S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ነቲ መገዱ ትፈልጥዎ ኢኹም (መበል 38 ሰንበት: ቊ.፴፰/38, 2025 | 2017 ግዕዝ

ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር ኣሎ፡ እንተ ዘይህልው ግና ምነገርኩኹም ነይረ፡ ሕጂ ግና ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ። ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብ ኣነ ዘለኽዎ፡ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትህልው፡ ተመሊሰ ኽመጽእሞ፡ ምሳይ ክወስደኩምየ። ናብ ኣነ ዝኸደ መገዱ ትፈልጥዎ ኢኹም።  . . . መገድን ሓቕን ህይወትን ኣነየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።ዮሃ 142-4,6 .

እንሆ ዕለት ሻብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤን ቀዳማይ ሰንበት ናይ ዘመነ ዕርገትንዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበትውን ከም ዝተነግረና፡ ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ (በዓለ ዕርገት) ጀሚርና ናብ ዘመነ ዕርገት ኣቲና ኣለና። ዘመነ ዕርገት ናይ ዘመነ ትንሳኤ ንኡስ ዘመንዩ። ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ በዓለ ዕርገት ዝወዓለትላ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ሰነ 17 ዚዝርጋሕ ንኡስ ዘመንዩ። በዓለ ትንሳኤ ናብ መጋቢት 30 ኣብ ዝተሳሕበሉ፡ ዘመነ ዕርገት ናይ 39 መዓልታት ዘመን ይኸውን። በዓለ ትንሳኤ ናብ ሚያዝያ 27 ኣብ ዝወረደሉ ድማ ናይ 11 መዓልታት ዘመነ ይኸውን።

ነዚ ናይ ዘመነ ዕርገት ቀዳማይ ሰንበት ብቕዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ መዝሙር-ሰንበት ኣርእስቲ ድማበሰንበት ዐረገ ሐመረዚብልዩ። ነቲ ናይ ሉቃ 2436-38 ዮሃ 141-3 ጥቕስታት መሰረት ገይሩ ዝተደርሰ ዀይኑ፡ወልድ ሓወይ፡ ንሱ ፍቁረይዩ። ንሱ ኻብ ምዉታት ተንስአ፡ ንዅሉ ዓለም ሰላም ገበረ (ሃበ) ብኽብሪ ናብ ሰማያት ዓረገ፡ ነቲ ንሰንበት ዝቐደሰ ስብሓይ ይኹኖብምባል ይድምድም። ብመሰረት ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ዕርገት ጐይታና ዝተፈጸመሉ ዕለት፡ ግንቦት 8’ዩ።

ከም ኣብ ዝሓለፈ ሰንበትውን ዝተጠቕሰ፡ ልክዕ ከም ሞቱን ትንሳኤኡን፡ ዕርገትውን ኣካል ናይ ብጐይታና ዝተፈጸመ ግብሪ ድሕነትዩ። ጐይታና ነዚ ዅሉ መከራ መስቀል ተቐቢሉ ሞይቱ ምስ ተንስአ፡ ናብ ሰማያት ከይዓረገ ኣብ ምድሪዚኣ እንተ ዚተርፍ፡ ኪድሕን ዚኽእል ዋላ ሓደ ሰብ ኣይምተረኽበናን ነይሩ። ነዚ ሓቂ ንኽንርድኦ ምስ ናይ ብሉይ ኪዳን ስርዓተ መስዋእቲ ኣነጻጺርና ኽንርእዮ ይግብኣና። ኣብ ዘመነ እቲ እንስሳ ስለ ዝተሰውአ ጥራሕ፡ ሕድገት ሓጢኣት ይረኽቡ ኣይነበሩን። እቲ እንስሳ ምስ ተሰውአ፡ እቲ ዝሰውኦ ኻህን ንደም ናይ እንስሳ ሒዙ፡ ናብ ህልውና እግዚኣብሄር ዚርከቦ ናብ ቤት መቕደስ ኪኣትው ናይ ግድን ነበረ። እቲ መስዋእቲ ናይ ውልቀ ሰባት ምስ ዚኸውን፡ እቲ ዝሰውኦ ተራ ካህን፡ ነቲ ደም ናብ ቐዳማይ ክፍሊ ናይ ቤት መቕደስ፡ ናብ ቅድስት፡ ሒዝዎ ኣትዩ፡ ነቲ ደም ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የርቕቦ ነበረ። በዚ ኸኣ ጊዝያዊ ምሕረት ይረኽቡ ነበሩ። እዚ ዓመት ምሉእ ዝቐረበ ኵሉ መስዋእትታት ተቐባልነት ረኺቡ ምሉእ ምሕረት ዚርከብ ዝነበረ ግን፡ እቲ ሊቀ ካህናት ኣብ ዓመት ሓንሳእ መስዋእቲ ኣቕሪቡ ነቲ ደም ናይ እንስሳ ሒዙ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን፡ ናብ ኻልኣይ ክፍሊ፡ ናብ መንበረ ታቦት ዘለዎ ኽፍሊ ኣትዩ፡ ነቲ ደም ኣብ ልዕሊ መንበረ ታቦት (መኽደን መተዓረቒ) ምስ ነጸጎዩ። እዛ ዕለትዚኣ ድማመዓልቲ ዕርቂተባሂላ ትጽዋዕ ነበረት (ዘሌ 161-16 2326-32 እብ 96-8,11-14) እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን መስዋእቲ፡ ብናይ ምዉት እንስሳ ደም ትእምርታዊ ዕርቂ ዚወሃብ ዝነበረ። እቲ ዘለኣለማዊ ሊቀ ካህናትና ገንሸል ፋሲካናን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተሰውአውን ናብ ሰማያዊት ቅድስተ ቅዱሳን ኣትዩ ኪድገም ዘየድልዮ ዘለኣለማዊ ዕርቂ ኼውሕሰልና ናይ ግድን ነበረ። እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ምውት መስዋእቲ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ሊቀ ካህናት ኣብ ሸሓኒ ገይሩ ነቲ ደሙ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን የእትዎ ነበረ። ጐይታና ግን ብትንሳኤኡ ህያው መስዋእቲ ስለ ዝዀነ፡ ባዕሉውን ሊቀ ካህናት ስለ ዝዀነ፡ ብዕርገት ናብ ሰማያዊት ቅድስተ ቅዱሳን ናብ እግዚኣብሄር ኣቦ ኣተወ። በዚ ኸኣ ዘለኣለማዊ ዕርቂ ረኸብና (እብ 923,24 1010-14 2ቈረ 518-21 ቈሎ 119-23) ስለ ዕርገት ጐይታና፡ ንኣና ማሕተም ናይ ድሕነትናዩ። ብምኽንያት ዕርገት ጐይታ፡ እዞም ዚስዕቡ ኣገዳስቲ መንፈሳውያን ፍጻመታት ተኸስቱ።

1. እቲ ኣብ መስቀሉ ዝፈጸሞ ናይ መስዋእትነት ስራሕ ፍጹም ኰነ (እብ 911,12)

2. ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኣቦ ተቐመጠ (እብ 1012)

3. ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ተቐቢሉ ናብ ቤተ ክርስትያን ኣፍሰሰ (ግብ 233 ሉቃ 2449 ዮሃ 1416,17,26 167,8,13,14 1526)

4. ርእሲ ቤተ ክርስትያን ኰነ (ኤፌ 119-23 522,23 1ቈረ 113, ቲቶ 25 ቈሎ 118 ማቴ 288 እብ 27-9 መዝ 86)

5. ከም ሊቀ ካህናት መጠን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይረኣየልና፡ ብዛዕባ ህዝቡ ድማ ይልምንን ይጣበቖን ኣሎ (እብ 217,18 619,20 726-28 ሮሜ 834 እብ 725 1ዮሃ 21)

6. ንዘለኣለም እንነብረሉ ስፍራ ኣዳለወልና (ዮሃ 142 እብ 1116)

7. ንጸላእቱ ስዒሩ መርገጽ እግሩ ዚገብረሉ መዓልቲ ይጽበይ ኣሎ (እብ 1013)

ናይ ዕለት ናይ ዮሃ 141-12 ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ ጐይታና ብዛዕባ ዕርገቱን ረብሓታት ዕርገቱን ዝገለጸሉ ንባብዩ። ናይ ዕለት መሪሕ ጥቕስናውን፡ እዚ ጐይታና ናይ ዕርገቱን ረብሓታት ዕርገቱን ተስፋ ዝሃበሉ ኽፍሊ ናይ ንባብዩ። እዚ ናይ ዕርገቱ ተስፋታት ኣብ ልብና ብጽኑዕ እንተ ዘይተሰሪቱ ንእምነት ክርስትናና ብግብሪ ኽንነብረሉ ዜኽእለና ዓቕሚ ኣይንረክብን ኢና። ከም ክርስቶስ ጐይታና ብኽብሪ ዝዓረገ፡ ብምጽኣቱ ብኣካል ምስ ተገልጸ ንሕናውን ምስኡ ኽንዓርግ ኢና። ኣብ ብዕርገቱ ዝተዳለወልና ናይ ክብሪ ስፍራ ድማ ንዘለኣለም ክንነብር ኢና።

ጐይታናስፍራ ኸዳልወልኩም ክኸይድዝበለና፡ እንታይ ንምባልዩ፧ ድሕሪ ዕርገቱ፡ ዚፈጥሮን ዚሰርሖን ሓድሽ ስራሕ ኣለዎ ማለት ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ፍጥረት፡ ብእግዚኣብሄር ወልድ፡ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተፈጥረ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ዮሃ 13 1ቈረ 86 ቈሎ 116 እብ 12, ራእ 314) ንዅሉ ነገር ፈጢሩ ምስ ወድአ ድማ ካብ ኵሉ ግብሩ ኸም ዝዓረፈን ንርእሱ ሰንበት ከም ዝሰርዐን፡ ነታ ሰንበቱውንዕረፍተይኢሉ ኸም ዝሰመያ ተነጊሩናዩ።

“. . . ብዛዕባ ሳብዓይቲ መዓልቲ ኣብ ገለ ስፍራ (ዘፍ 22)ኣምላኽ ድማ ብሳብዓይቲ መዓልቲ ካብ ኵሉ ግብሩ ኣዕረፈይብል . . .  እምበኣር ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ-ሰንበት ተነቢራትሎም ኣላ። ከመይ እቲ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ዝኣተወ፡ ከም ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዘዕረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ (ዓሪፉ ኣሎ) ስለ ሓደ (ናይ ደቂ እስራኤል) ናይ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ተኸቲሉ ኸይወድቕ፡ ናብ (ናይ ኣምላኽ) ዕረፍቲቲኣ ኽንኣትው ንጋደል።እብ 44,9-11 .

እዛ ዕረፍቲዚኣ እታ ንሕና ብዕርገት እንኣትዋ ሰማያዊት ሰንበት እምበኣር እቲ ፈጣሪ-ኵሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኵሉ ፈጢሩ ወዲኡ ናብ ዕረፍት ስለ ዝኣተወ፡ ሕጂ ዚፈጥሮን ዜዳልዎን ሓድሽ ፍጥረትን ስራሕን የብሉን ማለትዩ። ጐይታና ባዕሉውን፡ እቲ እንወሶ መንግስቲ ዀነ ስፍራ፡ ዓለም ክትፍጠር ከላ ኣትሒዙ ድሉው ከም ዝነበረ ነጊሩና ኣሎ (ማቴ 2534 1ጴጥ 13-5,20 2ጢሞ 19,10 ሉቃ 1232 ያእ 25 2ቈረ 51) እግዚኣብሄር ወልድ በቲ ብጊዜ ዀነ ብዅነታት ዘይድረት ፈላጥ-ኵሉን ከኣል-ኵሉን ባህርዩ ተደሪኹ፡ ንዅሉ ፍጥረቱ ዝዀነ ጕድለት ብዘይብሉ ፍጹምነት ፈጢሩ። ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ሰብ በዚሕዎ ኬግፍሖ፡ ክፍልታቱ ኼብዝሖ ዜድልዮ ጐደሎ ስራሕ ኣይሰርሐን፡ ምልስ ኢልና ንመሪሕ ጥቕስና እንተ ተመልከትናውን፡ ኣብ ቤት ኣቦኡ ብዙሕ ማሕደር ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጹዩ፡ስፍራ ኸዳልወልኩምዝበለ፡ ስለ እቲስፍራዚብል ቃል፡ ብዛዕባ ብኣካል ኬድና እንቘመሉን፡ እንቕመጠሉን እንነብረሉን ቦታ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ናብኡ ናይ ምእታው ዕድልን መሰልን ዚዛረበና ዘሎ። እቲ ቦታ ቕድሚ ምፍጣር ዓለም ተሰሪሑስ ተወዲኡንዩ። ተሪፉናን ስኢንናዮን ዝነበርና ግና፡ እቲ ናብ ኣምላኽ ዘዳለወልና ቦታ እንኣትወሉ ዕድልን መሰልን ጥራሕዩ። ነዚ ዕድልን መሰልን ኸኣ ክርስቶስ ጐይታና ምእንታና ኢሉ ገንሸል ፋሲካና ዀይኑ ብሙማቱን ብምትንሳኡን፡ ከምኡውን ምእንታና ኢሉ ሊቀ ካህናት ብምዃን ስለ ዝዓረገን ኣብ የማን ኣቦ ስለ ዝተቐመጠን እንረኽቦዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።

ስለ ኸኣ ኣምላኽ፡ እቲ ምኽሩ (ተስፋኡ) ኸም ዘይልወጥ፡ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ኣዝዩ ኼርእዮም ምስ ደለየ፡ ብማሕላ ኣብ መንጎ ኣተወ (ብማሕላ ኣረጋገጸሎም) በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይከኣሎ ኽልተ ነገራት (ተስፋኡን ማሕላኡን) ጌርና። ንሕና፡ (እቶም) ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ (ካብ ዓለምን ሓጢኣትን) ሃዲምና ዝወጻእና (ሰባት) ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና። (እታ ተስፋ) ድማ ከም መልሕቕ ነፍሲ፡ ድልድልትን ጽንዕትን`ሞ፡ ናብ ኢየሱስ ብማዕርግ መልከ ጸዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ካህናት ኰይኑ ከም መራሒ ምእንታና ዝኣተዎ፡ ናብ ውሽጢ መጋረጃ እተእትወና ተስፋ ኣላትና” እብ 617-20

ስለ ኣሕዋተየ፡ ሳላ ደም ክርስቶስ (ንሕና) ናብ (ሰማያዊት) ቅድስተ ቅዱሳን ዜእትው እምንቶ (ዕድል፡ መሰል፡ ትብዓት) ረኺብና ኢና። እንኣትዎ ኸኣ በቲ መጋረጃ ማለት ብሰብነቱ ብዝተኸፍተ ሓድሽን ህያውን ዝዀነ መገዲ ኣቢልና ኢና። ኣብ (ሰማያዊ) ቤት ኣምላኽ ዓብይ ካህን (ኢየሱስ ክርስቶስ) ኣሎና። ስለበዲለኻብ ዚብል ሕልና (ብንስሓ) ንልብና ኣንጺህና፡ ሰብነትና ብንጹህ ማይ (ብጥምቀት) ሓጺብና፡ ብቕኑዕ ልብን ብምሉእ እምነትን ናብ ኣምላኽ ንቕረብ። እቲ ተስፋ ዝሃበና እሙንዩ። ስለ ነታንጽበያ (ዘለና) ተስፋ በይ ምውልዋል ኣጽኒዕና ንሓዛ። እብ 1019-23 .

ካብ ዓሚቝ ምስጢር ዝሓዘለ ሃዋርያዊ ቓል እንመሃሮ ነጥብታት ብዙሕን ዓበይትንዩ።

1. እታ ናይ መወዳእታ ተስፋና ናብ ኣምላኽ ዝፋኑ ዝተኸለላ ቅድስተ ቅዱሳን ናይ ሰማያዊት ቤት መቕደስ ምእታውዩ። ናብ መቕደስዚኣ ዘይኣትው እቲ ዘይደሓነ ጥራሕዩ።

2. ናብ መቕደስዚኣ ናይ ምእታው ዕድልን መሰልን ዝረኸብና፡ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ሊቀ ካህናት ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ደሙን ዝተቘርሰ ስጋኡን ሒዙ መሪሑና (ቀዲሙና) ምእንታና፡ ማለት ንኣና ናብኣ ምእንቲ ኼእትወና፡ ስለ ዝኣተወዩ።

3. እቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለን ዝሞተን ሰብነት ክርስቶስ፡ ናይ ሰማያዊት ቅድስተ ቅዱሳን መጋረጃዩ። ኣብ ምድሪዚኣ በቲ ናይ ዓለባ መጋረጃ ሓሊፍና ናብ ውሽጣዊ መቕደስ ከም ንኣትው፡ ናብ ሰማያዊት መቕደስውን ብስጋ ክርስቶስ (ሳላ ክርስቶስ) ኢና ንኣትው፡ ጐይታና ኣብ መስቀል ኪመውት ከሎ፡ እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ኣይሁድ ዝነበረ መጋረጃ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዝተተርተረሉ ምኽንያት ድማ ንሱ (ማቴ 2750,51 2ቈረ 314,16) ስለ እታ ብማሕላ ዝተዋህበት ተስፋ እዛ ናብ መቕደስዚኣ ምእታው ክትከውን ከላ፡ እቲ ናብኣ ዜእትው ሓድሽን ህያውን መገዲ ድማ ጐይታና ባዕሉዩ። ናብ ተስፋና ንኽንኣትው ግና፡ ናይ ግድን ከም ጐይታና ብዕርገት ናብ ሰማይ ክንግዕዝ ይግብኣና። ናይ ጐይታና ዳግም-ምጽኣት ድማ ንኣና ናብ ሰማይ ኬዕርግ፡ ነቶም ዘይኣመንዎን ብቓሎም ኰነ ብግብሮም ዝኸሓድዎን ድማ፡ ናብ ዝመረጽዎ መዓሙቝ ገሃነም ኬግዕዝ ዚፍጸም (ማቴ 2531-33,41,46)

ብኸመይ ኢና ናብ ተስፋና ዚፍጸመሉን ዚርከበሉን ቦታንኸይድ፧ ከመይ ኢሉ ጐይታና፧ ነቲ መገዱ ትፈልጥዎ ኢኹምዝበለና፡ ብዘይ ቃል ዓለም፡ ነዚ ሕቶ ባዕሉ ዀነ ነቲ መልሱ ኽትርድኦ ቐሊል ኣይኰነን። ምስጢር እምነት ክርስትናን ክርስትያናዊ ህይወትን ዚፈትሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓቂ ምዃኑ ግን ከቶ ዘይከሓድዩ። ነዚ ምስጢር ምርዳእ ቀሊል ስለ ዘይኰነ ሃዋርያ ቅዱስ ቶማስ፡ናበይ ከምትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና። ነቲ መገዲኸ ከመይ ጌርና ኢናንፈልጦ፧ብምባል ዝሓተተ። ሳላ ግቡእን ኣገዳስን ሕቶኡ ግና፡ እቲ ምስጢር ብንጹር ተጋህደልና። እቲ ናብ ሰማይ ዜእትወናን፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣቦ ዜብጽሓናን ዜቕርበናን እንኮ መገዲ ባዕሉ ምዃኑ ጐይታ ኣፍለጠና። እቲብዘይ ብኣይ ሓደ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦንዚብል መለኮታዊ ሃይለ-ቃል፡ ሰማይን ምድርን ብሓውን ረስንን ናይ መለኮት መኺኹ ኣብ ዚሓልፈሉ እዋን ዘይሓልፍ ጽኑዕ ቃል (ማቴ 2435) ስለ ኸኣዩ፡ ዓለም ምስ ኵሎም ደቃን ሰዓብታን ብሓዊ ኽትጠፍእ ከላ፡ እቶም ንኢየሱስ መገዶም ዝገበርዎ ዅሎም ግና ናብ ኸም ዚባላዕ ሓዊ ዝዀነ ፍጹም መለኮት፡ እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ቐሪቦም ክንዲ ዚጠፍኡስ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺቦም ብኽብርን ብሓጐስን ዚነብሩ።

ጐይታና ንገዛእ ርእሱ ኸም መገዲ ገይሩ ምግላጹ፡ ልክዕ ከምዚ ብእግርናንኸደሉ ናይ እግሪ ዀነ ናይ መጐዓዝያ ጐደናታት ጌርና ኽንርእዮ ኣይግባእንዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበሩ ቅዱሳን ኣቦታትና፡መገድኻ ምሃረኒ፡ ጐደናታትካ ኣፍልጠኒዚብል ቅቡል ጸሎት የዘውትሩ ነበሩ (መዝ 254,8,9  2711 8611 A) እዚ ማለት ከኣእቲ ኽምርሓሉ ዚግብኣኒ ቓልካን ሕግኻን ምሃረኒ፡ ኣፍልጠኒማለቶም ዝነበረ (B) እዚ ቕቡል ጸሎት ድማ መወዳእታኡ ናብ እንኮ መገዲ፡ ናብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መርሓና (ሉቃ 176-79 ማቴ 33 119,10,27 ዮሃ 14-8) ኵሎም ናይ ብሉይ ኪዳን ነብያትን ካህናትን፡ ብትንቢቶም ኰነ ብኣገልግሎቶም ናይ ህያው መገዲ ጸረግትን ኣገልገልትንዮም ዝነበሩ። ስለ ጐይታና ባዕሉ ዀነ ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቱ፡ ቃል ነብያትን ኣገልግሎት ካህናትን እናጠቐሱ፡ እቲ ናብ ኣቦ ዜብጽሕ እንኮ መገዲ ንሱ ምዃኑ ይገልጹን ይጽሕፉን ነበሩ። እቶም ጐይታ ቕድሚ ምግላጹ ዝነበሩ ዅሎም ናይ ብሉይ ኪዳን ቅዱሳን ብህይወቶም ንኣምላኽ ዘስመሩ ጻድቃን ክነሶም፡ ምስ ሞቱ ግና፡ ኣብ ሲኦል ኣብ ትሕቲ ማእሰርቲ ሰይጣን ይነብሩ ነበሩ። ምኽንያቱ ብዘይ ናይ ክርስቶስ ሞትን ትንሳኤ ብገዛእ ግብሩ ኺጸድቕን ኪድሕንን ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ሰብ ስለ ዘየለዩ። ጐይታና ብስጋ ተገሊጹ ብሞቱ ናብ ሲኦል ወሪዱ ነቶም ብተስፋ ኺጽበይዎ ዝጸንሑ ቅዱሳት ማሪኹ ብትንሳኤ ምስ ወጸ ግና፡ ካብ ስቓይ ሲኦል ናብ ዕረፍቲ ገነት ተሳገሩ። ስለ ኸኣ ጐይታናእቲ መገዲ ኣነዝበለ፡

እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍደገ ዘይኣትው፡ (ነቲ ኣፍደገ ገዲፉ) ብኻልእ ወገን ዚሓኵር፡ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝዀነ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ . . . ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እቲ ኣፍደገ ኣባጊዕ ኣነየ፡ . . . ብኣይ ዚኣትው ኺድሕንዩ፡ ኪወፍርን ኪኣትውንዩ፡ መጓሰዪውን ኪረክብዩ። ሰራቒ ኪሰርቕን ኪሓርድን ኬጥፍእን እንተ ዘይኰይኑ (ንኻልእ ዝሓሸ ዕላማ) ኣይመጽእንዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ (ብምልኣት) ምእንቲ ኺረኽባ ዝመጻእኩ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነየ፡ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፉ።ዮሃ 101,7-11 (. + .)

በታ ጸባብ ኣፍደገ እተው። እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ኣፍደገ ርሕብቲ መገዲውን ገፊሕዩ። እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓትዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ኣፍደገ ግና ጸባብያ፡ መገዳውን ቀጢንዩ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ውሑዳትዮም።ማቴ 71314 .

ስለ እቲ ናብ ድሕነት ኰነ ናብ መንግስተ ሰማያት እንኣትወሉ መገድን ኣፍደገን ጐይታና ባዕሉዩ። ኣብ ጕዕዞና እናጓሰየ ዚመርሓናን ዚምግበናን ዚሕልወናን ሕያዋይ ጓሳውን ንሱዩ። ጕዕዞና ብዓወት ድሕሪ ምዝዛምና፡ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዝፋን ክብሪ ተቐሚጡ ብኽብሪ ዚቕበለናን ብጽድቂ ዚፈርደልናንውን ንሱ (ማቴ 2531-34 ራእ 2011,12) እቲብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦንዚብል ሃዋርያዊ ቓል ንርእሱ፡ ናይ ኣብ ላዕሊ ዝበልናዮ ዅሉ መረጋገጺ (ዮሃ 13 1ቈረ 86)

ናይ ጐይታናመገዲምዃን ብኸመይ ተገሊጹ፧ ኣብ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ ናይ እብ 1019-23 ጥቕሲ፡ ነዛ ናይ ጐይታና መገዲ ናይ ምዃኑ ምስጢር እትፈትሕ ሓረግ ሰፊራትልና ኣላ። ኣብ ጥቕሲ 20እንኣትዎ ኸኣ በቲ መጋረጃ፡ ብሰብነቱ ዝተኸፍተ (ብስጋኡ ዝቐደሰልና) ሓድሽን ህያውን መገዲ ኣቢልና ኢና።ዚብል ኣገዳሲ ሓሳብ ሰፊሩልና ኣሎ። ካብ ኸምንርድኦምበኣር፡ ስጋና ምልባሱን፡ በዚ ስጋኡ ምእንታና ሙማቱን ምትንሳኡን፡ ካብኡ ሓሊፉ`ውን ነዚ ኻባና ዝወሰዶ ስጋ ሒዙ ናብ ሰማያት ዓሪጉ ናብ ብኢድ ሰብ ዘይተሃንጸት ሰማያዊት መቕደስ ምእታውን፡ ናትና ዘለኣለማዊ ሊቀ ካህናት ኰይኑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦ ኺረኣየልና ዚነብር ምዃኑን፡ እታ ናብ ሰማያት እተዕርገናን እተእትወናን መገዲ እዚኣያ። እቲ መሰረትን ዓንድን ናይ እምነትና ዝዀነ ምስጢረ ስጋዌ፡ ነዚ ሓቂ ኼርእየናን ኬረድኣናን ዝተሰርዐ ኽቡር ምስጢርዩ። እግዚኣብሄር ወልድ ቅድሚ ዓለምን ሰባትን ምፍጣርና ካብ ጥንቲ ኻብ ዘለኣለም ጀሚሩ ዝነበረ ፍጹም መለኮትዩ። ኵሉ ዚኽእል መሓሪ፡ ደንጋጺ፡ ፈቃር ኣምላኽ ድማዩ። ድሕነቱን ምሕረቱን ኣባና ኺበጽሕ ዝኸኣለ ግን፡ እቲቃል ስጋ ኰነዚብል ቃል ምስ ተፈጸመ (ዮሃ 114) ንልደቱ ሰራዊት መላእኽቲ ኸይተረፈ ዝጸምበልዎ፡ እቲ ብሓጢኣቱ ዝጠፍአን ዝዀብለለን ዘርኢ ኣዳም፡ ናብ ኣምላኽ ዚምለሰሉን ዚኣትወሉን ሓድሽን ህያውን መገዲ ስለ ዝተኸፍተ ሳላ ሰብ ዝዀነ፡ ቅዱስ ገንሸል ኰይኑ ተሰዊኡልና፡ ቅዱስ ሊቀ ካህናት ኰይኑ ኸኣ ምስ ኣቦኡ ዓሪቝና። እቲ ሓድሽን ህያውን መገድናምበኣር፡ እቲ ስጋና ለቢሱ ፍጹም ሰብ ምዃኑዩ።

ኣብ መገድና ዝዀነ ስጋኡ ግን ብኸመይ ኢናንኸይድንንጐዓዝን፡ ንሰብነቱ በእጋርና እናረገጽና ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዘይንኸይድ መቸም ርዱእዩ። እቲ ቐዳማይ መገዲ ኣካል ሰብነቱ ብምዃን በታ ንሱ ዝሓለፋ መገዲ ምሕላፍን፡ እታ ንሱ ዝነበራ ናብራ ምንባርንዩ። ቅዱስ ወንጌል፡ ንሕና ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ምዃንና ብተደጋጋምን ብኣጽንዖትን ነጊሩና ኣሎ (ኤፌ 530 1ቈረ 1212,13,27 615-17 ሮሜ 124,5 .) ኣካላቱ ኽንከውን ዝኸኣልና ኸኣ በቲ ብእምነት ዝተኻፈልናዮ ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን (ማለት ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ቍርባንን)’ (1ቈረ 1212,13 ገላ 326,27) ሳላ ምስጢራት ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ምስኡ ንመውትን ንቕበርን፡ ምስኡ ተንሲእና ህያዋን ንኸውን፡ ምስኡ ዓሪግና ኸኣ ገና ኣብ ምድሪዚኣ ብህይወት እናሃለና ምስኡ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ኣምላኽ ንቕመጥ (ሮሜ 61-11 ኤፌ 23-7 ቈሎ 29-13 31-3) ኣካላት ሰብነቱ ኴንና ንሕና ኣብኡ ንሱ ኸኣ ኣባና ይነብር (ዮሃ 653-57 154 ገላ 220) ንሱ ኣባና ኸም ዚነብር፡ ንሕናውን ኣብኡ ኸምንነብር፡ በቲ ተኣዝዞናን ግብራዊ ናብራን (1ዮሃ 324 416) በቲ ዝሃበና መንፈስ ቅዱስ (1ዮሃ 413 324) በቲ ኣብኡ ዘሎና ሓቀኛ እምነት (1ዮሃ 415) በቲ ብእኡ ብምእማንና ዝረኸብናዮ ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ንፈልጥ (1ዮሃ 511,12 ዮሃ 336) እቲ ኣብ ዝተዘርዘረ ሓቂ ዚነብር ሰብ፡ ብዘይ ዝዀነ ውልውል ነታ መገዲ ብንጹር ፈሊጥዋ ኣሎ፡ ኣብ መገዲቲኣውን ይመላለስን ይነብርን ኣሎ። በቲ ኣብ ክርስቶስ ዘለዎ ኣካልነት ነታ ሰማያዊት ስፍራ ድሮ በጺሕዋ ኣሎ። ብምጽኣት ክርስቶስ እዛ ዓለምዚኣ ብረስኒ መለኮቱ ኽትመክኽ ከላ፡ ብትንሳኤ ሙታን ብኣካለ ስጋ ናብ ቅድሚ ምስራት ዓለም ዝተዳለወትሉ ቅድስተ ቅዱሳን ኣትዩ ኣብ የማን ኣቦ ብኽብሪ ኪቐውም፡ ናብ ዘይቅረብ ብርሃን ኪቐርብ፡ ነቲ በዒንቲ ዘይረኣይ ኣምላኽ በዒንቱ ኺርእዮዩ፡ ኣብ ሰማያዊት መቕደስ ኣትዩ ብመዝሙር ምስጋናን ውዳሴን ኬገልግሎን ኬምልኾን ኪነብርዩ። (ራእ 79-17 141-5,13 152-4 191,2,5-9 204-6 211-7 221-5)

እቲ ጕዕዞ ግን ኣካላት ሰብነቱ ኣብ ምዃን ጥራሕ ኣይውዳእንዩ። ስለ እቲ ኻልኣይ መገዲ ኣብ ዕለታውን ማሕበራውን ህይወትና ነቲ ኣካልነትና ብግብሪ ኺግለጽ ምግባርዩ። ብምስጢረ ጥምቀት ምስ ክርስቶስ ሙማትናን ምቕባርናን፡ ኣብ ማይ ጥምቀት ጥሒልና ስለ ዝወጻእና ጥራሕ ኣይፍጸምንዩ። ጥምቀት ማለት ካብ ሓጢኣት ሙማት ማለት ስለ ዝዀነ፡ እቲ ጥምቀት ኣባና ውጽኢታዊ ኸም ዝዀነ ናይ ብሓቂ ኸም ዝተተግበረሉ ዚረጋገጽ በቲ ሓጢኣት ንዘይምግባር እንወስዶ ጽኑዕ ውሳነን ዕቱብ ትግባረንዩ። ዝተጠመቕና ክርስትያን ኴንና ሓጢኣት እንተ ኣዘውተርና ግን፡ ነቲ ኣካላት ሰብነቱ ዝዀንና ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ሓጢኣት ከነጥብቐሉን ከነሕጥኦን ንጋደል ኣለና ማለትዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ናይ ምንዝርና ሓጢኣት ዚፍጽሙ ኸም ኣብነት ገይሩ፡ ነዚ ሓቂ ብኸም ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።

እቲ ሰብነትኩም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እሞ` ደኣ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮዶ ይግባእዩ፧1ቈረ 615 .

ግናኸ ንሕና ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደለናስ፡ ንርእስና ሓጥኣን ኴንና ኻብ ተረኸብና፡ እምበኣርሲ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣትዩ፧ ያእ ኣይፋሉን!! ነቲ ዘፍረሰክዎስ ከም ብሓድሽ እንተ ነደቕክዎ፡ ኣበሰኛ ምዃነይ ኣርእይ ኣለኹ ገላ 217,18

ናይ ኵሉንፍጽሞ ሓጢኣት ሃቐና ድማ፡ ልክዕ ከም ናይ ምንዝርና፡ ንክርስቶስ ኣገልጋሊ ሓጢኣት ናይ ምግባር እኩይን ሰይጣናውን ሃቐናዩ። ስለ ብዝሓጣእና መጠን፡ ነቲ ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ዝኣተናዮ ኺዳን ኣፍሪስና፡ ነቲ ምስ ሰይጣን ዝነበረና ዘፍረስናዮ ናይ ሓጢኣት ኪዳን ደጊምና ነሓድሶን ነቝሞን ኣለና ማለትዩ። ብኣንጻሩ ብጽድቂ ኽንነብር ከለና ድማ፡ እቲ ጻድቕ ክርስቶስ ኣብ ውሽጥና ሓዲሩ ነቲ ጻድቕ ተግባሩ ይፍጽም ከም ዘሎ፡ ህይወት ክርስቶስ ኣባና ትገሃድ ከም ዘላ። ምእንቲ ርእስና ዘይኰነ ምእንቲ ክርስቶስ ንነብር ከም ዘለና፡ ነቲ ምስ ክርስቶስ ብጥምቀት ዝኣተናዮ ቕዱስ ኪዳን እነኽብር እሙናትን ሓቀኛታትን ክርስትያን ምዃንና ነመስክርን ነረጋግጽን ኣለና (ገላ 220 2ቈረ 410,11 ሮሜ 147-10 2ቈረ 515) ነቲ መገዱ ንፈልጦ ምዃንናን፡ ብግብሪ ኸኣ ኣብ መገዲ ንጐዓዝ ከም ዘለናን፡ ብግብራዊ መገዲ ተረጋጊጹ ኣሎ። በታ ቕጣንን ቅንዕትን መገዲ ናብ ሰማይ ገጽና ንጐዓዝ ከም ዘለና፡ በቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ፡ ናብ ሰማያዊት መቕደስ ዜእትው ኣፍደገ ኸም ንኣትው፡ ነቲ ብዕርገት ክርስቶስ ዝተዳለወልና ሰማያዊት ስፍራ ኸምንወርሶ ብዘየማትእ መገዲ ርጉጽ ይኸውን።

እምበኣር ናብ ገዛእ ህይወትና ንመለስሞ፡ ንህይወትና ተጠንቂቕና ንመርምር። ነቲ ናብ ሰማይ ናብ ሕቝፊ ኣምላኽ ዚመርሕ መገዲ ብዘይ ዝዀነ ውልውል ብንጹር ከም ዝፈለጥናዮ፡ ኣብ መገዲ ቐልባዕባዕ ከይበልና ንቕድሚት ንጐዓዝ ከም ዘለና፡ ነቲ ተዳልዩልና ዘሎ ሰማያዊ ስፍራ ድማ ብኽብሪ ኸምንወርሶ ነረጋግጽ። ካብ ናብ ዓዲ እተእትው ቕንዕቲ መገዲ የማነ ጸጋም ከይነላግስ፡ ወይውን ነቲ መገዲ ከይወዳእናዮ፡ እቲ መወዳእታ ደበኽ ኢሉ ከየርክበና ንጠንቀቕ። ህይወትን ክብርን ተሓሲምና፡ ጥፍኣትን ስቓይን ኣይንምረጽ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

ሰነ 2025 | ግንቦት 24, 2016 ግዕዝ (መበል 38 ሰንበት: ቊ.፴፰/38)

ምስባክ

መዝ.፷፯(፷፰)፡፴፪-፴፫ “ነገሥተ ምድር ሰብሕዎ ለእግዚኣብሄር። ወዘምሩ ለአምላክነ። ዘምሩ ለእግዚአብሔር ዘዓርገ ውስተ ሰማይ።”

“ኣቱም መንግስትታት ምድሪ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ዚኸይድ ኣምላኽ ዘምሩ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፡ እንሆ፡ ንሱ ንድምጹ፡ ነቲ ብርቱዕ ድምጹ፡ የስምዕ ኣሎ።”

ንባባት

ኣንባቢ

ሮሜ 10፡1-13

ዲያቆን

1ጴጥ 2፡20-ፍጻመ

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 1፡6-11

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 14፡1-12

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ መዝሙር፦ በሰንበት ዐረገ ሐመረ

   

  

Hits: 28