“ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር ኣሎ፡ እንተ ዘይህልው ግና ምነገርኩኹም ነይረ፡ ሕጂ ግና ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣለኹ። ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብ’ቲ ኣነ ዘለኽዎ፡ ንስኻትኩም’ውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትህልው፡ ተመሊሰ ኽመጽእ’የ’ሞ፡ ምሳይ ክወስደኩም’የ። ናብ’ቲ ኣነ ዝኸደ መገዱ ትፈልጥዎ ኢኹም። . . . መገድን ሓቕን ህይወትን ኣነ’የ። ብዘይ ብኣይ ሓደ’ኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።” ዮሃ 14፡2-4,6 ካ.ት
እንሆ’ዚ ዕለት’ዚ ሻብዓይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤን ቀዳማይ ሰንበት ናይ ዘመነ ዕርገትን’ዩ። ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰንበት’ውን ከም ዝተነግረና፡ ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ (በዓለ ዕርገት) ጀሚርና ናብ ዘመነ ዕርገት ኣቲና ኣለና። ዘመነ ዕርገት ናይ ዘመነ ትንሳኤ ንኡስ ዘመን’ዩ። ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ’ታ በዓለ ዕርገት ዝወዓለትላ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ሰነ 17 ዚዝርጋሕ ንኡስ ዘመን’ዩ። በዓለ ትንሳኤ ናብ መጋቢት 30 ኣብ ዝተሳሕበሉ፡ ዘመነ ዕርገት ናይ 39 መዓልታት ዘመን ይኸውን። በዓለ ትንሳኤ ናብ ሚያዝያ 27 ኣብ ዝወረደሉ ድማ ናይ 11 መዓልታት ዘመነ ይኸውን።
ነዚ ናይ ዘመነ ዕርገት ቀዳማይ ሰንበት ብቕዱስ ያሬድ ዝተሰርዐ መዝሙር-ሰንበት ኣርእስቲ ድማ “በሰንበት ዐረገ ሐመረ” ዚብል’ዩ። ነቲ ናይ ሉቃ 24፡36-38 ፣ ዮሃ 14፡1-3 ጥቕስታት መሰረት ገይሩ ዝተደርሰ ዀይኑ፡ “ወልድ ሓወይ፡ ንሱ ፍቁረይ’ዩ። ንሱ ኻብ ምዉታት ተንስአ፡ ንዅሉ ዓለም ሰላም ገበረ (ሃበ)፡ ብኽብሪ ናብ ሰማያት ዓረገ፡ ነቲ ንሰንበት ዝቐደሰ ስብሓይ ይኹኖ” ብምባል ይድምድም። ብመሰረት ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ዕርገት ጐይታና ዝተፈጸመሉ ዕለት፡ ግንቦት 8’ዩ።
ከም’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት’ውን ዝተጠቕሰ፡ ልክዕ ከም ሞቱን ትንሳኤኡን፡ ዕርገት’ውን ኣካል ናይ’ቲ ብጐይታና ዝተፈጸመ ግብሪ ድሕነት’ዩ። ጐይታና ነዚ ዅሉ መከራ መስቀል ተቐቢሉ ሞይቱ ምስ ተንስአ፡ ናብ ሰማያት ከይዓረገ ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ እንተ ዚተርፍ፡ ኪድሕን ዚኽእል ዋላ ሓደ ሰብ’ኳ ኣይምተረኽበናን ነይሩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ንኽንርድኦ ምስ’ቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ስርዓተ መስዋእቲ ኣነጻጺርና ኽንርእዮ ይግብኣና። ኣብ’ቲ ዘመነ’ቲ እቲ እንስሳ ስለ ዝተሰውአ ጥራሕ፡ ሕድገት ሓጢኣት ይረኽቡ ኣይነበሩን። እቲ እንስሳ ምስ ተሰውአ፡ እቲ ዝሰውኦ ኻህን ንደም ናይ’ቲ እንስሳ ሒዙ፡ ናብ’ቲ ህልውና እግዚኣብሄር ዚርከቦ ናብ’ቲ ቤት መቕደስ ኪኣትው ናይ ግድን ነበረ። እቲ መስዋእቲ ናይ ውልቀ ሰባት ምስ ዚኸውን፡ እቲ ዝሰውኦ ተራ ካህን፡ ነቲ ደም ናብ’ቲ ቐዳማይ ክፍሊ ናይ’ቲ ቤት መቕደስ፡ ናብ ቅድስት፡ ሒዝዎ ኣትዩ፡ ነቲ ደም ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የርቕቦ ነበረ። በዚ ኸኣ ጊዝያዊ ምሕረት ይረኽቡ ነበሩ። እዚ ዓመት ምሉእ ዝቐረበ ኵሉ መስዋእትታት ተቐባልነት ረኺቡ ምሉእ ምሕረት ዚርከብ ዝነበረ ግን፡ እቲ ሊቀ ካህናት ኣብ ዓመት ሓንሳእ መስዋእቲ ኣቕሪቡ ነቲ ደም ናይ’ቲ እንስሳ ሒዙ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን፡ ናብ’ቲ ኻልኣይ ክፍሊ፡ ናብ’ቲ መንበረ ታቦት ዘለዎ ኽፍሊ ኣትዩ፡ ነቲ ደም ኣብ ልዕሊ’ቲ መንበረ ታቦት (መኽደን መተዓረቒ) ምስ ነጸጎ’ዩ። እዛ ዕለት’ዚኣ ድማ “መዓልቲ ዕርቂ” ተባሂላ ትጽዋዕ ነበረት (ዘሌ 16፡1-16 ፣ 23፡26-32 ፣ እብ 9፡6-8,11-14)። እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን መስዋእቲ፡ ብናይ ምዉት እንስሳ ደም’ዩ ትእምርታዊ ዕርቂ ዚወሃብ ዝነበረ። እቲ ዘለኣለማዊ ሊቀ ካህናትና ገንሸል ፋሲካናን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተሰውአ’ውን ናብ’ታ ሰማያዊት ቅድስተ ቅዱሳን ኣትዩ ኪድገም ዘየድልዮ ዘለኣለማዊ ዕርቂ ኼውሕሰልና ናይ ግድን ነበረ። እቲ ናይ ብሉይ ኪዳን ምውት መስዋእቲ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ሊቀ ካህናት ኣብ ሸሓኒ ገይሩ ነቲ ደሙ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን የእትዎ ነበረ። ጐይታና ግን ብትንሳኤኡ ህያው መስዋእቲ ስለ ዝዀነ፡ ባዕሉ’ውን ሊቀ ካህናት ስለ ዝዀነ፡ ብዕርገት ናብ’ታ ሰማያዊት ቅድስተ ቅዱሳን ናብ እግዚኣብሄር ኣቦ ኣተወ። በዚ ኸኣ ዘለኣለማዊ ዕርቂ ረኸብና (እብ 9፡23,24 ፣ 10፡10-14 ፣ 2ቈረ 5፡18-21 ፣ ቈሎ 1፡19-23)። ስለ’ዚ ዕርገት ጐይታና፡ ንኣና ማሕተም ናይ ድሕነትና’ዩ። ብምኽንያት ዕርገት ጐይታ፡ እዞም ዚስዕቡ ኣገዳስቲ መንፈሳውያን ፍጻመታት ተኸስቱ።
1. እቲ ኣብ መስቀሉ ዝፈጸሞ ናይ መስዋእትነት ስራሕ ፍጹም ኰነ (እብ 9፡11,12)።
2. ኣብ የማን እግዚኣብሄር ኣቦ ተቐመጠ (እብ 10፡12)።
3. ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦ ተቐቢሉ ናብ ቤተ ክርስትያን ኣፍሰሰ (ግብ 2፡33 ፣ ሉቃ 24፡49 ፣ ዮሃ 14፡16,17,26 ፣16፡7,8,13,14 ፣15፡26)።
4. ርእሲ ቤተ ክርስትያን ኰነ (ኤፌ 1፡19-23 ፣ 5፡22,23 ፣ 1ቈረ 11፡3, ቲቶ 2፡5 ፣ ቈሎ 1፡18 ፣ ማቴ 28፡8 ፣ እብ 2፡7-9 ፣ መዝ 8፡6)።
5. ከም ሊቀ ካህናት መጠን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይረኣየልና፡ ብዛዕባ ህዝቡ ድማ ይልምንን ይጣበቖን ኣሎ (እብ 2፡17,18 ፣ 6፡19,20 ፣ 7፡26-28 ፣ ሮሜ 8፡34 ፣ እብ 7፡25 ፣ 1ዮሃ 2፡1)።
6. ንዘለኣለም እንነብረሉ ስፍራ ኣዳለወልና (ዮሃ 14፡2 ፣ እብ 11፡16)።
7. ንጸላእቱ ስዒሩ መርገጽ እግሩ ዚገብረሉ መዓልቲ ይጽበይ ኣሎ (እብ 10፡13)፡
ናይ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ዮሃ 14፡1-12 ንባብ ቅዱስ ወንጌል ድማ ጐይታና ብዛዕባ ዕርገቱን ረብሓታት ዕርገቱን ዝገለጸሉ ንባብ’ዩ። ናይ’ዚ ዕለት’ዚ መሪሕ ጥቕስና’ውን፡ እዚ ጐይታና ናይ ዕርገቱን ረብሓታት ዕርገቱን ተስፋ ዝሃበሉ ኽፍሊ ናይ’ዚ ንባብ’ዩ። እዚ ናይ ዕርገቱ ተስፋታት’ዚ ኣብ ልብና ብጽኑዕ እንተ ዘይተሰሪቱ ንእምነት ክርስትናና ብግብሪ ኽንነብረሉ ዜኽእለና ዓቕሚ ኣይንረክብን ኢና። ከም’ቲ ክርስቶስ ጐይታና ብኽብሪ ዝዓረገ፡ ብምጽኣቱ ብኣካል ምስ ተገልጸ ንሕና’ውን ምስኡ ኽንዓርግ ኢና። ኣብ’ቲ ብዕርገቱ ዝተዳለወልና ናይ ክብሪ ስፍራ ድማ ንዘለኣለም ክንነብር ኢና።
ጐይታና “ስፍራ ኸዳልወልኩም ክኸይድ’የ” ዝበለና፡ እንታይ ንምባል’ዩ፧ ድሕሪ ዕርገቱ፡ ዚፈጥሮን ዚሰርሖን ሓድሽ ስራሕ ኣለዎ ማለት ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ፍጥረት፡ ብእግዚኣብሄር ወልድ፡ ብጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝተፈጥረ ኣረጋጊጹልና ኣሎ (ዮሃ 1፡3 ፣ 1ቈረ 8፡6 ፣ ቈሎ 1፡16 ፣ እብ 1፡2, ራእ 3፡14)። ንዅሉ ነገር ፈጢሩ ምስ ወድአ ድማ ካብ ኵሉ ግብሩ ኸም ዝዓረፈን ንርእሱ ሰንበት ከም ዝሰርዐን፡ ነታ ሰንበቱ’ውን “ዕረፍተይ” ኢሉ ኸም ዝሰመያ ተነጊሩና’ዩ።
“. . . ብዛዕባ’ታ ሳብዓይቲ መዓልቲ ኣብ ገለ ስፍራ (ዘፍ 2፡2)፡ ‘ኣምላኽ ድማ ብሳብዓይቲ መዓልቲ ካብ ኵሉ ግብሩ ኣዕረፈ’ ይብል . . . እምበኣር ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ-ሰንበት ተነቢራትሎም ኣላ። ከመይ እቲ ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ዝኣተወ፡ ከም’ቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዘዕረፈ፡ ንሱ’ውን ካብ ግብሩ (ዓሪፉ ኣሎ)። ስለ’ዚ ሓደ’ኳ (ናይ ደቂ እስራኤል) ናይ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ተኸቲሉ ኸይወድቕ፡ ናብ’ታ (ናይ ኣምላኽ) ዕረፍቲ’ቲኣ ኽንኣትው ንጋደል።” እብ 4፡4,9-11 ካ.ት
እዛ ዕረፍቲ’ዚኣ እታ ንሕና ብዕርገት እንኣትዋ ሰማያዊት ሰንበት’ያ እምበኣር እቲ ፈጣሪ-ኵሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኵሉ ፈጢሩ ወዲኡ ናብ ዕረፍት ስለ ዝኣተወ፡ ሕጂ ዚፈጥሮን ዜዳልዎን ሓድሽ ፍጥረትን ስራሕን የብሉን ማለት’ዩ። ጐይታና ባዕሉ’ውን፡ እቲ እንወሶ መንግስቲ ዀነ ስፍራ፡ ዓለም ክትፍጠር ከላ ኣትሒዙ ድሉው ከም ዝነበረ ነጊሩና ኣሎ (ማቴ 25፡34 ፣ 1ጴጥ 1፡3-5,20 ፣ 2ጢሞ 1፡9,10 ፣ ሉቃ 12፡32 ፣ ያእ 2፡5 ፣ 2ቈረ 5፡1)። እግዚኣብሄር ወልድ በቲ ብጊዜ ዀነ ብዅነታት ዘይድረት ፈላጥ-ኵሉን ከኣል-ኵሉን ባህርዩ ተደሪኹ፡ ንዅሉ ፍጥረቱ ዝዀነ ጕድለት ብዘይብሉ ፍጹምነት’ዩ ፈጢሩ። ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ሰብ በዚሕዎ ኬግፍሖ፡ ክፍልታቱ ኼብዝሖ ዜድልዮ ጐደሎ ስራሕ ኣይሰርሐን፡ ምልስ ኢልና ንመሪሕ ጥቕስና እንተ ተመልከትና’ውን፡ ኣብ ቤት ኣቦኡ ብዙሕ ማሕደር ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ፡ “ስፍራ ኸዳልወልኩም” ዝበለ፡ ስለ’ዚ እቲ “ስፍራ” ዚብል ቃል፡ ብዛዕባ’ቲ ብኣካል ኬድና እንቘመሉን፡ እንቕመጠሉን እንነብረሉን ቦታ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ’ቲ ናብኡ ናይ ምእታው ዕድልን መሰልን’ዩ ዚዛረበና ዘሎ። እቲ ቦታ ቕድሚ ምፍጣር ዓለም ተሰሪሑስ ተወዲኡን’ዩ። ተሪፉናን ስኢንናዮን ዝነበርና ግና፡ እቲ ናብ’ዚ ኣምላኽ ዘዳለወልና ቦታ እንኣትወሉ ዕድልን መሰልን ጥራሕ’ዩ። ነዚ ዕድልን መሰልን’ዚ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታና ምእንታና ኢሉ ገንሸል ፋሲካና ዀይኑ ብሙማቱን ብምትንሳኡን፡ ከምኡ’ውን ምእንታና ኢሉ ሊቀ ካህናት ብምዃን ስለ ዝዓረገን ኣብ የማን ኣቦ ስለ ዝተቐመጠን እንረኽቦ’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ሓቂ’ዚ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ።
“ስለ’ዚ ኸኣ ኣምላኽ፡ እቲ ምኽሩ (ተስፋኡ) ኸም ዘይልወጥ፡ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ኣዝዩ ኼርእዮም ምስ ደለየ፡ ብማሕላ ኣብ መንጎ ኣተወ (ብማሕላ ኣረጋገጸሎም)። በተን ኣምላኽ ኪሕስወለን ዘይከኣሎ ኽልተ ነገራት (ተስፋኡን ማሕላኡን) ጌርና። ንሕና፡ (እቶም) ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ (ካብ ዓለምን ሓጢኣትን) ሃዲምና ዝወጻእና (ሰባት)፡ ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና። (እታ ተስፋ) ድማ ከም መልሕቕ ነፍሲ፡ ድልድልትን ጽንዕትን’ያ`ሞ፡ ናብ’ቲ ኢየሱስ ብማዕርግ መልከ ጸዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ካህናት ኰይኑ ከም መራሒ ምእንታና ዝኣተዎ፡ ናብ’ቲ ውሽጢ መጋረጃ እተእትወና ተስፋ ኣላትና” እብ 6፡17-20
“ስለ’ዚ ኣሕዋተየ፡ ሳላ ደም ክርስቶስ (ንሕና) ናብ’ታ (ሰማያዊት) ቅድስተ ቅዱሳን ዜእትው እምንቶ (ዕድል፡ መሰል፡ ትብዓት) ረኺብና ኢና። እንኣትዎ ኸኣ በቲ መጋረጃ ማለት ብሰብነቱ ብዝተኸፍተ ሓድሽን ህያውን ዝዀነ መገዲ ኣቢልና ኢና። ኣብ’ዚ (ሰማያዊ) ቤት ኣምላኽ ዓብይ ካህን (ኢየሱስ ክርስቶስ) ኣሎና። ስለ’ዚ ‘በዲለ’ ኻብ ዚብል ሕልና (ብንስሓ) ንልብና ኣንጺህና፡ ሰብነትና ብንጹህ ማይ (ብጥምቀት) ሓጺብና፡ ብቕኑዕ ልብን ብምሉእ እምነትን ናብ ኣምላኽ ንቕረብ። እቲ ተስፋ ዝሃበና እሙን’ዩ። ስለ’ዚ ነታ ‘ንጽበያ (ዘለና) ተስፋ በይ ምውልዋል ኣጽኒዕና ንሓዛ።” እብ 10፡19-23 ካ.ት
ካብ’ዚ ዓሚቝ ምስጢር ዝሓዘለ ሃዋርያዊ ቓል እንመሃሮ ነጥብታት ብዙሕን ዓበይትን’ዩ።
1. እታ ናይ መወዳእታ ተስፋና ናብ’ዛ ኣምላኽ ዝፋኑ ዝተኸለላ ቅድስተ ቅዱሳን ናይ’ታ ሰማያዊት ቤት መቕደስ ምእታው’ዩ። ናብ’ዛ መቕደስ’ዚኣ ዘይኣትው እቲ ዘይደሓነ ጥራሕ’ዩ።
2. ናብ’ዛ መቕደስ’ዚኣ ናይ ምእታው ዕድልን መሰልን ዝረኸብና፡ ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ሊቀ ካህናት ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ደሙን ዝተቘርሰ ስጋኡን ሒዙ መሪሑና (ቀዲሙና) ምእንታና፡ ማለት ንኣና ናብኣ ምእንቲ ኼእትወና፡ ስለ ዝኣተወ’ዩ።
3. እቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለን ዝሞተን ሰብነት ክርስቶስ፡ ናይ’ዛ ሰማያዊት ቅድስተ ቅዱሳን መጋረጃ’ዩ። ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ በቲ ናይ ዓለባ መጋረጃ ሓሊፍና ናብ’ቲ ውሽጣዊ መቕደስ ከም ንኣትው፡ ናብ’ታ ሰማያዊት መቕደስ’ውን ብስጋ ክርስቶስ (ሳላ ክርስቶስ) ኢና ንኣትው፡ ጐይታና ኣብ መስቀል ኪመውት ከሎ፡ እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ኣይሁድ ዝነበረ መጋረጃ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዝተተርተረሉ ምኽንያት ድማ ንሱ’ዩ (ማቴ 27፡50,51 2ቈረ 3፡14,16)። ስለ’ዚ እታ ብማሕላ ዝተዋህበት ተስፋ እዛ ናብ’ዛ መቕደስ’ዚኣ ምእታው ክትከውን ከላ፡ እቲ ናብኣ ዜእትው ሓድሽን ህያውን መገዲ ድማ ጐይታና ባዕሉ’ዩ። ናብ’ታ ተስፋና ንኽንኣትው ግና፡ ናይ ግድን ከም ጐይታና ብዕርገት ናብ ሰማይ ክንግዕዝ ይግብኣና። ናይ ጐይታና ዳግም-ምጽኣት ድማ ንኣና ናብ ሰማይ ኬዕርግ፡ ነቶም ዘይኣመንዎን ብቓሎም ኰነ ብግብሮም ዝኸሓድዎን ድማ፡ ናብ’ቲ ዝመረጽዎ መዓሙቝ ገሃነም ኬግዕዝ’ዩ ዚፍጸም (ማቴ 25፡31-33,41,46)
ብኸመይ ኢና ናብ’ቲ ተስፋና ዚፍጸመሉን ዚርከበሉን ቦታ ‘ንኸይድ፧ ከመይ ኢሉ’ዩ ጐይታና፧ ነቲ መገዱ ትፈልጥዎ ኢኹም” ዝበለና፡ ብዘይ ቃል ዓለም፡ ነዚ ሕቶ ባዕሉ ዀነ ነቲ መልሱ ኽትርድኦ ቐሊል ኣይኰነን። ምስጢር እምነት ክርስትናን ክርስትያናዊ ህይወትን ዚፈትሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓቂ ምዃኑ ግን ከቶ ዘይከሓድ’ዩ። ነዚ ምስጢር’ዚ ምርዳእ ቀሊል ስለ ዘይኰነ’ዩ ሃዋርያ ቅዱስ ቶማስ፡ “ናበይ ከም ‘ትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና። ነቲ መገዲኸ ከመይ ጌርና ኢና ‘ንፈልጦ፧” ብምባል ዝሓተተ። ሳላ’ዚ ግቡእን ኣገዳስን ሕቶኡ ግና፡ እቲ ምስጢር ብንጹር ተጋህደልና። እቲ ናብ ሰማይ ዜእትወናን፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣቦ ዜብጽሓናን ዜቕርበናን እንኮ መገዲ ባዕሉ ምዃኑ ጐይታ ኣፍለጠና። እቲ “ብዘይ ብኣይ ሓደ’ኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ዚብል መለኮታዊ ሃይለ-ቃል፡ ሰማይን ምድርን ብሓውን ረስንን ናይ መለኮት መኺኹ ኣብ ዚሓልፈሉ እዋን’ኳ ዘይሓልፍ ጽኑዕ ቃል’ዩ (ማቴ 24፡35)። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ፡ ዓለም ምስ ኵሎም ደቃን ሰዓብታን ብሓዊ ኽትጠፍእ ከላ፡ እቶም ንኢየሱስ መገዶም ዝገበርዎ ዅሎም ግና ናብ’ቲ ኸም ዚባላዕ ሓዊ ዝዀነ ፍጹም መለኮት፡ እግዚኣብሄር ኣቦ፡ ቐሪቦም ክንዲ ዚጠፍኡስ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺቦም ብኽብርን ብሓጐስን ዚነብሩ።
ጐይታና ንገዛእ ርእሱ ኸም መገዲ ገይሩ ምግላጹ፡ ልክዕ ከምዚ ብእግርና ‘ንኸደሉ ናይ እግሪ ዀነ ናይ መጐዓዝያ ጐደናታት ጌርና ኽንርእዮ ኣይግባእን’ዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበሩ ቅዱሳን ኣቦታትና፡ “መገድኻ ምሃረኒ፡ ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ” ዚብል ቅቡል ጸሎት የዘውትሩ ነበሩ (መዝ 25፡4,8,9 ፣ 27፡11 ፣ 86፡11 ፣ A)። እዚ ማለት ከኣ “እቲ ኽምርሓሉ ዚግብኣኒ ቓልካን ሕግኻን ምሃረኒ፡ ኣፍልጠኒ” ማለቶም’ዩ ዝነበረ (B)። እዚ ቕቡል ጸሎት’ዚ ድማ መወዳእታኡ ናብ’ቲ እንኮ መገዲ፡ ናብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መርሓና (ሉቃ 1፡76-79 ፣ ማቴ 3፡3 ፣ 11፡9,10,27 ፣ ዮሃ 1፡4-8)። ኵሎም ናይ ብሉይ ኪዳን ነብያትን ካህናትን፡ ብትንቢቶም ኰነ ብኣገልግሎቶም ናይ’ዚ ህያው መገዲ’ዚ ጸረግትን ኣገልገልትን’ዮም ዝነበሩ። ስለ’ዚ ጐይታና ባዕሉ ዀነ ቅዱሳን ደቀ መዛሙርቱ፡ ቃል ነብያትን ኣገልግሎት ካህናትን እናጠቐሱ፡ እቲ ናብ ኣቦ ዜብጽሕ እንኮ መገዲ ንሱ ምዃኑ ይገልጹን ይጽሕፉን ነበሩ። እቶም ጐይታ ቕድሚ ምግላጹ ዝነበሩ ዅሎም ናይ ብሉይ ኪዳን ቅዱሳን ብህይወቶም ንኣምላኽ ዘስመሩ ጻድቃን ክነሶም፡ ምስ ሞቱ ግና፡ ኣብ ሲኦል ኣብ ትሕቲ ማእሰርቲ ሰይጣን ይነብሩ ነበሩ። ምኽንያቱ ብዘይ ናይ ክርስቶስ ሞትን ትንሳኤ ብገዛእ ግብሩ ኺጸድቕን ኪድሕንን ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ሰብ ስለ ዘየለ’ዩ። ጐይታና ብስጋ ተገሊጹ ብሞቱ ናብ ሲኦል ወሪዱ ነቶም ብተስፋ ኺጽበይዎ ዝጸንሑ ቅዱሳት ማሪኹ ብትንሳኤ ምስ ወጸ ግና፡ ካብ ስቓይ ሲኦል ናብ ዕረፍቲ ገነት ተሳገሩ። ስለ’ዚ ኸኣ’ዩ ጐይታና “እቲ መገዲ ኣነ’የ” ዝበለ፡
“እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍደገ ዘይኣትው፡ (ነቲ ኣፍደገ ገዲፉ) ብኻልእ ወገን ዚሓኵር፡ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝዀነ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ . . . ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እቲ ኣፍደገ ኣባጊዕ ኣነ’የ፡ . . . ብኣይ ዚኣትው ኺድሕን’ዩ፡ ኪወፍርን ኪኣትውን’ዩ፡ መጓሰዪ’ውን ኪረክብ’ዩ። ሰራቒ ኪሰርቕን ኪሓርድን ኬጥፍእን እንተ ዘይኰይኑ (ንኻልእ ዝሓሸ ዕላማ) ኣይመጽእን’ዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ (ብምልኣት) ምእንቲ ኺረኽባ’የ ዝመጻእኩ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ’የ፡ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፉ።” ዮሃ 10፡1,7-11 (ቀ.ት + ካ.ት)
“በታ ጸባብ ኣፍደገ እተው። እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ኣፍደገ ርሕብቲ መገዲ’ውን ገፊሕ’ዩ። እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት’ዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ኣፍደገ ግና ጸባብ’ያ፡ መገዳ’ውን ቀጢን’ዩ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ውሑዳት’ዮም።” ማቴ 7፡13፣14 ካ.ት
ስለ’ዚ እቲ ናብ ድሕነት ኰነ ናብ መንግስተ ሰማያት እንኣትወሉ መገድን ኣፍደገን ጐይታና ባዕሉ’ዩ። ኣብ’ቲ ጕዕዞና እናጓሰየ ዚመርሓናን ዚምግበናን ዚሕልወናን ሕያዋይ ጓሳ’ውን ንሱ’ዩ። ጕዕዞና ብዓወት ድሕሪ ምዝዛምና፡ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዝፋን ክብሪ ተቐሚጡ ብኽብሪ ዚቕበለናን ብጽድቂ ዚፈርደልናን’ውን ንሱ’ዩ (ማቴ 25፡31-34 ፣ ራእ 20፡11,12)። እቲ “ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብ’ቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን” ዚብል ሃዋርያዊ ቓል ንርእሱ፡ ናይ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝበልናዮ ዅሉ መረጋገጺ’ዩ (ዮሃ 1፡3 ፣ 1ቈረ 8፡6)።
ናይ ጐይታና “መገዲ” ምዃን ብኸመይ’ዩ ተገሊጹ፧ ኣብ’ቲ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ ናይ እብ 10፡19-23 ጥቕሲ፡ ነዛ ናይ ጐይታና መገዲ ናይ ምዃኑ ምስጢር እትፈትሕ ሓረግ ሰፊራትልና ኣላ። ኣብ ጥቕሲ 20፡ “እንኣትዎ ኸኣ በቲ መጋረጃ፡ ብሰብነቱ ዝተኸፍተ (ብስጋኡ ዝቐደሰልና) ሓድሽን ህያውን መገዲ ኣቢልና ኢና።” ዚብል ኣገዳሲ ሓሳብ ሰፊሩልና ኣሎ። ካብ’ዚ ኸም ‘ንርድኦ’ምበኣር፡ ስጋና ምልባሱን፡ በዚ ስጋኡ’ዚ ምእንታና ሙማቱን ምትንሳኡን፡ ካብኡ ሓሊፉ`ውን ነዚ ኻባና ዝወሰዶ ስጋ ሒዙ ናብ ሰማያት ዓሪጉ ናብ’ታ ብኢድ ሰብ ዘይተሃንጸት ሰማያዊት መቕደስ ምእታውን፡ ናትና ዘለኣለማዊ ሊቀ ካህናት ኰይኑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦ ኺረኣየልና ዚነብር ምዃኑን፡ እታ ናብ ሰማያት እተዕርገናን እተእትወናን መገዲ እዚኣ’ያ። እቲ መሰረትን ዓንድን ናይ እምነትና ዝዀነ ምስጢረ ስጋዌ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ኼርእየናን ኬረድኣናን ዝተሰርዐ ኽቡር ምስጢር’ዩ። እግዚኣብሄር ወልድ ቅድሚ ዓለምን ሰባትን ምፍጣርና ካብ ጥንቲ ኻብ ዘለኣለም ጀሚሩ ዝነበረ ፍጹም መለኮት’ዩ። ኵሉ ዚኽእል መሓሪ፡ ደንጋጺ፡ ፈቃር ኣምላኽ ድማ’ዩ። ድሕነቱን ምሕረቱን ኣባና ኺበጽሕ ዝኸኣለ ግን፡ እቲ “ቃል ስጋ ኰነ” ዚብል ቃል ምስ ተፈጸመ’ዩ (ዮሃ 1፡14)። ንልደቱ ሰራዊት መላእኽቲ ኸይተረፈ ዝጸምበልዎ፡ እቲ ብሓጢኣቱ ዝጠፍአን ዝዀብለለን ዘርኢ ኣዳም፡ ናብ ኣምላኽ ዚምለሰሉን ዚኣትወሉን ሓድሽን ህያውን መገዲ ስለ ዝተኸፍተ’ዩ ሳላ ሰብ ዝዀነ፡ ቅዱስ ገንሸል ኰይኑ ተሰዊኡልና፡ ቅዱስ ሊቀ ካህናት ኰይኑ ኸኣ ምስ ኣቦኡ ዓሪቝና። እቲ ሓድሽን ህያውን መገድና’ምበኣር፡ እቲ ስጋና ለቢሱ ፍጹም ሰብ ምዃኑ’ዩ።
ኣብ’ዚ መገድና ዝዀነ ስጋኡ ግን ብኸመይ ኢና ’ንኸይድን ‘ንጐዓዝን፡ ንሰብነቱ በእጋርና እናረገጽና ኣብ ልዕሊኡ ኸም ዘይንኸይድ መቸም ርዱእ’ዩ። እቲ ቐዳማይ መገዲ ኣካል ሰብነቱ ብምዃን በታ ንሱ ዝሓለፋ መገዲ ምሕላፍን፡ እታ ንሱ ዝነበራ ናብራ ምንባርን’ዩ። ቅዱስ ወንጌል፡ ንሕና ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ምዃንና ብተደጋጋምን ብኣጽንዖትን ነጊሩና ኣሎ (ኤፌ 5፡30 ፣ 1ቈረ 12፡12,13,27 ፣ 6፡15-17 ፣ ሮሜ 12፡4,5 ካ.ት)። ኣካላቱ ኽንከውን ዝኸኣልና ኸኣ በቲ ብእምነት ዝተኻፈልናዮ ምስጢራተ ቤተ ክርስትያን (ማለት ብምስጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ቍርባንን)’ዩ (1ቈረ 12፡12,13 ፣ ገላ 3፡26,27)። ሳላ’ዚ ምስጢራት’ዚ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ምስኡ ንመውትን ንቕበርን፡ ምስኡ ተንሲእና ህያዋን ንኸውን፡ ምስኡ ዓሪግና ኸኣ ገና ኣብ’ዛ ምድሪ’ዚኣ ብህይወት እናሃለና ምስኡ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ኣምላኽ ንቕመጥ (ሮሜ 6፡1-11 ፣ ኤፌ 2፡3-7 ፣ ቈሎ 2፡9-13 ፣ 3፡1-3)። ኣካላት ሰብነቱ ኴንና ንሕና ኣብኡ ንሱ ኸኣ ኣባና ይነብር (ዮሃ 6፡53-57 ፣ 15፡4 ፣ ገላ 2፡20)። ንሱ ኣባና ኸም ዚነብር፡ ንሕና’ውን ኣብኡ ኸም ‘ንነብር፡ በቲ ተኣዝዞናን ግብራዊ ናብራን (1ዮሃ 3፡24 ፣ 4፡16) በቲ ዝሃበና መንፈስ ቅዱስ (1ዮሃ 4፡13 ፣ 3፡24) ፣ በቲ ኣብኡ ዘሎና ሓቀኛ እምነት (1ዮሃ 4፡15) ፣ በቲ ብእኡ ብምእማንና ዝረኸብናዮ ናይ ዘለኣለም ህይወት’ውን ንፈልጥ (1ዮሃ 5፡11,12 ፣ ዮሃ 3፡36)። እቲ ኣብ’ዚ ዝተዘርዘረ ሓቂ ዚነብር ሰብ፡ ብዘይ ዝዀነ ውልውል ነታ መገዲ ብንጹር ፈሊጥዋ ኣሎ፡ ኣብ’ታ መገዲ’ቲኣ’ውን ይመላለስን ይነብርን ኣሎ። በቲ ኣብ ክርስቶስ ዘለዎ ኣካልነት ነታ ሰማያዊት ስፍራ ድሮ በጺሕዋ ኣሎ። ብምጽኣት ክርስቶስ እዛ ዓለም’ዚኣ ብረስኒ መለኮቱ ኽትመክኽ ከላ፡ ብትንሳኤ ሙታን ብኣካለ ስጋ ናብ’ታ ቅድሚ ምስራት ዓለም ዝተዳለወትሉ ቅድስተ ቅዱሳን ኣትዩ ኣብ የማን ኣቦ ብኽብሪ ኪቐውም፡ ናብ’ቲ ዘይቅረብ ብርሃን ኪቐርብ፡ ነቲ በዒንቲ ዘይረኣይ ኣምላኽ በዒንቱ ኺርእዮ’ዩ፡ ኣብ’ታ ሰማያዊት መቕደስ ኣትዩ ብመዝሙር ምስጋናን ውዳሴን ኬገልግሎን ኬምልኾን ኪነብር’ዩ። (ራእ 7፡9-17 ፣ 14፡1-5,13 ፣ 15፡2-4 ፣ 19፡1,2,5-9 ፣ 20፡4-6 ፣ 21፡1-7 ፣ 22፡1-5)።
እቲ ጕዕዞ ግን ኣካላት ሰብነቱ ኣብ ምዃን ጥራሕ ኣይውዳእን’ዩ። ስለ’ዚ እቲ ኻልኣይ መገዲ ኣብ’ቲ ዕለታውን ማሕበራውን ህይወትና ነቲ ኣካልነትና ብግብሪ ኺግለጽ ምግባር’ዩ። ብምስጢረ ጥምቀት ምስ ክርስቶስ ሙማትናን ምቕባርናን፡ ኣብ’ቲ ማይ ጥምቀት ጥሒልና ስለ ዝወጻእና ጥራሕ ኣይፍጸምን’ዩ። ጥምቀት ማለት ካብ ሓጢኣት ሙማት ማለት ስለ ዝዀነ፡ እቲ ጥምቀት ኣባና ውጽኢታዊ ኸም ዝዀነ ናይ ብሓቂ ኸም ዝተተግበረሉ ዚረጋገጽ በቲ ሓጢኣት ንዘይምግባር እንወስዶ ጽኑዕ ውሳነን ዕቱብ ትግባረን’ዩ። ዝተጠመቕና ክርስትያን ኴንና ሓጢኣት እንተ ኣዘውተርና ግን፡ ነቲ ኣካላት ሰብነቱ ዝዀንና ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ሓጢኣት ከነጥብቐሉን ከነሕጥኦን ንጋደል ኣለና ማለት’ዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ናይ ምንዝርና ሓጢኣት ዚፍጽሙ ኸም ኣብነት ገይሩ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ብኸም’ዚ ዚስዕብ ገሊጽዎ ኣሎ።
“እቲ ሰብነትኩም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑ’ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እሞ`ኸ ደኣ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮዶ ይግባእ’ዩ፧” 1ቈረ 6፡15 ካ.ት
“ግናኸ ንሕና ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደለናስ፡ ንርእስና ሓጥኣን ኴንና ኻብ ተረኸብና፡ እምበኣርሲ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጢኣት’ዩ፧ ያእ ኣይፋሉን!! ነቲ ዘፍረሰክዎስ ከም ብሓድሽ እንተ ነደቕክዎ፡ ኣበሰኛ ምዃነይ ኣርእይ ኣለኹ ገላ 2፡17,18
ናይ ኵሉ ‘ንፍጽሞ ሓጢኣት ሃቐና ድማ፡ ልክዕ ከም’ዚ ናይ ምንዝርና፡ ንክርስቶስ ኣገልጋሊ ሓጢኣት ናይ ምግባር እኩይን ሰይጣናውን ሃቐና’ዩ። ስለ’ዚ ብዝሓጣእና መጠን፡ ነቲ ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ዝኣተናዮ ኺዳን ኣፍሪስና፡ ነቲ ምስ ሰይጣን ዝነበረና’ሞ ዘፍረስናዮ ናይ ሓጢኣት ኪዳን ደጊምና ነሓድሶን ነቝሞን ኣለና ማለት’ዩ። ብኣንጻሩ ብጽድቂ ኽንነብር ከለና ድማ፡ እቲ ጻድቕ ክርስቶስ ኣብ ውሽጥና ሓዲሩ ነቲ ጻድቕ ተግባሩ ይፍጽም ከም ዘሎ፡ ህይወት ክርስቶስ ኣባና ትገሃድ ከም ዘላ። ምእንቲ ርእስና ዘይኰነ ምእንቲ ክርስቶስ ንነብር ከም ዘለና፡ ነቲ ምስ ክርስቶስ ብጥምቀት ዝኣተናዮ ቕዱስ ኪዳን እነኽብር እሙናትን ሓቀኛታትን ክርስትያን ምዃንና ነመስክርን ነረጋግጽን ኣለና (ገላ 2፡20 ፣ 2ቈረ 4፡10,11 ፣ ሮሜ 14፡7-10 ፣ 2ቈረ 5፡15)። ነቲ መገዱ ንፈልጦ ምዃንናን፡ ብግብሪ ኸኣ ኣብ’ቲ መገዲ’ቲ ንጐዓዝ ከም ዘለናን፡ ብግብራዊ መገዲ ተረጋጊጹ ኣሎ። በታ ቕጣንን ቅንዕትን መገዲ ናብ ሰማይ ገጽና ንጐዓዝ ከም ዘለና፡ በቲ ናብ’ቲ ደምበ ኣባጊዕ፡ ናብ’ታ ሰማያዊት መቕደስ ዜእትው ኣፍደገ ኸም ንኣትው፡ ነቲ ብዕርገት ክርስቶስ ዝተዳለወልና ሰማያዊት ስፍራ ኸም ‘ንወርሶ ብዘየማትእ መገዲ ርጉጽ ይኸውን።
እምበኣር ናብ ገዛእ ህይወትና ንመለስ’ሞ፡ ንህይወትና ተጠንቂቕና ንመርምር። ነቲ ናብ ሰማይ ናብ ሕቝፊ ኣምላኽ ዚመርሕ መገዲ ብዘይ ዝዀነ ውልውል ብንጹር ከም ዝፈለጥናዮ፡ ኣብ’ቲ መገዲ’ቲ ቐልባዕባዕ ከይበልና ንቕድሚት ንጐዓዝ ከም ዘለና፡ ነቲ ተዳልዩልና ዘሎ ሰማያዊ ስፍራ ድማ ብኽብሪ ኸም ‘ንወርሶ ነረጋግጽ። ካብ’ዛ ናብ ዓዲ እተእትው ቕንዕቲ መገዲ የማነ ጸጋም ከይነላግስ፡ ወይ’ውን ነቲ መገዲ ከይወዳእናዮ፡ እቲ መወዳእታ ደበኽ ኢሉ ከየርክበና ንጠንቀቕ። ህይወትን ክብርን ተሓሲምና፡ ጥፍኣትን ስቓይን ኣይንምረጽ!!
ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
1 ሰነ 2025 | ግንቦት 24, 2016 ግዕዝ (መበል 38 ሰንበት: ቊ.፴፰/38) |
||
ምስባክ መዝ.፷፯(፷፰)፡፴፪-፴፫ “ነገሥተ ምድር ሰብሕዎ ለእግዚኣብሄር። ወዘምሩ ለአምላክነ። ዘምሩ ለእግዚአብሔር ዘዓርገ ውስተ ሰማይ።” “ኣቱም መንግስትታት ምድሪ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ጥንቲ ሰማየ ሰማያት ዚኸይድ ኣምላኽ ዘምሩ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፡ እንሆ፡ ንሱ ንድምጹ፡ ነቲ ብርቱዕ ድምጹ፡ የስምዕ ኣሎ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
ሮሜ 10፡1-13 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 2፡20-ፍጻመ |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 1፡6-11 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 14፡1-12 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ ፦ ዘዲዮስቆሮስ | መዝሙር፦ በሰንበት ዐረገ ሐመረ |
|