S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓደ ዚገብር መንፈስ  ቊ.45 (7 ሰነ 2026 ፈ | ግንቦት 30, 2018 ግዕዝ)

"ከምቲ ሰብነት ሓደ ኸሎስ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ እቲ ኣካላት ከኣ ብዙሕ (ክነሱስ) ሓደ ሰብነት ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ’ዩ። ከመይ ንሕና፡ ኣይሁድ ኰንና ግሪኻውያን፡ ባሮት ኰንና ጭዋታት፡ ኵላትና ሓደ ሰብነት ምእንቲ ኽንከውን፡ ብሓደ መንፈስ ተጠመቕና፡ ሓደ መንፈስ’ውን ሰተና። . . . "እንሆ፡ ኣሕዋት ብሓደ ሓቢሮም ኪነብሩስ፡ ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን’ዩ።" 1ቈረ12፡12,13 ካ.ት ፣ መዝ133፡1

እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ዘመነ ትንሣኤ ታሽዓይ ሰንበት፡ ናይ ዘመነ ዕርገት ሳልሳይ ሰንበት፡ ናይ ዘመነ ጰራቅሊጦስ ከኣ ካልኣይ ሰንበት፡ ናይ ዘመነ ሓዋርያት ድማ ቀዳማይ ሰንበት’ዩ። በዓለ ትንሳኤን በዓለ መንፈስ ቅዱስን "ከመ አሐቲ ዕለት" (ከም ሓንቲ መዓልቲ) ስለ ዝዀና፡ ኣብ ክልቲኡ በዓላት እቲ ናይ በዓለ ትንሳኤ መዝሙርን ምስባክን ንባባትን’ዩ ዚበጽሕ። እቲ ብፍሉይ ንመንፈስ ቅዱስ ዚምልከት መዝሙርን ምስባክን ንባባትን ዝዀነ ዅሉ፡ ኣብ’ዚ ታሽዓይ ሰንበት ናይ በዓለ ትንሳኤን ካልኣይ ሰንበት ናይ ዘመነ ጰራቅሊጦስን’ዩ ዚበጽሕ። ብቕዱስ ያሬድ ነዚ ዕለት’ዚ ዝተዳለወ መዝሙር፡ "ወረደ መንፈስ ቅዱስ" ዚብል’ዩ። ትርጒም ትሕዝቶኡ ድማ፦ 

“መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ሐዋርያት ከም ሓዊ ወረደ፡ ንሳቶም ድማ፡ ብቛንቋ ዅሉ ሃገራት ተዛረቡ።

ካብኣቶም ኪዓርግ ከሎ፡ "ዓለም ክትቅበሎ ዘይትኽእል ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር፡ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ክልእከልኩም’የ። ዘኽታማት ኴንኩም ኣይሓድገኩምን’የ።" በሎም።

ኢየሱስ ንደቀ መዝሙሩ "ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን እዓርግ ኣለኹ፡ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ናይ ጽድቂ መንፈስ’ውን ኽህበኩም’የ።" በሎም። (ንሳቶም ድማ) "ንስኻ ምስ ዓረግካ፡ ከማኻ ኣበይ ንረክብ፧ ብዛዕባ ትንሣኤኻኸ መን ኪኣምነና’ዩ፧" በልዎ። ኢየሱስ ከኣ፡ "ንስኻትኩም ኣባይ፡ ኣነ ድማ ኣብ ኣቦይ’የ፡ መንፈሰይ ተቐበሉ፡ ትንሳኤይ ሰበኹ" በሎም።

  "ኣነ ሰላመይ እህበኩም፡ ሰላመይ’ውን እሓድገልኩም ኣለኹ። ነቲ ዓለም ክትቅበሎ ዘይትኽእል መንፈስ ጽድቂ ዝዀነ ጰራቅሊጦስ ክልእከልኩም’የ" (በሎም)።” 

ማለት’ዩ። እዚ ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መዝሙርና ንመንፈስ ቅዱስን ነቶም ዚቕበልዎ ደቀ መዝሙሩን ኣመልኪቱ ድሕሪ ምግላጹ፡ "ሰላመይ እህበኩም፡ ሰላመይ’ውን እሓድገልኩም" ብምባል’ዩ ዛዚሙ። ናይ’ዚ መዝሙር’ዚ ሓይሊ መልእኽቱ ድማ ኣብ’ዚ ናይ ጐይታ ሃይለ-ቃል መሰረት ዝገበረ’ዩ። ምኽንያቱ ጐይታ ሓዲግዎም ከም ዚኸይድ ምስማዖም፡ ኣብ ውሽጦም ጓህን ሻቕሎትን ስለ ዝፈጠረሎም፡ ምጽንናዕን ሰላምን የድልዮም’ዩ (ዮሃ 14፡1,5,18,20,26-28፣16፡1,5-7,20-22)። ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ጓህን ስንባድን ሽበራን ንዘሎ ሰብ ኣዝዩ ዜገድሶ፡ ንጓሂኡ ዚድብስ ምጽንናዕን ንሽበራኡን ስንባዱን ዜህድእ ሰላምን’ዩ። ጐይታና ድማ፡ ነዚ ኽልቲኡ መሰረታዊ መንፈሳዊ ጠለባቶም፡ ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዚህቦም ኣበሰሮም። ዋላ’ቲ መንፈስ ቅዱስ ዚህቦም ካልእ መንፈሳዊ ውህበታት’ውን፡ ንሰላሞም ዜዕብዮን ዜዕዝዞን’ዩ። ፈጺሞም ናብ ዘይፈልጥዎም ኣረማውያን ኣህዛብ ምስ ከዱ፡ ከመይ ገይሮም ወንጌል ከም ዚሰብክዎም ከይጭነቑ፡ ገና ኻብ ኢየሩሳሌም ከይወጹ ኸለዉ፡ ብቛንቋታት ናይ ዘይፈልጥዎም ኣህዛብ ከም ዚዛረቡ ገበሮም። ከይፈርሁ ድማ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይፈልጥዎን ዘይነበሮምን ትብዓት ኣዕጠቖም (ግብ 4፡13,18-20,29-31፣5፡27-32)። እቲ ኣብኣቶም ዝተጋህደ ተኣምራት ናይ ምግባር ሓይሊ’ውን፡ ንሰላሞምን ትብዓቶምን ዜዕብይ’ዩ። እዚ ጐይታና ዝበሎን መዝሙርና ዝደገሞን፡ "ኣነ ሰላምየ እሁበኩሙ፡ ወሰላመ ዚአየ እኅድግ ለክሙ" ዚብል ቃል፡ እዚ ዚስዕብ ንኡስ ዘመን (ታሽዓይ ሰሙን)፡ "ዘመነ ሰላም"፡ ማለት ነቲ ጐይታና ብመንፈስ ቅዱስ ዝሃበና ፍጹም ሰላም ’ነስተንትነሉን ’ነመስግነሉን ዘመን ምዃኑ ኣመልኪቱና ኣሎ። ቀደሙ’ውን ሰላም፡ ናይ እግዚአብሔር ክቡር ህያብ’ምበር፡ ናይ ሰብ ፍረ ዀይኑ ኣይፈልጥን’ዩ (ሉቃ 1፡79፣2፡14፣24፡36፣ዮሃ 14፡27፣16፡33፣ሮሜ 5፡1፣ኤፌ 2፡14,17፣ፊል 4፡7፣ቈሎ 3፡15፣ዘሁ 6፡26፣መዝ 85፡8፣ኢሳ 9፡6፣52፡7፣53፡5፣ሚክ 5፡5፣ሚል 2፡6)። ኣብ’ዛ ብሓጢኣትን ብግብሪ ኣጋንንትን ክትህወኽ ’ትነብር ዓለም’ዚኣ ንዚነብር ሰብ ድማ፡ ህላወ ሰላም ኣዝዩ ዜገድሶ’ዩ። ነቲ ንፍቕሪ ዓለም ብፍቕሪ ኣምላኽ ዝተክአ ሓቀኛ ክርስትያን ድማ፡ ዓለም ፈጺሙ ዘይብላ ሰላም፡ ብክርስቶስ ተመዲቡሉ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ድማ ተዋሂብዎ ስለ ዝዀነ፡ ምስ ገዛእ ርእሱን ምስ ከባቢኡን ምስ ኣምላኹን ብሰላም ኪነብር ኣይጽገምን’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ’ዚ ተሰሪዑልና ዘሎ ዘመነ ሰላም፡ ሰላም ናይ ክርስቶስ ዘሎናን ዘይብልናን ኽንምርምር፡ ዘይብልና እንተ ኼንና ብቕቡል ጸሎት ክንልምን፡ ሰላም እንተ’ልዩና ድማ፡ ጸጋና ኽንዕቅብን ንኣምላኽ ብዛዕባ ሕያውነቱን ህያቡን ከነመስግንን፡ ሰላም ንዘይረኸቡ ኻልኦት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከኣ፡ መልእኽቲ ሰላም ከነብጽሕን ይግብኣና። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ኣርእስትናን ትምህርትናን ድማ፡ ካብ’ዚ ናይ 1ቈረ12፡1-13 ንባብና ዝተወስደን ምስ መዝ133፡1-3 ዝተዛመደን’ዩ።

ሓድነትሲ ንምንታይ’ዩ ኽሳዕ ክንድ’ዚ ኣገዳሲ ዚኸውን፧ ኣገዳሲ እንተ ዀይኑኸ፡ ንምንታይ ባዕላትና ሓደ ዘይንኸውን፧ ንምንታይ’ዩ ናይ ካልእ ኣካል ሓገዝ ዜድልየና፧ ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ ኵሉ ገጻት ናይ ማሕበራዊ ህይወት’ውን፡ ሓድነት ማዕረ ኽንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ብግብሪ ስለ ዝተመኮርናዮ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነቱ ንምብራህሲ ጥቕስታት ክንጠቕሰሉ’ኳ ፈጺሙ ኣይመድለየናን። ሓድነት ይትረፍ ብመልክዕ ኣምላኽ ንዝተፈጠርና ሰባት፡ ንመንደቕ፡ ንመኪና ንዝዀነ ማሽን ወዘተ’ኳ ኣዝዩ ኣድላዪ’ዩ። እዚ ’ነጽልለሉ ኣባይቲ ብናይ ኣእማን ወይ ብናይ ሕጡብ ሓድነት ዝተሃንጸ’ዩ። ንሓድሕዱ ተፈናቲቱ ኺነቅዕ እንተ ጀሚሩ ግን፡ መጽለልን መዕቈብን ዘይኰነስ፡ መቕተሊ’ዩ ዚኸውን። መኪና እናተጓዕዘት ከላ፡ ሓድነታ ኣፍሪሳ ፋሕፋሕ ምባል እንተ ትጅምር፡ ኣብ’ቶም ጸይራቶም ዘላ ሰባት ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ’ቲ ኸባቢኣ ንዘለዉ ሰባት ከይተረፈ ኸቢድ ሓደጋ’ያ ’ተውርድ። መንግስቲ ኺፈርስ ከሎ፡ ኣብ’ቲ ሕብረተ ሰብ ዚወርድ ዕንወት፡ ኣዝዩ መሰክሕ’ዩ ዚኸውን። ሓዳር ኪፈርስ ከሎ ድማ፡ ኣብ’ቶም ተጻመድትን ኣብ ደቆምን ኣብ ሓያሎ ኻልኦትን ዚወርድ መንፈሳውን ማሕበራውን ዕንወት፡ መግለጺ ኽትረኽበሉ’ኳ ኣጸጋሚ’ዩ። ሰብነትና ሓድነቱ እንተ ኣፍሪሱ ሞት’ዩ ዚስዕብ። ስጋና ብዝበለጸ ኺፈርስን ኪብስብን ምስ ጀመረ ድማ፡ እቶም ኣዝዮም ዜፍቅሩና ስድራናን ፈተውትናን ኸይተረፈ ንኼርሕቑናን ንኺቐብሩናን ይጓየዩ። ሓድነት ህይወት’ዩ፡ ሓይሊ’ዩ፡ ጽባቐ’ዩ፡ ዓወት’ውን’ዩ።

ሓጢኣት ክሳዕ ዘሎ ግን፡ ንሕና ባዕላትና ሓደ ኽንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ምኽንያቱ ሓጢኣት፡ ሞት’ዩ ዜስዕብ፡ ሞት ከኣ ምፍራስ’ዩ። ሓጢኣት፡ ኣጽዋር ሰይጣን’ዩ። ሰይጣን ከኣ ናይ ዝርግርግ ናይ ምፍልላይ ርኹስ መልኣኽ’ዩ። ሓጢኣት ምስ ኣምላኽን ምስ ሰባትን ምስ ገዛእ ርእስናን ዝነበረና ሓድነት ከይተረፈ’ዩ ዜፍርሰልና። ኣብ ገነት ኤድን ዝተፈጸመ በዅሪ ሓጢኣት፡ ካብ ገነት ኣባሪሩና፡ ካብ ኣምላኽ ድማ ፈልዩና’ዩ። ነብዪ ኢሳይያስ’ውን፦

". . . ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም፡ ኰይኑ ዚፈላልየኩምሲ ኣበሳኹም’ዩ፡ ከይሰምዓኩም ኣብ ቅድሜኹም ገጹ ዜሕብኣልኩም ከኣ ሓጢኣትኩም’ዩ።" ብምባል ነቲ ሓቂ ኣነጺሩልና ኣሎ (ኢሳ59፡1-3)። ሓጥኣን ስለ ዝዀንናን፡ ሓጢኣት ምስ ከማና ሓጥኣን ሰባት ከም ዚፈላልየና’ውን፡ ኣዳምን ሄዋንን ገና ኣብ ገነት ከለዉ ዝተጋህደ ሓቂ’ዩ። ከም’ዛ ተሰማሚዖምን ሓቢሮምን ዘይፈጸምዋ፡ እግዚኣብሄር መጺኡ ምስ ሓተቶም፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪወሃሃቡ ጀመሩ። ኣብ’ታ ቐዳመይቲ ስድራ ቤት ዝፈረዩ ቐዳሞት ክልተ ደቂ ብቕንኢ ተቓተሉ። ሽዑ ዝጀመረ ምፍራስ ሓድነት ድማ፡ እንሆ ኽሳዕ ሕጂ ብዜሰክሕ መጠን የባእሰናን የቃትለናን ኣሎ። ዋላ ብውልቀ ሰብ ደረጃ’ውን ኣብ ውሽጥና መንነታዊ ቕልውላው ስለ ዝተፈጥረ፡ መንነታዊ ሓድነትና ፈሪሱ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ፍርሰት’ዚ፦ "ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነይ፡ መንፈስ’ውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር’ዩ ዚምነይ። ነቲ ’ትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚኣቶም (ስጋን መንፈስን ንሓድሕዶም) መጻርርቲ’ዮም።" ብምባል ብስእላዊ መገዲ ኣነጺርዎ ኣሎ (ገላ5፡17)። ሓድነት ናይ ሰብኣዊ ተፈጥሮኡ ዝፈረሰ ሰብ ድማ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ይኹን ብዓብዩ ምስ ኣምላኽ ብሓድነት ናይ ምንባር ፍቓድን ድርኺትን ክእለትን ኪህልዎ ኣይክእልን’ዩ።

ጐይታና "ብዘይካይ ሓንቲ’ኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም" ከም ዝበለ፡ ካብ’ቶም ብዘይ ብእኡ ኽንገብሮም ዘይንኽእል ተግባራት ሓደ ድማ፡ "ሓድነት"’ዩ። ንሓጥእ ሰብ፡ እቲ ዝኸበደ ተግባር፡ ሓድነት’ዩ። ሓድነት፡ ናይ’ቲ ስሉስ ቅዱስ ኣምላኽ ተወራሲ መለኮታዊ ባህርይ’ዩ። ሰብ ብሰሪ ሓጢኣቱ ነቲ ኣምላኽ ዘውረሶ መልክዕ ደርብዩ፡ መልክዕ ሰይጣን ኪለብስ እንተ መሪጹ፡ እታ ቐዳመይቲ ዚጸልኣን ዜፍርሳን ባህርይ፡ ሓድነት’ያ ’ትኸውን።

እግዚኣብሄር ወልድን እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስን፡ ናባና ናብ’ዛ ዓለም’ዚኣ ወሪዶም ምሳናን ኣብ ውሽጥናን ኪነብሩ ዘድለየሉ ቐንዲ ምኽንያት ከኣ፡ ነቲ ዘጥፋእናዮ መልክዕ ምእንቲ ኺመልሱልና’ዩ (ኤፌ4፡22-24)። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ብሉይ ኰነ ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ ደጋጊሙ ዜረጋግጸልና ሓቂ እንተ’ልዩ፡ ብኣምላኽ’ምበር ብገዛእ ርእስና ሓደ ኽንከውን ከም ዘይንኽእል’ዩ። 

"ጐይታየ፡ መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስ’ውን ስጒምቱ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዘይብሉ እፈልጥ ኣለኹ።" ኤር 10፡23

"ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣ’ዩ’ምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጻእና፡ ሓንቲ’ኳ ኽንሓስብ (ኣይግብኣናን)’ዩ።" 2ቈረ3፡5

ካብ ርእስና ገለ ኽንገብር ዘይንኽእል እንተ ዄንና፡ ሓድነት ክንገብር ዘይምኽኣልና፡ ናይ ኣምላኽ ጸገምን ተሓታትነትን’ዩ ማለትና ዲና፧ ኣይፋልናን!! ኣብ ኣምላኽ’ሞ ጒድለትን ድኻምን የለን። ብልኡላዊ ስልጣኑ ፈትዩን ፈቒዱን ናይ ነጻ ፍቓድን ምርጫን መሰል፡ ስለ ዝሃበና፡ ፈቲና ባዕላትና ኽንሓትቶን ክንስዕቦን’ዩ ዚጽበየና’ምበር፡ ብኣስገዳድ ኣብ ልዕሌና ዚፍጽሞ ነገር የብሉን። ብጽቡቕ ፍቓድ ምእንቲ ኽንስዕቦ፡ ይምህረናን ይምዕደናን። ፈቲና እንተ ሰዓብናዮ ደጊፉ የኽእለና፡ መሪሑ ድማ ዓዲ የእትወና። ነቶም ክንስዕቦን ክንእዘዞን ዘይፈተና ድማ፡ ብዛዕባ’ቲ ዝመረጽናዮን ዝሰዓብናዮን ግብርና ኣብ መወዳእታ ተሓተትቲ ይገብረና፡ ይፈርደና ኸኣ።

"ህይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኣለኹ። ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዐ ኣለኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር፡ ህይወት ሕረይ።" ዘዳ30፡19

ስለ’ዚ ልክዕ ከም’ቲ ብዛዕባ ህይወትን ሞትን ብዛዕባ በረኸትን መርገምን ምርጫታት ዘቕረበልና፡ ብዛዕባ ሓድነትን ፍልልይን’ውን ምርጫ ኣቕሪቡልና ኣሎ ማለት’ዩ። እቶም ነቲ ባዕሉ ዘልበሶም መልክዕ ኣምላኽ ዘየጥፍኡ ሰባት፡ ብዘይ ዝዀነ ጥርጥር፡ ሓድነት’ዮም ዚመርጹ። ስለ’ዚ ዓቕሚ ኸም ዘይብሎም ፈሊጦም፡ ናብ’ቲ ዜኽእሎም ከኣል-ኵሉ ኣምላኽ ጸሎቶም የዕርጉ፡ ትውክልቶም ድማ የዕብዩ። እቲ ሓድነት ዝባህርዩን ሓድነት ዜፍቅርን ኣምላኽ ድማ፡ ንጸሎቶም ሰሚዑ ንትውክልቶም ኣኽቢሩ፡ በቲ ሓደ ዚገብር ቃሉን መንፈሱን ገይሩ፡ ሓድነት ይጽግዎም። እቶም ሓድነት ዜግብሩን ዜጽንዑን፡ ከም’ኒ ፍቕሪ፡ ሰላም፡ ትዕግስቲ፡ ትሕትና፡ ይቕሬታ ወዘተ ዝኣመሰሉ መንፈሳውያን ባህርያት ድማ፡ ኣብኣቶም ከም ዚስስኑን ከም ዚሕይሉን ይገብር። ኣብ ህይወቶም ናይ ምቅብባልን ምክብባርን ባህርይ የጒልሕን የድምቕን። በተን ሓድነት ዜምጽኣ "ስምረትን ጸጋን" ዝሰመየን ክልተ ኣባትሩ ገይሩ ይጓስዮም (ዘካ11፡7)። እዚ ሓቂ’ዚ፡ ኣብ’ታ ብምልኣት መንፈስ ቅዱስ ዝተባረኸት ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን፡ ስጋ ለቢሱ ብግህዶ ተራእዩ’ዩ። "ናተይ" ዚብልዎ ኽሳዕ ዘይህልዎም፡ ኵሉ ንብረቶም ሸይጦም ብዅሉ ብማዕረ ብርኪ ዀኑ (ግብ2፡44-46፣4፡32-35)። ንመንፈስ ቅዱስ፡ "ሓደ ዚገብር መንፈስ" ኢልና ዝሰመናሉ ምኽንያት ከኣ ንሱ’ዩ። ዚእዘዝዎን ፍቓዶም ዜግዝኡሉን ሰባት እንተ ረኺቡ መንፈስ ቅዱስ ክትኣምኖ ዜጸግም ተኣምራዊ ሓድነት ከም ዚተክል ብግብሪ ዘመስከረ ዕዉት መንፈስ’ዩ።

ነቶም ብሓጢኣቶም ንርእሶም ኬነውሩን ንሰይጣን ኬገልግሉን ዝመረጹ ዓያሱ ድማ፡ በቲ ፍትሓውን ጻድቕን ፍርዱ ንፍቓድ ናይ’ቶም ናይ ምፍልላይ መናፍስቲ ኣሕሊፉ ይህቦም። እቶም ንሱ ዝውሕልነቶም ኣጋንንቲ ድማ፡ ስጋ ሓድሕዶም ክሳዕ ዚባልዑ ፋሕ ኣቢሎም ይበታትንዎም (ዘካ8፡10፣ 11፡9፣ 14፡13)። ስለ’ዚ ፍጹም ሓድነት እንተ’ልዩና፡ ኣብ ትሕቲ ጕስነት ኣምላኽ፡ ኣለና ብምፍልላይ ተበላሺና እንተ’ሊና ድማ ኣብ ትሕቲ ጒስነት ሰይጣን ወዲቕና ኣለና ማለት’ዩ።

ኣምላኻዊ ሓድነትን ሰብኣዊ ሓድነትን ብኸመይ ኢና ’ንፈልዮ፧ ብኸመይ ኢና ኻብ’ቲ ፈራሲ ሰብኣዊ ሓድነት ናብ’ቲ ጽኑዕ ኣምላኻዊ ሓድነት ክንዓብይ ’ንኽእል፧ ሓድነት፡ ብዙሕ’ዩ ዓይነቱ። ስለ ዝተሰማማዕካን ሓደ ስለ ዝዀንካን ጥራሕ፡ "ሓድነት ኣሎና" ኢልካ ኽትሓስብን ክትጥበርን ኣይግባእን’ዩ። እግዚኣብሄር "ሓድነት" ኢሉ ንዘይሰምዮ ሓድነት፡ ብናትካ ስጋዊ መለክዒታት መዚንካ  "ሓድነት" ኢልካ ምስማይ፡ ዓለወኛ ተግባር’ዩ። ጐይታና ብዛዕባ ሓድነት ቤተ ክርስትያን ኪጽልይ ከሎ፡ ፈጺምና ኽንጐስየን ዘይግብኣና ኽልተ ኣገደስቲ ረቛሒታት ናይ ሓድነት ጠቒሱ ኣሎ። እታ ቐዳመይቲ "ከማና ሓደ ኪዀኑ"  ’ትብል ክትከውን ከላ፡ እታ ኻልኣይቲ ድማ፡ "ኣባና ሓደ ኪዀኑ" ’ትብል’ያ።

"ዎ ኣቦይ፡ ነዞም ዝሃበካኒ ከማና ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ብስምካ ሓልዎም። . . . ዓለም ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ከም’ቲ ንስኻ ኣባይ ዘለኻ ኣነ’ውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ብሓድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከም’ቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣኣቶም’ውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፦ ኣነ ኣብኣቶም ንስኻ’ውን ኣባይ፦ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ ነቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ሃብክዎም።" ዮሃ17፡11,21-23

ቅድሚ ዅሉን ልዕሊ ዅሉን፡ ኣርኣያ ሓድነትና ቅድስት ስላሴ’ምበር ዝዀነ ኻልእ ሓድነት ከም ዘይኰነ ኽንፈልጥ ይግብኣና። "ከም ዓዲ እከለ ወይ ከም ቤተ ክርስትያን እከለ ሓደ ንኹን" ምባል፡ ነቲ ናይ ቅድስት ስላሴ ሓድነት ምስትንዓቕ’ዩ። ከም’ቲ ጐይታና ዝጸለየልና፡ ሓደ ኽንከውን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብሓድነት ፍጹማት ክንከውን’ዩ ዚግባእ። ንኸማኻ ሓጥእ ሰብ ኣርኣያኻ ጌርካ ዚብጻሕ ፍጹምነት ኪህልው ድማ፡ከቶ ኣይክኣልን’ዩ። ነቲ ናይ ስላሴ ፍጹም ሓድነት ኣርኣያና ጌርና እንተ ሰዓብናዮ ግን፡ ነቲ ብሓድነት ፍጹማት ምዃን ብርግጽ ክንበጽሖ ኢና። ናይ ስላሴ ሓድነት እንታይ ከም ዚመስል ከኣ፡ ብግሁድን ረቂቕን መገዲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ብልሳን መለኮትን ብልሳን ቅዱሳን ነብያትን ሃዋርያትን ብዝርዝር ሰፊሩልና ኣሎ።

ነቲ ናይ ቅድስት ስላሴ ኣርኣያ ኸም ዚግባእ ድሕሪ ምስትብሃልና፡ ነዚ ሓድነት’ዚ ኣበይ ከም ‘ንሃንጾ ኸነስተውዕልን ክንትግብሮን ይግብኣና። ሓድነት ምሉእን ሓቀኛን ሓድነት ዚኸውን፡ ኣብ ኣምላኽ ዝተሰረተ ሓድነት ምስ ዚኸውን ጥራሕ’ዩ። ነዚ ሓሳብ’ዚ ጐይታና፡ በቲ "ከም’ቲ ንስኻ ኣባይ ዘለኻ፡ ኣነ’ውን ኣባኻ ዘለኹ" ዚብል ቃል ገሊጹልና ኣሎ። ነፍሲ ወከፍና፡ ኣምላኽ ኣባና ንሕና ድማ ኣብ ኣምላኽ ምስ ‘ንህልው ኢና፡ ሓድነት ዚህልወና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብሓድነት ፍጹማት ንኸውን። ኣምላኽ ዘይብሉን ኣብ ኣምላኽ ዘየለን ሰብ፡ ኣብ ሓድነት ኪህልው ኣይክእልን’ዩ። ንሕና ኣብ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣባና ኸም ዘሎ ወይ ከም ዚነብር ‘ንፈልጠሉ ሓቂ ድማ፡ ኣብ ቃሉ ሰፊሩልና ኣሎ።

"ንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሓለና፡ ከም ንፈልጦ በዚ ኢና ንፈልጥ . . . እቲ ንቓሉ ዚሕልው ግና፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም። ኣብኡ ኸም ዘለና፡ በዚ ኢና ‘ንፈልጥ። እቲ "ኣብኡ እነብር ኣለኹ" ዚብል፡ ከም’ቲ (ኢየሱስ) ዝተመላለሶ፡ ንሱ’ውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ’ዩ። . . . እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ (ቓል) ኣባኻትኩም ዚነብር እንተ ዀይኑ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ’ቲ ኣቦን ኣብ’ቲ ወድን ክትነብሩ ኢኹም።" 1 ዮሃ2፡3,፣5,6,24

"እቲ ትእዛዛቱ ዚሕልው ኣብኡ (ኣብ ኣምላኽ) ይነብር፡ (ኣምላኽ’ውን) ኣብኡ ይነብር። ንሱ ኣባና ኸም ዚነብር ከኣ፡ ንሕና በቲ ዝሃበና መንፈስ ንፈልጥ ኢና። . . . ካብ መንፈሱ ስለ ዝሃበና፡ ንሕና ኣብኡ ኸም ’ንነብር ንሱ’ውን ኣባና ኸም ዚነብር፡ በዚ ኢና ’ንፈልጥ። . . . ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚእመን፡ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱ’ውን ኣብ ኣምላኽ ይነብር። . . . ኣምላኽ ፍቕሪ’ዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽ’ውን ኣብኡ ይነብር። ግናኸ እቲ ወዲ ኣምላኽ መጺኡስ፡ ነቲ ብዓል ሓቂ ኽንፈልጦ ኢሉ ኣእምሮ ኸም ዝሃበና ንፈልጥ ኢና። ንሕና ኣብ’ቲ ብዓል ሓቂ፡ ኣብ ወዱ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢና ዘለና።" 1ዮሃ3፡24 ፣ 4፡13,15,16 ፣ 5፡20 

ብወዲ ኣምላኽ ዚኣምንን ዚእመንን፡ ብፍቕሪ ዚነብር፡ ነቲ ብዓል- ሓቂ ዝዀነ ኣምላኽ ዚፈልጥ፡ ከም’ቲ ኢየሱስ ዝተመላለሶ ዀይኑ ዚመላለስ ሰብ፡ ኣምላኽ ኣብኡ ንሱ’ውን ኣብ ኣምላኽ ዚነብር ሰብ ምዃኑ፡ እዚ ሃዋርያዊ ቓል’ዚ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ነዚ ዅሉ ብርጉጽነት ክንፈልጦ ንኽእል ድማ፡ በቲ ዝተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ተነጊሩና ኣሎ። 

ነዚ ዝተዘርዘረ ረቛሒታት ኬማልኦ ዚኽእል ግን፡ እቲ መንፈስ ቅዱስ ዘለዎ ሰብ ጥራሕ’ዩ። ኣብ’ቲ ተግባርና ጥራሕ ከይንምርኰስ ድማ፡ ኣምላኽ ኣባና ንሕና ኣብ ኣምላኽ ከም ዘለና ዚምስክረልናን ዜረጋግጸልናን ባዕሉ’ዚ ብሩኽ መንፈስ ቅዱስ’ዩ። ንሓድሕድና ኽንዋሳእ ከለና፡ ናይ ኣምላኽ ሰባት ምዃንና፡ ኣምላኽ ኣባና ኸም ዘሎ፡ ሓደ ኣካል ከም ዝዀንና ስለ ዚምስክረልና፡ ንሓድነትና ዜፍርስ ተግባር ክንገብር ሕልናና ኣይፈቕደልናን’ዩ። ምኽንያቱ ንሓድነት ዜፍርስ ባህርይ ከነጸባርቕ ወይ ንሓድነት ዜፍርስ ተግባር ክንገብር ከለና፡ ኣብ’ቲ ውሽጥና ዀይኑ ግብሪ ኣምላኽ ነፍርስ፡ ምስ ኣምላኽ ንዋጋእ ከም ዘለና ስለ ዜፍልጠናን ስለ ዚረትዓናን፡  ርእስና ንገትእ ንንሳሕ፡ ኣካይዳና’ውን ክንልውጥ ዓቕሚ ንረክብ ኢና። ብኸም’ዚ ድማ እቲ ሓድነትና ተሓልዩን ጸኒዑን ይነብር። ኣብ ሓዳር፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን፡ ኣብ ኵሉ ዓይነታት ሓድነት፡ ከም’ቲ ናይ ስላሴ ዝበለ ሓድነት ከም ‘ንደልይ ይገብረና። ንሓድነትና ድማ፡ ኣብ ኣምላኽ ጥራሕ ክንስርቶን ከነጽንዖን የኽእለና።

መንፈስ ቅዱስ ናብ ከም’ዚ ዝዓይነቱ ፍጹም ሓድነት ዜብጽሓና ብኸመይ’ዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓድነት ከነጽንዕ ከለና፡ ሓንቲ ኣገዳሲትን ቀንዲ መፍትሕንa ዝዀነት፡ ’ትደጋገም ቃል ኣላ። ንሳ ኸኣ "ሓደ ሓሳብ ወይ ሓንቲ ሓሳብ" ትብል’ያ። ዘረባና፡ ስምዒትና ዀነ ተግባርና፡ ኣብ ሓሳባትና’ዩ ዚምርኰስ። ሓድነት ድማ፡ ቀንዲ መሰረቱ ኣብ ሓሳባት’ዩ። ናይ ሓሳባት ሓድነት እንተ’ልዩና፡ ኣብ ኵሉ ነገርና ሓደ ኽንከውን ኣየጸግመናን’ዩ። እግዚኣብሄር ኬሕውየና ኸሎ፡ ነተሓሳስባና ብምሕዳስን ብምልዋጥን’ዩ ዚገብሮ (ሮሜ12፡2 ፣ ኤፌ 4፡23 ፣ ቈሎ3፡9,10)። ድያብሎስ ኬበላሸወና ኺደልይ ከሎ’ውን፡ ናብ ልብና ነቲ ግናይ ሓሳቡ’ዩ ዜእትው (ዮሃ13፡2)። ሓንቲ ሓሳብ ብምሕሳብ ኣብ ሓድነት ክንነብር፡ ቅዱሳን ሃዋርያት ደጋጊሞም ምዒዶምና ኣለዉ።

". . . ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ’ምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩም እምዕደኩም ኣለኹ።" 1ቈረ1፡10-12

"ብዝተረፈ ኣሕዋተየ፡ ተሓጐሱ፡ ምሉኣት ኩኑ፡ ጽኑዓት ኩኑ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ኩኑ፡ ብሰላም ንበሩ። ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን’ዩ።" 2ቈረ13፡11

"ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ብሓንቲ ነፍሲ ዄንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጐሰይ መልኡ።" ፊል2፡2

"ሓሳበን ብጐይታ ሓንቲ ኽትከውን እምዕድ ኣለኹ።" ፊል4፡2

". . . ኵላትኩም ሓደ ዝሓሳቦም፡ ’ትደናገጹ፡ ሕውነት ’ተፍቅሩ፡ ለዋሃት፡ ትሑታት ኩኑ።" 1ጴጥ3፡8

ስለ’ዚ ናይ ሓድነት ምስጢር፡ ሓደ ሓሳብ ክትሓስብ ኣብ ምኽኣል ከም ዚምርኰስ ብሩህ ሓቂ’ዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ፡ ብዝተፈላለየ መገድን ኣገባብን ባህልን፡ ፈጺሙ ኣብ ዘይቀራረብ ደረጃ መነባብሮን ትምህርትን ዝዓበኻ ብዙሓት ሰባት፡ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባን ሓሳባትን ኪህልወካ ግን ዳርጋ ፈጺሙ ዘይክኣል’ዩ። ሓደ ሽሕ ኣእምሮ እንተ’ልዩ፡ ናይ ገሊኡዶ ዀን ቍሩብ ይመሳሰል ይኸውን’ምበር፡ ዳርጋ ሓደ ሽሕ ዝተፈላለየ ሓሳባት’ዩ ዚህልው። እሞ ንምንታይ ደኣ’ዩ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኺህልወና ዚድለይ ዘሎ፧ ክርስትያን ምዃን ማለት፡ ናትካ ኣተሓሳስባን ሓሳባትን ደርቢኻ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ፡ ነቲ ናይ ኢየሱስ ሓሳብ ምሕሳብ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ፦

"እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩም’ውን ይሃሉኹም።" ዚብል ንጹር መምርሒ ዝተዋህበና (ፊል2፡5)። ቅዱስ ጳውሎስ "ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ ኣሎና።" ብምባል፡ ብዛዕባ ርእሱ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ብዛዕባ ኵሉ ክርስትያን ተኣሚኑ ኣሎ (1ቈረ2፡15,16)። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ብዛዕባ መከራ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ፡ ካብ’ቲ ናይ ጐይታ ኣዝዩ ዝተፈልየ ስለ ዝነበረ፡ ጐይታና፡ 

"ኣታ ሰይጣን ናይ ሰብ’ምበር ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ’ሞ፡ ካባይ ርሓቕ (ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ)" 

ብምባል ገንሖ (ማር8፡33 ፣ ማቴ16፡23)። ሓሳብ-ስጋ ጥራሕ ዚሓስብ ሰብ፡ ይትረፍ ንኸምኡ ጐደሎ ሰብ፡ ዋላ ንክርስቶስ ከይተረፈ’ዩ ዚዕንቅፎ ማለት’ዩ። ስለ’ዚ ኣብ ሓድነት፡ ናይ ምዕንቃፍ ግደ ጥራሕ’ዩ ዚህልዎ። ናይ ክርስቶስ ሓሳብ ኪሓስብ ዚኽእል ከኣ፡ እቲ ዝተሓደሰ ኣእምሮ ዘለዎ ክርስትያን ጥራሕ’ዩ። ንኣእምሮ ምሕዳስ ድማ ናይ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ’ዩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ቅዱስ ጳውሎስ፦ 

"ግናኸ ሓቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ንኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ኣቦ ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡  ምእንቲ ኸተኽብሩስ፡ . . . ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩም ከም’ቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ጌርኩም ሓደ ሓሳብ ክትሓስቡ ይሃብኩም።" ዝበለና (ሮሜ15፡5,6)። ሓሳብ ክርስቶስ ክንሓስብ ዚህበናን ዜኽእለናን፡ መንፈስ ቅዱስ’ዩ። ኵላትና ሓሳብና ገዲፍና፡ ነታ ናይ ጐይታና ሓሳብ ጥራሕ እንተ ሒዝና፡ ሽዑ ሓድነትና ፍጹምን ጽኑዕን ይኸውን። ነናትና ሓሳብ እንተ ሒዝና ግን፡ ኣብ ክልተ ሰለስተ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ክንዲ ቝጽርና ናብ ዝዀነ ጒጅለታት ክንፈላለይ ናይ ግድን ይኸውን። እዚ ኣብ ሰብ-ሓዳር፡ ኣብ ስድራ ቤታት፡ ኣብ መገላግልቲ፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ወዘተ ዚርኣይ ዘሎ ዜሕፍርን ቍልዕነታውን ምፍልላያት፡ ብዘይካ ሓሳብ ክርስቶስ ዝዀነ ኻልእ ፈውስን ፍታሕን የብሉን። እቲ ሓሳብ ክርስቶስ ምሕሳብ ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ጥራሕ ዚርከብ’ዩ። ስለ’ዚ ነቲ ብምስጢረ ሜሮን (ብኣገልግሎት ምልኣት መንፈስ ቅዱስ) ዝረኸብናዮ መንፈስ ቅዱስ፡ ከይነጒህዮን ከይነጥፍኦን ክንጥንቀቕ ይግብኣና (ኤፌ4፡30 ፣ 1ተሰ5፡19)። ሓድነትና ኺነቕዓናን ኪፈርሰናን ከሎ፡ ነቲ ፍታሕ ካብ ስጋ ካብ ሰብ ዘይኰነስ፡ ካብ’ቲ ናይ ሓድነት መንፈስ፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ብጸሎት ንድለዮ። ፍልልያት ንምፍታሕ ኣብ ‘ንሽምግለሉ እዋን፡ ዋላ ኻብ’ቶም ለባማት ሰባት ከይተረፈ ኣዝዩ ዜሕፍርን ዜሕዝንን ሓጥእ ቃላትን ስምዒታትን ኪንጸባረቕ ንዕዘብ ኢና። ስለ’ዚ ፍልልያት ኪኽሰቱ ኸለዉ፡ ብቓል ኣምላኽን ብጸሎትን፡ ነቶም ተተፋኒኖም ዘለዉ ወገናት፡ ቅድም ሓሳብ ክርስቶስ ናብ ምሕሳብ ክንመልሶም ይግብኣና።

እምበኣር እቶም ኣብ ምፍልላይ ዘለና ጥራሕ ዘይኰነ፡ ዋላ’ቶም ኣብ ጽቡቕ ስምምዕን ሓድነትን ዘለና ዅላትና’ውን፡ ርእስናን ሓድነትናን ንመርምር። ሓድነትና ንሓድነት ቅድስት ስላሴ ኸም ዚመስልን ኣብ ኣምላኽ ዝተመስረተ ሓድነት ከም ዘሎናን ነረጋግጽ። ነቲ ዕርቃንን ነውርን ናይ ኣእምሮና፡ ብሓሳብ ክርስቶስ ንኽደኖ። ብሓድነትና ንክርስቶስ ነኽብር’ምበር፡ ብምፍልላይና ንስጋ ክርስቶስ ኣይንቘራርጽ (1ቈረ12፡27 ፣ 1፡13)።

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።

7 ሰነ 2026 | ግንቦት 30, 2018 ግዕዝ (መበል 39 ሰንበት)

ምስባክ

መዝ: ፶(፶፩)፡፲,፲፩ "ልበ ንጹሐ ፍጥር ሊተ እግዚኦ። መንፈሰ ርቱዓ ሓድስ ውስተ ከርሥየ። ኢትግድፈኒ እምቅድመ ገጽከ።"

ዓዲ፡  መዝ.፶(፶፩)፡፲,፲፩ "ወመንፈሰ ቅዱሰ ኢታውፅእ እምላዕሌየ። ዕሥየኒ ፍሥሐ ወአድኅኖተከ። ወበመንፈስ ዓዚዝ አፅንዓኒ።"

ንባባት

ኣንባቢ

1ቈረ 12፡1-13

ዲያቆን

1ዮሃ 4፡1-9

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 2፡1-18

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 14፡12-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴዘዲዮስቆሮስ | መዝሙርወረደ መንፈስ ቅዱስ

   

 

Hits: 40