዎ ጊዜ ዅሉ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ። ማለት ነዚ እንጌራዚ ብ’ትበልዕዎ፡ ነዚ ጽዋዕ እዚ’ውን ብ’ትሰትይዎ ዅሉ፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ፡ ሞቱ ኢኹም ’ትነግሩ። ስለ’ዚ ከይተገብኦ እንጌራ ጐይታ ዚበልዕ ወይስ ጽዋዕ ጐይታ ዚሰትይ፡ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን’ዩ ዚዕግብ። እምበኣር ሰብ ካብ’ዚ እንጌራ’ዚ ቕድሚ ምብልዑን ካብ’ዚ ጽዋዕ’ዚ ቅድሚ ምስታዩን ርእሱ ይመርምር። ከመይ ስጋ ጐይታ ምዃኑ ፈልዩ ኸይፈለጠ ዚበልዕን ዚሰትን ኣብ ገዛእ ርእሱ ፍርዲ’ዩ ዜምጽእ። በዚ ምኽንያት’ዚ’ዮም ኣብ ማእከልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፥ ዝሞቱውን ብዙሓት’ዮም። ኣብ ገዛእ ርእስና እንተ ንፈርድሲ ኣይምተዀነንናን ኔርና። ጐይታ ኺፈርደና ኸሎ ግና ይቐጽዓና’ዩ ዘሎ፡ እዚ ኸኣ ምስ ዓለም ምእንቲ ከይንዅነን ኢሉ’ዩ።” (1ቈረ 11:23-28)።
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
|
9 ነሓሰ 2026 | ነሓሰ 3, 2018 ግዕዝ (መበል 48 ሰንበት) |
||
|
ምስባክ መዝ: ፵፬(፵፭)፡፲፮-፲፯ "ህየንተ አበውኪ ተወልዱ ለኪ ደቂቅ። ወትሠይምዮሙ መላእክተ ለኵሉ ምድር። ወይዘክሩ ስመኪ በኵሉ ትውልደ ትውልድ።" "ውሉድካ ኣብ ክንዲ ኣቦታትካ ኪዀኑ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪውን መሳፍንቲ ኽትገብሮም ኢኻ። ካብ ወለዶ ንወለዶ ንስምካ ኸዘክሮ’የ፡ ስለዚ ህዝብታት ንዘለኣለም ኬመስግኑኻ’ዮም።" |
ንባባት |
ኣንባቢ |
| ገላ 3፡15-ፍጻመ |
ዲያቆን |
|
| 1ጴጥ 2፡5-11 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
| ግብ 15፡1-12 |
ንፍቅ ካህን |
|
|
ሉቃ 11፡27-36 |
ሰራዒ ካህን |
|
|
ቅዳሴ ፦ ዘእግዚእነ | መዝሙር፦ ወይብሉ ኵሎሙ ሐዋርያቲሁ |
|
|