“ናብ’ቲ ዕያግ ርኽሰት ምስኣቶም ስለ ዘይጐየኹም፡ ይግረሙ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ይጸርፉኹም ኣለዉ፡ ንሳቶም ነቲ ንህያዋንን ንምውታትን ኪፈርድ ተዳልዩ ዘሎ (ክርስቶስ)፡ ጸብጻብ ኪህብዎ’ዮም።” 1ጴጥ 4፡4,5 ካ.ት
እዚ ዕለት’ዚ ናይ ዘመነ ትንሳኤ ሻድሻይ ሰንበት’ዩ። ዚመጽእ ዘሎ ሓሙስ ድማ ዕርገት ጐይታና እንዝክረሉ፡ ካብ በዓለ ትንሳኤ መበል 40 መዓልቲ’ዩ። ካብ ዕለተ ዕርገት ክሳዕ ሰነ 17 ዘሎ ቕንያት ድማ “ዘመነ ዕርገት” ተባሂሉ’ዩ ዚጽዋዕ። እንተ ዀነ እቲ ናይ ሰናብቲ መዛሙር ካብ ትንሳኤ ኣትሒዙ’ዩ 12 ሰናብቲ ዚቘጽር’ምበር፡ ምስ ዘመነ ዕርገት ቀዳማይ መዝሙር” ኢሉ ኣይጅምርን’ዩ። ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ’ምበኣር፡ ዘመነ ዕርገት ከም ንኡስ ክፍለ-ዘመን ናይ’ቲ ዓብዪ ዘመነ ትንሳኤ ከም ዝዀነ ኢና ንርዳእ። ዕርገት ልክዕ ከም ሞትን ትንሳኤን ናይ ጐይታ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ግብሪ ምድሓን’ዩ። ምሉእ ስርየት ኣበሳን ድሕነትን ዚርከብ፡ እቲ ሊቀ ካህናት ናይቲ ዝተሰውአ መስዋእቲ ደም ሒዙ ናብ’ቲ ቅድስተ ቅዱሳን ምስ ዚኣትው ጥራሕ’ዩ። እቲ ፍጹም ሊቀ ካህናትን ቅዱስ መስዋእትን ዝዀነ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ፡ ነቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ህያው ደሙ ሒዙ ናብ’ታ ናይ ሰማይ ቅድስተ ቅዱሳን ብምእታው’ዩ፡ ፍጹም ድሕነት ዘጐናጸፈና (እብ 9፡23,24)። ስለ’ዚ ድማ፡ “ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን እድይብ ኣለኹ” ኢሉ ንቅዱሳን ሃዋርያቱ ብማርያም መግደላዊት ኣበሰሮም (ዮሃ 20፡17,18)። ከም’ታ ዝበላ ድማ ካብ ትንሳኤኡ ልክዕ ኣብ 40 መዓልቲ ካብ ቅድሚ ዓይኒ ደቀ መዛሙርቱ ብዘይ ህቦብላ፡ ብዘይ ደበና፡ ብዘይ ሰረገላ ሓዊ ናብ ሰማያት ዓረገ (ግብ 1፡1,29፣ ማር 16፡19፣ ሉቃ 24፡51)። ስለ’ዚ ኸኣ’ያ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ንዕርገት ካብ ዕለተ ትንሳኤ ልክዕ ኣብ 40 መዓልቲ ሓሙስ ሓሙስ እተብዕሎ። እምበኣር ንሕና’ውን እዚ ሰሙን’ዚ ነቲ ዕርገቱ ዘውሓሰልና ድሕነት ኽንዝክርን ከነስተንትንን ይግብኣና።
ናይ’ዚ ሻድሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ትንሳኤ መዝሙር “ፋሲካ” ዘርእስቱ’ዩ። ሓፈሻዊ ትርጉም ናይ’ዚ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር ድማ፡ ከም’ዚ ዚስዕብ’ዩ።
“ፋሲካ!! እታ ዕለት’ቲኣ ቅድስቲ’ያ። በታ ዕለት’ቲኣ ንተሓጐስ። ብእኣ ንተሓጐስ ባህ’ውን ይበለና። እታ ዕለት’ቲኣ ምጽንናዕን ዕረፍትን’ያ። ሰማይን ምድርን ብእእ ይተሓጐሱ። ፋሲካ፡ ፋሲካ፡ ፋሲካ፡ ዝኽሪ ትንሳኤ መድሓኒና!! ኦ ጐይታ ድምጽኻ ሰሚዐ ፍራህኩ፡ ግብርኻ ርእየ’ውን ተገረምኩ። ኦ ጐይታ መን’ዩ ኸማኻ፡ ንምውታት ብቓልካ ኣተንሳእካ። ህይወት ሃብካ፡ ንኣና ሰላም ጸጎኻና። ምስ ጻድቃንካ ሓቢርና ዅላትና በዓለ ፋሲካ ክንገብር ኢና”
ካብ’ቶም ነዚ መዝሙር’ዚ መሰረት ብምግባር ዝተሰርዑ ኣርባዕተ ንባባት ሓድሽ ኪዳን ሓደ ድማ፡ እዚ ምንጪ ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ዝዀነ ናይ 1ጴጥ 4፡4-11 ንባብ’ዩ። እቲ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ 2ቈረ 5፡1-10 ንባብ’ውን “ኣብ’ዚ (ዓለም’ዚ) (ብህይወት) እንተ’ለና ወይ እንተ ሞትና፡ ንእኡ ኸነሐጒስ ንጽዕት ኣለና። ከመይ ነፍሲ ወከፍ (ሰብ) ነቲ (ብስጋኡ ብህይወት) ከሎ ዝገበሮ ሰናይ ኰነ ወይ እከይ (ግብሪ) ምእንቲ ኪቕበል ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንቀርብ ኢና።” ዚብል ፍርዲ-ጠቀስ ዝዀነ ሃይለ ቃል ተጻሒፉልና ኣሎ (2ቈረ 5፡9,10 ካ.ት)። ኣብ’ቲ ናይ ግብ 10፡39-43 ንባብና’ውን፦
“..... ንሳቶም (ንኢየሱስ) ኣብ ዕንጸይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ። ኣምላኽ ግና ንእኡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተንስኦ። ብጋህዲ ኸም ዚረኣይ’ውን ገበሮ። እንተ ዀነ ጐይታ ብጋህዲ ዝተራእየ፡ ንኣና ነቶም ምስክር (ትንሳኤኡን ምእንቲ ኽንከውን ቅድም ዝሓረየና (ደቀ መዛሙርቱ)፡ እወ፡ ንኣና ነቶም ካብ ምውታት ድሕሪ ምትንሳኡ፡ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰተናን’ምበር፡ ንዅሉ ህዝቢ ኣይኰነን። ኣምላኽ (ንኣና) ንህያዋንን ምውታትን ኪፈርድ ዝመደቦ ንሱ ምዃኑ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና። ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዚረኽብ፡ ኲሎም ነብያት ይምስክሩሉ ኣለዉ።” ዚብል ንትንሳኤ ጐይታናን ፍርዲ ምጽኣቱን ዜዛምድ ብሩህ መልእኽቲ ተጻሒፉልና ኣሎ (ግብ 10፡39-42)። እምበኣር ኵሉ ንባባት ናይ’ዚ ዕለት’ዚ፡ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ዘመነ ትንሳኤ ብዛዕባ’ታ ኣብ ምጽኣቱ እትገሃድ መዓልቲ ፍርዲ ኽንመሃርን ከነስተንትን፡ ብእኡ ድማ ርእስና ኽንምርምር ከም ዚግባእ የመልክተና ኣሎ። ምኽንያቱ ሞቱ ዀነ ትንሳኤኡ፡ ኣብ’ታ መዓልቲ ፍርዲ ዚወሃበና ብይን ንኼጸብቐልና ዝተፈጸመ’ዩ። ብክርስቶስ ኣሚንና ብዛዕባ ዝፈጸምናዮ ሓጢኣት ተነሲሕና፡ ኣብ’ቲ ዝተረፈ ዘመን ህይወትና ድማ ንእኡ ኸነሐጒሶ እንተ ጽዒትና፡ እታ መዓልቲ ፍርዲ ቐዳዊትና ኽትኰነልና’ያ። ልክዕ ከም’ቲ ብፋሲካ እንሕጐሶ ዄንና፡ ብሓጐስ ክንጽበያ’ምበር፡ ብፍርሃትን ብስቅቕታን ኣይኰነን። ኣርእስትናን መሪሕ ጥቕስናን ኣብ’ታ መዓልቲ’ቲኣ እቲ ፍትሓዊ ፈራዲ ኻባና እንታይ ከም ዚሓትትን ከም ዚጽበይን ብግልጺ ነጊሩና ኣሎ።
ብዛዕባ እንታይ ኢና ጸብጻብ ከነቕርብ፧ ኵሉ ዚፈልጥ ጐይታ ኽነሱ፡ ንምንታይ’ዩ ኻባና ጸብጻብ ዚሓትት፧ መቸም ጸብጻብ ምሃብ ግድነታዊ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኵላትና ንፈልጥ ኢና። ምኽንያቱ ኣብ መንግስታዊ፡ ትካላዊ ዀነ ኣብ ኵሉ ኻልእ ጉዳያት ብዘይ ጸብጻብ ኪስራሕ ኣይክእልን’ዩ። ይትረፍ ኣብ ዓበይቲ መንግስታዊ ትካላት (ሚኒስትሪታት ኤምባሲታት፡ ምምሕዳራት ሰራዊት ወዘተ)፡ ዋላ ኣብ’ታ ንእሽቶ ስድራ ቤት’ኳ ብዘይ ጸብጻብ ኪንበር ኣይከኣልን’ዩ። እቲ ፍልልይ፡ እቲ ጸብጻብ ወግዓዊ ወይ ዘይወግዓዊ (formal or informal) ምዃኑ ጥራሕ’ዩ። መንግስታዊ ወይ ትካላዊ ጸብጻብ ምስ ዚኸውን ብዙሕ መረጋገጺ ጭብጥታት ዘለዎ ጽሑፋዊ ጸብጻብ’ዩ ዚኸውን። ዓመታዊ መንፈቃዊ፡ ርብዒ ዓመታዊ” ወርሓዊ፡ ሰሙናዊ፡ ዕለታዊ፡ ኣብ ገሊኡ ትካላት ከኣ ብሰዓታት ጸብጻብ ዚቐርበሉ ኣሎ። ኣብ ትካላት ፍትሒ’ሞ ኸኣ (ፖሊስ፡ ቤት ፍርዲ) ጽፉፍ ጸብጻብ ምሃብ ተሓታትነት ዘለዎ ሓላፍነት’ዩ።
ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኵሉ መንፈሳዊ ኣገልግሎታት’ውን ኣዝዩ ዝውቱርን ግድነታውን ኣሰራርሓ’ዩ። ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ’ውን ጸብጻብ ምሃብ፡ ካብ’ቲ ናይ ምድሪ ኣዝዩ ዚበልጽ ልዑል ኣገዳስነት ከም ዘለዎ፡ ጐይታና ኣብ ኵሉ ኣስተምህሮኡ ኣነጺሩ ገሊጽዎ’ዩ። ኣብ’ቲ ብዛዕባ ንበደልትኻ ሕድገት ምግባር ኣመልኪቱ ዝሃቦ ምስላ፦
“ስለ’ዚ መንግስቲ ሰማያት ምስ ኣገልገልቱ ኺጸባጸብ ዝደለየ ንጉስ ትመስል። ኪጸባጸብ ምስ ጀመረ ዓሰርተ ሽሕ (እልፊ) መክሊት ዕዳ ዘለዎ ሰብ ኣምጽኡሉ።” ብምባል ገሊጹ ኣሎ (ማቴ 18፡23,24)። ኣብ ምስላ መክሊት’ውን፦
“ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ፡ ጐይታ ናይ’ቶም ባሮት መጸ፡ ምስኣቶም’ውን ተጸባጸበ።” ኢሉና ኣሎ (ማቴ 25፡19)። ኵላቶም እቶም ባሮቱ ድማ፡ ነቲ ኻብኡ ዝተቐበልዎን በቲ ዝተቐበልዎ መክሊት ገይሮም ዘፍረይዎን እናጠቐሱ ጸብጻቦም ኣቕረቡ። እቲ ብዓል ሓሙሽተ መክሊት ዘቕረቦ ጸብጻብን ዝተዋህቦ ናእዳን’ውን ተጻሒፉልና ኣሎ።
“እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ (ባርያ) ኸኣ፡ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽአ’ሞ፡ “ጐይታይ (ንስኻ) ሓሙሽተ መክሊት ሃብካኒ፡ እንሆ (ኣነ ኸኣ) ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ፡> እናበለ ቐረበ። እቲ ጐይታኡ ድማ፡ “ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያ፡ ብሒደት (እሙን ኴንካ) ኢኻ’ሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ’የ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እተው፡> በሎ።”
ኣብ’ቲ “ምስላ ዘይቅኑዕ መጋቢ” ዚብል ምስላኡ ድማ፡ እቲ ሃብታም ሰብኣይ፡ ኣዛዝ ቤቱ ገንዘቡ ይብትነሉ (የጠፋፍኣሉ) ኸም ዘሎ ምስ ሰምዐ፡ ጸዊዑ፡
“እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘለኹ እንታይ’ዩ፧ ደጊም ኣዛዝ ቤት ክትኰነኒ ኣይትኽእልን ኢኻ’ሞ፡ ጸብጻብ መጋቢነትካ ሃበኒ፡” ከም ዝበሎ ነጊሩና ኣሎ (ሉቃ 16፡2)። ኣብ’ቲ “ምስላ ዓሰርተ ምና” ድማ፡ እቲ ውሉድ ጭዋ ንግስነት ተቐቢሉ ምስ መጸ እንታይ ከም ዝገበረ፦
“እቶም ወርቂ ዝሃቦም ባሮት፡ ክንደይ ዚኣክል ከም ዝረብሑ ኺፈልጥ (ጸብጻብ ኪህብዎ) ደልዩ፡ ኪጽውዑሉ ኣዘዘ።” ኢሉና ኣሎ (ሉቃ 19፡15)። ጐይታ ነዚ ዅሉ ጸብጻብ ጠቀስ ምስላታት ብዘይ ምኽንያት ኣይመሰሎን። ብሓቂ ብኽፉት ልቢ ነስተውዕሎ እንተ’ሊና፡ “ኣብ’ታ መዓልቲ ፍርዲ ነፍሲ ወከፍ ጸብጻቡ ኬቕርብ ክሓትት’የ” ዚብል ግሁድ መልእኽቲ’ዩ ዜሕልፍ ዘሎ። ስለ’ዚ ብዘየወላውል መገዲ ኣግሂዱን ደጋጊሙን እናነገረና ኸሎ፡ ፈጺሙ ጸብጻብ ከም ዘየቕርብ፡ ዋናን ተሓታትነትን ከም ዘይብሉ ሰብ ኴንካ ምንባር ማለት ንኽትገልጾ ዀነ ንኽትርድኦ ዜሸግር ድርቅናን ዕሽነትን ምዃኑ ብሩህ’ዩ።
እቲ እነቕርቦ ጸብጻብ ከኣ፡ ብቐዳምነት ብዛዕባ’ቲ ኣምላኽ ዝሃበና ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋታት’ዩ፡ ብዛዕባ ዝተዋህበና ህይወት፡ ዕድመ፡ ጊዜ፡ ጥዕና፡ ሕማም፡ ገንዘብ፡ ሞያ፡ ስልጣን፡ ዝምድናታትን፡ ዕድላት ዝኣመሰሉ ስጋውያን እንብሎም ጒዳያት፡ ብዛዕባ ዝተዋህበና ጸጋታት፡ ኣገልግሎት፡ ቃል ኣምላኽ፡ መንፈስ ቅዱስ ወዘተ’ውን ጸብጻብ ክንህብ ኢና። ንዅነታትና ኣዝዩ ኣሰካፊ ዚገብሮ፡ ንመብዛሕትኡ፡ አረ ዳርጋ ዅሉ’ውን ኪበሃል ይከኣል ኵሉ’ቲ ዘሎና ኻብ ኣምላኽ ዝተቐበልናዮን ተሓታትነት ከም ዘለዎን፡ ጸብጻብ ከነቕርበሉ ምዃንናን ፈጺምና ዘይንፈልጥ ምዃንና’ዩ። እቲ ብኻልኣይ ደረጃ ጸብጻብ እነቕርበሉ ድማ፡ እቲ ዕለት መጸ በእምሮና እንሓስቦን፡ ብልሳንና እንዛረቦን፡ እንገብሮ ተግባርን’ዩ።
ጐይታ ብዛዕባ ጸብጻብ ምሃብ ኣስፊሑን ደጋጊሙን ዝመህረሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ፧ ረብሓ ጸብጻብ እንታይ’ዩ፧ እቲ ዅሉ ዚፈልጥ ጐይታ፡ ነቲ ጸብጻብ ንእኡ ንርእሱ ሓገዝ ኪዀኖ ኢሉ ኸም ዘይደለዮ መቸም መግለጺ’ውን ዘየደልዮ ርዱእ ነገር’ዩ። ኣሽንኳይ ብዛዕባ ባዕሉ ዝሃቦ ህያብ፡ ኪፍጸም ዝረኣየ፡ ኺዝረብ ዝሰምዖ ዘረባ፡ ብዛዕባ ገና ዘይተሓስበ ዘረባን ተግባርን፡ ድሕሪ ኣማኢትን ኣሽሓትን ዓመታት ብዛዕባ ዚፍጸም ዝርዝር ኵነታት ኣነጺሩ ክትኣምኖ ብዜደንጽው ልክዕነትን ዝርዝርን ዚፈልጥ ጐይታ’ዩ (መዝ 139፡ 1-16፣ ኤር 16፡17)። ስለ’ዚ ጸብጻብ ከነቕርብ ዚሓትተና ምእንታና ንረብሓና ኢሉ’ምበር፡ ንርእሱ ኢሉ ኸም ዘይኰነ ግሁድ ሓቂ’ዩ። ናይቲ “ጸብጻብ ከተቕርብ ኢኻ” ዚብል ትእዛዝ መልእኽቲ “እትገብሮ ፍለጥ ቅድሚ ምግባርካ ኣዕሚቝካ ሕሰብ፡ ኵሉ ጊዜ ኸየቋረጽካ ርእስኻ መርምር፡ ንዝገበርካዮ ጌጋታት ብግብራዊ ንስሓ ኣርም፡ ክትገብሮ እናተገብኣካ ዝበዀርካሉ ዕዮን ሓላፍነትን እንተ’ልዩካ ቀልጢፍካ ግበሮ። ብዛዕባ ዝገበርካዮን ዘይገበርካዮን፡ ካባይ ዚስወር ነገር ስለ ዘየልቦ፡ ክትሓብእን ክትውስኽን ኣይትኽእልን ኢኻ። ምኽንያቱ ኣብ’ታ ንህያዋንን ምውታትን ዝፈርደላ ምድብቲ መዓልቲ ብዛዕባ’ዚ ነገር’ዚ ክትሕተትን ክትፍረድን ኢኻ። ዚብል’ዩ። ነዚ መልእኽቲ’ዚ ብንጹር ምፍላጥን ከየቋረጽካ ምዝካርን ንህይወትካ ፍጹም ሰብ ናብ ምዃን ዜዕብይ’ዩ። ኣብ ልዕሊ ሰብ ክፉእ ናይ ምግባር ሃቐና ምስ ዚህውኸና’ሞ፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ብዛዕባ’ቲ እንሓስቦ ዘለና ኽፉእ ሓሳብ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ደው ክንብልን ጸብጻብ ክንህበሉን እቲ ዚግብኣና ፍትሓዊ ብይን ክንቅበለሉን ምዃንና እንተ ንዝክር፡ ክንገብሮ ምደፈርናዶ፧ ፈጺምና ኸም ዘይንውዕሎ ርጉጽ’ዩ። ብድፍረት እንተ ወዓልናዮ ኸኣ፡ ካብ’ቶም ንኣምላኽ ፈጺሞም ዘይዝክርዎ ሰባት፡ ኣዚና ዝኸፋእና ምዃንና ዓብይ መረጋገጺ’ዩ።
እቲ ጸብጻብ ከም ዜቕርብ ጽቡቕ ገይሩ ዝተሰቈሮን ኣጸቢቑ ዚኣምነሉን ሰብ፡ ዝዀነ ዓይነት እኩይ ሃቐና ምስ ዚለዓሎ “ኣምላኽከ እንታይ ኪብለኒ፧ ጽባሕ ንግሆ ከመይ ገይረ ኣብ ቅድሚኡ ክቐውም’የ፧” ብምባል’ዩ ርእሱ ዚገትእ። እቲ ብዛዕባ ተግባሩ ብደቂቕ ከም ዚሕተትን ጸብጻብ ከም ዜቕርብን ፈጺሙ ዘይፈልጥ ሰብ ግን፡ ርእሱ ዚዓግተሉ ፍቓድን ዓቕምን ኣይህልዎን’ዩ። ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ተተሪኹልና ኸም ዘሎ፡ ዮሴፍ ወዲ ያእቆብ፡ እመቤቱ ምስኣ ኺምንዝር ብርቱዕ ጸቕጢ ኣብ ዝገበረትሉ እዋን፡ ርእሱ ኻብ ዝሙትን ርኽሰትን ኬድሕን ዝኸኣለ፡ ንእግዚአብሔር ነቲ ዚፈርድ ፍትሓዊ ኣምላኽ ስለ ዝዘከረ’ዩ። ነዛ ኽትቀትሎን ከተቕትሎን እትኽእል ሰበይቲ ፈጺሙ ንኬቕብጻ ዝሓገዞ ኣታሓሳስባኡ እንታይ ምዃኑ፡-
“ከመይ ገይረኸ ነዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል።” ዚብል ነበረ (ዘፍ 39፡9) ብኻልእ ኣዘራርባ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኬሕትተንን ኬፍርደንን’ዩ። ስለ ዘየዋጽኣንን ዘየርብሓንን ኣይውዕሎን’የ። ካብ ንጊዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዚብለኒ’ሞ፡ ምስ ኣምላኽ ዝበኣስ ፍቓድ ስጋይ ብዘይ ምዕጋበይን ንኣኺ ብዘይ ምእዛዘይን መከራ ምጽጋብ ይሕሸኒ” ዝብል ቅዱስ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን’ዩ መሪጹ። እቲ ተሓታትነት ከም ዘለዎ ዝዘንግዐ ንጉስ ዳዊት ግን ብዝፈጸሞ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለት ነፍስን ንቤቱ ሕሱም መዓት ዝመሃዘ ሰብ ኰነ (2ሳሙ 12፡7-12)። ስለ’ዚ ጸብጻብ ከም እትህብ እናሓሰብካ ምንባር፡ ናብ ቅድስናን ፍጽምናን ዜብጽሕ ብልህነትን ልቦናን’ዩ። ነዛ ሃናጺት ሓቂ’ዚኣ ፈቲኻ ምርሳዕ ግን መንፈሳውን ዘለኣለማውን ርእሰ ቕትለት ምፍጻም ምዃኑ ፈጺምና ኽንዝንግዖ ዘይግባእ’ዩ።
እቲ ጸብጻብ እነቕርበሉ ጊዜ ኣዝዩ ርሑቕ ምዃኑን ድሕሪ ሞት ዚፍጸም ምዃኑ፡ ዓብይ ዕንቅፋት ኣይኰነናንዶ፧ ምንዋሕ ጊዜ ኣብ ተዘክሮታትናን ተገዳስነትናን (ኣድህቦናን) ኣሉታዊ ተጽዕኖ የብሉን ድዩ፧ እዚ ሕቶ’ዚ ካብ ኣብ ዓይነት ህይወትና ንላዕሊ ኣብ ትሕዝቶን ጽፍፈትን ናይ ጸብጻብና ዘተኰረ’ዩ። እቲ ፈላጥ-ኵሉ ኣምላኽ ኣብ ዓይነት ናይ ህይወትና’ምበር፡ ኣብ ዓይነት (quality) ናይ ጸብጻብና ኸም ዘይግደስ ግሁድ’ዩ። እቶም ጸብጻብና ዚጽበዩ ምድራውያን ኣሕሉቕና፡ ፍልጠቶምን ውሳነታቶምን ኣብ’ቲ ንሕና እንህቦም ጸብጻብ’ዩ ዚምርኰስ። ከም’ቲ ልዕል ኢልና ዝገለጽናዮ ግና፡ እግዚአብሔር ንኣፍልጦኡ ወይ ንተዘክሮኡ ኢሉ ንጸብጻብና ኸም ዘይደልዮ ፍሉጥ’ዩ። ናይ ብሓጢኣት ዝተበላሸወ ህይወት፡ ወሃ ዘበለ ጽፉፍ ጸብጻብ እንተ ኣቕረብና፡ እንታይ ዋጋ ኣለዎ፧ ነቲ ዚጽበየና ዜሰክሕ ፍርዲ፡ ሓንቲ በሰር ወይ መንገፍ’ኳ ኣየጕድለሉን’ዩ። ረብሓ ጸብጻብ፡ ህይወትካ ኽትምርምር፡ ዘይተደላዪ ኣሊኻ ዝጐደለ መሊእካ መንቅብ ዘይብሉ ህይወት ንኽትመርሕ ምዃኑ ብንጹር ተገሊጹልና ኣሎ። ጸብጻብ ህይወትካ ዕለት መጸ ኣብ ጸጽባሕ ዚግበር’ምበር ኣብ ዕለተ ሞትካ ወይ ኣብ መዓልቲ ምጽኣት ዚፍጸም ኣይኰነን። ኣብ’ዚ ናይ ዓለምና ትካላዊ ኣሰራርሓ’ኳ፡ ጸብጻብ እነቕርብ ኣብ ናይ ዓመት መወዳእታ ጥራሕ ኣይኰነን። መዓልታዊ ኢና ጸብጽብ እነቕርብ። እቲ “ሰሙናዊ፡ ወርሓዊ፡ ዓመታዊ” እናበልና እነቕርቦ ጸብጻብ፡ ድምርን ጽማቝን ናይ’ቲ መዓልታዊ ጸብጻብ’ዩ። ዝኸፈልካዮ ወይ ዝተቐበልካዮ ገንዘብ በገባብን ብትኽኽልን እንተ መዝጊብካዮ፡ ንዚሓትተካ ዅሉ ድሮ ጸብጻብካ ድሉው’ዩ።
ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ጸብጻብ’ውን፡ መዓልታዊ’ምበር ዓመታዊ ወይ ናይ ዕድመ ምሉእ ጸብጻብ ኣይኰነን። ውዕሎኻ መዓልቲ መጸ ምምርማር ማለት መንፈሳዊ ጸብጻብካ ምድላው ማለት’ዩ። ነቲ መርሚርካ ዝረከብካዮ ሓጢኣት ብንስሓ ከም ዚርሕቕ ምግባር፡ እቲ ዝበለጸ መንፈሳዊ ጸብጻብ’ዩ። ንኣምላኽ ዜዕግብ ጸብጻብ ስለ ዝዀነ ኸኣ ድሕነት ዜጐናጽፍ፡ ሰማያዊ ኽብሪ ዜውህብን ዜሸልምን ተግባር’ዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብጸሎት ተደፊእካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣበ-ነፍስኻ (ጓሳ ነፍስካ) ቀሪብካ፡ “ኣነ ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ናይ ሓሶት፡ ናይ ቍጥዓ፡ ናይ ዝሙት ኣበሳ ፈጺመ ኣለኹ ብዛዕባ ሓጢኣተይ እሓዝንን እጠዓስን ኣለኹ’ሞ ስርየት ሃበኒ (ሕድገት ግበረለይ)!! ኣብ መጻኢ ነዚ ሓጢኣት’ዚ ኸይደግም ወሲነ ኣለኹ’ሞ፡ በቲ ዜኽእል ጸጋኻ ደግፈኒ” ኢልካ ምጽላይ፡ ሓደ ክርስትያን ናብ ኣምላኽ ኬቕርቦ ዚኽእል ዝበለጸ ጸብጻብ’ዩ። ናብ ኣምላኽ ዚቐርብ መንፈሳዊ ጸብጻብ ከይተገብረ፡ ይትረፍ ሰሙናትን ዓመታትን ኬቝጽር፡ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ጸሓይ ክትዓርቦ’ኳ ኣይግባእን’ዩ። ስለ’ዚዶ ኣይኰነን “ኣብ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም” ዝተበሃልና (ኤፌ 4፡26)። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ “ቅድም ምስ መባእስትኻ ተዓረቕ፡ ብዛዕባ ሓጢኣትካ ድማ ናብ ኣምላኽ፡ ተነሳሕ” ማለት’ዩ።
ነቲ ጸብጻብና ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ንሕና እንተ ረሳዕናዮ፡ ኣምላኽ ግን ኣይርስዖን’ዩ። ነቶም ኣብ ማቴ 25፡31-40 ተጠቒሶም ዘለዉ ጻድቃንን ሓጥኣንን ንዘክር። እቶም ጻድቃን ዘይኰኑስ እቲ ንጉስ እቲ ዳኛ’ዩ ናይ ተግባሮም ጸብጻብ ዘቕረበ። ንሳቶም ንብዙሓት ጥሙያትን ጽሙኣትን ዕሩቓትን ሕሙማትን እሱራትን ከም ዝረድኡ ጽቡቕ ገይሮም ይፈልጡን ይዝክሩን’ዮም። እዚ “ኣብሊዕኩምኒ፡ ኣልቢስኩምኒ” ዚብሎም ዘሎ ንጉስን ዳኛ ግን ሕጂ ንመጀመርታ ጊዜዮም ዚርእይዎ ዘለዉ። ስለ’ዚ’ዮም፡ “ኣበይ ረኺብናኻ፧” ዝበሉ። ናይቶም ሓጥኣን’ውን ተመሳሳሊ’ዩ። እንተ ዀነ ኣብ ጊዜ ምጽኣት እቲ ብዋግዋጎ እንፈልጦ ሓቂ፡ ድሕሪ ትንሳኤ ግን ብዜገርም ልክዕነትን ዝርዝርን ስለ ‘ንፈልጥ ጸገም የለን (1ቈረ 13፡12)። ሽዑ ጐይታ ንሓጢኣትና ይኹን ንጽድቅና ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ኬቝም ስለ ዝዀነ ዚሕባእን ዚስወረናን ነገር ኣይኪህልውን’ዩ (1ቈረ 4፡5፣ መዝ 50፡21)። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ’ቲ እንህቦ ጻብጻብ ኣዝዩ ግሩም ቃል ጽሒፉልና ኣሎ።
““ኣነ ህያው’የ፡” ይብል እግዚአብሔር፡ “ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ’ዩ፡” ዚብል ጽሑፍ’ዩ’ሞ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ..... ነፍሲ ወከፍና (ብዛዕባ) ገዛእ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ’ዩ።” ሮሜ 14፡10,12, ካ.ት
“ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን’ዩ’ሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ’ዩ። ነፍስን መንፈስን፡ መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጉዕን ክሳዕ ዚፈላልይ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዚፈርድ’ዩ። እቲ ጸብጻብ እንህቦ (ኣምላኽ) ከኣ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን’ዩ’ምበር ካብ ቅድሚኡ ዚሕባእ ፍጡር የልቦን። እብ 4፡12,13
“ነፍሲ ወክፍ ሰብ ጸጾሩ ኺጸውር’ዩ’ሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ፡ በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ።” ገላ 6፡4,5
እምበኣር፡ እቲ ፍርዲ እምብዛ ረቂቕ፡ እቲ ጸብጻብ ምሃብ ድማ ፈጺሙ ዘይተርፈልና ኻብ ኰነ፡ መዓልታዊ ርእስና እናመርመርና ኣካይዳናን ፍረ ህይወትናን ነጸብቕ። ምኽንያቱ እታ እንኮ ጸብጻብና እነጸብቐላ መንፈሳዊት ጥበብ ንሳ’ያ። ግብሩን ኣካይዳኡን ኬጸብቕ ዘይመረጸ፡ ከም በሃም እንስሳ ዘጓነፎን ቅኑዕ ዝመሰሎን ነገር ብደመ ነፍሲ እናገበረ ዚኸይድ ሰብ፡ ዋላ ጸብጻብ ኬዳሉ እንተ ደለየ’ውን ወጽዓ’ምበር፡ ረብሓ ስለ ዘይረኽበሉ፡ እንተ ዘይተገደሰሉ ኣየገርምን’ዩ። ኣቦታትና “ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ ካብ ማይ ጸባ ከም ዚብሉ፡ ካብ ጽቡቕ ኣካይዳ ዘይተረኽበ ካብ ጽቡቕ ጸብጻብ ኣይርከብን’ዩ። ከም’ቲ ነብዪ ዳንኤል ዝበሎ ናብ ክብርን ሓጐስን’ምበር፡ ናብ ሕፍረትን ነውርን ናብ ስቓይን ምሕርቃም ኣስናንን ምእንቲ ኸይንበራበር ጽቡቕ ጸብጻብ ዚወልድ ጽቡቕ ታሪኽ ንህነጽ። እንተ’ታ ጸብጻብካ ሃበኒ” እትብል ትእዛዝ ግን ኣይክትተርፈልናን’ያ። ኣይከነምልጠላን ድማ ኢና። ጽፉፍ ጸብጻብ ናይ ጽፉፍ ህይወት ውጽኢት ጥራሕ’ዩ!!
ጸጋ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ
ግንቦት 13, 2015 ግዕዝ (21 ግንቦት 2023 ፈ [መበል 37 ሰንበት: ቊ.፵፭/45, 2023] ) |
||
ምስባክ መዝ. ፻፲፯(፻፲፰)፡፳፬,፳፭ “ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር። ንትፌሣሕ ወንትኃሠይ ባቲ። ኦ እግዚኦ አድኅንሶ።” “እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ’ያ፡ ብእኣ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣድሕን ኰታ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣሰልጥን ኰታ።” |
ንባባት |
ኣንባቢ |
2ቈረ 5፡1-10 |
ዲያቆን |
|
1ጴጥ 4፡4-11 |
ንፍቅ ዲያቆን |
|
ግብ 10፡39-43 |
ንፍቅ ካህን |
|
ዮሃ 21፡1-14 |
ሰራዒ ካህን |
|
ቅዳሴ፦ ዘዲዮስቆሮስ |